ህሉው ኩነታት ኣገልግሎት ጥዕና ኤርትራ እንታይ ይመስል?

ሆሮታ ሆስፒታል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ናይ ደም ካንሰር ዝሓመመ ዮናስ ጸጋይ ዝተባህለ ኣቦ ሽዱሽተ ቖልዑ ኣቦ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ንመሐከሚኡ ዝኸውን ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ብምውጽኦም ብሰናይ ተግባሮም ኣብ ሚድያታትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ተመስጊኖም።

ዮናስ እውን ነቲ ዝተገብረሉ ሓገዝን ኣብ ወጻኢ ንኽሕከም ብዝረኸቦ ዕድልን ብልቢ ብምምስጋን ኣብ ከተማ ኢስታንቡል ኣትዩስ ሕክምናዊ ክንክን ከም ዝተጀመረሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቪድዮ ገሊጹ'ሎ።

እቲ ንዮናስ ዝተገብረሉ ሰናይ ነገር ቅቡል ኮይኑ ካልኦት ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ድኽመት ሕክምናን ስእነት መድሃኒትን ክኢላታትን ንወጻኢ ከይዶም ክሕከሙ ገንዘባዊ ዓቕሚ ዘይብሎምን ካብ ካንሰር ጀሚርካ ካብ ዝተፈላለዩ ሕማማት ከም ዝሳቐዩ ምንጭታት ቢቢሲ ካብ ኤርትራ ይሕብሩ።

ኣብ ኤርትራ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ስለ ዝደኸመ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ደቆም ዘለዉዎም ሓደ ሓደ ሰባት ካብ ኤርትራ ንኸወጽኡ ቪዛ እንተረኺቦም ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከይዶም እዮም ዝሕከሙ።

ሳሕትን ሒደትን ከኣ ንማእከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን ዝወጽኡ እውን ኣለው።

ኣብ ኤርትራ፡ ናይ መንሽሮ መርመራ እትገብር ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ሓንቲ 'ሲቲ ስካን' (CT scan) ጥራይ እያ እትርከብ።

እታ ማሽን'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ተባላሽያ ክኢላ ተረኺቡ ክሳዕ እትዕረ ኣዋርሕ ከም ዝወስደላ ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሑ ክኢላታት ንቢቢሲ ይሕብሩ።

ኣብታ ሃገር ብሓፈሻ ቀረብ ኤሌክትሪክ ስለ ዘየለ፡ ኣብ መንጎ መጥባሕቲ ወይ እዋን ሕርሲ ኤሌክትሪክ ከም ዝኸይድ ምጭታትና ይሕብሩ።

ካብ ከተማ ከረንን ሓጋዝን ንቢቢሲ ርእይቶኦም ዝሃቡ ነበርቲ እቲ ሆስፒታል ብስእነት ኤሌክትሪክን ዓቕሚ ሰብን ነዳድን መድሃኒትን ብዙሓት ሰባት ግዳያት ናይ ዝተፈላለዩ ሕማማት ከም ዝኾኑ ሓቢሮም።

ገለ ሰባት'ውን እቲ መቕርቦም ምእንቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረክብ ነቲ ጀነሬተር ዝኸውን ነዳዲ ሒዞም ክመጽኡ ከምዝሕተቱ እቶም ምንጭታት ይዛረቡ።

ኣብ መላእ ሃገር ንኹሉ ሓላፍነት ወሲዱ ዝሕክም ዩኒት ከም ዘለየለ እውን ክኢላታት ይሕብሩ።

ብዙሓት ንወጻኢ ሃገር ብትምህርቲ ኮነ ብመገሻ ዝወጽኡ ክኢላታት ንኤርትራ ከምዘይምለሱን ብኡ ኣቢሎም ከም ዝተርፉ ይግለጽ።

ኣቶ ዮናስ ጸጋይ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ደቆምን

ምንጪ ስእሊ, Henpas Entertainment

መግለጺ ስእሊ, ኣቶ ዮናስ ጸጋይ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ሽዱሽተ ደቁን

ኩነታት ጥዕና ኤርትራ

ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዘሎ ድኽነትን ጥሜትን ዘጽንዕ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝመደበሩ ክሊንት ቦርገን ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ብወገኑ ንኩነታት ጥዕና ኤርትራ ብዝምልከት፡ ካብ ኣስታት 3.5 ሚሊዮን ዝግመት ኤርትራዊ፡ እቲ 66% ኣብ ትሑት ደረጃ መነባብሮ ከም ዝርከብ እቲ 33% ከኣ ንመዓልቲ ብትሕቲ ሓደ ዶላር ትሕቲ መስመር ድኽነት ከም ዝነብር ይገልጽ።

ዓለማዊ ውድብ ምዕባለ ኣብ ሰነዳቱ ከም ዘስፈሮ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሳሕለ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ንሸቶታት ምዕባለ ሚለንየም ሕቡራት ሃገራት ብጽቡቕ ካብ ዝተዓወታሉ ውሑዳት ሃገራት ሓንቲ ምዃና እዩ ዝጠቅስ።

ኣድማሳዊ መባእታ ትምህርቲ፣ ጾታዊ ማዕርነት፣ ምሕያል ደቂ ኣንስትዮን፣ ኣብ ምንካይ ሞት ሕጻናትን ቘልዑን፣ ምምሕያሽ ጥዕና ኣደን ምንካይ ሞት ኣብ ሳዕቤናት ጥንስን ሕርስን፣ ከም ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ ዝኣመሰሉ ሕማማት መውስቦ ኣብ ምግታእ፤ ንዓሶን ካልኦት ብኣከባብያዊ ጽሬት ንዝመጽኡ ሕማማት ኣብ ምቁጽጻር፡ ብትምህርትን ስልጠናን ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ምዕባይ፤ ብሓፈሽኡ ኣብ ፖሊሲታት ትምህርቲ፡ ጥዕናን ምድንፋዕ "ሰብኣዊ ምዕባለን" ብጽቡቕ ትግስግስ ከም ዘላ ይሕብር።

እንተኾነ ዶክተር ኣሰፋው እቲ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ " ካብ ሓሚምካ ሕክምና ተኸላኺልካ ጥዕና" ብዝብል ጭርሖ ብኣድማዕነት ዝተሰርሓሉ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ድሕሪ ነጻነት ናብ ዝለዓለ ብራኸ ብምድያብ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ርሑቕ ገጠራት፡ ክሊንክን ማእከላት ጥዕናን ብምህናጽ፡ ካብ ሜዳ ንዝኣተው ሞያውያንን ሓደስቲ ምሩቓትን፡ በብእዋኑ ብዘበናዊ ፍልጠት ዓቕሞም ብምዕባይን ቴክኖሎጂ ሕክምና ብምዕጣቕን ክስርሕ ብምሕላን ኣብ ጽባሕ ነጻነት ምስ መሳርሕቱ ክኢላታት ሓካይም እናተማኸረ ነቲ ፖሊሲ ከም ዘርቀቖ ይዝክር።

"ሕጂ ግን ከም ኩሉ ካልእ ጽላታት ጥዕናዊ ኣገልግሎት ኤርትራ እውን ብዋሕዲ ክኢላታት፡ ብሕጽረት መድሃኒትን መሳርሕን ኣብቲ ዝተሓተ ደረጃ ወዲቑ ክርእዮ፡ ከም ኣባልን ሓላፍን እቲ ትካል ነበር ናይ ብሓቂ እሓዝን" ይብል።

ንልዕሊ 10 ዓመታት ብዝተፈላለየ ጽፍሒ ምስ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሐ ሓላፊ ምጥያስ ነበር ዶር ኣማንኤል ምሕረትኣብ፡ እቲ ኣብ ምጅማሩ ተስፋ ዝነበሮ ኣገልግሎት ጥዕና ኤርትራ ብሰንኪ ሓፈሻዊ ምሕደራን ኣልያን እቲ መንግስቲ ብዙሓት ምኩራት ሓካይምን ኣብ በብእዋኑ ዝተማህሩን ዝተመረቑን ምኩራት ኣለይቲ ሕሙማን ነርሳትን ነቲ ሃገር ገዲፎምዎ ይስደዱ ብምህላዎም ደረጃ ኣገልግሎቱ እናንቆልቆለ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዝወደቐን ንከም ካንሰር ዝኣመሰለ ሕማማት መሰረታዊ ኣገልግሎት ክትህበሉ ኣብ ዘይትኽእል ደረጃ ከም ዝወረደት ይዛረብ።

ሕክምናዊ ጸብጻባት ከም ዝሕብሮ፡ ሕማም መንሽሮ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጠንቂ ዓለም ለኻዊ ሞትን ስንክልናን ዘኸትሉ ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ኮይኑ፡ ኣብ 2021 ንኣብነት እቲ ሕማም ንኣስታት 8.2 ሚልዮን ሰባት ከም ዝቐተለ ሕክምናዊ ሰነዳት ይሕብር።

ሕማም መንሽሮ፡ ገለ ካብ ዋህዮታት ሰብነት ወዲ ሰብ እናዓበዩን ናብ ካልእ ክፍሊ ሰብነት እናተላብዑ ብምኻዶም ኣብ ደም፣ ቆርበት፣ ኣዕጽምቲ፣ ርእሲ፣ ኣብ መዓናጡ፣ ኣብ ሰናቡእ ኮታ ኣብ ዝተፈላለየ ህዋሳትን ክፋላት ኣካላትን ዝፍጠር፡ ገሊኡ ብቐሊሉ ዝፍወስ ገሊኡ ግን ልዕሊ እቲ ንቡር እናተራብሐ ንሞት ዝፈታትን ሕማም እዩ።

ሃገራት ዓለም ከኣ ኣብ ኣመጋግባን ኣነባብራን ለውጢ ብምግባርን ትምባኾ ብምቁጽጻር፡ ኣብ ምክልኻል ዘድሃበ ቅድመ ሕማም ምርመራን ብምክያድ፡ እቲ ሕማም ምስተነጸረ ከኣ ግቡእ ፍወሳን ዕጉስ ምክትታል ብምክያድ ነቲ ሕማም ይቃለሰኦ።

ደረጃ ኣገልግሎት ጥዕና ኤርትራ ብዓቕሚ ሰብን መሳርሒታትን ስለ ዝተዳኸመ ግን ኣብ ኤርትራ ዋላ'ኳ ጭቡጥ ኣሃዛት እንተዘይቀረቡ ብሰንኪ እቲ ሕማም ብዙሕ ሰብ ክሳቐን ክመውትን ከምዝኽእል ዶክተር ኣሰፋው ይሕብር።

ሆስቲታል ሰምበል

ሕማምን ጸገማት ቪዛን

ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ክብድ ዝበለ ሕማም ዝሓመመ ሰብ ዋላ እውን እቶም ሓካይም ዓቕምን ክእለትን እንተረኺብካ ኣብ ወጻኢ ኬድካ ንክትሕከም ምኽሪ ሂቦሙኻ ከብቅዑ፡ ካብታ ሃገር ናይ መውጽኢ ፍቓድ ክትረክብ ብዙሕ ኮለል ከምዘለዎ እዩ ዝዝረብ።

ሓንቲ ስማ ክዕቀበላ ዝመረጸት ብብዙሕ ኮለልን ድኻምን ንክትሕከም ንግዳም ዝወጽአት ዜጋ ነቲ መስርሕ ምርካብ ፍቓድ ብኸምዚ ትገልጾ።

ፈለማ ካብቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፈጸምካ ምዃንካ መረጋገጺ ወረቐት ከተቕርብ ትሕተት።

እቲ ወረቐት ምስ ረኸብካ ከኣ ኣሃዱኻ ናብ ወጻኢ ኬድካ ንክትሕከም ተቓውሞ ከም ዘይብሎም ብጽሑፍ ድጋፍ ክህቡኻ የድሊ።

ብድሕሪኡ ሕክምና ቦርድ ብዝጽውዑ ሰለስተ ሓካይም ሕማምካ ኣብ ግዳም ንክፍወስ ክፍርሙልካ የድሊ።

ካብኡ ፓስፖርትን ናይ መውጽኢ ቪዛን ንክትረክብ ናብ ክፍሊ ኢሜግሪሺን ትኸይድ።

ካብኡ ከም ዕድልካ እዩ ኣብኡ እቲ ሰብ ምናልባት ብዘይፈልጦ ምኽንያት እንተዘይተዓንቂፉ ሰሊጡዎ ንግዳም ከይዱ ክሕከም ከምዝፍቀደሉ ግን ከኣ ንኹሉ ክሳብ እተሳልጥ ኣዋርሕ ክወስድ ከም ዝኽእል ትገልጽ።

በዚ ከኣ ዋላ እውን ዋላ እውን ዝሕግዞ ዘመድን መቕርብን ረኺቡ ንደገ ከይዱ ክሕከም ዕድል ዝረኸበ ሰብ ዳርጋ ፍሉይ ሓለፋ ከም ዝተዋህቦ እዩ ዝቑጸር ዝበለት እታ ወሃቢት ርኢይቶ፡ ሓያሎ ሰባት ተሓኪሙ ክፍወስ ቭዝኽእል ዓይነት ሕማም ሰኣን ቅልጡፍ ምትሕብባር ኣብ ከቢድ ቃንዛን ስቓይን ዝወድቁ ከምዘለው ትሕብር።

ይኹን እምበር ዋላ እውን ናይ ምሕደራ ጸገም ሕጽረት ዓቕሚ ሰብን ባጀትን እንተሎ፡ በታ ዘላቶም ዓቕምን ትሕዝቶን ንሕብረተሰብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝህቡ ዘለው ሞያውያን ኣዝዮም ክድነቑን ክኽበሩን ከምዝግባእ ዶክተር ኣሰፋው ይገልጽ።

" ሓደ ሓኪም ትምህርቱ ክውድእ እንከሎ በታ ዝረኽባ ዓቕምን ክእለትን ንሕብረተሰብ ኣገልግሎት ጥዕና ንክህብ እዩ ኪዳን ዝኣቱ። እዞም ኣብ ኤርትራ ዘለው ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን ከኣ ልዕሊ ማንም ሰብ ንህዝቦም የገልግሉ ስለ ዘለው ካልእ ክንገብር እንተዘይከኣልና ክብርን ምስጋናን ክንህቦም ግቡእ እዩ" ከኣ ይብል።

እዚ ሕጂ ንመሐከሚኡ ገንዘብ ተዋጺኡሉ ዘሎ ኣቦ ሽዱሽተ ቖልዑ ዮናስ ጸጋይ ከኣ እቲ ዘድልዮ ሕክምናን ክንክንን ረኺቡ ኣቦ ደቁን ሓዳሩን ክኸውን ኩሎም እቶም ኣብዛ ዓንቀጽ ሞያውን ተመኩሮኣውን ገምጋም ዝሃቡ ሰናዩን ድሕነቱን ከም ዝምነዩሉ ብምግላጽ ኣገልግሎት ሕክምና ኤርትራ ክመሓየሽ ተማሕጺኖም።

ኣስመራ

ሸቶታት ሕቡራት ሃገራት

ው.ሕ.ሃ. ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ንክዕወት፡ ኣብ ውሕስነት መግብን መነባብሮን፡ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ፡ ኣብ ጥዕናን ኣመጋግባን፡ ኣብ ቀረብ ዝስተማይ፡ ጽሬትን ኣከባቢያዊ ዕቃበን፡ ኣብ መሰረታዊ ትምህርቲ፡ ኣብ ማሕበራዊ ውሕስነት ንህጻናትን ሽማግለን፡ ኣብ ኣከባቢያዊ ርግኣት፡ ኣብ ተጻዋርነትን ሓደጋን ከምኡ ኣብ ጾታዊ ማዕርነት ዝኣመሰለ ሰፊሕ ዓውድታት ይደጋገፍ።

ብተወሳኺ እቲ ውድብ ኣብ 2030፡ መጠነ ሞት ኣዴታት፡ ብደረጃ ዓለም፡ ካብ 100,000 ናብ 70 ክጎድል፡ መጠን ሞት ናጽላታትን ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑን ክውገድ፡ ተላባዒ ሕማማት ከም ኤች- ኣይ-ቪ ኤይድስ፡ ዓባይ ሰዓል፡ ዓሶን ወይቦን፡ ካልእ ማይ-ወለድ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ከብቅዕ፤ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ድሕነትን ክሰፍን፡ ጐዳኢ ኣጠቓቕማ ኣልኮላዊ መስተን ዝተክኽ ቆጽለ መጽልን ክውገድ፡ ንጾታዊ ርክብን መፍረ ጥዕናን ብዝምልከት ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ትምህርትን ንምሃብ ውጥን ሓንጺጹ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ሰነዳቱ ይዛረቡ።

ዶክተር ኣማንኤል ምሕረትኣብ መንግስቲ ነተን ኣብ ርሑቕ ገጠራት ከይተረፈ ንህዝቢ ብዝከኣለን ኣገልግሎት ጥዕና ዝህባ ዝነበራ ክሊኒካትን ሆስፒታላትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብዘይ ብቑዕ ዘእምን ምኽንያት ምዕጻው ንህዝቢ ከምዝሃሰዮ ይዛረብ።

ብዙሓት ብሰንኪ ጨቋኒ ምሕደራ ካብ ሃገሮም እተሰዱ ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ከም ጁባን ዩጓንዳን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ኤውሮጳን የገልግሉ ምህላዎም ብምጥቃስ መንግስቲ ንጥዕና ሕብረተሰብ ዳግም ክሓስበሉን ክኽልሶን ከም ዝግባእ የዘኻኽር።