ወዲ 101 ዓመት በዓል ፀጋ ዕድመ ካብ ኮሮናቫይረስ ሓውዮም

ወዲ 101 ኬት ዋትሰን

ምንጪ ስእሊ, Worcestershire Acute Hospitals NHS Trust

ካብ ቁፅሪ በዚ ቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባትን ሓደሽቲ ረኽስታትን ብዝዘለለ ግና፡ ካብ ሕማም ኮሮናቫይረስ ዝድሕኑ ሰባት እውን ኣለዉ።

ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዎስተርሸር ነባሪ ዝኾኑ 101 ዝዕድሚኦም በዓል ፀጋ ዕድመ ድማ ፡ ይሕከምሉ ካብ ዝነበሩ ሆስፒታል፡ ካብዚ ቫይረስ ድሒኖም፡ ናብ መንበሪ ገዝኦም ተመሊሶም ኣለዉ።

ኬት ዋትሰን፡ ኣብ እግሮም ንዘጋጠሞም መስበርቲ፡ መጥባሕቲ ንምግባር እዮም ናብ ሆስፒታል ዘካየዱ።

ናብ ሆስፒታል ምስከዱ ግና መጠን ረስኖም ወሲኹ ይርከብ እሞ፡ ምርመራ ኮረናቫይረስ ይግበረሎም፤ በዚ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ተረጋጊፁ።

ናይ ወዶም በዓልቲ እንዳ (ሰበይቲ ወዶም) ዝኾነት ጆ ዋትሰን፡ ሓሙኣ በዚ ዕድመኦም እዚ ካብቲ ቫይረስ ናፃ ምዃኖም ከምዘደመማ ትዛረብ።

"ንመጥባሕቲ ከይዱ ኮሮናቫይረስ ኣለካ እንትትበሃል፡ እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ነገር ስለዝኾነ ቀልብና ናብኡ ከይኑ፡ እሞ ድማ ኣብዚ ዕድሜኡ እዚ፡ ዝገርም ሰብ እዩ" ኢላ።

ንክልተ ሰሙናት ኣብ ሆስፒታል ዝፀንሑ ኬት ዋትሰን፡ ሕዚ ናብ ማእኸል መሐብሐቢ ኣረጋውያን ተመሊሶም ኣለው።

ኣብ እግሮም ንዝስምዐኦም ቃንዛ ካብ ምምራር ወፃኢ፡ ሕዚ "ዋላ ሓደ ነገር የብለይን" ኢሎም።

ናይዞም በዓል ፀጋ ዕድመ ካብ ኮሮናቫይረስ ምሕዋይ፡ ኣብ መረባ ፌስቡክ ዎስተርሸር ኣኪዩት ምስተጠቅዐ፡ ልዕሊ 3000 ግዘ ናብ ብዙሓት ተባፂሑ [ሼር ተገይሩ] እዩ።

ኮሮና
ኮሮና