'ዓሊ ኢብሪሂም ብነፋሪት፡ ቅድዊ ሓዉ ብነፋሪት፡ ፍስሃየ ዓርኩ ብነፋሪት'

ስውእ ዓሊ ኢብሪሂም ኣዛዚ ግንባር ናቕፋ (ጸጋም) ምስ ስውእ ኣዛዚ ክ/ሰራዊት ፍስሃየ ወልደገብሪኤል (የማን)

ምንጪ ስእሊ, MB

መግለጺ ስእሊ, ስውእ ዓሊ ኢብሪሂም ኣዛዚ ግንባር ናቕፋ (ጸጋም) ምስ ስውእ ኣዛዚ ክ/ሰራዊት ፍስሃየ ወልደገብሪኤል (የማን)

እዛ ናይ ክልተ ስውኣት ብጾተይ ስእሊ ምሳይ ልዕሊ 30 ዓመት ገይራ ኣላ። ካብ ማህደር ስእልታተይ ኣውጺአ እናኽርእያ ከኣ ብዙሕ ነገር'ያ ተዘኻኽረኒ። ነዞም ብጾት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት እየ ዝፈልጦም።

ምስ ኣዛዚ ግንባር ናቕፋ ነበር፡ ስውእ ተጋዳላይ ዓሊ ኢብሪሂም (ዓሊ ሾንጎባይ) ኣብ ሓደ ካምቦ ተወሊድና - ብሓደ ዓቢና፤ ብሓደ ተማሂርና - ብሓንሳብ ታጋዲልና፤ ኣብቲ ዝተሰዋኣሉ ኲናት ኣፍዓበት (1988) እውን በብሞያና ብሓደ ተሰሊፍና።

ንስውእ ተጋዳላይ ፍስሃየ ወልደገብርኤል ግን ኣብ ቃልሲ ምስ ተሰለፍኩ እዩ ተላልየዮ።

ህዝባዊ ሓይልታት ብደረጃ ሓይሊ ተወዲቡ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ዝነበረ እዋን፡ ፍስሃየ ወልደገብርኤል፡ ከም በዓል በርሀ ጻዕዳ፡ ወዲ ፈንቅል፡ ወዲ ዓፋ፡ ወልደንኪኤል ሃይለ፡ ተስፋሂወትን ካልኦትን ናይቲ እዋን'ቲ መራሕቲ ሓይልታት፡ ሓይሊ ዝእዝዝ ካብ ኮሌጅ ጥዕና ብነርሲንግ ተመሪቑ ዝተሰለፈ ሓደ ካብ መስረትቲ ህዝባዊ ሓይልታት ገዲም ተጋዳላይ እዩ ነይሩ።

ኣብ ቃልሲ ሓርነት ነዊሕ መገዲ ተጓዒዙ ከኣ ኣብ ድሮ ናጽነት ኣብ 1990 ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ኣብ ከባቢ ደማስ ብነፋሪት ተሃሪሙ ተሰዊኡ።

እዛ ስእሊ ክልቲኦም መራሕቲ ክፍለ ሰራዊት 61 ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ዴዳ ዝተሳእሉዋ እያ።

ምስ ዓሊ ኢብሪሂም ኣብ ካምቦ ገዛ-ባንዳ መንደፈራ ኢና ተወሊድና። ወለድና ከከም ዕድመኦምን ዕድሎምን ዓሳክር ጥልያን ኮይኖም ኣብ ሊብያን ኢትዮጵያን ተሳቲፎም።

መንግስቲ ጥልያን፡ ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ምስ ተሳዕረ ከኣ ምስ ምምሕዳር ኢንግሊዝ ስርሖም ቀጺሎም።

ናብራ ካምቦን ዕስክርናን ከቢድ'ዩ። ስድራና ከም ኩሉ ኣባል ታሕተዋይ ቀጸላ ሕብረተ ሰብ ኤርትራ በተን ዝረኽቡወን እቶት ሓዳር ከነባብሩን ንደቆም ከምህሩን ወትሩ ፋሕተርተር እዮም ዝብሉ።

ኩሉ ሳዕ "ኣቱም ቖልዑ፡ ዘይተማህረ ነየድሕን ዘይተወቕረ ነየጥሕን እዩ'ሞ በርቲዕኩም ተማሃሩ" እዮም ዝብሉና ነይሮም።

ንሕና ከኣ መጻኢና ብትምህርቲ ከነመሓይሽ፡ ባህግን ድሌትን ስድራና ክንመልእ፡ ኣብ ትምህርቲ ብዝከኣለና ሓኾት ንብል። ኣብ ትርፊ ግዜና ከኣ ስድራና ኣብ ዘዝለኣኹና፡ ኣብ ዕዮ ሕርሻን ካልእን በብዓቕምና ንዋሳእ።

ኣነን ዓሊን ተመሳሳሊ ዕድመ ስለዝነበረና ምስ ደቂ ካምቦ መዘናታትና፡ ቑልዕነትናን ንእስነትናን ብሓባር ኢና አሕሊፍናዮ።

ከም ቆልዑት፡ ጉያን ኩዕሶን፡ ጭርጭር ዓበደን ሳልቫቲን፡ ቡቻን ቫሊናን ብሓደ እናተጻወትና ንሓንሳብ እናተባእስና ጸኒሕና እናተዓረቕና ዓቢና። ተባኢስና ኣይንበኣስን ኢና -ከምቲ ስድራና ዝብልዎ ሓመድና'ዩ ዝዓርቀና።

ብትምህርቲ ሰጒምና ላዕለዋይ ደረጃ ምስ በጻሕና፡ ተመራሪሕና ንኢትዮጵያ ኬድና። ዓሊ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣሰስመራ ነረርሲንግ ስኩል፡ ኣነ ከኣ ኣብ ኮሌጅ ግንቢ ከባቢ ኣሶሳ ትምህርትና ቐጺልና። ዓሊ ንፉዕ ተማሃራይ እዩ ነይሩ - ልዕሊ ኩሉ ህልኸኛ እዩ።

ኣብ ቁጽሪ ይኹን ኣብ ጆግራፍ፡ ኣብ ካርታን ካንቱርን ዝወዳደሮ ኣይነበረን። ሓንቲ ሳብጀክት እንተኣብያቶ ንኽርድኣ ለይትን ቀትርን'ዩ ዘጽንዕ። ግደ ሓቂ ኣብ ትምህርቲ ከም ዓሊ ኣይነበርኩን። እንተኾነ ካብ ኣሰሩ ክድሕር የብለይን ብዝብል ኒሕ፡ ኣነ'ውን እጽዕር ነይረ።

ንእስነትና ንእስነት ተጋድሎ እዩ። ኣብ ምዕንታርና ፈደረሽን ኤርትራ ብጎበጣ ፈሪሱ፡ ተስፋ ናጽነት ብመግዛእቲ ተደምሲሱ፡ ኤርትራ ጠፍአት ጠፍአት ዝበሃለሉ እዋን ስለዝነበረ፡ ካብ ዕላል ስድራናን ኣያታትናን ፖለቲካዊ መንቃሕቋሕታ ነይሩና'ዩ።

ዘዝጎበዘ መንእሰይ ናብ ውድባት ኤርትራ ጀብሃን ሻዕቢያን ዝውሕዘሉ እዋን እዩ ነይሩ። ዓቢ ሓው ንዓሊ ኢብሪሂም፡ ሓጂ ኢብራሂም እውን ኣብ መፋርቕ ስሳታት'ዩ ናብ ጀብሃ ተሰሊፉ። ሓያሎ ኣያታትና ደቂ ካምቦ እውን ደድሕሪ ሓጂ ንሜዳ ምስከዱ ከነዕልለሎም ይዝከረኒ።

ኣዛዚ ክ/ሰ ዳሊ፡ ዓሊ ኢብሪሂም፡ አሕዋት ዓሊ ኢብሪሂም ኣብ ስርሒት ናደው ሓቢሩዎ ዝተሰወአ ሓው

ምንጪ ስእሊ, MB

መግለጺ ስእሊ, ጸጋማይ ካብቶም ደው ዝበሉ ኣዛዚ ክ/ሰ ዳሊ ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ ዓሊ ኢብሪሂም ብየማን ዘለው ወድን ጓልን አሕዋት ዓሊ ኢብሪሂም ኣብ ስርሒት ናደው ሓቢሩዎ ዝተሰወአ ሓው

ግዜና ኣርኪቡ ኸኣ እቶም ሰለስተ መተዓብይቲ፡ ኣነ፡ መጎስ ብርሃነ፡ ዓሊ ኢብሪሂምን ዑቕባማርያም ሓየሎምን ምስ ካልኦት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተላለናዮም ከም ተስፋንኪኤል (ሸሪፎ - ሓምዳን)፡ ጴጥሮስ ወዲ ማቱሳላ፡ ዘርኣይ ከፈላ፡ ወልደማርያም ጎሎም፡ ረዘነ ኣሰፋው (ካሪቡ)፡ ዓፋ፡ ቴድሮስ (ጂንጎ)፡ ዝኣመሰሉ መዛኑና ተቓለስቲ፡ ናብ ሜዳ ክንስለፍ፡ ካብ ኢትዮጵያ ተበጊስና፡ ብኣውቶቡስ ሓጂ ዓብዱ፡ ንኣስመራ ኣቲና።

ኣብ ኣስመራ ኮንጎን ነጸላን ዓዳዲግና ከኣ ኣብ ጥቅምቲ 1974 ንሰሜናዊ ባሕሪ ወሪድና ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተጸንቢርና።

ንሕና ጥራሕ ዘይኮንና ግን ኣብቲ እዋን'ቲ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ተማሃሮ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ሳንታ ፋሚልያ ኣስመራን፡ ኮሌጃትን ማእከላይ ደረጃን ኣብያተ ትምህርትን፡ ካብ ኩሉ ገጠራት ኤርትራ ናብ ቃልሲ ዝውሕዝሉ እዋን እዩ ነይሩ። ኣብ ባሕሪ ባራ፡ ንበዓል አሕፈሮም ስዩም (ሶማል) ረኺብናዮም።

እተን ውድባት ጀብሃን ሻዕቢያን ነቲ ዝተጸንበረን ሓዲሽ ተዓላሚ ዝኸውን እኹል ስንቅን ዕጥቅን ስለዘይነበረን "ቀዳማይ ወስ ካልኣይ ሃሰስ" ዝተባህለሉ ጥሜት ታዕሊም ከም ኣብነት ዝዝክሩዎ ብዙሓት እዮም። ጀብሃ እኳ ይሕሹ እምበር ኣብ ሻዕብያስ ጥሜትን ዕርቃንን ከቢድ እዩ ጸኒሑና።

እንተኾነ፡ ኩሉ እቲ ኽገብር እየ ኢሉ ዝወፈረ መንእሰይ፡ ንኹሉ ጸገማት ብኒሕን ሞራልን እዩ ዝሰግሮ ነይሩ። ምሁራትን ጨጓር ዳንጋ መንእሰያት፡ ብረቶም ዓጢቖም፡ ነቲ ብዓመጽን ጎነጽን ዝሓዞም ስርዓት፡ ኣሳጒጎም ሃገሮም ክርከቡ ብተወፋይነት ላዕልን ታሕትን ይብሉ ነበሩ።

ድሕሪ ታዕሊም ውድብና ኣብ ዘዝወዘዓና ኣሃዱታት ተመዲብና፡ ከክእለትና ነበርክት ነበርና። ኣብቲ ከቢድ ናይ ኩናትን ፈተነን እዋን፡ ዓሊ ኢብሪሂም ብዝነበሮ ተወፋይነትን ትብዓትን - ቆራጽነትን ጀግንነትን ቀልጢፉ ኣስካላ ጽፍሕታት ክድይብ ዝጀመረ።

ናብቲ ውድብ ምስተሰለፍና ድሕሪ ቁሩብ ግዜ እየ ንፍስሃየ ወልደገብርኤል ተላልየዮ። ፈለማ ከም ኩሎም መዘናታቱ መራሕቲ ሓይልታት እቲ እዋን፡ ከም በዓል በርሀ ጻዕዳ፡ ወዲ ፈንቅል (በራኺ ፈንቅል)፡ ወዲ ዓፋ (ኢብራሂም ዓፋ)፡ ወዲ ሃይለ (ወልደንኪኤል ሃይለ)ን ካልኦትን ብጾት ብስምን ዝናን ተላልየዮ።

ዳሕራይ፡ ትምህርቲ ሕክምና ክመሃር ናብ ሰሜናዊ ባሕሪ ምስ ከድኩ፡ ንፍስሃየ ብኣካል ክፈልጦን ከዕልሎን ዕድል ረኺበ። ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ንሱ እዩ ነቲ ክፍሊ ዘመሓድሮ ነይሩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትምህርቲ ነርስ ኣጠናቒቑ ዝተሰለፈ ሕውሱን ፍትዉን ብጻይ እዩ ነይሩ።

ብግድምና እውን ካብቶም ቀዳሞት ካድራት እቲ ውድብ'ዩ። ብትምህርቲ፡ ብግድምና፡ ብዕድመ፡ ብሞያን ክእለትን ስለዝመርሓና ከኣ ብተመኩሮኡን ፍልጠቱን ምሂሩና።

ጸኒሑ ፍስሃየ ሓላፊ ከቢድ ብረት እቲ ውድብ ኮይኑ ካብ ክፍሊ ሕክምና ተቐይሩ። ኣብ ኲናት ባጽዕ 1977 እውን ንከቢድ ብረት ንሱ እዩ ዝመርሖ ነይሩ። ኣነ ኣብቲ ከባቢ ከም ኣጋር ሓኪም ተመዲበ እሰርሕ ስለዝነበርኩ ሌላና ብዝያዳ ኣብኡ እዩ ዓብዩ።

ሰብዓን ሸውዓተን ንዝበዝሓ ከተማታት ኤርትራ ሓሪርና "ሎሚ'ዶ ጽባሕ ናጽነትና ንጽንብል" ኢልና ሃንቀው እናበልና ምዝላቕ ኣጋጢሙ ንሳሕል ወሪድና። ኣብ ሳሕል ከኣ ንዓሰርተ ዓመት ምሉእ ከቢድ ምርብራብ ኣካዪድና ተኸታታሊ ወራራት መኪትና፡ ኣብ 1988 ኣብ ቅድሜና ዓሪዱ ንዝነበረ ናደው እዝ ከነጥቅዕ ንኣፍዓበት ነቒልና።

ሽዑ ዓሊ ኢብርሂም ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊትና እዩ ነይሩ። ኣነ ከኣ ኣባል ክፍሊ መጥባሕቲ እቲ ክፍለ ሰራዊት ነይረ። ኣሃዱ መጥባሕቲ፡ እግሪ እግሪ እቲ ተዋጋኢ ሰራዊት እናተጓዕዘ፡ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ቴንድኡ ተኺሉ፡ ነቶም ከቢድ መውጋእቲ ዘጋጠሞም ህሱያት መጥባሕታዊ ረድኤት ጌይሩ፡ ንማእከላይ ሕክምና ዘፋኑ ኣሃዱ እዩ።

ንቐል ንቐል ምስ ኮነ ምስ ዓሊ ብሓንሳብ ናብ ኲናት ኣምሪሕና፡ ንሱ ሰራዊት ክመርሕ ኣነ ዝተወግኡን ዝሰንከሉን ተጋደልቲ ክሕክም።

መጎስ ብርሃነ ኣብ ካልኣይ ክፋል እውን ትረኻኡ ክቕጽል እዩ።