ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ናይ ማህጸን መንሽሮ ኣስታት 5 ሽሕ ከምዝሞታ ተገሊጹ

ትኽተብ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኣብ ጫፍ ማህጸን ዝፍጠር ሕማም ካንሰር ዓመታዊ ልዕሊ 5 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝሞታ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጥዕና ኣደታትን ህጻናትን ከምኡ’ውን ስርዓተ ምግቢን ዶ/ር መሰረት ዘለኣለም ገሊጻ።

ብናይ ማህጸን ጫፍ ካንሰር ዝተሓዛ ደቂ ኣንስትዮ እኹል ሓበሬታ እኳ እንተዘየሎ ዓመታዊ ኣስታት 7 ሽሕ ከምዝልከፋ ተፈሊጡ’ሎ።

ነቲ ብሰንኪ ቫይረስ 'ሂውማን ፓፒሎማ' ዝኽሰት ናይ ማህጸን ካንሰር ንምክልኻል ካብ 17 ክሳዕ 23 ጥሪ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ መላእ እታ ሃገር ወፍሪ ክታበት ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ንሳልሳይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ክታበት 14 ዝዕድሚኤን ደቂ ኣንስትዮ ይኽተባ ከምዘለዋ ዶ/ር መሰረት ሓቢራ።

ካብ ናይ ጡብ ካንሰር ቀጺሉ ሓደገኛ ከምዝኾነ ዝዝረበሉ ናይ ማህጸን ካንሰር ብክታበት ምክልኻል ከምዝከኣል ሰብ ሞያ ጥዕና ይገልጹ።

“ጾታዊ ርክብ ቅድሚ ምጅማረን ክኽተባ ስለዘለወን 14 ዓመት ንዝገበራ ኢና እንኸትብ ዘለና” ዝበለት ዶ/ር መሰረት መከላኸሊ ክታበት ይወሃብ ከምዘሎ ሓቢራ።

እቲ ዝወሃብ ክታበት ክልተ ንጣብ ኮይኑ እቲ ፋልማይ ምስተወሃበ ድሕሪ 6 ወርሒ ድማ እቲ ካልአይ ንጣብ ከምዝወሃብ ይግለጽ።

ከም ሓበሬታ ዶ/ር መሰረት “ደቂ ኣንስትዮ እዘን ክልተ ንጣብ ምስተኸተባ ብድሕሪኡ ካልእ ተመሳሳሊ ክታበት ኣይደልየንን። እንተኾነ ግን ኤችኣይቪ ኤዲስ ኣብ ደመን ንዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ዳግማይ ክወሃብ ይኽእል’ዩ”።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብምትሕብባር 14 ዓመት ንዝገበራ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተኸተባ’ውን እታ ሓላፊት ኣዘኻኺራ።

“ኣብ ዓመት ን1.2 ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮ ክንከትብ ኢና ኢልና እንሓስብ” ዝበለት ዶ/ር መሰረት ሎምዘበን’ውን ኣብ ኣብያተ ትምህርትን መደብራት ጥዕናን ጎስጓስ ከምዝተኻየደ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ዝሓለፈ ዓመት እቲ ናይ መጀመርታ ክታበት ከምዝተውሃበን እንተኾነ ግን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካልአይ ክታበት ስለዘይተውሃበ ሎምዘበን ምስተን ሓደሽቲ ዝኽተባ ብሓንሳብ ከምዝኽተባ ተፈሊጡ’ሎ።

ሎምዘበን ቀዳማይ ክታበት ዝወስዳ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ካልአይ ክታበት ኣብ ዝመጽእ ወርሂ ሓምለ ወይ ድማ ጥቅምቲ ከምዝኽተባ ተገሊጹ።

እቲ ክታበት ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዘሎ ኩነታት ከምዘይወሃብ ዝሓበረት ዶ/ር መሰረት፡ እቲ ክታበት ምብጻሕ ኣብዘይተኻኣለሎም ከባቢታት ብኸመይን መዓዝን ከምዝውሃብ ዝመርሕ ትልሚ ክሕጸጽ ምዃኑ ገሊጻ።

እተን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣቢልካ፡ እተን መኣዲ ትምህርቲ ዘየለዋ ድማ ብመደብራት ጥዕናን ገዛ ንገዛ እናዘርካን ክወሃብ እዩ ኢላ።

ደቂ ኣንስትዮ ናይ ማህጸን ጫፍ ካንሰር መከላኸሊ ክታበት ንኽወስዳ ብመራኸብቲ ሓፋሻት ጎስጓስ ከምዝግበር ዝገለጸት ዶ/ር መሰረት ቀዳማይ ክታበት ዝወሰዳ ድማ ካልኣይ ንኽኽተባ ወፍሪ ከምዝግበር ሓቢራ።