“ንሃገረይ ዘይተመለስኩሉ ምኽንያት ...” ረዘነ ተስፋጽዮን

ምንጪ ስእሊ, Rezene
“ምጽፋይን ግህደትን ምልካውነት” ዘርእስታ ብረዘነ ተስፋጽዮን ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ድሮ ተዘርጊሓስ ብዙሕ ይዝረበላ ኣሎ።
እታ መጽሓፍ፡ ሰባት ብሕልነኦም “ኣበይ ነይረ”? “እንታይ ገይረ?” “ኣብ ህይወተይን ህይወት ካልኦትን እንታይ ኣበርኪተ?” “ኣበይ ተጋግየ?” “ሕጂኸ ኣበይ ኣለኹ?” ስለምንታይ’ከ “ንሃገረይዘይተመለስኩ?” ንዝብል ዉልቃውን ሃገራውነትን ሕቶታት ንከስቆርቁሩሉ ትደፍኦም።
ብድሕሪ ናጽነት ግዳሳት ኤርትራውያን ጸሓፍቲ ብዛዕባ ተመኩሮኦም ተመኩሮ ካልኦትን ሓደ ሓደ መጻሕፍቲ ይጽሕፉ ኣለው።
ሓደ ካብኦም ብዙሕ ዝረኣየን ዝሰርሐን፡ ኣብ ሃገር ሽወደን ኡፕሳላ ዝነብር ምስ ሽወደናውያን መዘነታቱ ተወዳዲሩ ኣብ ዓውደ ፖለቲካ ብቕዓቱ ዜመስከረ፡ ንኤርትራውያን ዜጓንፎም ጸገማት እናረድእን ዓቕሞም እናሓየለን ዕዉት ናብራ ዝመርሐ ረዘነ ተስፋጽዮን እዩ።
ረዘነ ኣብ ሽወደን ን45 ዓመታት ነቢሩ ኣሎ። 45 ዓመታት ነዊሕ እዩ? ስለምንታይ ግን ናብ ሃገሩ ዘይተመልሰ?
እታ 370 ገጻት ዝሓዘት መጽሓፉ ብዛዕባ ታሪኽ ህይወቱ እያ ተዘንቱ።
ጸሓፊ ብታሪኹ ኣቢሉ ኣብ ኤርትራ ዝተሰግሩ ሽግራት፡ ኣብ ስደት ዝተኻየዱ ቃልስታት፡ ኣብ ናጽነት ዝተወልዑ ዉዕዉዓት ስምዒታት፡ ከምኡ’ውን ዘይተማልኡ ሕልምታት ዘርዚሩ ኣቕሪቡዎም ኣሎ።
ብዓቢኡ ኸኣ ንምንታይ ንሃገሩ ከም ዘይተመልሰ ኣነጺሩ ገሊጹዎ ኣሎ።
ኤርትራንገድሊ-ኤርትራን
መብዛሕትኡ ጊዜ፡ ኤርትራ ብብረታዊ ገድልን ተጋደልታን’ያ ትዝከር።
ካብቲ ዛዕባ’ቲ ወጺእካ ምጽሓፍ ንምንታይ ከም ዘይተኣታተወ ሰፊሕ ትንታኔ ዜድልዮ ዛዕባ ዀይኑ እቶም ነቲ ሓጹር’ቲ ጥሒሶም ዝጸሓፉ ሰባት ሒደት እዯም።
ካብ ብረታዊ ቃልሲ ወጻኢ ዝዀኑ ሓያላት ሸነኻት ስለ ዘለው፡ ታሪኽ ኤርትራ ካብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ፍንትት ኢሉ ክትረኽ ኣድላዪ’ዩ።
ብኣርባዓታት ዝተሰግሩ ግድላት፣ ብሓምሳታት ዝተኻየደ ዉዲትን ጥልመትን፣ ብስሳታት ዝተኻየደ ጐበጣ፡ ግፍዒ ጦር-ሰራዊት፡ ከምኡ'ውን ሽዑ ካብ መታሕት ንሱዳን ዝተሰደ ህዝቢ (እሞ ኸኣ ጌና ካብ ሱዳን ዘይተመልሰ ህዝቢ)፣ ብሰብዓታት ደርጊ ዘስዓቦ ምብትታን፡ ዝሰዓበ ማእሰርትን ግፍዕን ህልቂትን ዉግእ ሓድሕድን (ኣብ ሞንጎ ጀብሃን ሻዕብያን) ሽዑ ዝተኸሰተ ዋሕዚ ንስደት (እንኮላይ ንኤውሮጳን ኣሜሪካን ሃገራት ኣዕራብን) ብውልቀ ዛንታን ተመኩሮን ክንገሩ ዝግበኦም ብኣሽሓት ዝቍጸሩ ዛንታታት ኣሎዉ።
ብተወሳኺ፡ ብሰማንያታት ዝቐጸለ ዋሕዚ-ስደት፡ ንቃልሲ ናጽነት ዝድግፍ ብስደተኛታት ዝተገብረ ኣበርክቶ፡ ብተስዓታት ዘርከበ ናጽነት፡ ዘሕደሮ ጽልዋን ተስፋን፡ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ዝተወልዐ ዉግእ ባድመ፡ ካብ ድሕሪ ዉግእ ክሳብ ሕጂ ዘጓነፉ ሽግራት፡ ከም ምስጓግ-ህዝብታት፡ ስደት መንእሰያት ዝኣመሰሉ ማእለያ ዘይብሎም ክንገሩ ዝግብኦም ዛንታትት ኣሎዉ።
ረዘነ፡ ሓደ ካብ'ቶም ነዚ ዝተዘርዘረ ክውንነት ብቐረባ ስለዝፈልጦ ተመኩሮኡ ብመልክዕ ምስክርነት ንህዝቢ ኣቕሪቡ'ሎ።
ንገድሊ ኤርትራ፡ ኣበርክቶን ሓገዝን እቶም ኣብ ግዳም ኮይኖም ዝቃለሱ ዝነበሩ ውፉያት ሓፋሽ ውድባትን ንዋታውን ሞራላውን ደግፍ ዝህብ ዝንበረ ሓፋሽ ህዝብን ኣገዳሲ እዩ ነይሩ።
ኣብ ምጉስጓስን ምውዳብን ሓፋሽ ዲያስፖራ ዓቢ ተራ ዝነበሮም ከም ረዘነ ዝኣመሰሉ ውፉያት ተቓለስቲ ታሪኾም ብምጽሓፍ ነቲ ዘይተነግረ ክፋል ዛንታ ስደት ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ክገብሩዎ ኣገዳሲ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Rezene
እታ መጽሓፍ ...
ረዘነ መጽሓፉ ንወለዱ'ዩ ናይ ቃልሲ ብጾቱን እዩ ወፍዩዋ። ተስፋይ ወልደሚካኤልን መንግስትኣብ ኣስመሮምን ኣብ ቅድሚ-መእተው መጽሓፉ ናእዳኦም ኣንቢሮምላ ኣሎዉ።
ከምኡ'ውን ብቀረባ ንረዘን ዝፈልጡዎ፡ ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካጽዮን፡ ምስክርነቶም ኣቕሪቦም ኣሎዉ።
ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካጽዮን ንረዘነ ብሓርኰትኮቱ'ዮም ዝገልጽዎ።
ካብ ቀደም ኣትሒዙ፡ "ኣብ ማሕበር-መንእሰይ ፍኖተ ብርሃን፡ ኣባል ረድዮ ኣስመራ፡ ኣብ ትካላት ስፖርት ብልዑል ሓላፍነት ዘገልገለ ንጡፍ ሰብ'ዩ" ክብሉ መስኪሮምሉ።
ቀጺሉ ረዘነ፡ ኣብ 1974 ብከመይ ንስደት ከም ዜምርሐ፡ ሃገረ-ሽወደን ዝገበረትሉ ምቅብባልን ዝለገሰትሉ ዑቕባን፡ ከም ሰብ ንኽዕምዕብል ድማ ዝኸፈተትሉን ዝተጠቕመሉን ዕድላት፡ ኣብኡ ዀይኑ ድማ ምስ ብጾቱ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘበርከቶም ስርሓት ገሊጹዎ ኣሎ።
እቶም ኣብታ መጽሓፍ ሓሓሊፎም ቀሪቦም ዘሎዉ ፍጻሜታት፡ ፍሉያት ዛንታት ዉልቀ ሰባት፡ ምስክርነታት፡ ንኣንባቢ ሓድሽ ዓለም ይኸፍቱ'ዮም።
ደራሲ ብዛዕባ ማሕበር ንናጽነት ኣብ ኤውሮጳ፡ ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ሽወደን ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ስለ ዝነበሮ ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩዎ ኣሎ።
ረዘነ ኣብ ሃገር ሽወደን፡ ካብ 2002 ክሳብ 2006 ንሰልፊ ሶሻል-ደሞክራትስ ወኪሉ ዘገልገለ ኣባል ፓርላማ'ዩ።
እታ 26 ምዕራፋት ዝሓዘት መጽሓፍ ከኣ ካብ ቁልዕነቱ ክሳብ እዛ እዋን ንዘላ ህይወቱ እያ ትገልጽ።
እቲ ትግርኛ ጽፉፍ'ዩ፣ እቶም ዘቕረቦም ዛንታታት ድማ ሰሓብቲ'ዮም።
ብፍላይ እቲ ኣብ ሰብዓታት ኣብ ኣስመራ ዝነበረ፡ ጸሓፊ ዝሓለፎ ጕዕዞን ዝገለጾ ኩነታትን ዝፈልጥ ሰብ፡ ነታ መጽሓፍ ብምንባብ ነቲ ብጊዜ ምንዋሕ ኣብ አእምሩኡ ክሃሱዎ ዝኽእሉ ዝኽርታት መሊሱ እዩ ዝኹልዖ።
እቲ ሽዑ ዝነበረ ሕንፍሽፍሽ፡ ዘይምዕሩይ ኣካይዳ ፖሊስ ኤርትራ፡ ማእሰርቲ መንእሰያት፡ ንሜዳ ሃጽ ኢሉ ዝጠፍእ ዝነበረ ህዝቢ፡ ፋሕ-ፋሕ ዝኣተወን ስድራ-ቤታት ኤርትራ፡ ... ኣብ ዉሽጥኻ ጸላዕላዕ ዜብሉ ተርእዮታት የኸትሉ።
ምናዳ ንድሕሪት ተመሊስካ ምርኣዯም፡ ነቶም ተቐቢሮም ዝነበሩ ስምዒታት ኣተንሲእካ ኣብ ናይ ሓሳብ ዕልቕልቕ ምእታው ከም ማለት'ዩ። ነቲ ሽዑ ዘይነበረ ንኡስ ወለዶ ከኣ "ለካ እዝን-እትን እውን ተሰጊሩ'ዩ እዩ" ዘብል እዩ።
እቶም ኣብቲ መጽሓፍ ቀሪቦም ዘሎዉ ፍጻሜታት፡ ኤርትራዊ ክሳብ ክንደይ ሽግር ከም ዘሕለፈ የርእዩ።
ሰብ ንቡር ህይወቱ ንከይመርሕ ዝዕንቅጽ፡ ስራሑን ስድራ-ቤቱን ጠንጢኑ፡ መጻኢ ዕድሉ ሰዊኡ፡ ንክጋደል ንበረኻ ወይ ንስደት ዘንፍጽ ምንባሩ ዘርኢ ተዘክሮታት ኣሎ።
ዜተሓሳስብ መደምደምታ
መደምደምታ እታ መጽሓፍ ዳርጋ ኣብ ኩሎም ምዕራፋት ተነስኒሱ ኣሎ።
ስለዝኾነ ሃዲእካ ከተንብቦ ትግደድ። ምኽንያቱ ደራሲ፡ ብቅደ ሕሉፍ ዝኽሪ/ፍላሽ ባክ/ን ብህሉው ኩነትን፡ ቀደም ኵነታት ከመይ ከም ዝነበረ፡ ሕጂ ኸኣ ከመይ ከም ዘሎ እናኣነጻጸረን ፍርዲ እናሃበን ኢዩ ጽሒፉዎ።
ኣንባቢ፡ "ህዝቢ ሕጂ ቅድም ይሕሾ፡ ናይ ሎምን ትማልን መነባብሮኡ እንታይ ይመስል? ኵነታት ማእሰርቲ ትማልን ሎምን ከመይ ኣሎ? ሰብኣዊ መሰላት'ከ? ኵነታት ስደት ህዝቢ ኤርትራ (ሽዑን ሕጅን) ከመይ ይመስል?" ዝብሉ ሕቶታት ኣንባቢ መልሲ ክህበሎም ይኽእል'ዩ።
ኤርትራዊ ዝሓለፎን ዝሓልፎ ዘሎ ብደሆን ገድልን ዳርጋ ኣይተነግረን።
ኣብ ስደት ብዛዕባ ኣዴታት ዓዲ ጣልያን፡ ብዛዕባ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ዝነበሩን ዝተዋሰኑን፡ ዋኒኖም ገዲፎም ናብ ቃልሲ ዝኣተዉን ዝጠፈሹን ሰባት፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝዓበዩን ዝኸርተቱን ዜጋታት፡ ዛንትኦም ንሓድሽ ወለዶ ክንገር ኣገዳሲ እዩ። መበገሲኡ ፈሊጡ መጻኢኡ መታን ክቕይስ።
ረዘነ'ምበኣር ብመጽሓፉ ኣቢሉ መገዲ ከፊቱ'ሎ ስለዘሎ ዝኽእል ዘበለ ጸሓፊ ክኽተሎ ዘለዎ ኣገዳሲ ዕማም እዩ።
"ንምንታይ ኣብ ጊዜ ጥሮታኻ ንሃገርካ ዘይተመለስካ?"
ኣብ ስደት ዝተበተነ ኤርትራዊ በብዝኸዶ ይጠፍእ ምህላው ክስወር ዘይክኣል ሓቂ'ዩ።
ዝወጽእ'ምበር ዝምለስ ዳርጋ የለን ክብሃል ይከኣል። ና
ጽነት ምስተረኽበ ኩሉ ስደተኛ ንሃገሩ ዝምለስ እዩ ዝመስሎ ነይሩ።
ዳርጋ ኣብ ነብሲ ወከፍ ገዛ እውን ይዝረበሉ ነይሩ። ክምለሱ ፈቲኖም ዘይተዓወቱን ተመሊሶም ዝሰተሰዱን እውን ኣለው።
ስለምንታይ ንዓዲ ምምላስ ከም ዘይተኻእለ መፍሓፍ ረዘነ መሊሳቶ ኣላ።
"ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ (1991) ናብ ሃገረይ ክምለስ ልዑል ምንዮትን ባህግን ነይሩኒ። ስለምታይሲ ብፈለምኡ´ውን ካብ ሃገር ክወጽእ ብናይ ደገ ገዛእቲ ብዘውረድዎ ህዝባውን ሃገራውን ዓመጽ ተገዲደ እየ ዝተሰደድኩ።
. . . ነብሰይ ደኣ ከም ኣብነት እወስድ ኣለኹ'ምበር እቲ ካብ ሓምሳታት ኣትሒዙ ካብ ሃገሩ ዝተሰደ ዜጋ ምኽንያት መስደዲኡ ፖለቲካዊ ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ሃገር ብመስዋእቲ ሓርበኛታት ነጻ ምውጽኣ ድማ: ናብ'ታ ንዓመታት ዝናፈቕናዮም ሃገርን ህዝብናን ክንጽበር ባህጊ ኔሩና። ባህግና ብዙሕ ከይሰጎመ ግን ተዀልፈ" ይብል ረዘነ።
እቲ ረዘነ ዝሃቦ መልሲ ኣብኡ ተሓጺሩ ኣይተርፍን።
እቲ ኣበርኪቱዎ ዘሎ መጽሕፍ ብዝተፈላለዩ ሸነኻቱ ኤርትራ ብናቱ ኣተሓሳስባ ንስደተኛ ህዝባ ንኽትቅበል ዘይከኣለት ብግልጺ ኣስፊሩዎ ኣሎ።
"እቲ ስርዓት ስለዘይተዳለወ ጥራይ ዘይኰነስ ድልየት'ውን ዘሎዎ ኣይመስለንን" ክብል ርእይትኡ ብጽሑፍ ኣቕሪቡዎ ኣሎ።
ቀጺሉ ኸኣ ረዘነ፡ እቲ ተሰዲዱ ዘሎ ንሃገሩ እንተ ዝምለስ ካብ ዝብል ጽንሰ-ሓሳብ ተበጊሱ፡" ኤርትራ ነቶም ዓቕምን ክእለትን ዝደለቡ ደቃ ብዘይምእካባ ብገንዘብ ክትመን ዘይከኣል ዓቢ ክሳራ ወሪዱዋ ኣሎ" ይብል።
እታ ብትግርኛ ዝቐረበት መጽሓፍ ብቋንቋታት ኢንግሊዝን ካልኦት ቋንቋታት ኤርትራ ተሓቲማ ብርትዓዊ ዋጋ ናብ ህዝቢ ክትቀርበሉ ዜኽእል ዕድል እንተዝርከብ ብዙሕ ሰብ እውን ምኸሰበ ዝብል ርእይቶ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይዝረብ ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







