ሱዳን፡ ብጥሜት ሕሱም ዝተሃስየ መዓስከር ድሕሪ ኣዋርሕ ቀዳማይ ረድኤት ረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, WFP
ኣብ ሱዳን ኣስታት 500 ሽሕ ተመዛበልቲ ዝሓቘፈ ብጥሜት ዝተሃስየ መዓስከር ድሕሪ ኣዋርሕ ፈላማይ ቃፍላይ ረድኤት ረኺቡ።
ረድኤት ዝጽዓና መካይን ሕቡራት ሃገራት፡ ብዓርቢ ናብቲ ብሰንኪ ን18 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ሃዲሞም ዘዕቈብሉ መዓስከር ዛምዛም ከምዝኣተዋ ተፈሊጡ’ሎ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጥቓ እቲ መዓስከር ከተማ ዳርፉር ኤል-ፋሸር ብዝተኻየደ ብርቱዕ ውግእን ብሰንኪ ዝናብ ጽርግያታት ስለዝተበላሸዉን ረድኤት ተቛሪጹ ከምዝጸንሐ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ፖለቲካዊ ስልጣን ናይታ ሃገር ንምቍጽጻር ዓሊሙ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝፈጠረ ኰይኑ 10 ሚልዮን ሰባት ካብ ገዛኦም ክመዛበሉ ካብ ምግዳዱ ብተወሳኺ ሕብረተሰብ ንኣደዳ ጥምየት ኣቃሊዕዎም’ዩ።
ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኤል-ፋሸር ካብ ወተሃደራት ሱዳን ንምምንዛዕ ውግእ ካብ ዝኸፍት ንደሓር ብዝሒ ህዝቢ ዛምዛም ከም ዝወሰኸ ይንገር።
ኤል-ፋሸር ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ኣብ ትሕቲ ወተሃደራት ሱዳን እትርከብ እንኮ ከተማ እያ።
ኣብ ነሓሰ፡ ናጻ ጕጅለ ክኢላታት ውሕስነት መግቢ፡ እቲ ኲናት ንዛምዛም ናብ ጥሜት ከም ዝደፍኣ ኣቃሊሑ።
ሓደ ከባቢ ብጥሜት ተጠቒዑ ዝበሃል ካብቲ ጠቕላላ ህዝቢ እንተወሓደ 20 ሚእታዊት ስድራቤታት ሕጽረት መግቢ ክገጥሞም ኣለዎ፣ 30 ሚእታዊት ህጻናት ብሕዱር ሕጽረት መግቢ እንተተጠቒዖም፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ 10 ሽሕ ሰባት ድማ ክልተ ሰባት መዓልታዊ ብጥሜት ወይ ብሕጽረት መግቢን ሕማምን ክሞቱ እንከለዉ’ዩ።
እቲ ናብ ዛምዛም ዝተልኣኸ ረድኤት ኣካል ናይቲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ነቶም ኣብ "ኣዝዮም ኣጸገምትን ዝተነጸሉን ናይ ግጭት ከባቢታት" ዘለዉ ንምብጻሕ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ዓቢ ወሰኽ ምዃኑ እቲ ትካል ገሊጹ።
ናብቲ መዓስከር ረድኤት ዝጽዓና ልዕሊ 700 መካይን ዝኣተዋ ኰይነን 1 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህዝቢ ተጠቃሚ ዝገብር ከምዝዀነ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ገሊጹ።
ገለ ካብቲ ዝተልኣኸ ሓገዝ መግቢ እውን ናብ ክፍለ ግዝኣት ደቡብ ኮርዶፋን ይጕዓዝ ኣሎ።
“ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ስድራቤት ንምብጻሕ ንናይ ጽዕነት መካይንና ውሕስነት ዘለዎ መሕለፊን ቀጻሊ ኣህጉራዊ ደገፍን የድልየና ኣሎ፡" ክብል ዞባዊ ዳይረክተር ምብራቓዊ ኣፍሪቃ ውድብ መግቢ ዓለም ሎረን ቡከራ ገሊጹ።
እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ሓገዝ ብምዕጋትን ብምዝማትን ክኽሰሱ'ኳ እንተጸንሑ፡ ክልቲኦም ግን ነቲ ክሲ ይነጽግዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







