መንሽሮ፡ 'ካብቲ ሕማም ንላዕሊ፡ እቲ ጭንቀት ይብርትዕ ነይሩ'

'ካብቲ ሕማም ንላዕሊ፡ እቲ ጭንቀት ይብትዕ ነይሩ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣደ ሰለስተ ቈልዑ ገነት ኤልያስ፡ ኣብ ከተማ ሃዋሳ እያ ትነብር። ደቃ ንብሕታ ከም ዘዕበየቶም እትዛረብ ወይዘሮ ገነት፡ ክልተ ደቂ ደቃ'ውን ምስኣ'ዮም ዝነብሩ።

"ምስ በዓል ቤተይ ካብ እንፈላለ ነዊሕ ገይርና፡ ደቀይ በይነይ'የ ዘዕብዮም፡'' ዝበለት ወይዘሮ ገነት፡ ናብራኣ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ምዃኑ ትዛረብ።

ከምኡ ዀይኑ ግን ብርሃን ደቃ ክትርኢ ትብህግ። ወይዘሮ ገነት፡ ጥዕናይ ምሉእ ኣይኰነን ትብል።

ዕድመኣ እንተዘይደፍአ'ውን፡ ወርሓዊ ጽግያታ ኣብ 2005 ጠጠው ከም ዘበለት ትዛረብ።

ብ2007 ዓ.ም [ግእዝ]፡ ሓደ ጕጅለ ሕክምና ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ናብ ሃዋሳ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ንደቀንስትዮ፡ መርመራ መንሽሮ ጫፍ ማህጸን ከካይድ እንከሎ ወይዘሮ ገነት'ውን ተመርሚራ።

"ሽዑ ናጻ ስለ ዝነበርኩ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ተባሂለ" ትብል።

ብ2009 ዓ.ም ግን ካብ ማህጸና ፈሳሲ ክነጽዕ ጀሚሩ። ኣብ ከባቢኣ ናብ ዝርከብ ትካል ጥዕና ንሰብሞያ ጥዕና ጸገማ ተረድእ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ሕማምኪ እዚ'ዩ ተባሂላ ዝተዋህባ መድሃኒት ሒዛ ናብ ገዛኣ ተመልሰት።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ግን ካልእ ጕጅለ ሕክምና ተመሳሳሊ መርመራ ክገብር ይመጽእ።

እዚ ጕጅለ ሓካይም፡ ማህጸና ከፊቱ ክርእዮ እንከሎ ብዙሕ ፈሳሲ ከም ዝፈሰሳ ትገልጽ። ሽዑ፡ ንመርመራ ዝዀኑ ነገራት ወሲዶም።

ውጽኢት መርመራ ንምፍላጥ ክልተ ሰሙን ወሲዱ። ውጽኢት ተዳልዩ ምስ ተላእከ፡ ንዝለዓለ ሕክምና ድማ ናብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ወረቐትተጻሒፉላ።

  • መንሽሮ ጫፍ ማህጸን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጠንቂ ሞት ኣደታት ካብ ዝዀኑ ዓይነታት መንሽሮ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይስራዕ
  • ሰብ ሞያ ሕክምና፡ መብዛሕትአን እቲ ሕማም ምስ ሰረተ ናብ ሕክምና ከም ዝመጽኣ ይዛረቡ
  • ሂውመን ፓፒሎማ ዝተባህለ ቫይረስ ንመንሽሮ ጫፍ ማህጸን ዘቃልዕ ቫይረስ'ዩ
  • እዚ ቫይረስ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ይመሓላለፍ
  • ዝዀነ ዓይነት ርክብ ዝጀመረት ጓል ኣንስተይቲ ድማ፡ ብመንሽሮ ጫፍ ማህጸን ክትተሓዝ ትኽእል
  • እንተዀነ፡ ክታበት ቫይረስ ሂውመን ፓፒሎማ ኣብ እዋኑ ብምውሳድ ምክልኻል ይከኣል'ዩ
  • ትካል ጥዕና ዓለም፡ ኵለን ደቂ ኣንስትዮ 15 ዓመት ከይመልአን እቲ ክታበት ክወስዳ ይምዕድ

'ዝመውት መሲሉኒ ተስፋ ቘሪጸ ነይረ'

ወይዘሮ ገነት፡ ካብ ማህጸና ሕማቕ ጨና ዘለዎ ፈሳሲ ይዝዕግ ከም ዝነበረ ትዛረብ።

ዝተኻየደ መርመራ ድማ፡ 'መንሽሮ' ዝብል ውጽኢት ሒዙ ስለ ዝመጽአ፡ ኵሉ ነገር ክጽልምታ ጀሚሩ፤ ገዛኣ ጭንቅን ብኽያትን ውሒጥዎ።

ቅድሚኡ መርመራ ገይራ ናጻ ተባሂላ ስለ ዝነበረት፡ ከመይ ኢሉ ኣብ ሓጺር እዋን እዚ ሕማም ክርከብ ክኢሉ ብዝብል ምእማን ጸጊምዋ ከም ዝነበረ ትገልጽ።

ደቃ ሰንቢዶም፤ ንሳ'ውን ተስፋ ብምስኣን ልባ ተሰይሩ።

ኣብ ርእሲኡ፡ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝዀነ ናብራ ሒዝካ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንሕክምና ምኻድ ዝጽወር ኣይነበረን። ወጻኢታት መጓዓዝያ ጥራይ ኣብራክኻ'ዩ ዘምክኽ።

ገነት

"ኣይኮነንዶ ጥቁር ኣንበሳ፡ ኣብ ከባቢና ዘሎ መደበር ጥዕና ክሕከም'ውን ዓቕሚ ኣይነበረንን። ሓዚነ፤ ክመውት'የ ማለት'ዩ ኢለ ፈሪሀ ነይረ፡" ትብል።

እዚ ውጽኢት መርመራ ዝሰምዑ ቤተሰብ፡ ጐረባብቲ ዝሓዙ ሒዞም ክበጽሕዋ ጀመሩ።

"ብዙሕ ዘረባ'የ ዝሰምዕ ነይረ፤ ናብ ማይ ጸሎት ክኸይድ፣ ማህጸነይ ከውጽኦ ዝመኽሩኒ'ውን ነይሮም፡" ዝበለት ወይዘሮ ገነት፡ ዋላ ሓደ ቅናቱ ፈቲሑ፣ ጥሪቱ ሸይጡ፡ 'እንኪ ኪዲ ተሓከሚ' ዝበለኒ ግን ኣይነበረን፡'' ትብል።

ልዕሊ ዅሉ ዓቢይ ወደይ'ዩ ሓዚኑ፡ ዝበለት ወይዘሮ ገነት፡ ጓላ'ውን ንኣደኣ ንምሕጋዝ፡ ናብ ዓዲ ዓረብ ተሰዲዳ። ድሕሪ ሸሞንተ ወርሒ ግን ተመሊሳ።

ወይዘሮ ገነት ሕምምቲ መንሽሮ ምዃና ዝፈለጠትሉ ግዜ፡ ደቃ ተመሃሮ ከም ዝነበሩ ትገልጽ።

"ደቀይ መንሽሮ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ሓዚኖም። እታ ሓንቲ ጓለይ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ተመዲባ ነይራ፤ ግን ክተርፍ እየ ኢላ ወሲና ነይራ። ሽዑ፡ ወጻኢታት ሕክምናን ትምህርቲ ቈልዑን ኣጨኒቕዋ ነይሩ። ኣነ ግን፡ ናተይ ሕክምና ይተርፍ እምበር ንስኺ ትምህርትኺ ኣይተቋርጽን ኢኺ ኢለ ሰዲደያ፡" ትብል።

ወሲኻ ወ/ሮ ገነት፡ "ደቀይ ከመይ ኢለ ከም ዘዕበኽዎም ይፈልጡ'ዮም። ብጣዕሚ ተስፋ ቈሪጾም ነይሮም፤ ግን ብህይወት ዘንብር ፈጣሪ'ዩ፡ ክሳብ ሕጂ ኣለኹ፡" ኢላ።

ብመንሽሮ ዝሓመመ ሰብ ይመውት'ዩ ዝብል ጥራይ ትሰምዕ ብምንባራ፡ እቲ ኵነታት ኣዝዩ የጨንቓ ነይሩ። ብተወሳኺ መሐከሚ ገንዘብ ስኢኖም ዝሞቱ እትፈልጦም ሰባት ብምንባሮም፡ ስግኣታ ክውስኽ ገይርዎ።

"ነዚታት ክዝክር እንከለኹ ልበይ ይርዕድ። እቲ ጭንቀት ከኣ ተወሳኺ ሕማም ፈጢሩለይ፡ ን15 መዓልታት ሓሚመ፣ ብሰንኩ ከኣ እቲ ፈሳሲ በርቲዑ። ብዛዕባ'ቲ ኣዲስ ኣበባ ከይደ ዘዕርፈሉን ወጻኢታት ሕክምናን ክሓስብ እንከለኹ እቲ ሕማም መሊሱ እዩ ዝገደኒ፡" ትብል።

ስለ ዝዀነ፡ እቶም ኣብ ሃዋሳ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዘለው ነርሳት ወይዘሮ ገነት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዳ እትሕከመሉ መገዲታት ከናድዩ ጀሚሮም።

በዚ ኸኣ፡ ማቴዎስ ወንዱ ምስ ዝበሃል፡ ዓቕሚ ንዘይብሎም ሕሙማት መንሽሮ ዝሕግዝ ትካል ኣራኸብዋ።

መሓዙታ፡ ንመጓዓዝያ ዝዀና ገንዘብ ኣዋጺኦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኢኾምዋ።

እቲ ትካል፡ ንሕሙማት ምንባይን ኣብ ዙርያ መንሽሮ ጡብ፡ ጫፍ ማህጸን ከምኡ'ውን ምቁጽጻር ትምባኾ ግንዛበ ኣብ ምፍጣር ዝሰርሕ ዘይ መንግስታዊ ትካል እዩ።

ማቴዎስ ወንዱ ካብ ዝምስረት ዓሰርተታት ዓመታት ዝገበረ ኰይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ንልዕሊ 1860 ህጻናትን ኣደታትን ሕሙማት መንሽሮ ሓገዝ ገይሩ ኣሎ።

ሕክምና ተጀሚሩ

ወይዘሮ ገነት፡ ብ2009 ወርሒ ነሓሰ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኣ።

"ብ9 ነሓሰ 2009 ሕክምና ጀሚረ፤ ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት ድማ ሕክምና ጨረርን ኬሞቴራፒን ወሲደ" ትብል።

እቲ ሕክምና ቅድሚ ምጅማሩ፡ ባዬፕሲ፡ ኤምአርአይን ሲቲስካንን ተገይሩለይ፡ ዝበለት ወይዘሮ ገነት፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኬሞቴራፒ ብምውሳድ ናብ ሃዋሳ ከም ዝተመለሰት ትዛረብ።

ሽዑ፡ ጥዕናኣ ተመሓይሹ፡ ዝነበራ ስግኣት ተቐንጢጡ እያ ናብ ዓዳ ተመሊሳ። በብሽዱሽተ ወርሒ ግን ንሕክምናዊ ክትትል ናብ ኣዲስ ኣበባ ትመላለስ ነይራ።

እዚ ክሳብ 2013 ዓ.ም ቀጺሉ፤ ኣብ መዓልቲ ሓሙሽተ ግዜ ሕማቕ ጨና ዘለዎ ፈሳሲ ካብ ማህጸና ይፈስስ ነይሩ።

እዚ ንሰብ ሞያ ሕክምና ክትነግሮም እንከላ፡ "ብዙሕ መድሃኒት ስለ ዝወሰድኪ'ዩ ዝኸውን" ዝብል መልሲ ተዋሂብዋ ኣብ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ቈጸራኣ ክትምለስ ተነግራ።

እንተዀነ፡ እቲ ጸገም እናበኣሰ ምምጽኡ እትገልጽ ወይዘሮ ገነት፡ "ሽዑ፡ ካብቲ ዝቐደመ ንላዕሊ ይሓምም ነይረ። ሕጂ'ውን ካብ ማህጸነይ ዝፈስስ ነገር ኣሎ ኢለ ንሓኪመይ ነጊረዮ፡" ትብል።

መርመራ ክግበር እንከሎ ግን፡ እቲ ውጽኢት ተመሳሳሊ ነይሩ። ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ እቲ ካንሰር ኣብ ሳልሳይ ደረጃ በጺሑ ምንባሩ ከም ዝተሓበራ ትዛረብ።

"ከም ቤተሰብ ብዙሕ መከራ ኢና ኣሕሊፍና፣ ደኺምና። ደቀይ ጽኑዓት ስለ ዝዀኑ'የ ብህይወት ዘለኹ፡" ትብል።

ሕክምና መንሽሮን ወጻኢታቱን

ወይዘሮ ገነት እትገብሮ ሕክምናዊ ክትትል፡ ዝድግፍ ትካል እንተዘይህሉ ነይሩ፡ ወጻኢታቱ ክቡርን ዘይከኣልን ምዃኑ ትገልጽ።

እቲ ንመርመራን መድሃኒትን ዝወጽእ ገንዘብ፡ ኣይኮነን ንኸም ወይዘሮ ገነት ዝኣመሰላ ናይ እለት-እንጀራ ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ዝብላ፡ ወርሓዊ ስሩዕ ደሞዝ ዘለዎ ሰብ'ውን ዝኽእሎ ኣይኰነን።

"ኬሞቴራፒ ክወስድ እንከለኹ ዝተፈላለዩ መድሃኒታት'የ ዝገዝእ። ኣብ ትካል፡ ኣብ ነፍስወከፍ ሕክምና ክልተ ቕነ ጥራይ ክሳብ ሽዱሽተ ሽሕ ብር ወጻኢ ይገብር" ኢላ።

ወይዘሮ ገነት መድሕን ጥዕና እንተለዋ'ውን፡ ብኡ መድሃኒት ክትገዝእ ኣይትኽእልን።

"እዚ ትካል እንተዘይህሉ ነይሩ፡ ሕጂ ሞይተ ምሃለኹ፡" ብምባል ወ/ሮ ገነት፡ ወጻኢታት ሕክምና ባዕሎም ዝሽፍኑ ሰባት ውሑዳት ምዃኖም ትዛረብ።

ሕጂ፡ ኣብ ደሓን ኵነታት ከም ዘላ ብምግላጽ፡ "መወዳእታኡ ፈጣሪ'ዩ ዝፈልጦ፤ ዳግም ግን መርመራ ክገብር እየ፡" ኢላ።