መንሽሮ ጡብ ጠንቁ እንታይ'ዩ? ክፍወስከ ይኽእል ዶ?

መንቀሊ መንሽሮ ጡብ እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ 2020፡ ብደረጃ ዓለም ኣስታት 23 ሚሊዮን ደቂ ኣንስትዮ ብመንሽሮ ጡብ ክሓማ እንከለዋ፡ ካብኣተን እተን 685 ሽሕ ከም ዝሞታ ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ኣስታት 7.8 ሚሊዮን ደቂ ኣንስትዮ ብመንሽሮ ጡብ ከም ዝሓመማ ክረጋገጽ እንከሎ፡ መንሽሮ ጡብ ዝበዝሐ ሰብ ብምጥቃዕ ቀዳማይ ደረጃ ክሕዝ ክኢሉ እዩ።

ጓል ኣንስተይቲ ንእተዄንኪ፡ ኣብ ዝዀነ ክሊ ዕድመ እናሃለኺ መንሽሮ ጡብ ክትሓሚ ትኽእሊ ኢኺ።

ቍጽሩ ውሑድ’ዩ ዝብሃል እንተዀነ’ውን ደቂ ተባዕትዮ’ውን ብመንሽሮ ጡብ ይተሓዙ’ዮም። ነዚ ሕማም የቃልዑ’ዮም ተባሂሎም ዝተነጸሩ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት፡ ነቲ ሕማም ናይ ምቅላዕ ዕድል ብ30 ሚኢታዊት ጥራይ’ዮም ዝንክዩ።

ስለዚ፡ ምልክታት እቲ ሕማም፡ ቅድመ ጥንቃቐን ሕክምናኡን ዝምልከት ክትፈልጢ ኣለኪ።

ኣብዚ ጉዳይ፡ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ንምርካብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መደወላቡ ሪፈራል ሆስፒታል ጐባ ክኢላ መጥባሕትን ኣብ መንሽሮ ጡብ መጽናዕቲ የካይድ ንዘሎን ዶክተር ከበበ በቀለ ተወኪስናዮ ኣለና።

መንሽሮ ጡብ ካበይ ከም ዝመጽእ ይፍለጥ’ዶ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዶክተር ከበበ ከም ዝብሎ፡ መንሽሮ ጡብ ይዅን ካልኦት ዓይነታት መንሽሮ ብጭቡጥ እንታይ’ዩ መንቀሊኦም ዝብል ብመጽናዕቲ ዝተረጋገጸ ነገር የለን።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ፡ 85 ሚእታዊት መንሽሮ ጡብ ‘epithelium of the ducts’ ዝብሃሉ ሆርሞናት ኣብ ውሽጢ ዋህዮታት ምዕባይ ክጅምሩ እንከለው’ዩ ይብል።

እዞም ዋህዮታት መንሽሮ ካብ ካልኦት ዋህዮታት ሰብነትና ቀልጢፎም ክባዝሑን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ክዀኑን እንከለው ናብ ሞት የቃልዑ።

እዚ ሕማም፡ ካብ ምንታይ ዝመጽአ’ዩ ዝብል'ኳ እንተዘይፈልጥና ተቓላዕነት ክውስኹ ዝኽእሉ ጉዳያት እንታይ ክዀኑ ይኽእሉ ክንብል ግን ነቲ በዓል ሞያ ሓቲትና።

ዕድመ

መንሽሮ ጡብ ኣብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ዕድሚአን ልዕሊ 30 ኣብ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ዝርአ እንተዀነ’ውን ኣብ 20ታት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ’ውን በቲ ሕማም ከም ዝትሓዛ ይዛረብ።

“ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ መጽናዕታት፡ እቲ ሕማም ኣብ 20ታት ኣብ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ክርከብ ከም ዝኽእል ተረጋጊጹ’ዩ። እንተዀነ ዕድመ እናወሰኸ ተቓላዕነት’ውን እናወሰኸ’ዩ ዝኸይድ” ይብል።

ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እዚ ሕማም መብዛሕትኡ ግዜ ዕድሚአን ልዕሊ 40 ንዝዀና ደቂ ኣንስትዮ’ዩ ዘጥቅዕ'ኳ እንተበለ ዶክተር ከበበ ግን “ኣብ ሃገርና ብብዝሒ ዕድሚአን ካብኡ ንታሕቲ ኣብ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ይርአ’ዩ ዘሎ” ኢሉ።

ጾታ

ጓል ኣንስተይቲ ምዃን ንርእሱ ንሕማም መንሽሮ ከም ዘቃልዕ ዶክተር ከበበ ይዛረብ። እዚ ማለት ግን ደቂ ተባዕትዮ ፈጺሙ ብሕማም መንሽሮ ኣይጥቅዑን ማለት ኣይኰነን።

99 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ንመንሽሮ ጡብ ዝቃልዓሉ ምኽንያት ከብርህ እንከሎ፡ ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ይጠቅስ።

“ጓል ኣንስተይቲ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ እትርእየሉ ግዜ፡ ኣጥቧታ ይውስኽን ይንክን’ዩ። ኣብዚ ኦስትሮጅን ዝተባህለ ሆርሞን ስለ ዝፈርን ንነዊሕ ግዜ ነቲ ሆርሞን ስለ እትቃላዕን፡ በብግዜኡ ዝህሉ ዑደት ስለ ዝዀነ ዋህዮታት መንሽሮ ንኽፈርዩ ምቹእ ኵነታት ክፈጥር ይኽእል’ዩ፡” ይብል።

ደቂ ተባዕትዮ’ኸ ስለ ምንታይ ብመንሽሮ ጡብ ይትሓዙ?

ኣብ ደቂ ተባዕትዮ እቲ ልክዕ ምኽንያት ኣይፍለጥን። ግን ክኣ፡ ብተወርሶ፡ ኣብ ውሽጢ ሰብነት ዝህሉ መጠን ኤስትሮጅን ሓፍ ክብል ዝገብሩ ነገራት - ልዕሊ ዓቐን ርጉድን በሰላ ጸላም ከብዲ - ከም ምኽንያት ይጥቀሱ’ዮም።

ብተወሳኺ፡ ቅድም ኢሉ ኣብ ከባቢ ኣፍ ልቢ ዝተገብረ ራዲዮቴራፒ ነዚ ሕማም ከቃልዕ ከም ዝኽእል ኣገልግሎት ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ ይገልጽ።

ደቂ ተባዕትዮ፡ ነዚ ሕማም ዘለዎም ስግኣት ንምንካይ ተመጣጣኒ መግቢ ክምገቡ፡ ልዕሊ ዓቐን ክብደት ከይህልዎም ምክትታል ክገብሩን ልዕሊ ዓቐን ኣልኮል ከይሰትዩን ይምከር።

መንሽሮ ጡብ ብዘርኢ ይመሓላለፍ’ዶ?

ዶክተር ከበበ ከም ዝብሎ፡ 20 ሚእታዊት መንሽሮ ጡብ ብዘርኢ ዝመሓላለፍ’ዩ።

እዚ ድማ፡ ኣደ፡ሓፍቲ ወይ ቈልዑ በቲ ሕማም እንተ ተለኺፎም ኣባል እቲ ስድራቤት ዝዀነት ጓል ኣንስተይቲ ነዚ መንሽሮ ናይ ምቅላዕ ዕድላ ሰፊሕ’ዩ።

ብተወሳኺ፡ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ፡ ምዝውታር ኣልኮላዊ መስተ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባር፡ ንነዊሕ ሰዓታት ኰፍ ምባልን፣ እታ ሓንቲ ጡብ ብመንሽሮ ተለኺፉ እንተዀይና ነታ ካልኣይቲ ናይ ምትሓዝ ዕድላት ክሰፍሕ ይገብሩ።

ጡብ ዘይምጥባው'ውን ነዚ ሕማም ካብ መንጐ ዘቃልዑ ምኽንያታት'ዩ ተባሂሉ ይጥቀስ።

“ጡበይ ዓቢ’ዩ፤ ንመንሽሮ ዘቃልዓኒ’ዶ ይኸውን?

ዶክተር ከበበ፡ ጡብ ዓቢይ ስለ ዝዀነ ጥራይ ንመንሽሮ ዝተቓልዐ ከም ዘይከውን ንእሽቶ ስለ ዝዀነ ድማ ካብ መንሽሮ ከም ዘይተርፍ ይዛረብ።

“ጡብ ካብ ሰለስተ ነገራት’ዩ ዝፍጠር። መንሽሮ ጡብ ድማ ካብቲ ጸባ ዘመንጩ ቲሹ እምበር ጡብ ብምዕባዩ ኣይኰነን” ኢሉ።

መትሓዚ ጡብከ?

ክሳብ ሕጂ መትሓዚ ጡብ ምግባር፡ ንመንሽሮ የቃልዕ’ዩ ተባሂሉ ብወግዒ ዝተፈልጠ ነገር ከም ዘየሎ ሰብ ሞያ ሕክምና ይዛረቡ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ እዚ ሕማም ምስ ጀነቲክ ዝተሓሓዝ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ደጋዊ ክፍሊ ኣካላትና ምስ ዝግበሩ ነገራት ዝትሓሓዝ ጉዳይ የብሉን።

ኵነታት ጡባ እትዕዘብ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንሽሮ ጡብ ክፍወስ ዝኽእል ሕማም ድዩ?

መጀመርታ ክንፈልጦ ዝግብኣና ጉዳይ፡ መንሽሮ ጡብ ክሕከምን ክፍወስን ዝኽእል ሕማም’ዩ ይብል ዶክተር ከበበ።

እዚ ግን፡ እቲ ሕማም ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ሱር ከይሰደደ እንተ ተፈሊጡ ጥራይ እዩ።

ብእዋኑ ተፈሊጡ ክብሃል ዝኽእል መዓስ ምዃኑ ከብርህ እንከሎ፡ “መንሽሮ ጡብ ኣርባዕተ ደረጃታት ዘለውዎ ኰይኑ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ደረጃ እቲ መንሽሮ ኣብ ዝቦቘለሉ ክፍሊ ሰብነት ዝርከብ’ዩ። እቲ መንሽሮ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ እናሃለወ እንተ ተፈሊጡ ብእዋኑ ክፍወስ ይኽእል እዩ ማለት’ዩ። ሳልሳይን ራብዓይን ደረጃ እንተዀይኑ ናብ ትሽቱሽ ከምኡ’ውን ሳንቡእ ምስ ተዘርግሐ’ዩ ዝፍለጥ” ክብል የረድእ።

ስለዚ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጡበን ዝዀነ ዓይነት ሕበጥ እንተርእየን ብቕልጡፍ ናብ ትካል ጥዕና ብምኻድ መርመራ መንሽሮ ክገብራ ኣለወን ይብል።

መንሽሮ ጡብ መጀመርታ ክወጽእ እንከሎ ዝዀነ ዓይነት ቃንዛ ስለ ዘየስምዕ፡ “እዚኣ ንእሽቶ’ያ፣ ዋላ ሓደ ኣይከውንን ብዝብል ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ምጽናሕ” እቲ ሕማም ንኽስፋሕፋሕ ዕድል ምሃብ ምዃኑ እቲ በዓል ሞያ ይጠቅስ።

ጡብና፡ ኣብ ዝዀነ እዋን መዓልታዊ ክንተናኽፎ እንኽእል ክፍሊ ሰብነትና እዩ።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ዕድሚአን ትሕቲ 45 ዓመት ዝዀናን ወርሓዊ ጽግያት ዝርእያን ደቂ ኣንስትዮ “ወርሓዊ ጽግያተን መጺኡ ምስ ከደ፡ ወርሓዊ ጡበን ብኣግባቡ ብምፍታሽ ሕበጥ ምህላውን ዘይምህላውን ከረጋግጻ ኣለወን። ብፍላይ ዓቢይ ጡብ ዘለወን ላዕለዋይ ቆርበተን ጥራይ ብምትንኻፍ ዝገድፋኦ እንተዀይነን ክረኽባኦ ስለ ዘይኽእላ፡ ብግቡእ ምሉእ ብምሉእ ክፍትሻኦ ኣለወን” ክብል ዶክተር ከበበ የገንዝብ።

ወርሓዊ ጽግያት ዘይርእያ እንተዀይነን ድማ፡ ኣብ ወርሒ ሓደ መዓልቲ ጡበን ብኣግባቡ ክፍትሻ ይመዓድ።

“ዝዀነ ዓይነት ሕበጥ እንተርእየን፡ ቃንዛ እንተዘይሃለዎ’ውን ምልክት መንሽሮ ክኸውን ስለ ዝኽእል ናብ ሕክምና ክኸዳ ይግባእ።"

ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ብመንሽሮ ዝተጠቕዐ ሰብ እንተሃልዩን ዕድሚአን ልዕሊ 40 ዓመት እንተዀይኑን ዝዀነ ዓይነት ምልክት ኣብ ዝርእያሉ ግዜ ናብ ሕክምና ክኸዳ ይግባእ።

መንሸሮ ጡብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምልክት ሕበጥ እንከየርኣየ ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ክጠፍእ ከም ዘይክእል ዝገልጽ ዶክተር ደበበ፡ ሓሓሊፉ ኸኣ እቲ ሕበጥ ንጡብ ገዲፉ ኣብ ትሽትሽ ክወጽእ ከም ዝኽእል ይዛረብ።

ስለዚ፡ ኣብ ትሽትሽና ገጽ ክንፍትሽ ይግባእ። መንሽሮ ጡብ ኣብ ሰብነትና ምስ ተስፋሕፍሐ፡ ኬሞ ቴራፒን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሕክምናታትን ይወሃቡ።

በዚ ሰባት ክፍወሱ ይኽእሉ’ዮም።

ደረጃ እቲ መንሽሮ ክውስኽ እንከሎ ግን እቲ ሕክምና’ውን ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ስለ ዝገብሮ፡ ኣቐዲምካ ምክትታል ይምዓድ።