ኣብ ኢትዮጵያ ሰለስተ ሰሙን ከሕልፋ መጺአን 61 ዓመት ዝጸንሓ ዶክተር ካትሪን ሃምሊን

ምንጪ ስእሊ, Hamlin foundation
ካብ ስርሐን ወጻእ ብዛዕባ ካልእ ዛንታ ህይወተን ብዙሕ ዘይተነገረለን ዶክተር ካትሪን ሃምሊን፡ ትማሊ ኣብ መበል 96 ዓመተን ዓሪፈን።
ዶክተር ካትሪን ሃምሊን፤ ብ1924 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ]፡ ኣብ ኣውስትራሊያ እየን ተወሊደን። ዶክተር ካትሪን ሓኪም ማህጸን እየን።
ኣብ ኒውዝላንድ ዝተወልዱ በዓል ቤተን ዶክተር ሬጊናልድ ሃምሊን'ውን ተመሳሳሊ ሞያ ነይሩዎም።
ዶክተር ካትሪን፤ ካብ ስዊድን ውጽእ ኢላ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ዓብየን፤ ብ1946 ዓ.ም ድማ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ብሕክምና ሳይንስ ተመሪቐን።
ብ1958 ዓ.ም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ሆስፒታል ልእልት ጸሃይ ናይ መዋልዳን ሓካይም ክቖጽር ዘውጽኦ ናይ ስራሕ ምልክታ ሰሚዐን፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመጽኣ ወሲነን።
ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ፡ ንቆልዓ ሽዱሽተ ዓመት ወደን ሪቻርድ ሬጊናልድ ሒዘን ምስ በዓል ቤተን ናብ ኣዲስ ኣበባ መጽኣ።

ምንጪ ስእሊ, Hamlin foundation
ካብ ሽዑ ጀሚረን፡ ካትሪን ሃምሊን ምስ በዓል ቤተን ሬግ ሃምሊንን ኣብ ኢትዮጵያ፡ 60 ዓመት ጸኒሖም።
ኣብቲ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ክመጽእ እንተለዉ ግን፡ ሰለስተ ሰሙን ጥራየይ ኣብታ ሃገር ጸኒሖም ክምለሱ'ዮም መደብ ሒዞም ነይሮም።
እግሮም መሬት ኢትዮጵያ ኣብ ዝረገጸሉ እዋን ግን፡ ሓደ ሓኪም ማህጸን "ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ፊስቱላ ልብኹም ክሰብሮ'ዩ" ኢሉ ንኽልቲኦም ኣጋይሽ ኣሰንቢዱዎም።
በቲ ግዘ ሕማም ፊስቱላ 'ኣብ መላእ ዓለም ጠፊኡ፡ ነዚ ዝኸውን ኣገልግሎት ጥዕና ንምሃብ ዝተኸፈቱ ሆስፒታላት ተዓጽዮም' ስለ ዝነበሩ፡ ኣብቲ እዋን እዞም ወጻእተኛታት ሕማም ፊስቱላ ርእዮም ኣይፈልጡን።
ኣብ መወዳእታ ከባቢ 19 ክፍለ ዘመን፡ ከም ኒውዮርክ ዝበላ ዓበይቲ ከተማታት ነዚ ሕማም ኣጥፊአን ሆስፒታላት ፊስቱላ ዓጽየን ነይረን።
ካትሪንን በዓል ቤተንን፡ እዚ ሕማም ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ዝሳቐያሉ ምዃኑ ዝፈልጡዎ ኣይነበሮምን።
እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ዝኸፍአ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ተገረሙ፤ ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ብርግጽ እቲ ሽዑ ዝረኸብኦ ናይ ማህጸን ሓኪም ብዝነገረን ዛንታ ብሕማም ፌስቱላ ዝሞታ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ሰምዓ ዝያዳ ሓዘና።
ንሰለስተ ቅነ ዝተባህለ ጻንሒት ተሰሪዙ፡ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ተገብረ።
እዞም ክልተ ሰብ ሞያ መጥባሕቲ ማህጸን እምበኣር፡ ጻንሒቶም ብምንዋሕ ብምኽንያት ፊስቱላ ሰብ ንዘርሕቐን ኢትዮጵያውያን ክሕክሙ ናብ ስራሕ ኣተው።
ኣብቲ እዋን፡ ብፍላይ ኣብ እዋን ወሊድ ዘጋጥም ፊስቱላ፡ ንሕሙማት ካብ ዝፈጥሮ ስቓይ ብዝሰገረ ኣብቲ ሕብረተሰብ ክግለላ ዝገብር እውን ነይሩ።
ብዝገርም ናህሪ፡ ሓገዝ ወሊድን ምሕብሓብ ኣዴታትን ምምሕያሽ ከርኢ ገበሩ፤ በዚ ስርሖም፡ ቅልጡፍ ለውጢ ኣመዝገቡ።
ይኹን'ምበር፡ ሓደሽቲ ግዳያት ናይዚ ሕማም ብዝሐን ይወስኽ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ክንዲ ናብ ኣውስትራሊያ ምምላስ በዚ ስራሕ ኣብ ኢትዮጵያ ክቕጽሉ ከም ዘለዎም ሰብኣይን ሰበይትን ወሰኑ።
ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝመጽኡ ኣብ መበል 15 ዓመቶም ድማ፡ ብ1974 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ማእከል ሕክምና ፌስቱላ ሰርሑ።
እዚ ሆስፒታል ንኣስታት 60 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ሓኪሙ ናብ ስሩዕ ህይወተን ክምለሳ ገይሩ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Hamlin foundation
ኣብዚ እዋን፡ ማእከል ሕክምና ፊስቱላ ሃምሊን ኢትዮጵያ፡ ብደረጃ ዓለም ፊስቱላ ማህጸን ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ኩለመዳያዊ ጻዕሪ፡ ብቐዳምነት ዝጥቀስ ኣብነታዊ ትካል እዩ።
ብዝተፈላለየ መገዲ ዘካየዶም ፈተነታት ውጽኢታዊ ብምዃን፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ሕማመን ፈዊሱ፣ ትኽክለኛ ህይወተን ክመርሓ ዝገብር ዓብዪ ትካል እዩ።
'ፋውንዴሽን ካትሪን ሃምሊን' ድማ ሓደ ዕላማ ኣለዎ፤ ብሕታዊ ዕላምኡ ፊስቱላ ካብ ዓለም ምጥፋእ'ዩ።
ኣብ ዓለም፡ ዓቕሚ ንዘይብለን ሕሙማት ፊስቱላ ብናጻ ሓኪሙ ዘድሕን ብሕታዊ ትካል'ዩ።
ዶክተር ሃምሊን ኣብዚ ጉዳይ ንዝገበርኦ ኣበርክቶ ድማ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ሂቡወን'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Hamlin foundation
ንሰለስተ ሰሙን ጥራይ፡ ካብ ኣውስትራሊያ ናብ ኢትዮጵያ ዝመጽኣ ዶክተር ካትሪን ሃምሊን፡ ስቓይ ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንሰትዮ፡ ናይ ውልቂ ህይወተን ኣረሲዑ፡ ን 60 ዓመታት ናይ ሰናይ ፍቓድ ስራሕ ክሰርሓ ገይሩወን።
በዚ ምኽንያት፡ ኢትዮጵያ ካልአይቲ ሃገረን ኮይና ንዝሓለፉ 60 ዓመታት ምስ ሞትን ስቓይን ንዝቃለሳ ሕሙማት ፊስቱላ ሓኪመን እናሕወያ፡ ሞያውን ሞራላውን ግቡአን ክፍጽማ ጸኒሐን።
ዶክተር ሃምሊን፡ ኣብ ቀጽሪ ናእቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነጸ ማእከል ሕክምና ፊስቱላ ኣብ እትርከብ ንኡሽቶ ገዛ እየን ዝነብራ ነይረን።
ዶክተር ሃምሊን፡ ነዚ ኣበርክቶአን ክልተሻብ ንሽልማት ኖቤል ተሓጽየን፡ ካልኦት ብዙሓት ሽልማታት ከኣ ረኸቢን እየን።
ኣብ 2012 ከኣ፡ ኢትዮጵያ ናይ ክብሪ ዜግነት ሂባተን እያ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







