ክንድዚ ዝኣኽሉ ቈልዑ ካብ ውግእ ክሃድሙ ተራእዩ ኣይፈልጥን

ማሕሙድ፡ ክልተ ግዜ ኣላዪ ዝስኣነ ዘኽታም ሱዳናዊ ህጻን እዩ

ምንጪ ስእሊ, Joyce Liu / BBC

ማሕሙድ፡ ክልተ ግዜ ኣላዪ ዝስኣነ ዘኽታም ሱዳናዊ ህጻን እዩ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ድማ ክልተ ግዜ ተመዛቢሉ።

ንሱ፡ ሓደ ካብቶም ዳርጋ ኵሉ ዝስኣኑ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ሱዳናውያን ህጻናት እዩ።

ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ይንገር።

ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም፡ ክንድ’ዚ ዝኣኽሉ ቈልዑ ኣይሃድሙን፤ ብዙሓት ሰባት ንዝኸፍአ ጥምየት ተቓሊዖም’ዮም።ኣብ ሓደ ከባቢ ድሮ ጥሜት ተኣዊጁ ኣሎ።

ካልኦት ብዙሓት ክኣ፡ ዕለታዊ መግቦም ካበይ ከም ዝመጽእ ከይፈለጡ፡ ኣብ ኣፍ ጥምየት ይርከቡ።

“ዘይርአ ቅልውላው’ዩ” ክብል ሓድሽ ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ቶም ፍሌቸር ይገልጾ።

“ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር 25 ሚልዮን ሱዳናውያን- ሓገዝ የድልዮም” ክብል ወሲኹ ይዛረብ።

ኣብታ ንብዙሕ ቅልውላው ተቓሊዓ ዘላ ሱዳን ዘሎ ኵነታት፡ እቲ ኣብ ከም በዓል ቓዛን ዩክረይንን ዝኣመሰሉ ቦታታት ዝቕጽል ዘሎ ኣዕናዊ ውግኣት ንሓገዝን ኣቓልቦን ዓለም ስሒብዎ እዩ።

ፍሌቸር ነዚ ሓላፍነት ምስ ተዋህበ ናብ ሱዳን ክገይሽ መሪጹ።

“እዚ ቅልውላው ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርአ ኣይኰነን፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ንዘለዉ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንህዝቢ ሱዳን ንምሕጋዝ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ እዮም ዘእትው ዘለው” ኢሉ።

መብዛሕትኦም ኣብ ባይታ ዝሰርሑ ሰባት ሱዳናውያን’ዮም።

እዚኦም፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ መንበሪኦም፡ ንቡር ህይወቶምን ስኢኖም’ዮም።

ፍሌቸር፡ መጀመርታ ናብቲ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ከሰላ ዝርከብ መዕቆቢ ዘኽታም ህጻናት ከይዱ።

ማሕሙድ ማይጎማ ኣብኡ’ዩ ዝርከብ።

እቲ እዞም ህጻናት ዘለውሉ ቦታ፡ በዓል ሰለስተ ደርቢ ቤት ትምህርቲ ኰይኑ፡ ኣብቲ ዝፈረሰ ህንጻታት ኣስታት 100 ህጻናት ኣለው።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ሚያዝያ 2023 ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ናብ ጐንጺ ቅድሚ ምእታዎም፡ ኣብ ትሕቲ እቶም ኣብ ካርቱም ዝነበሩ ኣለይቶም ኰይኖም ይናበሩ ነይሮም።

እቲ ኲናት እናሓየለ ምስ ከደ ግን፡ ብሰንኪ እቶም ክፍጸሙ ዝጀመሩ ዘስካሕክሑ ዓመጻት፡ ዝምታን ግህሰትን እቲ መዕቈቢ ዘኽታማት ህጻናት’ውን ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ጀሚሩ።

እቲ ውግእ ናብቲ ኣብ ማእከላይ ሱዳን ዝርከብ ኣብ ዋድ ማዳኒ ዝርከብ ሓድሽ መዕቆቢ ዘኽታማት ምስ ልሓመ፡ እቶም ዝኸኣሉ ናብ ከሰላ ሃዲሞም።

ንወዲ 13 ዓመት ማሕሙድ “ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ክኸውን እየ ዝደሊ፤ ሓላፊ ኰይነ ዝዓነዉ ኣባይቲ ዳግማይ ክሃንጽ ስለ ዝደሊ” ክብል ትምኒቱ ነጊሩና።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ልዕሊ 11 ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም ኣለው።

እዚኦም ናብ ንቡር ተመሊሶም ዝዓነወ ኣባይቶም ክሃንጹ ክጅምሩ ኣዝዩ ዝኸብድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሕጂ፡ መዓልታዊ መግቢ ምርካብ’ውን ቀሊል ኣይኰነን ዘሎ።

ትካላት ረድኤት ክበጽሓሎም’ውን ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ።

ፍሌቸር ኣብ ፖርት ሱዳን ንኣርባዕተ መዓልታት ድሕሪ ዘካየዶ ምብጻሕ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኤክስ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝያዳ ማእከላት ቀረብ ንምቛምን ሰለስተ ዞባዊ መዓርፎ ነፈርቲ ተጠቒሙ ሓገዝ ንምቕራብን ፍቓድ ከም ዝሃቦ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት (WFP) ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ዝቈጻጸሩዎም ከባቢታት ንምብጻሕ ተስፋታት ረኺቡ'ሎ።

ኣብ ዳርፉር ዝርከብ መዓስከር ዛምዛም ጥሜት ከም ዝተኸሰተ ተረጋጊጹ ነይሩ።

ኣብዚ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ይርከቡ።

“ናብዞም ማሕበረሰባት ንምብጻሕ ንኣዋርሕ ጸቕጢ ክንገብር ኢና ጸኒሕና” ይብል ኣብ ፖርት ሱዳን ንዝካየድ መደባት ውድብ መግቢ ዓለም ዝመርሕ ኣሌክስ ማርያነሊ።

ንሱ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣጸጋምን ሓደገኛን ሃዋህው ሰሪሑ ከም ዘይፈልጥ ዘይገልጽ።

ማሕበረሰብ ትካላት ረድኤት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጀነራል ቡርሃን ከም መራሒ ሱዳን ኣፍልጦ ብምሃብ ክሰርሖ ዝግባእ ስራሕቲ ኣይሰርሐን ብምባል ይነቕፉ።

ፍሌቸር "ጀነራል ቡርሃንን ሰበስልጣናቱን ነቶም ነቑጣታትን ስርዓት ፍቓድን ይቈጻጸሩ’ዮም ዘለው። ናብዚኦም ክንኣቱ እንተዀይንና ክኣ ምስኦም ክንሰርሕ ግድን እዩ” ኢሉ።

እቲ ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ዝዋጋእ ዘሎ ሓይሊ’ውን ንህዝቢ ቀዳምነት ክህብ ተስፋ ይገብር።

“እዚ ሓገዝ ንምብጻሕን ህይወት ንምድሓንን ናብ ዝዀነ ቦታ ክኸይድ’የ፤ ምስ ዝዀነ ሰብ ክዘራረብ’የ” ይብል ፍሌቸር።

ኣብቲ ደማዊ ኲናት ሱዳን፡ ኵሎም ወገናት ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ተጠቒሞምሉ ተባሂሉ ክኽሰሱ ጸኒሖም’ዮም።

ብተወሳኺ፡ ሕቡራት ሃገራት "ለበዳ" ብምባል ዝገለጾ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም ተባሂሎም'ውን ይኽሰሱ።