ኣብ ሕሱም እዋን ኮሮናቫይረስ፡ ተስፋ ዝህቡ ሓሙሽተ ተርእዮታት

ኣብ ከታመ ውሃን ሓንቲ ካብቲ ሕማም ዝሓወየት ሰበይቲ [ጸጋም]እቶም ሰብ ሞያ ሕክምና ዝገበርሩላ ሰብኣዊ ርህራሄታት፡ ክተመስግን ሓቒፋ ክትስዕሞም ትረኣ። መጋቢት 10 2020

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, እቲ ቫይረስ ደቂ ሰባት ሕያዎት ክኾኑ ዝደፋፍኦም ዘሎ ይመስል።

እዚ ኮሮናቫይረስ ዝበሃል መትሐዚ መጨበጢ ዘይተረኸቦ ሕማም ካብ ዝለዓል ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ጭንቅን ጓሂን ኣስዒቡ ኣሎ።

በብመዓልቱ፡ ብዙሓት ሰባት በቲ ቫይረስ እናተለኸፉ፣ ገለ ድማ ህይወቶም እንትስእኑ፣ ገሊኦም ድማ ሃገር ብሃገራ ከተማ ብከተማኣ ክዓጽዉ ተገዲዶም።

ብዙሓት ድማ ንርእሶም ኣብ ገዝኦም ዓጽዮም ኮፍ ክብሉ [ክውሽቡ] ተገዲዶም።

ግን ድማ፡ ኣብዚ ሕሱም ናይ ጸልማት እዋን፡ ወዲእካ ተስፋ ከይትቐብጽ ዝሕግዙ ተርእዮታት'ውን ኣለዉ።

1. ብኽለት ከባቢ ኣየር ነክዩ

ገለ ሀገራት ብሰንኪ ኮሮና ምንቅስቓስ ጠጠው ስለዘበላ፤ ኣብ ዓለም ብኽለት ኣየር ኣዝዩ ነክዩ።

ብፍላይ በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዓ ቻይናን ጣልያንን፡ ንጥፈታት ናይ ፋብሪካታተን ከምኡ ድማ ናይ መኪና ምንቅስቓስ ብምንካዩ፤ ንከባቢ ዝብክል ሓደገኛ ጋዝ ናይትሮጅን ዳይኦክሳይድ ነክዩ እዩ።

ካርታ

ምንጪ ስእሊ, NASA

Presentational white space

ኣብ ኒውዮርክ ዝርከቡ ተመራመርቲ ድማ፡ ካብ መኪናታት ዝፍኖ ዝተቓጸለ ጋዝ፡ ካርቦን ሞኖኦክሳይድ፡ ብ 50 ሚኢታዊ ከምዝነከየ ኣፍሊጦም።

ከምኡ ድማ፡ ኣብ ዓለም ብዙሓት በረራታት ብምስራዞምን፡ ሰባት ካብ ገዘኦም ምስራሕ ብምጅማሮምን፡ ብኽለት ኣዝዩ ክንኪ እዩ ዝብል ተስፋ ኣሎ።

2. መትረባት ጸርዮም

ብተመሳሳሊ፡ ብርስሓትን ጎሓፍን መሊኦም ጨናን ሕማማትን ዘስዕቡ ዝነበሩ መትረባት፡ ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ኮሮናቫይረስ ጸርዮም።

ብፍላይ ብኸምዚ ኣዝያ እትፍለጥ ቨኒስ እትበሃል ከተማ ጣልያን፡ ሓንቲ ካብተን ዝተቐየራ ከተማታት ዓለም እያ።

ቪነስ

ገለ ብበጻሕቲ ዝጨናነቑ ከባብታት ዓለም፡ ዕረፍቲ ረኺቦም፡ ረሰሓት ዝነበሩ ማያዊ ኣካላት ዓሳ ከፍርዩ ጀሚሮም ተባሂሉ።

ርስሕስሕ ዝበሉ ዝነበሩ ገለ ኣውራ-መንገድታት ነጺሆም።

3. ሰናይ ተግባራትን ርህራሄን

ኣብዚ እዋን ጓህን ጭንቀትን ዝፈጥሩ ወረታት ይንዝሑ ኣለዉ። እንተኾነ፡ እዚ ቫይረስ ናይ ደቂ ሰባት ርህራሄን ሕያዋይነትን'ውን ብዝበለጸ ክወጽእ ገይሩ እዩ።

ክልተ ደቂ ከተማ ኒውዮርክ፤ 1300 ሰባት ኣተሓባቢሮም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ፡ ኣብታ ከተማ ንዘለዉ ብዕድመ ንዝደፍኡን ፍሉይ ሓገዝ ንዘድልዮምን ጉድኣት ኣካል፡ መድሓኒት ኮነ ዘድልዩዎም ካልኦት ኣገደስቲ ነገራት ኣባጺሖምሎም።

ኣብ ካናዳን ዓዲ እንግሊዝን ድማ፡ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት 'ሓገዝ' ይህቡ ኣለዉ።

ኣብ ሱፐርማርኬታት ኣውስትራልያ ከኣ፡ ዓበይትን ጉዱኣት ኣካልን መስርዕ ከይሓዙ ፍሉይ ግልጋሎት ይረኽቡ።

ካልኦት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዓለም ድማ፡ ገንዘብ ኣዋጺኦም ንኻልኦት ክሕግዙ ተራእዮም።

በቲ ቫይረስ ናብ ዝተጠቕዑ ሰባት፡ ዘነቓቐሑን ዘተባብዑን መልእኽታት ዝልእኹ'ውን ብዙሓት እዮም።

4. ዝሓበራ ኣጻብዕቲ . . .

ብሰንኪ ጻዕቒ ስራሕ፡ ብዙሓት ምስ ቀረባ ኣዝማዶም ኮነ ምስ ቤተሰቦም ተፈላልዮም እዮም ነይሮም።

እዚ ንኹሉ ዘጥቕዕ ዘሎ ቫይረስ ግን፡ ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ሰባት ከይተረፈ ክጠያየቑን ደሃይ ክገብሩን ገይሩዎም ኣሎ።

ኣብ ምሉእ ሃገር ዝኾነ ምንቅስቓስ ኣብ ዝተዓጸያ ጣልያን፡ ካብ ካልኦት ዓድታት ሞራሎም ሓፍ ዘብልን ተስፋ ዝህብን ዜማታት ሰሪሖም ይልእኹሎም ኣለዉ።

ኣብ ስፐይን፡ ሓደ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝምህር መምህር፡ ሰባት ኣብ ዘለውዎ ኾይኖም [ተወሺቦም] ክሰርሕዎም ዝኽእሉ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ይምህር።

ብዙሓት ሰባት ንኣዕርኽቶምን ኣዝማዶምን ክሓቱን ከተባብዑን ተራእዮም።

ገለ ድማ፡ ናይ ሞባይል መተግበሪታት ብምጥቃም ትልሂት እናተምሃሩ፡ በቢገዘኦም ኮይኖም ሓጎሶም ዝገልጹሎም መገድታት ፈጢሮም።

ትልሂት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እዚ ቫይረስ ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ፡ ሰባት ንሰብ-ሞያ ጥዕናን ሓኪማትን ዘለዎም ናእዳን ኣድናቖትን እናገለጹ ይርከቡ።

ኣብ ብርክት ዝበሉ ከተማታት ኤውሮጳ ኣብ ገገዘኦም ኮይኖም ሰባት ናእደኦም ይገልጽ ኣለዉ።

ኣብ ከተማ ለንደን ድማ፡ ተምሃሮ ሐሕክምና፡ ንሰብ-ሞያ ጥዕና ዝኽእልዎ ሓገዝ ክገብሩ ወለንተኦም ኣርእዮም።

ኣብ ዝተፈላለየዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ድማ፡ ገለ መናእሰይ ተመሳሳሊ ሰናይ ተግባራት ዝጀመሩ ከምዘለዉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ይግለጽ ኣሎ።

5. ፈጠራን ምህዞን ወሲኹ

ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት፡ እንትውሸቡ ገለ ካብ መንጎኦም፡ ፈጠራን ምህዞን የሐይሉ ኣለዉ።

ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸብታት ልቢ ኢሎምዎ ዘይፈልጡ ውሽጣዊ ድሌታቶምን ባህጎምን ከስተውዕሉ ጀሚሮም።

ኮሮና

ምንባብ፣ ታንቴል ምስራሕ፣ ምግጋር [ምስንካት]ን ቅብኣን ዝኣመሰሉ ሓደሽቲ ባህጊታትን ንጥፈታትን ይፍትኑ ኣለዉ።

ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ሰባት መጻሕፍቲ ብኦንላይን ረኺቦም ከንብቡሉ ዝኽእሉ ጉጅለ ንባብ 'ቡክ ክለብ' ኣጣይሾም።

ሓደ ጣልያናዊ ሰራሒ ምግቢ ድማ፡ ኣበሳስላ ምግብን ኣሰራርሓ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጸብሕን ብኢንስታግራም ብነጻ ከምህር ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብ ኣመሪካ ድማ፡ ሓደ ናይ ጥበባትን ስእልን መምህር፡ ብቐጥታ ከምህር ጀሚሩ ኣሎ።

ሰባት፡ ኣብ ገገዘኦም ኮይኖም ዝተፈላለዩ ጥበባትን ቅብኣን ክፍትኑ የተባብዕ ኣሎ።

ካልኦት ማእኸላት ጥበብ ድማ፡ ሰባት ኣብ ገገዘኦም ኮይኖም ክሪኡን ክፍስሁን ዝኽእልሉ መገድታት የናድዩ ኣለዉ።

ኣብ ኣውስትራልያዊት ከተማ ሲድኒ ዝርከብ ሓደ ትካል፡ 'ናይ ለይቲ ጉዕዞ' ዝተሰመየ ኣብ ገዛ ንዝተወሸቡ ሰባት ዘድንቕ ምርኢታት ብኦንላይን ከርኢ ቀንዩ።

ገለ ፍሉጣት ሙዚቀኛታት ዓለም ድማ፡ ሰባት ብኮረናቫይረስ ተስፋ ከይቐብጹ፡ ዝተፈላለዩ ዜማታት ብምፍናው ሰባት ተስፋ ክሰንቁ ይገብሩ ኣለዉ።