ዑመር ሓሚድ እዛዝ፡ ሓደ ካብ'ቶም ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ዘበገሰ ተጋዳላይ

ዑመር ሓሚድ

ምንጪ ስእሊ, HAMID

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብስርዓታት ኢትዮጵያ ዝተጋህሰ ፌደራላዊ መሰላቱ ክሕለወሉን ኣብ ዓዱን መሬቱን ብሰላምን ክብርን ክነብር ብሕጋውን ሰላማውን መገዲ ተደጋጋሚ ጥርዓን ኣቕሪቡ ሰማዒ እዝኒ ምስ ሰኣነ፡ ብባሕቲ መስከረም 1961 መሰል ርእሰ ውሳነኡ ከረጋግጽ ብወግዒ ብረታዊ ተጋድሎ ኣዊጁ።

ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ከቢድን መሪርን ቃልሲ ድማ ሕጋዊ ረፈረንደም ኣካይዱ ብድምጹ ናጽነቱ ከም ዘረጋገጸ ሰነዳት ታሪኽ የመልክቱ።

ሎሚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሱ ይዝክር ኣሎ። ኣብ ታሪኽ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ተራ ዝነበሮን ሓደ ካብ'ቶም ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ዘበገሰን ተጋዳላይ ሓሚድ ዑመር እዛዝ ከነላልየኩም ኢና።

Short presentational grey line

ተጋዳላይ ዑመር ሓሚድ እዛዝ መን'ዩ?

"ኣቦይ ብ1961 ምስ ብጾቱ ኰይኑ ካብ ምክልኻል ሓይልታት ሱዳን ናብ ሜዳ ኤርትራ ንክጋደል ክወርድ ኣነ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቆልዓ'የ ነይረ'' ይብል ሓሚድ ዑመር እዛዝ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብር ወዱ ንዑመር እዛዝ።

"ኵነታት ገድሊ ኤርትራ ከመይ ከም ዝመስል ኣይርድኣንን ነይሩ፣ ግናኸ ብዙሓት ሰባት ብጸላም ናብ ገዛና ተሓቢኦም ክኣትዉን ክወጹን ይዝከረኒ"።

"ካብኣቶም ጣህር ሳልም፣ ሙሓመድ ኢድሪስ ሓጅ፣ ያሲን ሙሓመድ ዓሊ፣ ጃፍር ሙሓመድ፣ ቃብሮ ያጂን፣ ሔሻል ዑስማን ... ወዘተ. ኵሎም ኣብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ድሒረ ከም ዝፈለጥክዎ እጃም ዝነበሮም ተጋደልቲ [ምዃኖም] እዝክር" ይብል።

"ኣነ ኣብ ከሰላ (ሱዳን)'የ ተወሊደን ዓብየን። ኣቦይ ሓያል ሃገራዊ ስምዒት ስለ ዝነበሮ፡ ወተሃደር ሱዳን ነይሩ ክነሱ ምስ'ቶም ፈለምቲ ቃልሲ፡ በዓል ኢድሪስ መሓመድ ኣደምን ኢድሪስ ዑስማን ገላውዴዎስን እናተራኸበ ዋኒን ብረታዊ ቃልሲ የካይድ ነበረ።

"ርግጽ'ዩ፡ ናይ ኣቦይ ሃገራዊ ተወፋይነት ኣብ ገዛና ቍጠባዊ ጸገማት ፈጢሩ'ዩ። ኣደይ (ከዲጃ ኑር) ዓቢ ሓላፍነት ተሰኪማ ንዓና ስና ነኺሳ ኣዕብያትና ... እንጀራን መግብን ኣብ ዕዳጋ እናሸቀጠት ትቕልበና ነይራ" ኢሉ ተዘክሮታቱ ይጽብጽብ።

"ንዓና ምዕባይ ከይኣኽላ ኸኣ ብስቱር ሃገራዊ ጉብኣ ትገብር ነይራ ... ምስ'ተን ቀዳሞት ዋህዮ ዝፈጠራ ደቂ'ኣንስትዮ (ኣብ ከሰላ) ኰይና ንዉጉኣት ተጋደልቲ ተልዕል ነይራ ... መዕቈቢ ተጋደልቲ ኣብ ምጽራይ፡ መግቢ ሰሪሓ ንዉግኣት ምምጋብ፡ ቍስሎም ምሕካም ... ዝከኣላ ትገብር ነይራ" ኢሉ ብኣድናቖት ይዝክረን።

"ተዘክሮታት ኣቦይ ዳርጋ የብለይን ክብል እኽእል። ኣቦይ፡ ኣብ ቃልሲ ዝተጸንበረሉ እዋን ሳሕቲ'ዩ ዝበጽሓና ነይሩ። እቲ ኵነታት ሱዳን ኣዝዩ የሰክፍ ስለ ዝነበረ ብስቱር'ዩ ዝንቀሳቐስ ነይሩ። ስለዚ ኣይንርእዮን ኔርና ... ብጸላም ይኣቱ፡ ከይተሳእና ኸኣ ኣንጊሁ ይስወረና ነበረ" ይብል ሓሚድ።

"ሕጂ፡ ኣብ ዓንኬላት ኤርትራውያን ስም ኣቦይ ክርቋሕ ክስምዕ ዝስምዓኒ ሓበን ክገልጾ ኣይክእልን፣ ስሙ ብግቡእ ንክዕቀብን ዛንትኡ ክዝንቶን ሓላፍነት ኣሎኒ። እቲ ዜሕዝነኒ ግን ከም ኣቦይ ዘኣመሰሉ ብዙሓት ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ብጅግንነት ኣብ ሜዳ ኤርትራ ክወድቁ ተገዲሶም ንታሪኾም ክስንዱ ዝኸኣሉ ተመራመርቲ ታሪኽ ዳርጋ የለውን፣ ክሳብ ሕጂ ብኣድማዒ ኣገባብ ኣጠቓሊሉ ንታሪኾም ዜቕረበ ጸሓፋይ የለን ክብል እኽእል ... ንታሪኾም ዝፈልጡ ነባራት ተጋደልቲ ድማ ሓደ-ብሓደ ይሓልፉ ኣሎዉ" ብምባል ቅሬታኡ ይገልጽ።

ንቅሬታ ሓሚድ ብምድጋፍ "ታሪኽ ቀዳሞት ተጋደልቲ ኤርትራ ዳርጋ ዝኣክል ቆላሕታ ኣይረክብን'ዩ ክበሃል ይከኣል" ይብል ጅምዕ ኣሕመድ።

ሓደ ካብ'ቶም ብዓውታ ክቃልሑ ዝግብኦም ዛንታ ዑመር እዛዝ ምዃኑ ዝምስክሩ፡ ነቲ ታሪኽ'ቲ ድማ ብቀረባ ዝፈልጥዎ ሰባት ኣለዉ፣ ሓደ ካብ'ኦም ጅምዕ ኣሕመድ'ዩ።

ጅምዕ ኣሕመድ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ሜዳ ከም ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ. ዀይኑ፡ ቀጺሉ ድማ ንዓመታት ኣብ ሮማ ከም ወኪል ውድብ ዀይኑ ዘገልገለ ነባር ተጋዳላይ'ዩ።

ጅምዕ ብ60'ታት ኣብ ቦቴጎ (ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ጣልያን) ተማሃራይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዉድባዊ መስኖታት ኣቢሉ ምስ ዑመር እዛዝ ይራኸብ ከም ዝነበረ፡ ኣብ ሜዳ ድማ ካብ 1967 ጥቡቕ ሌላ ዝነበሮ ተጋዳላይ'ዩ።

"እቶም ነቲ ቃልሲ መገዲ ዝጸረጉ (ኣብ 40'ታት)፡ ንሰውራ ኤርትራ ዘበገሱ (መወዳእታ 50'ታት)፡ ኣብ ናይ 60'ታት ዉግኣት ዝወዓሉ ንስሙ ድኣ'ዮም ዝጥቀሱ'ምበር ብክብርን ብዝርዝርን ኣይዝንተወሎምን'ዩ፣ ምናዳ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ" ብምባል ጅምዕ ኣሕመድ ኣስሚሩ ስምዒቱ ይገልጽ።

ብመጀመርታ ድሕረ ባይታ ዑመር እዛዝን ሰውራ ኤርትራን

ዑመር እዛዝ ካብ ብሄረ-ቢለን ኣብ ሓልሓል ዝተወልደ ካብ ሰራዊት ሱዳን ናብ ቃልሲ ኤርትራ ዝተጸምበረ ተጋዳላይ እዩ።

ኣብ 40'ታት፡ እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ዝኣተወሉ እዋን፡ ቍጠባ ኤርትራ ኣዝዩ ኣንቈልቊሉ፡ ሽቕለተ-ኣልቦነት በዚሑ።

ንሱ ከይኣክል ምሕደራ ኤርትራ ቀስ ኢሉ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኢትዮጵያ እናኣተወ ስለ ዝኸደ፡ ሓያሎ ደቂ ከበሳ ናብ ኢትዮጵያ ጽግዕግዕ ዝብለሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዙሓት ኤርትራውያን ደቂ መታሕት ንእንጌራኦም ክብሉ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ሱዳን ይኽተቡ ነበሩ።

እዚ ተርእዮ'ዚ ክሳብ 50'ታት ቀጸለ።

ብዙሓት ካብ'ቶም ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ሱዳን ዝነበሩ ኤርትራውያን ሓያል ሃገራዊ ስምዒታት ነበሮም።

ሓደ ካብኦም ዑመር እዛዝ ነበረ።

ዑመር እዛዝ ልክዕ እቲ እተወልደሉ እዋን'ኳ ፍሉጥ ኣይዅን ኣብ መፋርቕ ወይ ከኣ መጠረስታ 20'ታት ከይኰነ ኣይተርፍን ይብሉ ብጾቱ።

ዑመር ሓሚድ እዛዝ

ምንጪ ስእሊ, HAMID

ብ1946 ድማ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ሱዳን ከም እተኸትበ ኣብ ሰነድ 'ታሪኻዊ መዝገበ ቃላት ኤርትራ' ዝበሃል መጽሓፍ ሰፊሩ ይርከብ።

ዑመር ኣብ ዕስክርና ሱዳን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ከም ኣባል ጕጅለ ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ኰይኑ ንሓጺር እዋን ንኮንጎ ወፊሩ ከም ዝነበረ እቲ መጽሓፍ ኣብ ዓምዱ ኣስፊሩዎ ይርከብ።

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ መፈለምታ '60'ታት

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ካይሮ ብኢድሪስ መሓመድ ኣደምን ብጾቱን'ዩ ብዕለት 10 ሓምለ 1960 ተመስሪቱ።

ቅድሚኡ 'ሓርነት ምንቅስቓስ ኤርትራ' (ሓራከት ታሕሪር ኤርትርያ) ዝበሃል ማሕበር፡ ብመሓመድ ስዒድ ናውድን ሳልሕ ኣሕመድ እያይን ዝተመስረተ ነይሩ'ዩ።

መራሕቲ 'ሓራከት ታሕሪር ኤሪትረያ' ብብረታዊ ቃልሲ ንኸበግሱ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን።

መርገጺኦም ቅድም ብዉሽጢ-ዉሽጢ ኤርትራውያን ንክውደቡ፡ ኣስዒቦም ከኣ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ንክሳገሩ ከም መርገጺኦም ሒዞም ይሰርሑ ነበሩ።

ነቲ መደብ ተ.ሓ.ኤ ኣይተሰማማዕሉን።

ቅድሚ ኹሉ ብረታዊ ቃልሲ ይጀመር ዝብል መርገጺ ነበሮም።

ውደባ ይቐድም ወይ ብረታዊ ቃልሲ ብዘየገድስ፡ ክልቲኦም ምንቅስቓሳት ነቶም ኣብ መዓሰከራት ሱዳን ዝነበሩ ኤርትራውያን ንምኽሳብ ተቐዳደሙ።

በቲ ሽዑ ኣብ ሞንጎ ሓራከትን ተሓ.ኤ.ን ዝተፈጥረ ዘይምቅዳው ኣብ ሞንጎኦም ዉሽጣዊ ምስሕሓብን ውድድርን ተፈጥረ፣ ኣብ መጠረስትኡ ኸኣ ተ.ሓ.ኤ. ጸብለል በለ።

ሰነዳት ከም ዘርእይዎ፡ ዑመር እዛዝ ኰነ ካልኦት ብጾቱ ቃልሶም ምስ 'ሓራከት ታሕሪር ኤርትርያ' ጀሚሩ፤ ጸኒሑ ድማ ብረታዊ ቃልሲ ስለ ዝዓጀቦም፡ ናብ ተ.ሓ.ኤ. ከም ዝሰገረ ይሕብሩ።

ኣብ ኤርትራ ብ1960 ብኣንድነታውያን ዝተዓብለለ ሳልሳይ ኣሰምብለያ ንቋንቋ ኣምሓርኛ ከም ሃገራዊ ቋንቋ ኤርትራ ንክኸውን ጸደቐ።

ኣብ ዓመቱ (1 መስከረም 1961) ሓሚድ ኢድሪስ ዓዋተ (1911-1962) ኣብ እምባ ኣዳል ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ኤርትራ ተዅሲ ከፈተ ይበሃል።

ጸኒሑ ብተ.ሓ.ኤ. ኣቢሉ ኣብ ዓዋተ ዝዓስል ሓደ ንእሽቶ ደባይ ጕጅለ ተፈጥረ።

ትሽዓተ ወትሃደራት ሱዳን ኣብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ

መራሕቲ ተ.ሓ.ኤ. ትሽዓተ ወትሃደራት ሱዳን ዝነበሩ ናብ መስርዖም ክስሕብዎም ከኣሉ።

ኣብ ሞንጎኦም ኣደም መ. ሓምድ (ጊንደፈል)፣ ዑመር መ. ዓሊ (ዳመር)፣ መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ (ኣቡ ረገይላ)፣ መሓመድ ዑመር ዓብደላ (ኣቡ ጥያራ)፣ ጣህር ሳልም ከምኡ'ውን ዑመር እዛዝ ነበሩ።

እዚኦም ሕመረት ናይቲ ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመሩ ጕጅለ ነበሩ።

ብ1962 ከኣ ዝያዳ ወተሃደራት ሱዳን ተወሰኽዎም - ከም በዓል ማሕሙድ ዲናይ፡ ሳልሕ ሓዱቝ ዘኣመሰሉ። ብ14 ሕዳር 1962 ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብዘይ ገለ ድምጺ ንህላወ ኣሰምብለያ ብምጥሓስ ናብ ኢትዮጵያ ከም እትልቀብ ገበረት።

ሽዑ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ቍጽሮም፡ ኣብ ክልተ ጋንታታት ዝተኸፍሉ ዀይኖም፡ 60 ኣቢሉ ነበረ።

ዑመር እዛዝ፡ ሽግራት ናይ ዋሕዲ ኣጽዋር ንምፍታሕ፡ ብ1962 ኣብ ሓል-ሓል ዝርከብ መደበር ፖሊስ ብምጥቃዕ ኣጽዋር መንዚዑ ንሓሚድ ኢድሪስ ዓዋተ ከም ዘረከቦ ይንገር።

ብ1963-64 ወትሃደራዊ ስርሒታት ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ሰሜናዊ ከበሳን ገማግም ኤርትራ ክብ በለ፣ ምስኡ ኸኣ ሃገራት ኣዕራብ ከኣ ደገፎም ክብ ኣበሉ።

ብጉንበት 1965፡ ቍጽሪ ተጋደልቲ ኣስታት 2,000 ዝበጽሓሉ እዋን፡ መራሕቲ ተ.ሓ.ኤ. ንኤርትራ ኣብ ኣርባዕተ ዞባዊ እዝታት ወይ ክፍልታት ከፋፈልዎ።

ቀዳማይ ክፍሊ (ባርካ) ብማሕሙድ ዲናይ ዝምራሕ፣ ካልኣይ ክፍሊ (ሰንሒት) ብዑመር እዛዝ ዝምራሕ፣ ሳልሳይ ክፍሊ (ምብራቓዊ ከበሳ) ብዓብደልከሪም ኣሕመድ ዝምራሕ፣ ራብዓይ ክፍሊ ድማ (ቀይሕ ባሕሪ) ብመሓመድ ዓሊ ዑማሮ ዝምርሑ ነበሩ።

እቲ ሓሙሻይ ክፍሊ (ማእከል ከበሳ)፡ ክርስትያን ተጋደልቲ ቍጽሮም ክዛይድ ምስ ጀመረ፡ ብ1966 ተመስረተ፣ መራሒኡ ድማ ወልዳይ ካሕሳይ ነበረ።

ኢድሪስ ዑስማን ገላውዴዎስ ሓደ ካብ'ቶም ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮም መራሕቲ ተ.ሓ.ኤ. ነበረ።

ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ክፍልታት ምስ ተጐጃጀለት ንሱ 'ኣያ ካልኣይ ክፍሊ' ነበረ ይበሃል፣ ብኻልእ ኣዘራርባ ምስ ዑመር እዛዝ ብጽኑዕ ተኣሳሲሩ ይሰርሕ ነበረ።

እቲ ዞባዊ ምክፍፋል እግሪ ምስ ተኸለ፡ ዑመር እዛዝ ነቲ ናቱ ብሄር - ብሄረ-ብሌን ምዃኑ'ዩ - ብዕሊ ክውክል ከኣለ።

ምኽትሉ ድማ መሓመድ ዑመር ኣደም፡ ካብ ማርያ፡ ነበረ።

ኢድሪስ ዑስማን ገላውዴዎስ ምስ ዑመር እዛዝ ኰይኖም ነቲ ሓሙሻይ ክፍሊ ንክምስረት ዕዙዝን ኣዎንታውን ተራ ከም ዝነበሮም ጅምዕ ኣሕመድ ይምስክር።

ብተወሳኺ፡ ኣሕመድ ንዑመር እዛዝ ምስ'ቶም ካልኦት ብጾቱ ኣነጻጺሩ ክገልጾ ኸሎ ኣዝዩ ምዕቡልን ራእይ ዝነበሮን መራሒ ከም ዝነበረ ይምስክረሉ።

ዑመር ነቲ መራሕቲ ተ.ሓ.ኤ. ክፍልታት ኣብ ምምስራት ዝወሰድዎ ስጕምቲ ብዙሕ'ኳ ኣይድግፎን እንተ ነበረ፡ ነቲ ኣብ ዉሽጢ ዉድብ ዝካየድ ዝነበረ ምፍሕፋሕ ንምዕራይ፡ ብ'ኢስላሕ' ዝፍለጥ ዝተኣታተወ ምንቅስቓስ፡ ኣይተጸንበሮን።

'ኢስላሕ' ካብ'ቶም ሓሙሽተ ክፍልታት ዝተዋጽኡ መንእሰያት ብ1967 ዝተመስረተ ምንቅስቓስ'ዩ ነይሩ።

ዑመር እዛዝ ግን ንምንታይ ኣብ ኣረዳይብ ብ1968 ዝተኻየድ ኣኼባ ክጽንበሮም ዘይምድላዩ ንጹር ኣይኰነን።

መስዋእቲ ዑመር እዛዝ

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ዉግእ ሓልሓል ክሓስቡ ከለዉ በቲ ብ1983 ብደርጊ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ዝተወስደ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ብ'ሰላሕታ ወራር' ዝፍለጥ መጥቃዕቲ'ዮም ዝዝክሩ።

ቅድሚ 'ሰላሕታ ወራር' ሓልሓል ካልእ ዉግኣት ተኻዪዱዋ'ዩ፣ ሓደ ካብ'ቶም ዉግኣት ዑመር እዛዝ ዝተሰውኣሉ ዉግእ'ዩ።

ዕመር እዛዝ ኣብ ሓልሓል ኣትዩ ነቲ ኣብኡ ዝነበረ መደበር ፖሊስ ደጋጊሙ የጥቅዕ ከም ዝነበረ ኣብ "ታሪኻዊ መዝገበ ቃላት ኤርትራ" ተጻሒፉ ይርከብ።

ኣብታ ናይ መጠረስታ ዘካየዳ መጥቃዕቲ እታ መደበር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኮማንዲስ ነበረት።

ሓሚድ፡ ወዱ ንዑመር እዛዝ ከም ዘዘንትዎ፡ ኣቡኡ ነቲ መደበር ፖሊስ ንከጥቅዕ ኣብ ዝወሰነሉ እዋን እቲ መደብ ሰሊኹ ኣብ ኢድ ኮማንዲስ በጽሐ ይብል።

ብ5 መስከረም 1968 ን200 ዝኣኽሉ ተጋደልቲ እናመርሐ ኣብታ ዝተወልደላ ቦታ ምስ ናይ ፖሊስ ኮማንዶ ምስ ገጠመ ብጽኑዕ ተውግአ።

ማዕረ 70 ተጋደልቲ ኣብቲ ዉግእ ከም ዝሞቱ ይጽብጸብ።

እቶም ዝተረፉ ብጾቱ ከድሕንዎ'ኳ እንተኸኣሉ፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ኣብ ደብረ-ሳላ ዝበሃል ጐደቦ ቍሸት ተሰውአ።

"ንጽባሒቱ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ሓልሓል ዝነበረ ህዝቢ ለከምዎ። ህዝቢ ንክርእዮም ድማ ንሬሳታት ስዉኣት ተጋደልቲ ንከረንጓሪቶም ብምእታው ኣብ ኣደባባይ ሰጥሕዎም" ይብሉ ሰነዳት ታሪኽ።

"መስዋእቲ ኣቦይ ድሒረ'የ ፈሊጠ። ሽዑ ዝተሰምዓኒ ሓዘን ክሓስብ ሎሚ እዝክሮ፤ ኣውራኸኣ ኣደይ ዘሕለፈቶ መከራ" ይብል ሓሚድ።

ሃሚድ ከም ዝበሎ ድሕሪ ናጽነት ሬሳ ዑመር እዛዝ ካብቲ ተቐቢሩሉ ዝነበረ ቍሸት ተፋሒሩ ተላዕለ፣ ኣብ ሓልሓል ኣብቲ ዝተወልደሉ ቦታ ኸኣ ዳግም ተቐብረ።