ኣብ ሓደ ቁሸት ፓናማ ጃምላዊ ጋህሲ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Panama Public Prosecutor
ፖሊስ ፓናማ ምስ ሃይማኖታዊ ጎንጺ ስዒቡ ዝተፈጸመ ቅትለት ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገመቶ ጃምላዊ መቓብር ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ።
እቲ ዝተረኸበ ጃምላዊ መቓብር ብዝምልከት ቀጻሊ ምጽራይ ይግበር ከም ዘሎ'ውን ሓቢሩ።
እዚ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እዛ ሃገር ብዃዕቲ ዝተረኽበ ጃምላዊ መቓብር ዝሓዞ ኣስከሬን ብኸመይ ካብቲ ቦታ ተላዒሉ ናብ ካልእ ክግዕዝ ከም ዝግባእ እቶም መጻረይቲ ምኽሪ ሂቦም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ጥቓ እዚ ቦታ ናይ ሸውዓተ ኣስከሬን ዝሓዘ ጃምላዊ ጋህሲ ከም ዝተረኸበ ይዝረብ።
እቶም ግዳያት ምስ ሃይማኖታዊ ልምዲ ብዝተሓሓዝ ዝተቐትሉ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ እዩ ዝግመት።
ዓቃቢ ሕጊ ኣዛኢል ቱግሪ እቶም መርመርቲ ናብቲ ከባቢ ንክበጽሑ ንልዕሊ 10 ሰዓታት ኣብ ጎበታት ከም ዝሓኾሩ ገሊጹ።
እቲ ከባቢ ካብ ርእሰ ከተማ ፓናማ ዳርጋ 350 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ እዩ ዝርከብ።
እቲ ዓቃቢ ሕጊ ከም ዝብሎ ኣብዚ ሕዚ እዋን ጾታ ኾነ ብዝሒ እቶም ግዳያት'ውን ምፍላጥ ኣይከኣልን ኢሉ።
እቲ ኣስከሬን ንመርመራ ናብ ካልእ ግዝኣት ተላኢኹ ኣሎ ተባሂሉ።
ምሰቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ዝተረኸበ ተመሳሳሊ ጃምላዊ ጋህሲ ብዝተኣሳሰር 'ኒው ላይት ኦፍ ጋድ' ናይ ዝብል ሃይማኖት መራሒ ተጠርጢሩ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።
እቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተረኽበ ጅምላዊ መቓብር፡ ሓንቲ ነፍሰ -ጹር ሰበይቲ ምስ ሓሙሽተ ደቃን ካልእ ቆልዓን ዝሓዘ ኾይኑ፡ ሰለስተ ሰባት ካብኡ ኣምሊጦም ናብ ሆስፒታል ምስ ኣተዉ እዮም ተቓሊዑ።
ፖሊስ ኣብቲ ማሕበረሰብ ከይዱ ዘጻረየ ኮይኑ፡ ጥራሕ ዝባና ሰበይቲ፣ ካራን ጎዞሞን ከምኡ ድማ፡ ንመስዋእቲ ዝቐረበት ጤል ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ ኣሎ።
መራሕቲ እቲ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ፈጺሙ ከይኸውን ዝተጠርጠረ ሃይማኖት፡ መግረፍትን ስቅያትን ዝተሓውሶ 'ሰይጣን ናይ ምውጻእ' ስራሕቲ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ነበርቲ እታ ቑሸት ይዛረቡ።
15 በቲ ጉጅለ እቲ ሃይማኖት ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ከምዝተሰደዱ'ውን ተሓቢሩ።
ፓናማ፡ ኣብ ሞንጎ ማእኸላይን ደቡባውን ኣመሪካ እትርከብ ሪፓብሊክ እያ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







