ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ምርምር መድሓኒት ኮሮናቫይረስ ኣበይ በጸሐ?

ቤተ-ፈተነ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሃገራት መድሓኒት ኮሮናቫይረስ ንምርካብ ድቃስ ኣብ ዝኸልእ ምርምራት እየን ዘለዋ።

ዛጊት ግን ፈዋሲ እዩ ተባሂሉ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ መድሃኒት የለን።

ኣብ ኢትዮጵያ 'ውን 'ኮሮናቫይረስ ክፍውሱ ይኽእሉ እዮም' ተባሂሎም ኣብ ዝቐረቡ ሓሙሽተ መድሓኒታት ምርምር ይካየድ ከምዘሎ፡ ኣብ ትካል ጥዕና ሕብረተሰብ፡ ዳይሬክተር ምርምር ባህላውን ዘመናውን መድሓኒታት ኣቶ ወርቁ ገመቹ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ካብ ማሕበር ፈለጥቲ ባህላዊ መድሓኒት 'ልዕሊ 50' ነቲ ቫይረስ ክፍውሱ ይኽእሉ እዮም ዝተብሃሉ መድሓኒታት ምርምር ክግበረሎም ናብቲ ትካል ከምዝቐረቡ ዝገልጽ ኣቶ ወርቁ፡ ዝዕጠኑ፣ ብመልክዕ ሻሂ ዝስተዩ፣ ዝቕብኡን ብመልክዕ ምግቢ ዝውሰዱ ከምዝኾኑን ሓቢሩ።

እንተኾነ እቲ ዝዕጠን ድሕነቱ ንምርግጋጽ ስለዝኸብድ ኣይተቐበሉዎን፤ ካብቶም ዝስተዩ፣ ዝብልዑን ዝቕብኡን ግን ሓሙሽተ መድሓኒታት ተቐቢሎም።

ዛጊድ ነቶም መድሓኒታት ንምስራሕ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ እጽዋት ዓይነቶምን ዘርኦምን ከምዝተፈለዩን፡ ተመሳሰልቲ ጽሑፋት ብምድህሳስ መረዳእታታት ተሰኒዱ ናብ ቀጻሊ ደረጃ ንምስግጋር ኣብ ምድላው ከምዘለዉን ኣቶ ወርቁ ጠቒሱ።

እቶም መድሓኒታት ካብ ሓሙሽተ ሰባት ይምጽኡ'ምበር ካብ ልዕሊ 30 እጽዋት ዝተዳለዉ እዮም።

እቶም መድሓኒታት ሰብ ዝምገቦም ምዃኑ፡ ትሕዝቶኦምን ዝተገበረሎም ሳይንሳዊ መጽናዕትን ምህላዉ ከምዝተዳህሰሰ'ውን እቲ ሓላፊ ተዛሪቡ።

ዛጊድ ካብቲ ምርምር እንታይ ተረኺቡ?

ኣቶ ወርቁ ከምዝበሎ፡ ክሳብ ሕዚ ብዝተገበረ ናይ ጽሑፍ ዳህሳስ፡ እቶም መድሓኒታት ኮሮናቫይረስ ንምፍዋስ ይኹን ንምክልኻል ዝጠቕሙ ኮይኖም ኣይተረኸቡን።

ኮይኑ ግና ዝተፈላለዩ ሕማማት ንምፍዋስ ብባህላዊ መልክዕ ምርምር ይግበረሎም ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እቶም መድሓኒታት ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዝውስኹ፣ ረስኒ ዝቕንሱን ናይ ምግቢ ሸውሃት ዝኸፍቱን ኮይኖም ከምዝረኸቡዎም ተዛሪቡ።

ኣብቲ መጽናዕቲ ክኢላታት ባህላዊ መድሓኒት፥ ተመራመርቲ እቲ ትካል፣ ኣባላት ናዲክን (ሃገራዊ ማእከል ምርምርን መጽናዕቲ ጥዕና እንስሳት) ካብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ዝተዋጽኡ ሰብሞያን ይሳተፉ ከምዘለዉ'ውን ገሊጹ።

እቲ ምርምር እንታይ ተስፋታት ኣለዎ?

ኣብዚ ደረጃ እዚ ኾንካ እቲ መድሓኒት ንኮሮናቫይረስ ምፍዋስ ምኽኣሉን ዘይምኽኣሉን ምዝራብ ከምዝኸብድ እዩ እቲ ዳይሬክተር ዝዛረብ።

ምኽንያቱ ቅድም ክብል ዝተፈላለዩ ሕማማት ይፍውሱ እዮም ኣብ ዝተብሃሉ እጽዋት ምርምር ገይሮም፡ ኮይኑ ግና ኣብቲ ሕማም ዘይኮነስ ኣብ ምልክታት እቲ ሕማም ለውጢ የምጽኡ ከምዝነበሩ የዘኻኽር።

ስለዝኾነ እቶም መድሓኒታት "ምልክታት ሕማም ከጥፍኡ ይኽእሉ እዮም፤ ኮይኑ ግና እዚ ብሳይንሳዊ መገዲ ክረጋገጽ ኣለዎ። ስለዝኾነ ተስፋ ኣለዎ ወይ የብሉን ምባል ይኸብድ እዩ" ኢሉ።

ትካል ምርምር

ምንጪ ስእሊ, EPHI

ቀጻሊ ምዕራፍ እቲ ምርምር እንታይ እዩ?

ካብ ቤተ ፈተነ ወጻኢ ዘለዉ ስራሕቲ ከምዝተወድኡን፡ ናብ ቤተ ፈተነ ንምእታው እንስሳ የራብሑ ከምዘለዉን ዝገልጽ ኣቶ ወርቁ፡ እቶም እንስሳ ዕድሚኦም ምስኣኸለ ፈተነ ከምዝግበረሎምን ገሊጹ።

ትካል ጥዕና ሕብረተሰብ፡ ናይ ውሕስነት ምርግጋጽ ስራሕቲ ይሰርሕን ከምዘሎን፡ ፈዋሳይነት እቲ መድሓኒት ግን ብናዲክ ከምዝረጋገጽ እቲ ዳይሬክተር ተዛሪቡ።

እዚ ከይዲ ምርምር፡ ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ኣብ ረብሓ ክሳብ ዝውዕል ካብ 3 ክሳብ 14 ዓመታት ክውስድ ከምዝኽእል ኣቶ ወርቁ ይገልጽ።

"ሳይንስ ስለዝኾነ፡ ኣቋራጺ መገዲ የለን፡ በዚ ኣገባብ ክሓልፍ ኣለዎ" ድማ ኢሉ።