ቤት ፍርዲ ደቡብ ሱዳን፡ ክሲ ምክትል ፕረዚደንት ማቻር ደው ክብል ንዝተገብረ ፈተነ ነጺጉዎ

ሪክ ማቻር

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ፍሉይ ቤት ፍርዲ ደቡብ ሱዳን ብቕትለት፡ ክድዓትን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ንዝተኸሰሱ ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻርን ሸውዓተ ተሓባበርቱን ክኸስስ ከም ዝኽእል ገሊጹ።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ ጠበቓታት ማቻር ብዛዕባ ስልጣን ቤትፍርዲ፡ ሕቶ ቅዋምነት ናይቲ ጉዳይ፡ ከምኡ'ውን ናይ ዘይምኽሳስ ከለላ ናይቲ ምክትል ፕረዚደንት ኣመልኪቶም ንዘቕረቡዎ ተቓውሞ ነጺጉዎ። እቲ ጉዳይ ንረቡዕ ክቕጽል እዩ።

ማቻር እቲ ዝቐረበሉ ክሲ ጭብጢ ዘይብሉን "ፖለቲካዊ ሃድንን፡" ምዃኑ ብምምጓት፡ ነታ ሃገር ናብ ኲናት ሓድሕድ ክመልሳ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

እዚ ክሲ'ዚ፡ ኣብ መጋቢት ምስ ማቻር ምትእስሳር ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ዕጡቕ ምልሻ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ዝሰዓበ ኰይኑ፡ ኣብቲ ግጭት 250 ወተሃደራትን ሓደ ጀነራልን ተቐቲሎም።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ማቻር ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ይርከብ።

ጠበቓታት ማቻር፡ እዚ ዓይነት ገበን'ዚ ብሃገራዊ ቤትፍርዲ ክርአ የብሉን ኢሎም ክማጐቱ ጸኒሖም እዮም።

ብመሰረት'ቲ ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ክልተኦም ወገናት ንዝተኻየደ ውግእ ሓድሕድ ደው ዘበለ ስምምዕ ሰላም፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ብዝቘመ ዝተዳቐለ ቤትፍርዲ ክስማዕ ኣለዎ ኢሎም።

ዳኛ ጀምስ ኣላላ፡ ገና እቲ ዝተዳቐለ ቤትፍርዲ ስለ ዘይተመስረተ ፍሉይ ቤትፍርዲ ንሃገራዊ ገበናት ክፈርድ ከም ዝኽእል ይገልጽ።

"ፍሉይ ቤትፍርዲ ነዚ ጉዳይ ብመሰረት ዝተመሓየሸ መሰጋገሪ ቅዋም 2011 ናይ ምፍራድ ስልጣን ኣለዎ፡" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ማቻር ብዓልስልጣን ብምዃኑ ካብ ክሲ ሕጋዊ ከለላ ከም ዘይብሉ'ውን ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ጥራይ እዩ ሕጋዊ ከለላ ዘለዎ።

እቲ ቤትፍርዲ ንኽልተ ካብ ጠበቓታት ማቻር ሕጋዊ መስርሒ ፍቓድ ስለ ዘይነበሮም ካብ ጥብቅና ኣባሪሩዎም።

ፍቓዶም ምስ ኣሐደሱ ግና ዳግማይ ናብቲ ጉዳይ ክጽንበሩ ይኽእሉ እዮም።

ማቻር ዝመርሖ ሰልፊ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ሱዳን - ተቓውሞ (SPLM-IO)፡ እቲ ዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ ዘይቅዋማዊ ምዃኑ ብምግላጽ፡ መወዳእታ ኣቐዲሙ ዝተፈልጠ ሻራዊ፡ ናይ ሓሶት ፍርድን ኣድሉዎን ዘለዎ ምዃኑ ከሲሱ። ካብ ቀቢላዊ ድራኸ ዝነቐለ እዩ ብምባል'ውን ይወቅስ።

ቀንዲ ጠበቓ ማቻር ጌሪ ራይሞንዶ ለገ ሉባቲ ንቤትፍርዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ማቻርን እቶም ተሓባበርቲ ተኸሰስትን ብምኒስተራትን ካልኦት ሰበስልጣንን ፖለቲካዊ ድፍኢት ዘለዎ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጐስጓስ ከም ዝተኻየደሎም ገሊጹ።

እዚ ድማ ኣብ ቅዋም ናይታ ሃገር ንዝሰፈረ ናይ ንጽህና መሰሎም ዝጥሕስ እዩ።

እዚ ክስታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዳግማይ ውግእ ከይባራዕ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ጐረባብቲ ሃገራትን ኣብታ ድሕሪ ነዊሕ ኲናት ኣብ 2011 ናጻ ዝዀነት ሓዳስ ሃገር፡ ንጉዳያት ስኽን ኢልካ ምርኣይ ክህሉ ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።