ደቡብ ሱዳን፡ ኲናት ሓድሕድ ከንጸላሉ ዝደረኸ ክሲ ሃገራዊ ድሕነት

እዛ ኣብ ዓለም ብዕድመ ዝነኣሰት ሃገር፡ ኣብ ዝሓለፉ 14 ዓመታት ኣዝዩ ውሑድ ሰላማዊ ኵነታት እዩ ነይሩዋ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እዛ ኣብ ዓለም ብዕድመ ዝነኣሰት ሃገር፡ ኣብ ዝሓለፉ 14 ዓመታት ኣዝዩ ውሑድ ሰላማዊ ኵነታት እዩ ነይሩዋ

ደቡብ ሱዳን - እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ሃገር ዓለምና - እቲ ካብ ስርሑ ዝተኣገደ ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻር ናይ "ስርዓት ለውጢ" ክግበር ድሕሪ ምጽዋዑ ናብ ሓድሽ ኲናት ሓድሕድ ክትጥሕል ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት ክዓቢ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

ማቻር - ኣብዚ እዋን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዘሎ - ብቕትለት፡ ክድዓትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ተኸሲሱ እዩ ዘሎ።

እቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን ኣብ ተቓውሞ (SPLM-IO)፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ዘብቅዐ ናይ 2018 ስምምዕ ሰላም "ንምፍራስ ዝዓለመ መሰረት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ሃድን፡" ክብል ከሲሱ።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ናይ ስልጣን ምቍጽጻሩ ንምሕያል፡ ካብ ጐረቤት ሃገር ዩጋንዳ ተወሳኺ ሰራዊት ናብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ሱዳን ጁባ ተዋፊሩ ኣሎ።

እዚ ቅልውላው፡ ሕቡራት ሃገራት ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ብቢልዮናት ዝቝጸር ኣታዊታት ነዳዲ ሰሪቘም፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክስእኑ ገይሮም ኢሉ ኣብ ዝኸሰሰሉ ዘሎ እዋን'ዩ ዝዓርግ ዘሎ።

ድሕረ ባይታ

ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ዝዀነት ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ብህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን (SPLM) ዝተመርሐ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ቃልሲ፡ ኣብ 2011 ካብ ሱዳን ናጽነት ረኺባ።

ናጻ ሃገር ምስ ኰነት ድሕሪ ክልተ ዓመት ጥራይ፡ ኪር ማቻር ብውዲት ዕልዋ መንግስቲ ብምኽሳስ ካብ ምኽትል ፕረዚደንት ስርሑ ምስ ኣባረሮ ኲናት ሓድሕድ ተላዒሉ።

እቲ ስዒቡ ዝመጽአ ግጭት፡ ብዓቢኡ ኣብ መንጐ ደገፍቲ ክልቲኦም መራሕቲ ዓሌታዊ ድርኺት ዝነበሮ ኰይኑ፡ ብገምጋም 400 ሽሕ ሰባት ክሞቱን 2.5 ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ ገዝኦም ክግደዱን ምኽንያት ኰይኑ'ዩ።

እዚ ልዕሊ ሕምሽን ክፋል ህዝቢ እታ ሃገር እዩ።

ከም ኣካል ናይቲ ስምምዕ ሰላም፡ ማቻር ኣብ ውሽጢ'ቲ ንመረጻ መገዲ ንምጽራግ ዝዓለመ ናይ ሓድነት መንግስቲ ምክትል ፕረዚደንት ኰይኑ ናብ ስልጣን ተመሊሱ።

ስለ ምንታይ ሕጂ ወጥሪ ተላዒሉ?

ሪክ ማቻር [ጸጋም] ምስ ሳልቫ ኪር [የማን] ብ2020 ብሓባር ዝተስኣሉዎ ስእሊ ኰይኑ፡ ቅድሚ ኣብ መንጐኦም ኣፈላላይ ምምጽኡ፡ ኣብ ሰልፊ ኤስፒኤልኤም ብሓባር ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሪክ ማቻር [ጸጋም] ምስ ሳልቫ ኪር [የማን] ብ2020 ብሓባር ዝተስኣሉዎ ስእሊ ኰይኑ፡ ቅድሚ ኣብ መንጐኦም ፍልልይ ምምጽኡ፡ ኣብ ሰልፊ ኤስፒኤልኤም ብሓባር ነይሮም

እዚ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ኣብ መጀመርታ መጋቢት፡ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ምስ ማቻር ልፍንቲ ዝነበሮም ሚልሻ 'ዋይት ኣርሚ' ኣብ ግዝኣት ላዕለዋይ ኣባይ ምስ ሰራዊት ናብ ግጭት ብምእታው ኣብ ናሲር ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ምስ ኣጥቅዑ እዩ ጀሚሩ።

ድሕሪኡ ብ7 መጋቢት ንወተሃደራት ከተውጽእ ዝፈተነት ሄሊኮፕተር ሕቡራት ሃገራት ስለ ዝተተኰሰላ፡ ሓደ ላዕለዋይ ጀነራል ሰራዊት ዝርከቦም ሓያሎ ሞይቶም።

ድሕሪ ኣስታት ሰለስተ ሰሙን፡ ማቻርን ሓያሎ መሻርኽቱን ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ኣትዮም።

ኣብታ ሃገር ናዕቢ ከለዓዕሉ ፈቲኖም ተባሂሎም ድማ ተኸሲሶም።

ኣብቲ እዋን ምክትል መራሒ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን ኣብ ተቓውሞ (SPLM-IO) ኦየት ናትናኤል ፒየሪኖ "ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ተስፋ ሰላምን ምርግጋእን ሕጂ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ፡" ኢሉ።

መንግስቲ ነቲ ወጥሪ ኣብ ክንዲ ዘህድእ፡ መሊሱ ብምግዳድ፡ ኣብ መስከረም ንማቻር ብብዙሕ ክስታት - እቲ ናይ መወዳእታ ገበን ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝዀነ ሃገራዊ ክሕደት ሓዊሱ - ነቒፎም።

ድሕሪ መዓልታት፡ እቲ ሰልፊ ነቲ ጸቕጢ ብምሕያል፡ ንመንግስቲ ኪር "ምልኪ" ክብል ብምውቃስ፡ "ለውጢ ስርዓት" ጠሊቡ።

ኣብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝመስል ዝነበረ ጻውዒት፡ ደገፍቲ እቲ ሰልፊ "ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክኸቱ፡" ከምኡ'ውን "ሃገሮምን ልኡላውነቶምን ንምምላስ ኵሉ ዓይነት መገድታት፡" ክጥቀሙን ኣተሓሳሲቡ።

ይዅን እምበር፡ ምልመላ ሰራዊት ይካየድ ከም ዘሎ ዝሕብር ጸብጻባት የለን፤ እዚ ድማ ሓድሽ ውግእ ከም ዘይህሉ ንእሽቶ ተስፋ ይህብ።

ስምምዕ ሰላም 2018 ከ?

ማቻር፡ ኣብ ሓድነታዊ መንግስቲ ምእታዉ ቀንዲ ኣካል ናይቲ ስምምዕ ክኸውን ከሎ፡ ካልኦት ክፋላት እቲ ስምምዕ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ግብሪ ኣይወዓሉን።

እቲ ንብዙሓት ደቡብ ሱዳናውያን ቀንዲ ዘገድሶም ጕዳይ እቲ ኣወዳድባ ጸጥታ እዩ።

እቲ ስምምዕ፡ ሓይልታት ዓመጽቲ ነበርን ወተሃደራት መንግስትን ብኸመይ ተኣኪቦም፡ ብ83 ሽሕ ወተሃደራት ዝቘመ ውሁድ ሃገራዊ ሰራዊት ክሃንጹ ከም ዘለዎም ይጠቅስ።

እቶም ዝተረፉ ድማ ዕጥቈም ክፈትሑን ክጣየሱን ይግባእ።

እዚ ግን ግብራዊ ኣይኰነን፤ ሕጂ'ውን ብዙሓት ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ጕጅለታት ዝተሰለፉ ሚልሻታት ኣለዉ።

እቲ ብሓገዝ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ውግእ ዓመጻት ንዝፈጸሙ ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ዝዓለመ ቤት ፍርዲ ክቐውም ከም ዘለዎ ኣቐሚጡ ነይሩ።

ይዅን'ምበር፡ ዝቘመ ቤት ፍርዲ የለን።

ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ብኸፊል እቶም ኣብ መንግስቲ ገለ ላዕለዎት ጽፍሕታት ዝሓዙ፡ ሰባት ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ክርእይዎም ዘኽእል ነገር ንምቛም ፍቓደኛታት ስለ ዘይኰኑ እዩ።

ኣብ 2022 ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ'ውን፡ ክሳብ ሕጂ ኣይተኻየደን፤ሓድሽ ቅዋም እውን ኣይተዳለወን።

ብልሽውና ነቲ ኵነታት ብኸመይ ጸልይዎ?

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዙርያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ብቢልዮናት ዶላራት ዝቝጸር ካብ ነዳዲ ዝተረኽበ እቶት ነዳዲ መጽዮምዎ ክብል ከሲሱ።

እቲ ብሰሉስ ዝተዘርግሐ 101 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ - ምዝማት ሓደ ሃገር፡ ሰፊሕ ብልሽውና ብኸመይ ኣብ ደቡብ ሱዳን ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ኣምጺኡ ብዝብል ርእሲ እዩ ተዳልዩ።

እዚ፡ መንግስቲ ካብ ናጽነት 2011 ጀሚሩ ልዕሊ 25.2 ቢልዮን ዶላር ኣታዊታት ነዳዲ ብኸመይ ከም ዝኣከበ ዝሰነደ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ገንዘብ ግን ብስርዓት ብዘይግቡእ ተጠቒሙ፡ ሚልዮናት ደቡብ ሱዳናውያን ቀረባት መግቢ፡ መድሃኒት፡ ትምህርትን ድሕነትን ክስእኑ ገይሩ ይብል።

ሓደ ክፋል እቲ ጸብጻብ፡ እቲ መንግስቲ ዘካየዶ ኣካታዒ ፕሮግራም "ነዳዲ ንመገዲ"፡ ብኸመይ ብገምጋም 2.2 ቢልዮን ዶላር ናብ ህንጸት ጽርግያታት ዘይኰነስ ናብ ፖለቲካዊ ድጋፍ ዝረኽበሉ ከባቢታት ከም ዘመሓላለፈ ኣጕሊሑ የርኢ።

ኣደ መንበር እቲ ኮሚሽን ያስሚን ሱካ፡ ብልሽውና "ሞተር ምንቍልቋል ደቡብ ሱዳን፡" ኰይኑ'ሎ ኢላ።

"ንጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ዝተዳለዉ ቢልዮናት ወግዓዊ ብዘይኰኑ ውዕላትን ኩባንያታት ሼል ይጠፍኡ ኣለዉ፡" ክትብል ኣጠንቂቓ።

ምኒስተር ፍትሒ ጆሴፍ ጌንግ ኣከች ነቲ ጸብጻብ ብምንጻግ፡ ቍጠባዊ ጸገማት ደቡብ ሱዳን ምስ ግጭት፡ ለውጢ ክሊማን ምንቍልቋል መሸጣ ዘይተጻረየ ነዳዲን ዝተሓሓዙ'ዮም ኢሉ።

ኣብ መንጐ ማቻርን ኪርን ዘሎ ጸገም እንታይ እዩ?

ክልቲኦም ኣብ 70ታት ዕድመ እዮም ዝርከቡ።

ኪርን ማቻርን ኣካል ናይቲ ንናጽነት ዝተቓለሰ ኤስፒኤልኤም-SPLM- ኰይኖም፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ወጥሪ ኣለዎም።

እዞም ፍልልያት፡ ዓሌትን - ኪር ዲንካ ክኸውን ከሎ፡ ማቻር ድማ ኑዌር - ፖለቲካዊ ህርፋንን ኣጋዲዱዎም።

ኪር ኣብ 2013 ንማቻር ካብ ስርሑ ምስ ኣባረሮ፡ ኲናት ሓድሕድ ክለዓል ምኽንያት ኰይኑ፤ ማቻር "መላኺ" ኢሉ ኰኒንዎ።

ኣብ መንጐ ክልቲኦም ተወሳኺ ጸገም ዝፈጥር ዘሎ ድማ ተደጋጋሚ ምድንጓይ መረጻ እዩ።

ኣብታ ሃገር፡ መረጻ ኣርባዕተ ግዜ ተናዊሑ፤ እዚ ድማ ማቻር ፕረዚደንታዊ ድሌታቱ ከየፈጽም ከዐንቅፎ እንከሎ፡ ኪር ክሳብ እለተ ሞቱ ፕረዚደንት ክኸውን እዩ ዝሓስብ ዝብል ስክፍታታት ክለዓል ይገብር ኣሎ።

ሪክ ማቻር መን እዩ?

ኣብ 1952 ዝተወልደ ወዲ 72 ዓመት ማቻር፡ መበል 27 ወዲ ሓለቓ ምምሕዳራት ኣዮድን ሊርን ኰይኑ ኣብ ቤተክርስቲያን ፕሮቴስታን ዓብዩ።

ቀዳማይ ዲግሪ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካርቱም መካኒካል ኢንጅነሪን ዝተማህረ ኰይኑ፡ ኣብ 1984 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዩኒቨርሲቲ ብራድፎርድ ፍልስፍናን ስትራተጂያዊ ውጥንን ሳልሳይ ዲግሪ ሰሪሑ።

ካብ ሱዳን ንምግንጻል ኣብ ዝተኻየደ ውግእ፡ መርገጺኡን መርገጺ ዓሌቱ ኑዌርን ንምሕያል ኣብ ዝጽዕረሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት መላፍንቱ ቀይሩ።

ኣብ 2011 ኣብ ግዜ ናጽነት ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ኰይኑ።

ማቻር ኣብ 2013 ካብ ስርሑ ተባሪሩ ድሕሪ ምጽናሕ ከም ኣካል ኣብ 2016 ዝተበጽሐ ስምምዕ ናብ ስርሑ ተመሊሱ።

ድሕሪኡ ግን፡ ኣብታ ሃገር ውግእ ዳግማይ ምስ ተጀመረ ሃዲሙ።

ሳልቫ ኪር መን እዩ?

እዚ ብ1951 ዝተወልደ ወዲ 74 ዓመት ተኸታሊ ካቶሊክ፡ካብ ጓሶት ስድራ ካብ ዝተወልዱ ትሽዓተ ቈልዑ መበል ሻምናይን እዩ።

ኣብ 17 ዓመቱ ድማ ኣብ 1967 ኣብ ቀዳማይ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ንናጽነት ደቡብ ዝቃለሱ ዝነበሩ ጕጅለታት ኣኛኛ ተጸንቢሩ።

ድሕሪ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት - ኣብ ካልኣይ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን - ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ መስረትቲ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት/ምንቅስቓስ ህዝባዊ ሓርነት ሱዳን ነበሩ።

እቲ ኣብ ወተሃደራዊ ስለያ ዝነጥፍ ኣዛዚ ዕጡቓት ነበር፡ ኣብ ውሽጢ ኤስፒኤልም- SPLM- ማእከላይ መርገጺ ዘለዎ ተገይሩ ዝርአ ኰይኑ፡ ኣብ 2005 ፕረዚደንት ነበር ጆን ጋራንግ ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ምስ ሞተ መራሒ እቲ ሰልፊ ኰይኑ።

ድሕሪ ናጽነት ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ኰይኑ፤ መረጻ ስለ ዘይተኻየደ ድማ ን14 ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣሎ።

ነገራት ክሳብ ክንደይ ክኸፍኡ ይኽእሉ?

ኣብ መጋቢት፡ ሓላፊ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ኒኮላስ ሃይሶም፡ እታ ሃገር "ናብ ምሉእ ኲናት ሓድሕድ ንምምላስ ኣብ ድርኩኺት፡" ከም ዘላ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ናብ ውግእ ምምላስ "ኣብቲ ዞባ ናይ ውክልና ውግእ፡" ከስዕብ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታታት ከም ዘሎ ተንታኒ ክራይሲስ ግሩፕ ዳንኤል ኣከች ገሊጹ።

"ደቡብ ሱዳን ብብዙሓት ዕጡቓት ጕጅለታት መሊኣ ኣላ፤ ኵሎም ንወተሃደራዊ ጽምዶ ዝዳለዉ ዘለዉ ይመስሉ።"

ኣብ ጐረቤት ሃገር ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካልእ ናይ ዘይምርግጋእ ባእታ ይውስኽ።

መራሕቲ ኣባላት ዞባዊ ጕጅለ ኢጋድ - ዩጋንዳ ሓዊሱ - ዋሕስ ናይቲ ኣብ 2018 ዝካየድ ስምምዕ ክዀኑ ይግባእ።

ገለ ወተሃደራት ዩጋንዳ ኣብ መጋቢት ናብታ ሃገር ከም ዝተዋፈሩ፡ እዚ ድማ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ነቲ ሰራዊት ንምድጋፍ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ስምምዕ እዩ ዝበሎ።

ኣብዚ ሰሙን ተወሳኺ ሰራዊት ዩጋንዳ ዝጸዓነት ቃፍላይ መኪና ናብ ጁባ ክትኣቱ ተራእያ።

እዚ፡ ከቢድ ዕጥቂ ዝሓዙ ወተሃደራት ዝመልኣ ሸውዓተ መካይን ጽዕነት፡ ሰለስተ ድሩዓት መካይንን ሓንቲ ኣምቡላንስን ዘጠቓለላ - ኵለን ቍጽሪ ሰሌዳ ኣይነበረንን።

እዚ ተወሳኺ ጕጅለ ወተሃደራት ዩጋንዳ፡ ክሲ ማቻር ዓመጽ ከልዕል'ዩ ዝብል ስክፍታታት ኣብ ዝዓብየሉ ዘሎ እዋን ዝመጽአ ብምዃኑ፡ ንሰራዊት ኪር ንምድልዳል ዝግበር ፈተነ ይመስል።

መስርሕ ፍርዲ መዓስ ከም ዝካየድ ብወግዒ ኣይተፈልጠን፤ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰናብቲ ግን ማቻር ምስ ጠበቓታቱ ተራኺቡ ነይሩ። እዚ ድማ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ክማጐት ድሉው ከም ዘሎ ዘመልክት'ዩ።