ኢትዮጵያ፡ 20 ኪሎ ዝምዘን ናይ ማህጸን ጥረ ብመጥባሕቲ ዝተገላገለት ኣደ

ወ/ሮ ታገሰች ደሳለኝ

ምንጪ ስእሊ, Kembata Tembaro Zone Communication

መግለጺ ስእሊ, ወ/ሮ ታገሰች ደሳለኝ ምስ ሓካይማ ኣብ ዶ/ር ቦጋለች ታቦሬ ሓፈሻዊ ሆስፒታል

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሓንቲ ኣደ ካብቲ ኣብ ማህጸና ዝነበረ ኣስታት 20 ኪሎ ዝምዘን ጥረ ብመጥባሕቲ ከም ዝተገላገለት ነቲ መጥባሕቲ ዘካየደ ዶ/ር ኣብነት ኣዳነ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣደ ሽዱሽተ ቆልዑ ዝኾነት ወ/ሮ ታገሰች ደሳለኝ፡ ብዝተገብረላ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ካብቲ ገዚፍ ጥረ ድሕሪ ምግልጋላ፡ ኣብ ጸቡቕ ኩነታት ጥዕና ከም እትርከብን ካብ ሆስፒታል ከም ዝተፋነወትን ንቢቢሲ ተዛሪባ።

እዛ ኣብ ክልል ደቡብ፡ ቃጫቢራ ኣብ ዝብሃል ቁሸት እትነብር ኣደ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ሕማም ክስምዓ ምጅማሩ ትገልጽ።

"ከብደይ ይቐርጸኒ ነይሩ። ቅርጥማት'ውን ነይሩኒ። ከብደይ ይንፋሕን ይጎድልን ነይሩ። መሊሱ ድማ ይንፋሕ" ብምባል ንዘሕለፈቶ ስቓይ ትዝክር።

መጥባሕቲ ኣብ ዝገበረትሉ እዋን፡ ናይ 6 ወርሒ ጥንሲ ከምዝነበራ፡ ዶ/ር ኣብነት ይገልጽ።

"[ናብ ሕክምና] ክትመጽእ እንከላ፡ ከተተንፍስን ቀኒዓ ክትከይድን ኣይትኽእልን'ያ ነይራ። ብድሕሪት ክልተ ወይ ሰለስተ ሰባት እናደገፍዋ'ያ ትንቀሳቐስ ነይራ። ስለዚ፡ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ሓደጋታት ኣትያ፡ መጥባሕቲ ክትገብር ወሲንና" ይብል እቲ ሓኪም።

እቲ ጥረ ብኸመይ ተረኺቡ?

ዶ/ር ኣብነት፡ ኣብ ከተማ ዱራሜ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሓፈሻዊ መዘክር ዶ/ር ቦጋለች ሓኪም ጥንስን ማህጸንን'ዩ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ንሰለስተ ሰዓታት ብዝወሰደ መጥባሕቲ እቲ 20 ኪሎ ግራም ጥረ ካብ ማህጸን እታ ኣደ ምሉእ ብምሉእ ክወጽእ ከም ዝኸኣለ ተዛሪቡ።

ፈለማ፡ ሕማም ጸላም ከብዲ ክኸውን ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ነይሩ። እናበርትዓ ምስ መጽአ ግን ጥሩነሽ ቤጂንግ ተባሂሉ ናብ ዝጽዋዕ ሆስፒታል ኣምሪሓ።

ብድሕሪኡ፡ እቲ ጥረ ከም ዘለዋን ክወጽእ ከም ዘለዎን ምስ ተነግራ ግን፡ ቀልጢፋ ፍቓደኛ ከም ዘይነበረት ምንኣሳ ሓዋ ይዝክር።

ሽዑ ግን እቲ ጥረ ንእሽቶ'ዩ ነይሩ።

እታ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ክግበረላ ዘይፈቐደት ኣደ ግን፡ ፈውሲ ንምንዳይ ናብ ቤተ-እምነት ምኻድ መሪጻ ነበረት።

"ክልተ ኪሎ ጥረ ምስ ወጽኣለይ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሰ ናብራይ ቀጺለ" ትብል ወ/ሮ ታገሰች።

ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ጥንሲ ምስ ሓዘት ግን እቲ ሕማም ደጊሱዋ።

ጥንሳ ክሳብ ኣርባዕተ ወርሒ ዝበጽሕ ዝስምዓ ሕማም ኣይነበረን። ድሕሪኡ ግን ከብዳ ክንፋሕ ጀሚሩ።

"ንርእሰይ ክቆጻጸር ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ" ድማ ትብል።

ዶ/ር ኣብነት ከም ዝብሎ፡ ጠንቂ ናይቲ ሕማም እቲ ጥረ ምዃኑ ናይ ራድዮሎጂ መርመራ ምስ ተኻየደላ'ዩ ተፈሊጡ።

ወ/ሮ ታገሰች፡ ነዛ ምስትንፋስ ምስ ተጸገመት ግን፡ እቲ ጥረ ክወጸላ ናብ ሆስፒታል ክትከይድ ከም ዝተገደደት ኣረዲኡ።

"ምስ ቤተሰባ ተማኺርና። ምስ ሓሳብና ተሰማሚዖም። ብዝተሰማማዕናሉ መሰረት ድማ ኣፈሪምና'ያ። ምስ መጽአት ኣብ ናይ መጥባሕቲ ዓራት ምድቃሳ ከማን ኣይተኻእለናን ነይሩ። ኪኢላታት ነቲ ዓራት ንዓኣ ከም ዝሰማምዓ ገይሮም ድሕሪ ምትዕርራይዮም ኢና ናብ መጥባሕቲ ኣቲና" ይብል እቲ ሓኪም።

መስርሕ መጥባሕቲ

ኣብ ሃዋሳ ኣብ ዝርከብ ሓፈሻዊ ፍሉይ (ስፔሻላይዝድ) ሆስፒታል ዝመሃር ዶ/ር ኣብነት፡ ናብ ናይ ምህጸንን ጥንስን (መዋልዳን) ካብ ዝኣቱ ጌና ክልተ ዓመት ኣይመልኦን ዘሎ።

እቲ ንወ/ሮ ታገሰች ዘጋጠማ ዓይነት ሕማም ድማ ነቲ ሆስፒታልን ንዕኡን ሓድሽ ነገር ምዃኑ'ዩ ዝዛረብ።

ጠንቂ ናይቲ ሕማም ናይ ማህጸን ጥረ ምዃኑ ብ'ኣልትራሳውን' ብንጹር ስለ ዘይተረጋገጸ፡ ብራድዮሎጂ ክረአ ኣለዎ ዝብል ኣማራጺ'ዩ ተወሲዱ።

ወ/ሮ ታገሰች ደሳለኝ

ምንጪ ስእሊ, Kembata Tembaro Zone Communication

መግለጺ ስእሊ, ወ/ሮ ታገሰች ደሳለኝ

እንተኾነ፡ ኩነታታ ህጹጽ ብምንባሩ፡ ተቐላጢፎም ናብ መጥባሕቲ ክኣትዉ ከም ዝተገደዱ ዶ/ር ኣብነት ይጠቅስ።

"ኩነታታ ግዜ ኣይሃበናን፡ ህጹጽ'ዩ ነይሩ። ኣዝያ ተዓፊና፡ ምስትንፋስ ስኢና። ኦክስጅን ተገይሩላ'ውን ከተተንፍስ ኣይክኣለትን" ድማ ይብል።

ወ/ሮ ታገሰች፡ እቲ ሕማም ምስ በርትዓ "ኣኸለ! ኣይመውትን እየ። ኣብዚ [መጥባሕቲ] ግበሩለይ" ክትብል ነቶም ሓካይም ተማሕጺናቶም።

ብድሕሪ'ዚ፡ ካብ ክፍሊታት መጥባሕቲ፡ ማህጸንን ጥንስን፡ ራድዮሎጂን ካልኦት ሰብሞያን ተኣኻኺቦም ነቲ መጥባሕቲ ኣካይዶሞ።

"ዝረኸብናዮ ዓቢ ጥረን ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ጥንስን'ዩ ነይሩ። ናይ ማህጸን ጥረ ናብ ካንሰር ስለ ዝቕየር፡ ኣስታት 20 ኪሎ ግራም ዝምዘን ምሉእ ጥረ ኣውጺእና። ኣብቲ ጥረ ዝነበረ ፈሳሲ፡ እቲ ጥንስን ማህጸናን ወጺኡ። ጥንሳ 650 ግራም እዩ" ክብል እቲ ሓኪም ጠቒሱ።

ዕድመ ወ/ሮ ታገሰች ኣብ ግምት ብምእታው፡ ማህጸና ንሕማማት ክቃላዕ ስለ ዝኽእል፡ ክወጽእ ከም ዝተገብረ'ዩ ዶ/ር ኣብነት ይዛረብ።

"ጥንሳ'ውን ዕብየት ናይቲ ጥረ ክውስኽ ገይሩ'ዩ። ይደፍኦ ነይሩ። ንኸብዳ ንላዕሊ ደፊኡ፡ ወጢሩ ስለ ዝሓዘ፡ ንሽዱሽተ ሳምንታት ኣይደቀሰትን። ድቃስ ዝብሃል ኣይነበራን" ይብል።

መጥባሕቲ ክጅምሩ እንከለዉ፡ መዓናጡ ወ/ሮ ታገሰች ናብ ሕቖኣ ዘይሩ ስለ ዝነበረ፡ ኣይረአን'ዩ ነይሩ።

እቲ ጥረ ድሕሪ ምውጽኡ ኸኣ፡ እቲ ዝነበራ ጥንስን ማህጸና ብዓቢኡን ከም ዝወጽእ ገይሮም።

ድሕሪ መጥባሕቲ ን10 መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምጽናሕ ድማ፡ ድሓን ምዃና ስለ ዝተረጋገጸ ናብ ቤታ ተፋንያ።

'ብእግራ እናተንቀሳቐሰት ናብ ቤታ ተመሊሳ'

እታ መጥባሕቲ ቅድሚ ምግባራ ከተተንፍስ ይኹን ክትንቀሳቐስ ዘይክኣለት ኣደ፡ ብዝተገብረላ ሕክምና መስተርሆት ረኺባ'ያ።

"ምስ ጠነስኩ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከብደይ ተነፊሑ ነይሩ። ካብ ራብዓይ ክሳብ ሻዱሻይ ወርሒ ከቢድ ስቓይ እየ ኣሕሊፈ" ትብል ወ/ሮ ታገሰች።

ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ኩነታት ጥዕንኣ ንምርግጋጽ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ትካላት ሕክምናን መርመራን ከይዳ ነይራ። እንተኾነ ንነዊሕ እዋን ሕማማ እንታይ ምዃኑ ክፍለጥ ኣይተኻእለን ነይሩ።

ምስተፈለጠ'ውን፡ ፈለማ ናብ ቤተ-እምነት ንምኻድ ከምዝ መረጽ'ዮም ቤተሰባ ዝዛረቡ።

"ናብ ቤተ-እምነት ምስ ከደት ክልተ ኪሎ ጥረ ስለ ዝወጸላ፡ ናብ መነባብሮኣ ተመሊሳ። ምስ ጠነሰት ግን እቲ ሕማም ተመሊሱዋ" ይብል ንእሽቶ ሓዋ።

ወ/ሮ ታገሰች፡ ጥንስቲ ኣርባዕተ ወርሒ ምስ ኮነት፡ ሕማም በርቲዑዋ፡ ናብ ሕክምና ተመላሊሳ እያ።

ሓካይም መጥባሕቲ እናካየዱላ

ምንጪ ስእሊ, Kembata Tembaro Zone Communication

መግለጺ ስእሊ, ሓካይም መጥባሕቲ እናካየዱላ

ኣብ መወዳእታ ግን፡ ካብቲ ኣብ ከባቢኣ ዝነበረ ቀዳማይ ደረጃ ሆስፒታል ናብ ዱራሜ ተሰጋጊራ።

"ቅድሚ ሕክምና ምርካበይ፡ ምድቃስን ምንቅስቓስን ኣይክእልን'የ ነይረ። ክልተ ሰባት ተሓጋጊዞም'ዮም ካብ ኮፍ ዝበልኩሉ ዘተንስኡኒ። ከብደይ ይቐርጸኒን ይንፋሕን ነይሩ። መግቢ ምብላዕ ገዲፈዮ" ክትብል ንዘሕለፈቶ ጸገም ተዘንቱ።

ድሕሪ'ቲ ዝተገብረላ መጥባሕቲ ግን ጥዕናኣ ናብ ንቡር ምምላሱ'ያ ትዛረብ። ኩነታታ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝረጋገጽ ግን ሕክምናዊ ክትትል ይግበረላ ምህላዉ ገሊጻ።

"ሕጂ ሕማም ዝብሃል የለን። ብሰላም እድቅስ ኣለኹ። ኩሉ ነገር ባዕለይ ክገብር ኪኢለ ኣለኹ" ድማ ትብል።

ዶ/ር ኣብነት ብወገኑ፡ "ብዘይ ዝኾነ ጸገም እናተንቀሳቐሰት፡ ምሳይ'ውን ስእሊ ተሳኢላ [ናብ ቤታ] ተመሊሳ። ኣተናፍስኣ ተመሊሱ፡ ቁስላ ሓውዩ፡ ጡጥ ተፈቲሑላ ከይዳ። ቤተሰባ'ውን ኣመስጊኖሙና እዩም" ክብል ሓጎሱ ገሊጹ።

ብድሕሪ ሕጂኸ እንታይ ይጽበያ?

ወ/ሮ ታገሰች ኣደ ኣርባዕተ ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን ኮይና፡ ኣላዪት ስድራ እያ።

ብዓልቤታ ድማ፡ ኣብ ወንጪ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ሽኮር ይሰርሕ ነይሩ። ንሳ ምስ ሓመመት ግን ስርሑ ከቋርጽ ተገዲዱ።

ክልቲኦም ዕፉን ብምሻጥ'ዮም ዝናበሩ ነይሮም።

ዶ/ር ኣብነት ከም ዝበሎ ግን፡ ዋላ'ኳ ጥዕናኣ እንተተመልሰ፡ መርመራታት ክትቅጽል ኣለዋ።

"ካንሰር እንተኾይኑ ኬሞተራፒ፡ ናይ ጨረር [ራድየሽን} ሕክምና ወይ ሆርሞን ተራፒ ስለ ዘድሊ፡ ብዛዕባ ዝቕጽል ሕክምና ምስ ቤተሰባ ተዘራሪብና ኣለና" ኢሉ።

እቲ ዝተኻየደላ መጥባሕቲ እኹል ዝኾነሉ ወይ ካልእ ተወሳኺ ሕክምና ዘድልየሉ ኩነታት ክህሉ ከም ዝኽእል'ውን እቲ ሓኪም ኣሚቱ።

ናይ ማህጸን ጥረ ምክልኻል ይክኣል'ዶ?

ዶ/ር ኣብነት ከም ዝብሎ፡ ዝበዝሓ ሕክምናዊ ክትትል ስለ ዘይገብራ፡ እቲ ጥረ ብንእሽትኡ ዝወጽኣሉ ደረጃ የሕልፍኦ።

ብንእሽትኡ ክወጽእ ምስ ተባህላ ድማ ብዙሓት የዕጠይጥያ።

ጥረ ማህጸን፡ ብወለዶ፣ ብምቅይያር ዋህዮታት ከምኡ'ውን ብኻልኦት ምኽንያታት ክኽሰት ይኽእል'ዩ።

ብፍላይ ምስ ጥዕና ደቂ-ኣንስትዮ ብዝምልከት፡ "ኩለን ደቂ-ኣንስትዮ ንጥረ ዝተቓልዓ ስለ ዝኾና 'ጥዕይቲ እየ' ከይበላ ኣብ 6 ወርሒ ወይ ዓመት ናብ ሓኪም ማህጸን ክኸዳ ኣለወን። ናይ 'ኣልትራሳውንድ መርመራ ክገብራን ምክትታል ክግበረለንን የድሊ" ክብል ዶ/ር ኣብነት ይምዕድ።

እቲ ጥረ፡ ከም መንሽሮ ጫፍ ማህጸን ዘይረአ ሕቡእ ብምዃኑ፡ ናይ ምዕባይ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ሓካይም የረድኡ። ስለዚ ድማ'ዮም ቀጻሊ ምክትታል ምግባር ከም ዘድሊ ዝመኽሩ።