ሳይንስ፡ ህይወት ልዕሊ 10 ሚልዮን ሰባት ዘድሓኑ ኣብ ቤተ ፈተነ ዝተራብሑ ዋህዮታት

ምንጪ ስእሊ, Andrew Brookes
ኣብ 1612 ኣብ ጎዶናታት ፓሪስ ሓደ ተመራማሪ ካብ ሞት ዘድሕን ምህዞ ምሂዙ ዝብል ዘረባ ሰብ ክቀባበለሉ ጀሚረ።
እቲ ተመራማሪ ኒኮላስ ፈላምል እዩ ዝብሃል፤ 300 ዓመታት ከምዝነበረ'ውን ይንገረሉ ነበረ፡ ብዘይካ እዚ ንተራ እምንን ሓጺንን ናብ ወርቂ ዘቐይር ዓቕሚ ኣለዎ'ውን ተባሂልሉ።
ኒኮላስ ፈላምል ክመውት ኣይክእልን'ዩ ዝብል ዘረባ ኣቓልቦ ብዙሓት ክስሕብ ክኣለ፡ ናይቲ እዋንን ናይ ሕጅን ፍሉጥ ተመራማሪ ኣይዛክ ኒውተን ከይተረፈ ነቲ ዘረባ ኣመኖ፤ ነታ ብዛዕባ ኒኮላስ ፈላምል እትዘንቱ መጽሓፍ'ውን ደጋጊሙ ብምንባብ ክመራመረላ ጀሚሩ ነበረ።
እንተኾነ እቲ ብዛዕባ ኒኮላስ ፈላምል ዝዝረብ ዝነበረስ ሓቂ ኣይነበረን።
ንሱስ ተራ ጽሓፍን ኣብ መበል 88 ዓመቱ ኣብ 1418 ዝሞተ እዩ ዝነበረ፡ እታ ንሱ ጽሑፍዋ ዝተብሃለት 'ኣልከሚስት' ዝኣርእስታ መጽሓፍ'ውን ብኻልእ ጽሓፊ ዝተጸሓፈት እያ።
እታ ቅድሚ ዘመናት ሓሶት ተባሂሉ ዝተረሰዐ ንሰብ ከምዘይመውት ዝገብር ምርመር ግን ኣይቅሃመን።
ኣብ 1961 ኣብ ዘመናዊ ቤተ ምርምር ፍላደልፍያ ፈኸም ክብል ጀመረ።
ንዘመናት ተመራመርቲ እቶም ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ዝርከቡን ንኣካላትና ዘቑሙን ብገምጋም 37.2 ትሪልዮን ዝኾኑ ውሃዮታት፡ ኣብ ክልተ እናተመቐሉን እናተተኸኡን ከምዘንብሩናን'ዮም ዝርድኡ ነይሮም።
እንተኾነ ልዮናርዶ ሃይፍሊክ ዝተብሃለ ንእሽተይ ኣሜሪካዊ ተመራማሪ ንተመራመርቲ ዘሰንበደ ሓቒ ሒዙ ቦሎኽ ኢሉ።
ውሃዮታት ደቂ ሰባት ሓንሳብ ምስ ተፈጠሩ ቅድሚ ጠቕሊሎም ምማቶም ካብ 40 ክሳብ 60 ግዜ ጥራይ ከምዝመቓቐሉ ከረድእን ከእምንን ክኢሉ፡ ነቲ ርኽበቱ ኸኣ 'ሃይፍሊክ ሊሚት' ዝብል ስያመ ሃቦ።
እዚ ምፍላጥ ኸኣ ክልተ ሓቕታት ንኽቕልዑ ምኽንያት ኮይኑ።
እቲ ቀዳማይ ዕድሜና ብኣነባብራና፡ ኣበላልዓናን ካልእን ጥራይ ከምዘይምርኮስ ኣግሂዱ።
ንብዝሒ ኣብ ኣካላትን ዘለዉ ውሃዮታት ብማእከላይ ገምጋም 'ሃይፍሊክ ሊሚት' እንተኣራቢሕናዮ 120 ዓመታት እዩ ዝመጽኣልና።
እንተኾነ ሓደ ጅያን ካልመንት ዝተብሃለ ሰብ ጥራይ'ዩ 122 ዓመትን 164 መዓልታትን ክነብር ክኢሉ።
እቲ ካልኣይ፡ ከምቶም ንኣካላትና ዘቁሙ ውሃዮታት ኣብ ቤት ምርምር ክስርሑ ከምዘይክእሉ ኣግሂዱ፡ ምኽንያቱ እቶም ኣብ ቤተ ፈተነ ዝተሰርሑ ውሃዩታት ነቲ ህይወቶም ምቅጻል ዝሕግዝ ምምቕቓል ይጅምርዎ'ምበር ኣይቅጽልዎን'ዮም።
ስለዚ ክስርሑ ዘይኮኑስ ክራብሑ እዮም ዘለዎም ዝብል ድልዱል ሓሳብ ሒዙ ነቁሉ።
እዚ ዛንታ እምብኣር ብዛዕባ ውሃዮታት ንምርባሕ ካብ ስዊድን ዝነቐለን ንሚልዮናት ካብ ሞት ዘድሓነን ዕዉት ፈተነ ዝነግር እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Westend61
ሕቡእ ቅልውላው
'ሃይፍሊክ ሊሚት' ቅድሚ ምርካቡ፡ ተመራመርቲ ቀጻልነት ህይወት ናይ ሓደ ሰብ ንምውሓስ፡ ኩሉ ግዜ ነቶም ዝሞቱ ውሃዮታት ብሓደሽቲ እናተካእካ ምቅጻል ይክኣልዶ ንዝብል ሕቶ መልሲ ንክረኽብሉ ሰለም ኣየበሉን።
እንተኾነ ቅልጡፍ ምምቅቓል ውሃዮታትን ምትእክኻብ ዝሞቱ ውሃዮታትን መንሽሮ ስለዘስዕብ ሓደ ዓቢ መስገደል ኮኖም።
ኣብ 1960ታት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝተውሃበ ክታበት ጸረ ፖልዮ ብዙሕ ነቐፉታ'ዩ ዝዒብዎ።
ገለ ክታበታት ገለ ዘይጓድኡ ተሃዋስያን ናብ ውሃዮታት ብምእታው እዮም ዝስርሑ፡ እቶም ውሃዮታት ባዕዳዊ ኣካል መጺእና ኣሎ ኢሎም የላዕልዎ'ሞ ጸረ እቲ ባዕዳዊ ነገር ናይ ምቅላስ ዓቕሞም የጎልብቱ።
እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝተውሃበ ክታበት ጸረ ፖልዮ'ምበኣር ካብ ኣብ ናይ ህበይ ኵሊት ዝርከብ [ኤስቪ 40 ዝተብሃለ] ውሃዮ ተወሲዱ'ዩ ተሰሪሑ።
እዚ ድሒሩ ምስ ተፈለጠ'ዩ ካብ ብዙሓት ተቃውሞታት በዚሕዎ።
ካብ 1955 ክሳብ 1963 ዝነበረ ግዜ ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ ክሳብ 30 ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት'ዮም ብፖልዮ ተጠቂዖም።
እቲ ቁጽሪ መልከፍቲ ክሳብ ክንድዚ ክብ ዝበለሉ፡ እቲ ካብ ህበይ ዝተውሰደ ኤስቪ40 ዝተሰመየ ውሃዮ ኣብ ውሽጢ ሰብነት ሰብ ምስ ኣተወ ረኽሲ ከስዕብ ብምኽኣሉ'ዩ።
ኣብቲ እዋን፡ እቲ ሕማም ዋላ ናብቶም ዘይተኸተቡ ሰባት'ውን ክሰጋገር ምኽኣሉን ኣብ ገለ መንሽሮ ሓንጎል ዘለዎም ሰባት'ውን ክርኣ ምስ ጀመረ'ዩ ዝያዳ ኣቃልቦ ረኺቡ።
ኩሉ እዚታት ተደማሚሩ ኸኣ'ዩ ንወዲ ሰብ መተካእታ ውሃዮታቱ ካበይ ክርከብ ይኽእል ዝብል ሕቶ ብተደጋጋሚ ክልዓል ጀሚሩ።
እታ ሽማ ዘይተገለጸት ሰበይቲ
ኣብ 1962 ርኽበት ልዮናርዶ ሃይፍሊክ መጺኡ፡ እዚ ርኽበት እዚ ከኣ ሓደ ሓዲሽ ሞስኮት ከፈተ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኢሊኖስ ቺካጎ ተመራማሪ ስነ ህዝብን ወለዶታትን፡ ጃን ኢለሻንስኪ፡ ንምርመር ልዮናርዶ ሃይፍሊክ ብምውካስ "ብዘይ ንሱ [ሃይፍሊክ ሊሚት] ኣነን ንስኻን ክንነብር ኣይምኽኣልናን" ይብል።
እቲ ልዮናርዶ ሃይፍሊክ 'ሃይፍሊክ ሊሚት' ኢሉ ዝሰመዮ ርኽበት ብኸምዚ ኣጋጣሚ'ዩ ተረኺቡ።
ሓንቲ ስማ ዘይተገለጸት ናይ ሰለስተ ወርሒ ጥንሲ ዝነበራ ስዊድናዊት፡ ብሕጋዊ ኣገባብ ጥንሳ ምስ ኣነጸለቶ'ዩ እቲ ምርምር መልክዕ ክሕዝ ጀሚሩ፡ ከመይ ኢሉዶ በልኩም? ንቀጽል።
ከምቲ ደራሲት ምሪዲዝ ዋነድማን ኣብ መጽሓፋ ዘስፈረቶ፡ ውድድር ናይ ክታበት፡ ሳይነስ፡ ፖሎቲካን ወዲ ሰብ ንነብሱ ካብ ሕማም ንኽከላኸል ዝገብሮ ቅልስን ኩሎም ተደራሪቦም እቲ ወዲ ሰለስተ ወርሒ እንከሎ ዝተነጸለ ጥንሲ ኣይተቃጸለን፡ ኣይተቐበረን ወይ'ውን ኣይተደርበየን ኣብ ክንድኡ ብቀጠልያ ኣንሶላ ተጠቅሊሉ ናብ መመርመሪ ማእከላ ስቶኮልም'ዩ ተሰዲዱ።
ኣብቲ እዋን ተመራማሪ ልዮናርዶ ሃይፍሊክ ነቲ ንምርምር ዝተጠቐመሉ ዋሃዩ ኸኣ ካብዚ ናጽላ ከምዝረኸቦ'ዩ ዝጥቀስ።
ልዮናርዶ ሃይፍሊክ ነቶም ውሃዮታት ኣብ 37 ዲግሪ ሰንቲግሬት ዓቐን ሙቐት [ ዓቐን ሙቐት ሰብኔት ደቂ ሰብ] ዘለዎ መትሓዚ ዓቒቡ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዝነበረ ፕሮቲን ኣልዩ መስርሕ ምምቕቓል ናይቶም ውሃዮታት ከምዝዶናገ ክገብር ፈቲኑ፡ ድሕሪ መዓልታት ኸኣ እቶም ውሃዮታት ከምቲ ንሱ ዝሓሰቦ ብዘገምታ ክመቓቐሉን ህይወቶም ክቅጽልን ከኣለ።
ንሓደ ካብቶም ውሃዩታት ኸኣ ብሽም እቲ ቤተ ፈተነ 'WI-38' ዝብል ስም ኣጠመቐ።
ድሕሪ ዓመታት ኣብቲ ቤተ ፈተነ ዝተፋረዩ ውሃዮታት ናብ ኣማኢት ቤተ ፈተነታት ክከፋፈሉ ክኣሉ።
WI-38 ኸኣ እቲ ዝነወሐ ዕድመ ዘለዎ ኣብ ቤተ ፈተነ ዝተፋረየ ውሃዮ እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ውሃዮ ንመማዕበሊ ክታበታት ፖልዩ፣ ንፍዮ፣ ዓሶ፣ሰሙን ጽግዕ፣ ፍሮማይ፣ ሕማም ቆርበት፣ ሕማም ሰርኖ ካልእን ውዒሉን ይውዕል ኣሎን።
ፍልዩነት ናይዞም ውሃዮታት እንታይ እዩ? ቀጻልነቶምከ ብምንታይ ክውሓስ ይክኣል?
መወዳእታ ዘይብሉ ቀረብ ውሃዩታት
ድሕሪ ሊዮናርዶ ሃይፍሊክ ውሃዩታት መወትቲ ምኻኑም ምርግጋጹ፡ እቶም ውሃዮታት ኣብ ቤተ ፈተነ ኣብታ ዝተመቐሉላ ኣብ መዝሓሊ ተዓቒቦም ኣብ ሓደ ግዜ 10,000,000,000,000,000,000,000 ዋሃዮታት ክርከቡ ከም ዝኽእሉ እዩ ደምዲሙ።
እዚ ቁጽሪ ክንደይዶ ትብሉ ኣለኹም 22 ዜሮ ዘለዉዎ ኮይኑ 10 ሲክስቲሎን እዩ ዝብሃል።
እቶም ኣብ ቤት ፈተነ ዝርከቡ WI-38 ዝብል ስም ዝተውሃቦም ውሃዮታት ብተዛማዲ እቲ ዝመቓቐልሉ ግዜ ዘገምታዊ ከምዝኸውን ስለዝተገበረ ቅድሚ ናብ 'ሃይፍሊክ ሊሚት' ብምብጽሖም ንውሕ ዝበለ ሰዓታት እዮም ዝወስዱ።
ዝበዝሑ WI-38፡ 50 ግዜ እዮም ዝመቓቐሉ፡ ሓንሳብ ንኽመቐሉ ኸኣ 24 ሰዓታት ይወስሎም፡ ስለዚ ኩሎም ተመቓቒሎም ንኽውድኡ 50 መዓልታተ እዩ ዝወስደሎም።
ክሳብ ሕጂ ተኻይዱ ብዘሎ ምርምር እቶም ካብ ናጽላታት ዝውሰዱ ውሃዮታት፡ ንግዳማውያን ቫይረሳት ዘይተቃልዑ ዝለዝኾኑ ኣብ ቤተ ፈተነ ንኸተራብሖም እቶም ኣዝዩም ውሕስነት ዝህቡ እዮም።
ኣብ 2017 ልዮናርዶ ሃይፍሊክ እቲ ንሱ ኣብ 60ታት ዝረኸቦ ርኽበት ንኽንደይ ዝኣክል ህዝቢ ካብ ሞት ከምዘድሓነ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ንኹሉ ቅማረታት ኣብ ግምት ብምእታው እቲ WI-38 ዝሰመዩ ውሃዩ ልዕሊ 4.5 ቢልዮን ተመሓላለፍቲ ሕማማት ከምዝተኸላኸለን ንልዕሊ 10.3 ሚልዮን ሰባት ካብ ሞት ከምዘድሓነን'ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ኣመሪካ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ካብ WI-38 ዋህዩ ተወሲዱ ጸረ ፖልዩ ምስ ተሰረሐ ካብ 1979 ንድሓር ሓደ ሰብ ጥራይ'ዩ ፖልዮ ሓሚሙ።.








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







