ኣብ ኲናት ሱዳን ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ'ቲ ዝተገመተ ምዃኑ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዝሒ ኣብ ኵናት ሕድሕድ ሱዳን ዝተቐተሉ ሰባት፡ ልዕሊ እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝተገመተ ከም ዝኾነ ሓድሽ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ።
ኣብ ትሕቲ ለንደን ስኩል ኦፍ ሃይጅን ኤንድ ትሮፒካል ሜድስን ብዝርከብ ሱዳን ሪሰርች ግሩፕ ዝተኻየደ መፅናዕቲ፡ እቲ ጐንፂ ኣብ ዝጀመረሉ ግዝኣት ካርቱም፡ ልዕሊ 61 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊፁ።
ብቀንዱ ድማ፡ ሰባት ብሕማምን ጥምየትን ይሞቱ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።
ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገር እውን ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም ሰባት ሞይቶም። ብፍላይ ድማ ኣብ ግዝኣት ዳርፉር፡ ልዑል መጠን ዘለዎ ቅትለትን ምፅናት ዓሌትን ከም ዝተፈፀመ ተሓቢሩ።
ን19 ኣዋርሕ ኣብ ዝቐፀለ ኵናት ሕድሕድ ሱዳን፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝሓሰመ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዝፈጠረ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ገሊፀን እየን።
ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ንጥሜት ተቓሊዖም ከምዝርከቡ ይንገር።
ዛጊድ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላት ሓገዝን 20 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ይገልፁ ነይሮም።
ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኵናት፡ ክንደየናይ ሰባት ከም ዝሞቱ ብግቡእ ይስነድ የለን።
ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ቶም ፔሪሎ፡ ክሳብ 150 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐተሉ ሓቢሩ ነይሩ።
ዘ ሱዳን ሪሰርች ግሩፕ፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብቲ ኵናት ንማዕቐብ ኣፅዋር ሕቡራት ሃገራት ብዝጥሕስ መልክዑ ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂ ፈረንሳይ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝወዓለ ኣብ ዘቃለዐሉ እዩ፡ ነዚ መፅናዕቲ ወግዓዊ ገይሩ ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል- ኣምነስቲ፡ ህፁፅ ወሃቢ ደገፍ [RSF] ፡ ኣብ ዳርፉር ተሽከርከርቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ይጥቀም ከም ዘሎን፡ እዚ ድማ ናይ ፈረንሳይ ኣፅዋር ምዃኑን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ እዩ።
ዋና ፀሓፊ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣግነስ ካላማርድ፡ “ኣብ ኵናት ሱዳን፡ ብፈረንሳይ ዝተነደፉን ዝተሰርሑን ኣፅዋር ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ ከም ዘለዉ መፅናዕትና የመልክት” ኢሉ።
ክልቲአን ሃገራት ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበል ሕቶ ምላሽ ኣይሃባን።

ምንጪ ስእሊ, Amnesty International
ዘ ሱዳን ሪሰርች ግሩፕ፡ ኣብ ካርቱም ዘጋጠመ ሞት 90 ሚእታዊት ከም ዘይተመዝገበን፡ ኣብ ካልኦት ከባብታት’ውን ተመሳሳሊ ክፍተት ክህሉ ከም ዝኽእል ገሊፁ።
መራሒት እቲ መፅናዕቲ ዶክተር ሜይሰን ዳሃብ፡ ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ መጠን ሞት እኹል ሓበሬታ ምርካብ ከም ዘይተኽኣለ ገሊፃ።
በዚ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ እዚ ኵናት ናይ ዝሞቱ ሰባት ጠቕላላ ኣሃዝ ንምፍላጥ ኣፀጋሚ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







