ሜክሲኮ፡ ሬሳታት ናይ 59 መንእሰያት ኣብ ሓደ ጋህሲ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ሜክሲኮ ሬሳ ናይ 59 መንእሰያት ኣብ ሓደ ምልክት ዘይብሉ ጋህሲ ከምዝተረኸበ ተገሊጹ።
እቲ ኣብ ዞባ ጉዋንጃቶ ዝተረኸበ ሬሳታት ኩሉ ናይ መንእሰያት ኮይኑ፡ እቲ ጋህሲ ዝተረኸቡ ዞባ ጉዋንጃቶን ምምሕዳር ከባቢ ሳልቫቲራ ኣሰጋገርቲ ዕጸ ፋርስ ብብዝሒ ዘለውዋ ቦታ እዩ።
ብሰንኪ እዚ ኣብቲ ቦታ ቀጻሊ ምልውዋጥ ቶኵሲ ከም ዘሎ እዩ ዝግለጽ።
ኣብ ቀዳሞት ሸሞንተ ኣዋርሒ ናይዚ ዓመት ኣብ ዞባ ጉዋንጃቶን ልዕሊ 2200 ቅትለት ከም ዝተመዝገበ ሰነዳት ይሕብሩ።
ላዕለወይቲ ሓላፊት ሃገራዊ ኮሚሽን ድልያ ካርላ ኳንታና ብዙሓት ስድራቤታት ኣባላቶም ከም ዘጠፍእዎም ምስ ሓበሩ ድሕሪ ዝተገበረ ተፍትሽ እቲ ጋህሲ ክርከብ ከም ዝኸኣለ ሓቢራ።
ካብቶም ሬስኦም ዝተረኸበ መንእሰያት፡ ብውሑዱ እተን 10 ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን’ውን ካርላ ኳንታና ሓቢራ።
ሬሳ ናይቶም ግዳይት ንምርካብ ልዕሊ 80 ሰባት ከም ዝተዋፈሩን ኣብ ልዕሊ 52 ዝተጠርጠረ ቦታታት ናይ ኵዕታ ተፍቲሽ ምስ ተገበረ እቲ ሬሳ ዝሓዘ ጋህሲ ክርከብ ከም ዝኸኣለ’ውን ካርላ ኳንታና ገሊጻ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት’ውን ኣብቲ ዞባ ብረት ዝዓጠቁ ሰባት፡ ሰባት ካብ ወልፊ ሓሺሽ ኽድሕኑ ዝሕከምሉ ቦታ ብምእታው 24 ሰባት ምቕታሎም ይዝከር።
ኣብ መወዳእታ 2018 ናብ ስልጣን ዝደየበ ፕረዘደንት ኣንዲሬስ ማንኤል ሎፐዝ ኦብራዶር ነቲ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ዕጸ ፋርስ ከም ዝቆጻጸሮ እኳ ቃል ኣትዩ እንተነበረ፡ ኣብ 2019 ኣብታ ሃገር ዝለዓለ ብዝሒ ቅትለት እዩ ተመዝጊቡ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







