ጥዕና፡ ሰብ ሓዳር፡ ስለምንታይ ንነዊሕ እዋን ከይወለዱ ይጸንሑ?

ምንጪ ስእሊ, Jose Luis Pelaez
ኣቶ ተስፋ ተሎሳን ወይዘሮ ባንቻየሁ ኣሰፋን ይበሃሉ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ወለጋ ከተማ ደምቢ ዶሎ'ዮም ዝነብሩ።
እዞም መጻምዲ፡ ሓደር ገይሮም ብሓባር ምንባር ካብ ዝጅመሩ 18 ዓመታት ኰይኑ'ሎ። ኣብዞም ዓመታት፡ ውላድ ንምርካብ ብዙሕ ፈተነ ክገብሩ ጸኒሖም፡ ቅድም ሰለስተ ኣዋርሕ እዮም ተበኲሮም።
18 ዓመታት ቈልዓ ከይወለዱ ብምጽንሖም ግን፡ ካብቲ ሕብረተሰብ፡ ዘመድን መሓዛን ዝበጽሖም ዝነበረ ጸቕጢ ኣዝዩ ከቢድ ምንባሩ ኣቶ ተስፋ ይዛረብ።
ከም ኣብ ኢትዮጵያ ዝኣመሰለ ዓቃባዊ ሕብረተሰብ፡ መጻምዲ ሓዳር ምስ መስረቱ ቀልጢፎም ቈልዓ ክወልዱ ትጽቢት ይግበር።
ብሰንኪ'ዚ፡ ንነዊሕ ዓመታት ውላድ ብዘይምፍራዮም ሓዳሮም ከይተበተነ ኣጽኒዖም ንምቕጻል ብዙሕ ፈተናታት ከም ዘሕለፉ ወይዘሮ ባንቻየሁ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
"እቲ ሕብረተሰብ፡ ሓዳር ምስ ገበርካ ቈልዓ እዩ ዝጽበ። እቲ ዝጽበዮ ነገር እንተዘይሂብካዮ ድማ፡ ስለ ዘይደለኻ ወይ ኮነ ኢልካ ዝገበርካዮ ስለ ዝመስሎ፡ እንታይ ኴንኹም ኢኹም እናበለ ይሓትት። እዚ ኸኣ፡ ብሕታውነትን ተነጽሎን ክስምዓካ'ዩ ዝገብር" ትብል።
ውላድ ኣመልኪቱ ካብቲ ሕብረተሰብ ዝወሃቡ ርእይቶታት ኣብ ህይወት ውልቀሰባት ዝፈጥርዎ ስነልቦናዊ ጸቕጢ ሓያሎ ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ውላድ፡ ፈጣሪ ንሰብ ዝህቦ ነገር'ዩ። እንታይ ክንገብር ንኽእል? ኣምላኽ ሓጊዙና ኢና ነቲ ዝበጽሐና ዝነበረ ጸቕጢ ተጻዊርናዮ፡" ክብል ኣቶ ተስፋ ይዛረብ።
ንዝሓለፉ 18 ዓመታት፡ ኣብ ሓዳሮም ክወልዱ ብዘይምኽኣሎም፡ ብሞግዚት ቈልዓ ዘይትወስዱ ዝብሉ ሕቶታት'ውን ይቐርበሎም ምንሩ ኣቶ ተስፋ ይዝክር።
"ክንወልድ እናኽኣልና ኰነ ኢልና ዝገደፍናዮ ዝመስሎም ብዙሓት ሰባት ነይሮም። እናተጻደፍኩ ክሰርሕ ዝርእዩኒ ሰባት፡ ንምንታይ ኢኻ ስራሕ ትሰርሕ፤ ውላድ እንተዀነ የብልካን። ንመን ከተውርሶ ኢኻ እትሰርሕ ይብሉኒ። እዚ ዅሉ ኣምላኽ ሓጊዙና ኢና ክኢልናዮ" ይብል።
ካብቲ፡ ካብ ሕብረተሰብ ዝበጽሕ ጸቕጢ ሓሊፉ፡ ቈልዓ ዝወለዱ ክሓቱ፣ ናብ ቤተ ክርስቲያን ክኸዱ እንከለውን ንኣሽቱ ቈልዑ ክርእዩ እንከለውን 'ከይወለድና ዲና ክንተርፍ' ዝብል ስምዒት ይስምዖም ከም ዝነበረ'ውን እዞም ሰብ ሓዳር ኣይሓብኡን።
ቈልዓ ዘይምውላድ ግን ጠንቁ እንታይ እዩ?
እዞም መጻምዲ፡ ኣብ ቀረባ ብዝተገብረሎም ሕክምና፡ ቈልዓ ክወልዱ ከም ዝኸኣሉ ወይዘሮ ባንቻየሁ ገሊጻ። ሰብ ሞያ ሕክምና እቲ ጸገም ምዕጻው ሻምብቆ ማህጸን ከም ዝነበረ ነጊሮምዋ።
ኣብ ሕክምና ማህጸን ተሞኵሮ ብዙሕ ዓመታት ዘለዋ ዶክተር እልፍነሽ ድሪብሳ፡ "ኣብ ማህጸን ሕበጥ እንተሃልዩ፡ እንቋቑሖ ጓል ኣንስተይትን ዘርኢ ተባዕታይን ንከይራኸቡ ነቲ ቱቦ [ሻምብቈ ማህጸን] ይዓግቶ። በዚ ምኽንያት'ዩ እቲ ጸገም ዝመጽእ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, St.Paul's Hospital
እዚ ብተፈጥሮ ከጋጥም ኣዝዩ ውሑድ ኰይኑ፡ ቀንዲ ምኽንያት ግን፡ ብእዋኑ ሕክምና ዘይተገብረሎም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማታ [STD's] ነቲ ቱቦ ከም ዝዓጽውዎ ተብርህ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ዋላ'ውን እቲ ዘርኢ ተባዕታይ [ስፐርም] ከምኡ'ውን እንቋቑሖ ኣንስተይቲ ልክዕ ኰይኖም እናሃለው ክራኸቡ ብዘይምኽኣሎም ጥንሲ ክፍጠር ኣይኽእልን።
ገሊኡ፡ ባህልን ካልኦት እምነታትን ስለ ዝሕዝዎ ወይ ካብ ሓልዮት ዝብገስ'ውን ክኸውን ይኽእል፡ ቈልዓ ዘይወለድካ ኢሉ ይሓዝነልካ፣ መዓስ ኢኹም ትወልዱ ኢሉ ይውትውተካ።
ገገሊኡ ኸኣ፡ ብፍላይ እታ ጓል ኣንስተይቲ መኻን ግዲ እያ? እናበለ ብድሕረኻ ስለ ዘውግዕ ሞራልካ ይትንከፍ እዩ።
ስድራ ወይዘሮ ባንቻየሁ'ውን፡ ውላድ እናደለና ስለ ዝሰኣንናዮ እቲ ዝወርደና ዝነበረ ጸቕጢ ኣዝዩ ልዑል ነይሩ ይብሉ።
ሓደ ሰብ መንእሰይ እናሃለወ፡ 'ደው ኢልካ'ዶ ክትኣርግ ደሊኻ፤ ሓዳር እንዶ ግበር' ዝብሉ ብዙሓት ሕቶታት ከም ዝቐርብሉ ዝጠቅስ ኣቶ ተስፋ፡ ሓዳር ምስ ገበረ ድማ ብኡ ንብኡ ቈልዓ ንኽወልድ ትጽቢት ከም ዝግበሮ የረድእ።
"እንታይ ኢኻ ትጽበ ዘለኻ? በቃ ዀይኑካ ሓደ ወሊድካ ስቕ ክትብል፤ ዘይትደግም?" ብዝብሉ ሕቶታት እዮም ዘጨናንቑኻ ይብል።
ንውሕ ንዝበለ እዋን ሓዳር ዘይምግባርን፡ ሓዳር ገይርካ'ውን ቈልዓ ዘይምውላድን ሓያል ቤተሰባውን ማሕበረሰባውን ጸቕጢ ዘለዎ ስለ ዝዀነ፡ ብሰንኩ ዝጭነቑ ወይ ጭንቀት ዘማዕብሉ ሰባት [ብፍላይ እታ ጓል ኣንስተይቲ] ንምጥናስ ይኸልእ እዩ።
እታ በዓልቲ ሞያ፡ "ጭንቀት መኻንነት [ኢንፈርቲሊቲ] የምጽእ'ዩ። እታ ጓል ኣንስተይቲ ከይጠነሰት ንሽዱሽተ ወርሒ ክትጸንሕ እንከላ፡ እምበርከ ክጠንስ ድየ? ብዝብል ጭንቂ ትወሓጥ፤ ብፍላይ ካብ ቤተሰብ ሰብኣያ ዝመጽእ ጸቕጢ ክህሉ እንከሎ እቲ ጭንቀት ይብርትዕ። እቲ ወዲ ተባዕታይ'ውን ክምርመር ስለ ዘይደሊ፡ ጸገም ኣለኪ ይብላ፤ ኣብዚ ጉዳይ እኹል ግንዛበ ስለ ዘየለ ግን፡ እቲ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ክብርትዕ ይገበሮ" ትብል።
ወዲ ተባዕታይ ክወልደሎም ዘይኽእል ምኽንያታት
ኢትዮጵያ፡ ሓንቲ ካብተን ጾታዊ ትምህርቲን ኣካልት መፍረን ወዲ ሰብ ዝተሓሓዝ ትምህርቲ ዘይወሃበለን ሃገራት ኣፍሪቃ እያ።
ኣብዚ ጉዳይ ብኽፉት ዝዘራረቡ ስድራቤታት'ውን ኣዝዮም ውሑዳት'ዮም።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ሰብ ሓዳር ቈልዓ ከይወለዱ ንነዊሕ ዓመታት ክጸንሑ እንከለው፡ ሕብረተሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ነታ ጓል ኣንስተይቲ'ዩ ዝዅንን። እታ ጓል ኣንስተይቲ'ውን እቲ ጸገም ናተይ'ዩ ኢላ ትሓስብ።
ክኢላ ሕክምና ማህጸን ዶክተር እልፍነሽ ድሪብሳ፡ እቲ ጸገም ብመርመራ ክሳብ ዘይተረጋገጸ ንኽልተኡ ጾታ ምንቃፍ ልክዕ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ምኽንያት መኻንነት [Infertility] ክዀኑ ዝኽእሉ ብዙሓት ምኽንያታት ትዝርዝር።
ብዙሕ ፍረ-ዘርኢ [ስፐርም] ናይ ዘይምፍራይ ጀነቲካዊ ጸገም ምህላው፣ ሲስቲክ ፋይብሮሲስ ዝተባህለ ጸገም ጥዕና ዘለዎም ከምኡ'ውን ኣብ እግሪ ዝወጽእ ቫሪስኮ ቬን ዝተባህለ ሕበጥ ኣብ ፍረ ነብሲ ክወጽእ እንከሎ፡ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ መኻንነት ይስዕብ።
ብጡጥ ዝተሰርሐ ክዳን፣ ጥብቕ ዝበለ ምታንቲ ምግባር ከምኡ'ውን ንወዲ ተባዕታይ ሃፋዊ መሕጸብ ነብሲ [ሳውና] ምዝውታር ኣዝዩ ሓደገኛ ከም ዝዀነ ዶክተር እልፍነሽ ተረድእ። ብተወሳኺ፡ ብሓደጋ ምኽንያት ኣብ ፍረ ነብሶም ዝተጐድአ ሰባት ጸገማት ምውላድ ከጋጥሞም ይኽእል።
"ብጡጥ ዝተሰርሐ ክዳን ምኽዳን ከም ጠቓሚ'ዩ ዝውሰድ፤ ጥብቕ ዝብል ምታንቲ ዝገብሩ ደቂ ተባዕትዮ'ውን ኣለው። እዞም ክዳውንቲ እዚኦም ፍረ ነብሲ ሙቐት ክህልዎ ስለ ዝገብሩ ጥዕና ዝህቡ ኣይኰኑን። ናብ ፍረ-ነብሲ ውዑይ ማይ እናፍሰስካ ምሕጻብ'ውን ነቲ ፍረ ዘርኢ ስለ ዝንክዮ ሓደገኛ እዩ፡" ትብል።
ሓሓሊፉ፡ ኣብ ሓዳር ዘይምውላድ ከጋጥም እንከሎ፡ ደቂ ተባዕትዮ 'ጸገም የብለይን' ክብሉ ይስማዕ'ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ብተፈጥሮ ትሑት መጠን ፍረ-ዘርኢ [ስፐርም ካውንት] እንተሃልዩ ግን፡ ኣብ ፍርያምነት ወዲ ተባዕታይ ጽልዋ ኣለዎ።
"ሓደ ስፐርም'ዩ ሓደ እንቋቑሖ ዘጸጊ፤ ኣብ ሓደ ፈሳሲ ከኣ ሚሊዮናት ስፐርም ኣለው። ይዅን'ምበር ኣብ ውሽጢ እቲ ፈሳሲ ዘሎ ስፐርም ትሑት እንተዀይኑ እቶም ዝተረፉ ናብቲ እንቋቑሖ ብምኻድ ከቢቦም ወይ ፈንጺሖም ክኣትው ስለ ዘይክእሉ፡ ጥንሲ ክፍጠር ኣይኽእልን፡" ኢላ።
ትሑት 'ስፐርም ካውንት' እንተሃልዩ፡ እቲ ወዲ ተባዕታይ ንሰለስተ ኣዋርሕ መድሃኒት ክወስድ ብምግባር፡ ናይ ኣመጋግባ ለውጢ ብምምጻእ፡ ጸቢብ ምታንቲ ብምውጋድ ውጽኢት ከምጽእ ከም ዝኽእል ሓቢራ።
ብተፈጥሮ ዋላ ሓደ ፍረ-ዘርኢ ዘይብሎም ሰባት ከም ዘለው እትጠቅስ ዶክተር እልፍነሽ፡ ጾታዊ ርክብ ብግቡእ ስለ ዝፍጽሙ፣ ፈሳሲ ስለ ዝፈስስ ጥራይ መኻናት ኣይኰኑን ክብሃል ከም ዘይክኣል ተረድእ። እቲ ፈሳሲ፡ ንፍረ-ዘርኢ ዝስከም እምበር ባዕሉ ፍረ ዘርኢ ስለ ዘይኰነ ፍረ-ዘርኢ [ስፐርም] ክፈሪ ከም ዘይክእል ሓቢራ።
ካብ ዓቐን ንላዕሊ መድሃኒታት ምውሳድ፣ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ፈሳሲኦም ናብ ውሽጢ ዘፍስሱ ወይ'ውን ቀልጢፎም ፈሳሲኦም ዝኸውን መንሽሮ ፍረ-ነብሲ ዘለዎም ቈልዓ ኣብ ምውላድ ጸገም የጋጥሞም።
"ኣብ ሃገርና ሓደ ሰብ ኣዝማ ክብርትዖ እንከሎ ስቲሮይድ ይውጋእ። ስለዚ ሰብነቱ ናይ ኣዝማ ስቴሮይድ ከይወሰደ ኣይጥዕን፤ ሰብነቱ ነዚ ክለምዶ እንከሎ ድማ ኣብ ፍርያቱ ጸገም ይፈጥር። መንሽሮ ፍረ-ነብሲ ድማ ከይተፈለጠ ንብዙሕ ግዜ ክጸንሕ ይኽእል'ዩ። ሕጂ ብመርመራ ስለ ዝፍለጥ ብእዋኑ ሕክምና ክግበር ይክኣል'ዩ፤ ይዅን'ምበር እዚ ብዙሕ ስለ ዘይተለምደ ከይተፈለጠ ጸኒሑ መኻንነት ከምጽእ ይኽእል እዩ፡" ትብል።
ጓል ኣንስተይቲ ክትወልደሎም ዘይትኽእል ምኽንያታት
ወርሓዊ ጽግያት፡ ኣብ ፍርያምነት ጓለንስተይቲ ዓቢይ ተራ ኣለዎ። እዚ ዘይስሩዕ እንተዀይኑ ግን እንቋቑሖ ክትጸፊ [ከተፍሪ] ኣይትኽእልን።
ንኣብነት፡ ጽግያት፡ 28 መዓልታት ዑደት ሓልዩ ዘይኮነ፡ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ሓደ ግዜ ወይ ኣብ ከኽልተ ሰሙን ዝመጽእ እንተዀይኑ፡ እንቋቑሖ ምጽጋይ [ovulate] ኣይከኣልን። በዚ ምኽንያት ንምጥናስ ዘሎ ዕድል ኣዝዩ ትሑት ይኸውን።
እዚ፡ ንዓቕመ ሄዋን ኣብ ዝበጽሓ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥም 'ፖሊሲስቲክ ኦቫሪ ሲንድሮም' [PCOS] ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ምዝባዕ ሆርሞን ዝጠንቁ ኰይኑ፡ ፒሲኦስ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓሓሊፉ ዝርአ ወይ ዝተናውሐ ወርሓዊ ጽግያት ወይ'ውን ልዕሊ ዓቐን ሆርሞን ወዲ ተባዕታይ [ኣንድሮጅን] ክህሉ ይገብር።
በዚ ምኽንያት፡ ማህደር እንቋቑሖ ብዙሓት ንኣሽቱ እኩባት ፈሰስቲ ስለ ዝፈጥር፡ እቲ እንቋቑሖ ናብ ደረጃ ምጽጋይ ኣይበጽሕን።
"ድሕሪ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ዓመት ጸኒሓ'ያ ትወልድ ዝብሃል ነገር ኣሎ። ከምኡ ዝዀነሉ ጸገም ጥዕና'ኳ እንተዘይሃለዋ እቲ ኵነታት ግን እንቋቑሖ ከይጸጊ ስለ ዝገብሮ እዩ። ብተወሳኺ፡ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ንኣሽቱ እናሃለዋ 'ማስኩላር' ወይ ዓበይቲ ኰይነን ይርኣያ፣ ከም ወዲ ተባዕታይ ጭሕሚ ይህልወን፣ ቆርበተን ብጸጕሪ ይሽፈን። ኣብ ሃገርና ጸጕሪ ጥራሕ'ኮ እያ እናተባህለ ከም ጸጋ ይርአ'ዩ፣ ግን ጸገም እዩ። እንቋቑሖ ይጸጊ ከም ዘየሎ እዩ ዘርእየካ፡" ትብል ዶክተር እልፍነሽ።
እዚ፡ ሕክምናዊ ረድኤት ብምሃብ እቲ እንቋቑሖ ክጸጊ ከም ዝግበር እትጠቅስ እታ በዓልቲ ሞያ፡ ወርሓዊ ጽግያተን ንክስተኻኸል ሆርሞን እናተዋህበን [ኣጸጋሚ እንተዀነ'ውን] ብቐሊሉ ክጠንሳ ከም ዝኽእላ ትሕብር።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ሕሙማት ኵሊት፣ ኣብ ህይወተን ካብ ማህጸን ወጻኢ ጥንሲ [ኦክቶፒክ] ኣጋጢምወን ዝነበረን ደቂ ኣንስትዮ፣ ሕማም ሽኮር፡ ሓሓሊፉ ምዕሩይ ዘይኰነ ኣመጋግባ [መግቢ ብኣግባቡ ዘይምብላዕ ወይ ኣመና ምብላዕ]፡ ኣልኮል፡ ምትካኽ ሽጋራን ካልኦት ወልፊታትን ቈልዓ ንዘይምውላድ ምኽንያታት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ሰብ ሞያ የረድኡ።

ምንጪ ስእሊ, Maryna Terletska
ብኻልእ ወገን ዝልዓል፡ ጉዳይ ዕድመ'ዩ። ብፍላይ ጓለንስተይቲ ሓዳር ቅድሚ ምግባራ ይዅን ሓዳር ምስ መስረተት፡ 'ባዮሎጂካዊ ሰዓትኪ ትሃርም ኣላ፤ ከይዘንጋዕኪ ሓዳር ግበሪ' ዝብል ርእይቶ ብተደጋጋሚ ካብ ስድራን መሓዛን ትሰምዖ'ያ።
ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ፡ ነዚ ከም ብዋዛ ኣይርእይኦን። ግን ከኣ ግዜ ወይ ዕድመ ንምውላድ ክንድዚ ዝኣክል ኣገዳሲ ድዩ? ዝብላ'ውን ኣይስኣናን።
ሰብ ሞያ፡ ዕድመ ኣብ ክልተኡ ጾታ ጥዕና ዘለዎ ቈልዓ ክጥነስ ኣብ ምግባር ናይ ባዕሉ ተራ ከም ዘለዎ የረድኡ። ናብ ጓለንስተይቲ ክመጽእ እንከሎ ኸኣ፡ እንቋቑሖኣ ምስኣ'ዩ ዝኣርግ።
እዚ ድማ፡ ጽርየትን ዓቐንን ክንኪ ይገብር። ዕድመ እናደፍአ ክኸይድ እንከሎ፡ ሓደጋ ምኻድ ጥንሲ፣ ኣብቲ ዕሸል ጀነቲካውን ክሮሞዞማውን ጸገማት ክፍጠሩን፣ ጠንቂ ተኽእሎታት ብመጥባሕቲ ምውላድ ይኸውን።
ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ 20ታት [ዕድመ] ክዀና እንከለዋ ዝያዳ መፍረይቲ ከም ዝዀና እትዛረብ ዶክተር እልፍነሽ፡ እዚ ድሕሪ 35 ዓመት ደው ክብለሉ ዝኽእል ዕድላት ክህሉ ከም ዝኽእል ተረድእ።
"ጓል ኣንስተይቲ መብዛሕትኡ ግዜ ልዕሊ 30 ዓመት እንተዀይና ናይ ምውላድ ዕድላ እናነከየ'ዩ ዝኸይድ። ኣብ ከባቢ 43 ከኣ ይውዳእ። ንኣብነት ኣብ 43 ዓመት እንተጠኒሳ ኣብ 44 ይውለድ ኣሎ ማለት'ዩ፤ ድሕሪኡ ወርሓዊ ጽግያት ካብ 50 ዓመት ክሳብ 55 ዓመት እትመልእ ብስሩዕ ክመጽእ ይኽእል'ዩ፤ ግን ፍርያምነት ስለ ዘይብላ ክትጠንስ ኣይትኽእልን። ስለዚ ዕድመ ወሳኒ እዩ፡" ትብል።
መኻንነት እንታይ'ዩ?
ሰባት፡ ዋላ'ውን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሓዳር እንተጸንሑ ቈልዓ ብዘይምውላዶም ግን ብተለምዶ 'መኻናት' እዮም ተባሂሉ ክሕመዩ ይስማዕ እዩ።
ደቂ ተባዕትዮ ይዅኑ ብዓቢኡ'ቲ ሕብረተሰብ፡ ዝበዝሕ ግዜ እታ ጓል ኣንስተይቲ ጥራይ እያ መኻን ኢሉ እዩ ዝሓስብ።
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምምካን፡ እቲ ሓደ ሲሶ ጸገም ካብታ ጓል ኣንስተይቲ፣ ሓደ ሲሶ ካብቲ ወዲ ተባዕታይ እቲ ዝተረፈ ሓደ ሶሶ ድማ ካብ ክልቲኡ ሸነኽ ዝነቅል ከም ዝዀነ፡ ዶክተር እልፍነሽ ትገልጽ።
ናይዚ ምኽንያታት ብዙሓት ኰይኖም፡ እቲ ቀንዲ ግን ዕድመ'ዩ። ብዝበዝሕ ግዜ፡ ዕድመ እንተ ተሓብአ'ውን እቲ እንቋቑሖ ግን ብዕድመ እዩ ዝኣርግ።
"ኣብ ዕድመ ፈለማ 20ታት፡ ቈልዓ ክትወልድ ኣዝዩ ቀሊል'ዩ። ድሕሪ 40 ዓመት እንተዀይኑ ግን [ሕክምና ተገይሩ]፡ ካብ 3 ደቂ ኣንስትዮ እታ ሓንቲ ጥራይ እያ ክትጠንስ እትኽል። ኣብ ሰላሳታት ካብ ዘለዋ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብናይ ባዕላ እንቋቑሖ፡ እታ ሓንቲ ክትጠንስ ትኽእል እያ፡" ትብል።
ወሲኻ፡ "ዕድመኦም ብትኽክል ዝዛረቡ ሰባት እንተዀይኖም፡ መፍትሒ ንምርካብ ዘጸግም ኣይኮነን። ካብ ትሸዓተ እተን ሸሞንተ ብዝተፈላለየ መገዲ ተጠቒምካ ክጠንሳ ይኽእላ እየን። እዚ ዝውሰን ግን፡ ኣቐዲምካ እንታይ ዓይነት ጸገም'ዩ ዘለወን ዝብል ክፍለጥ ኣለዎ። ኣልኮል ወይ ሽጋራ እ እንተዀይኑ ድማ ደው ምባል ይጠቅም'ዩ፡" ኢላ።
ኣብ ዓለም፡ ካብ 10 ደቂ ኣንስትዮ እታ ሓንቲ መኻን ከም ዝዀነት ዶክተር እልፍነሽ ትገልጽ።
ቈልዓ ዘይምውላድ ካብዞም ጸገማት ዝብገስ ምዃኑ ንምፍላጥ፡ መጻምዲ መዓስ'ዮም ናብ ሕክምና ክኸዱ ዘለዎም? ንዝብል፡ ንሓደ ዓመትን ልዕሊኡን ብዘይ ዝዀነ ዓይነት መከላኸሊ ጥንሲ ጾታዊ ርክብ ፈጺሞም ጥንሲ እንተዘይኣጋጢሙ ጥራይ ክኸውን ከም ዘለዎ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።
ከም፡ ኣይቪኤፍ -እቲ ትዩብ [ሻምብቈ ማህጸን] እንተ ተዓጽዩ ወይ ካልእ ጸገም እንተሃልዩ ፍረ-ዘርእን እንቋቑሖን ብምውሳድ ምውጋእ፣ ኢንቪትሮ ኢንሰሚናይዜሽን - ጓል ኣንስተይቲ እንቋቑሖ ኣብ እትጸፍየሉ እዋን ፈሳሲ ወዲ ተባዕታይ ብትዩብ ብምፍሳስ ክትሕገዝ ምግባር ዝኣመሰሉ ድማ እዞም ጸገማት ንምፍታሕ ዝወሃቡ ሕክምናዊ ሓገዛት'ዮም።
ሕጂ፡ እንዳ ኣቶ ተስፋ ተሎሳን ወይዘሮ ባንቻየሁ ኣሰፋን፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ትጽቢት ቈልዓ ረኺቦም። ብቋንቋ ኦሮምኛ ኸኣ 'ካኩ' ኢሎምዎ ኣለው [ቃልኪዳን]።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







