ኤችኣይቪ፡ ኣብ ዓለም ፈላመይቲ ጓል ኣንሰተይቲ ካብቲ ቫይረስ ሓውያ

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library
ኣመሪካዊት ተሓካሚት ኣብ ዓለም ካብ ኤችኣይቪ ናጻ ዝኾነት ሳልሰይቲ ሰብ፤ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ፈላመይቲ ኮይና።
እዛ ውልቀሰብ ሉኪሚያ ንዝተባህለ ሕማም መንሽሮ ንምሕካም ካብ ሓደ ነቲ ኤይድስ ዘስዕብ ቫይረስ ናይ ምክልኻል ተፈጥሮኣዊ ዓቕሚ ካብ ዝነበሮ ሰብ ናይ 'ስተም ሴል' (ዋህዮ) ምስግጋር ምስ ተገበረላ እያ ካብ ኤችኣይቪ ድሒና።
እታ ውልቀሰብ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ካብ እትኸውን ሕጂ 14 ኣዋርሕ ተቖጺሮም ኣለው።
ክኢላታት ግና እቲ ደም ዕትብቲ ዝሓወሰ ኣገባብ ምስግጋር ሓደገኛን ንብዙሓት ሕሙማት ኤችኣይቪ ምቹእ ከምዘይኮነን ይገልጹ።
እታ ውልቀሰብ፡ ሉኬሚያ ዝተባህለ ዓይነት መንሽሮ ስለ ዘለዋ ነዚ ሕክምና ክኾና ምስግጋር ደም ዕትብቲ ምስ ተገበተረላ ድሕሪኡ ንኤችኣይቪ ዘድልያ ሕክምና ምውሳድ ጠጠው ኣቢላ።
ቅድም ኢሉ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ምስግጋር ስተም ሴል ሕክምና መንሽሮ ዝገብር ዝነበረ ቲሞቲ ሬይ ብራውን ብ2007 (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ካብቲ ቫይረስ ዝሓወየ ፈላማይ ሰብ ክኸውን ክኢሉ'ዩ።
ድሕሪኡ ድማ ሓደ ኣዳም ካስቲሌዮ ዝተባህለ ተቐማጢ ኒውዮርክ ዝኾነ ውልቀሰብ ብተመሳሳሊ መገዲ ሓውዩ።
እታ ውልቀሰብ ካብ ኤችኣይቪ ዝሓወየት ሳልሰይቲ ሰብ ክትኸውን እንከላ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ እያ።
ሰለስቲኦም ግን እቲ ዝተገብረሎም ሕክምና መንሽሮ ንምሕካም ብዝብል እምበር ኤችኣይቪ ንምጥፋእ ብዝብል ኣይነበረን።
እንተኾነ ሰብ ሞያ እቲ ኣገባብ ሕክምና ኣብ ኩሉ ብኤችኣይቪ ዝተለኸፈ ሰብ ንምክያዱ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ይብሉ።
ተመራመርቲ በዚ ምኽንያት ደም ዝቕበሉ ሰባት ኤችኣይቪ ናይ ምክልኻል ተፈጥሮኣዊ ዓቕሚ ይህልዎም'ዩ ኢሎም ይኣምኑ።
ፕሬዝደንት ዓለምለኸ ኤድስ ሶሳይቲ ሻሮን ሌዊን ግን እቲ ኣገባብ ምስግጋር ደም: ኤችኣይቪ ንዘለዎም ሰባት ንህይወቶም ዘስግእ ስለ ዝኾነ ዝምከር ኣይኮነን እያ ትብል።
ጉዳይ እዛ ሕጂ ካብ ኤችኣይቪ ዝሓወየት ሰበይቲ፡ ብሰሉስ ኣብ ዴንቨር ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሕክምና ክቐርብ እንከሎ፡ ንመጀመርታ ከምዚ ዓይነት መገዲ ተጠቒምካ ኤችኣይቪ ክጠፍእ ዝተኽኣለሉ ግዜ ምዃኑ ተገሊጹ።
እዚ ኣካል ሓደ ኣብ ደሞም ኤችኣይቪ ዘለዎም ግን ድማ መንሽሮ ንምሕካም ምትካእ ተመሳሳሊ ደም ዝተገብረሎም ሰባት ኣድሂቡ ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኮይኑ፡ ኣብዞም ተሓከምቲ ዝወሃቡ ናይ ደም ዋህዮታት ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ሓያል ስለ ዝኾነ ብኤችኣይቪ ከም ዘይጥቅዑ የመልክት።
ኣብዚ ሕጂ እዋን 37 ሚሊዮን ሰባት ኣብ ደሞም ኤችኣይቪ ኣለዎም።
መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝነብሩ'ዮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







