ፌስቱላ ደቂ ተባዕትዮ፡ ብዙሓት ዘይፈልጥዎ ሕማም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕማም ፌስቱላ ብዝያዳ ኣብ ደቂ ኣንስተዮ ዝረአ ሕማም ከምዝኾነ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ እውን ብብዝሒ ይረአ እዩ። እዚ ሕማም’ዚ ኣብ ሞንጎ ክልተ ክፋል ኣካለት ደቂ ሰባት ዝፍጠር ዘይንቡር ከም ካናለ/መትረብ ዝግለጽ ፈቓቕ እዩ።
ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ሴንተር ፎር ትሮፒካል ኤንድ ትራቭል መዲሰን ኣብ ዝብሃል መደበር ጥዕና ሓፈሻዊ ሓኪም ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ዶክተር መድሃኔ ሃይለ ፊስቱላ ኣብ ዝኾነ ክፋል ኣካላት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝኽሰት ሕማም ምዃኑ ይጠቅስ። ንሎሚ ግን ኣጽብብ ኣቢልና ኣብ መቐመጫ [መሃንቱስ] ደቂ ተባዕትዮ ንዝውጽእ ፊስቱላ ክንድህስሶ ኢና።
ንምዃኑ ፌስቱላ ዝበሃል ቃል እንታይ እዩ? ኣብ ሳይንስን ጥዕናን ብኸመይ እዩ ዝግለጽ?
ፊስቱላ ኣብ መንጎ ክልተ ክፍሊ ኣካላት “ኣብ ሞንጎ ክልተ ሰራውር ደም፡ ኣብ መንጎ መዓንጣን ቆርበትን፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ኣብ ሞንጎ ፍሕኛን ርሕምን፡ ኣብ ሞንጎ ፍሕኛን መንጎ ማህጸንን ኣብ ካልእን ዝኽሰት’ዩ ዘይንቡር ካናለ እዩ” ይብል ዶክተር መድሃኔ።
ኣብ መቐመጫ ደቂ ተባዕትዮ ዝወጽእ ፊሰቱላ፡ ኣብ ሞንጎ ናይ መወዳእታ ጫፍ ገፊሕ መዓንጣን ቆርበትን ዘይንቡር መትረብ ምስ ዝፍጥር ዝኽሰት እዩ። ኣብ ደቂኣንስትዮ’ውን ጠንቁ ሓደ እዩ።
ዶክተርመድሃኔ “ብዘይካ እዚ ምስ ሕርስን ጥንስን ዝተሓሓዝ ዓይነት ፊሰቱላ፡ መብዛሕትኡ ዓይነታት ፊስቱላ ጠንቁ ኣብ ክልቲኡ ጾታታት ተመሳሳሊ’ዩ” ይብል።
ሕማም ፉስቱላ መብዛሕትኡ ግዜ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘጥቅዕ ሕማም ዝመስሎ ሰብ ብዙሕ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Dr. Medhanie
እንተኾነ፡ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝወጽአ ጸብጻም ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ኩሉ ዓይነታት ፌስቱላ እቲ ቁጽሪ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ከምዝዛይድ እዩ ዘርኢ።
ዶክተርመድሃኔ ንጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ምርኩስ ብምግባር“ብሓፈሻ ኣብ ክልቲኡ ጾታታት ካብ 100 ሽሕ ሰባት 8.6 ብፉስቱላ ይጥቅዑ፡ ብጾታ ፈሊና ምስ ንርእዮ ከኣ ኣብ ደቂተባዕትዮ ካብ 100 ሽሕ ሰባት 12.3 ክኸውን እንከሎ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ 5.6 ካብ 100 ሽሕ በዚ ብፊስቱላ ይጥቅዓ” ይብል።
ዶክተር መድሃኔ ዝብዝሐ ፌስቱላ ኣብ ከባቢ መሃንቱስ ብዝፍጠር ረኽሲ ከምዝብገስ’ዩ ዝገልጽ።
“እቲ ረክሲ መብዛሕትኡ ግዜ ምግሊ ኣንጭዋ እናተባሃለ እዩ ዝግለጽ። ብሕክምና ከኣ anal abscess ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ እቲ ሕበጥ ኣብ ቆርበትና ኣፍ ዘለዎ ክኸውን ይኽእል እዩ ወይ’ውን ብልዕሊ ቆርበት ዝኾነ ምልክት ዘየርኢ ክኸውን ይኽእል እዩ” ብምባል ይገልጾ።
ጠንቂ ፌስቱላ ደቂ ተባዕትዮ
ቀንዲ ጠንቂ ፌስቱላ ደቂ ተባዕትዮ፡ ብማዕበስቲ ሻንብቖታት ጽክታት መሃንቱስ ዘስዓቦ ረኽሲ ዘምጽኦ ሕበጥን ነድርን ኮይኑ
• ክሮህን ዝብሃል ኣብ መዓናጡ ነድሪ ዝፍጠር ሕማም (ብሕማም ክሮህን ካብ ዝጥቅዑ ሰባት እቶም 25 ሚኢታዊት ብሕማም ፌስቱላ ይጥቅዑ)።
• ብጸርጊ ዝግበር ፍወሳ መንሽሮ
• ቁስሊ መሃንቱስ
• ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት
• ሕማም ዓባይ ስዓል ናይ መዓንጣ
• ኣብ ገፊሕ መዓንጣ ነድሪ ዝፈጥሩ ዳይቨርቲኩሊቲስ (Diverticulitis) ዝብሃልሕማም
• ሕማም መንሽሮ
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መሃንቱስ ንዝፍጥር ዝኾነ ዓይነት ሕበጥ ብዙሕ ሰብ ሕማም ኦሞሮድዮ እናበለ ክጽውዖ ይስማዕ እዩ።
ዶክተርመድሃኔ፡ ኦሞሮድዮ ብሰንኪ ነድሪ ኣብ ከባቢ መሃንቱስ ዝርከብ ሰራውር ደም ዝፍጠር ኣብ እዋን ደገ ምውጻእ ቃንዛን መድመይቲ ዝፈጥር ከምዝኾነ ብምጥቃስ “ናብ ሓኪም ከይቀረብና ኦሞሮድዮ ድዩ ፌስቱላ ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና” ይብል።
ልዕሊ 70 ሚኢታዊት ጠንቂ ፌስቱላ መሃንቱስ፡ ኣብ ከባቢ መሃንቱስ ዝፍጠር ነድሪ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ “መሃንቱስ ብተረርቲ ብዙሓትት ጽክታታን ዝቖመ’ዩ፡ እዞም ጽክታት እዚኦም ነዝዒ ብምፍጣር ቀልቀል ብቀሊሉ ንደገ ንክወጽእ ዝሕግዙ’ዮም” ኢሉ።
እዞም ጽክታት እዚኦም ምስ ዝዕበሱ ግን እቲ ነዝዒ ዝወጽኣሉ ሻንብቆታት፡ ረኽሲ ስለዝገብር ኣብ ከባቢ መሃንቱስ ዝርከብ ስብሒ፡ ጭዋዳታትን ቆርበትን ኣነዲሩ፡ መግሊ ከምዝእክብ’ዩ ዝገልጽ።
ብሰንኪ እዚ “ምስ ቀልቀል ብዙሓት ባክተርያታት ስለዝወጽኡ ናብቲ ዝነደረ ኣካለት ንምልጋብ ነቲ ረኽሲ የጋድድዎን ናቶም ከናለ ይፈጥሩን”።
ከም ካልኣይ ጠንቂ ሕማም ፌስቱላ መሃንቱስ ኸኣ ኣብ ዓባይ ስዓል ናይ መዓናጡ ኣብ ዘለዎም ሰባት ከምዝርአ ዶክተር መድሃኔ ይገልጽ።
ዶክተርመድሃኔ ንምልክታት ሕማም ፌስቱላ መሃንቱስ ኣመልኪቱ እቲ ቀንዲ ምልክት ኣብ ከባቢ መሃንቱስ ንቡር ዘይኮነ ኣፍ ዘውጽአ ሕበጥ ወይ ቁስሊ ከምዝኾነ’ዩ ዝገልጽ።
እቲ ቁስሊ “ጨና ዘለዎ ዘይንቡር ደምን ምግልን ዘለዎ ፈሳሲ ከውጽእ ይጅምር፡ እቲ ፈሳሲ ካብ ገፊሕ መዓንጣ ብቀጥታ ዝመጽእ ስለዝኾነ ኣብ ከባኢ እቲ ኣፍ ናይታ ቁስሊ ሰሓ፡ ነድርን ቃንዛን ክፈጥር ይኽእል”።
ገለ ሕበጣት ሓደ ኣፍ ወይ ካናለ ዘለዎ ምስ ዝኸውን ቀሊል 'simple' ተባሂሉ ከምዝጽዋዕን ዝተፈላለየ ጨናፍር ዘለዎ ምስ ዝኸውን ግን ሕልኽልኽ ዝበለ 'complex' ተባሂሉ ከምዝጽዋዕ ዶክተር መድሃኔ ይገልጽ።
ምልክታት ሕማም ፌስቱላ ደቂ ተባዕትዮ
- ተደጋጋሚመግልን ሕበጥን መሃንቱስ
- ቃንዛን ሕበጥን መሃንቱስ
- ነዝዒ ብርቱዕ ጨና ዘለዋ ደምን ሙግልን ኣብ ከባቢ ማሃንቱስ ካብ ዝፍጠር ቁስሊ
- ነድሪ ኣብ ከባቢ መሃንቱስ ዝርከብ ቆርበት
- ቃንዛ ኣብ ኣምዑት ናይ ቀልቀል
- መድመይቲ መሃንቱስ
- ረስኒ፡ ገብገብ ምባልን ረሸሽታን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ገለገለ ዓይነታት ፌስቱላ ደቂ ተባዕትዮ ብደገ ኣብ ከባቢ መሃንቱስ ኣፍ ዘለዎም ኮይኖም ገለ ኸኣ ኣብ ውሽጢ መሃንቱስ ዝፍጠሩ እዮም።
ሓካይም ነቶም ኣብ ውሽጡ ዝፍጠሩ ዓይነታት ፊስቱላ፡ ኣኖስኮፒ ብዝብሃል ኣገባብ ኣብ ውሽጢ መሃንቱስ ብዝኣቱ መሳርሒ ገይሮም ክሳብ ቀልቀል ዝዕቖረሉ ዳንዱር ብምርኣይ ክፈልጥዎ ይኽእሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ኣልትራሳውንድ ወይ ኤምኣርኣይ መርመራ ብምክያድ’ውን እቲ ሱር ናይ ፌስቱላ ክፍለጥ ይክኣል’ዩ።
ኣገባብ ኣፈዋውሳ ፌስቱላ ደቂ ተባዕትዮ
ዶክተር መድሃኔ ሕማም ፌስቱላ ክፍወስ ከምዝኽእል ብምግላጽ እቲ ኣገባብ ኣፈዋውስኡ ከከም ክብደቱ ከምዝፈላለ’ዩ ዝሕብር።
“ንኣብነት ኮምፕሌክስ ዝበልናዮም ዓይነት ፌስቱላ ምስ ዝኾኑ ኣገባብ ኣፈዋውስኡ ክብድ ዝበለ ይኸውን”
መብዘሕትኡግዜ ሕማም ፌስቱላ ደቂ ተባዕተዮ ብመጥባሕቲ እዩ ዝሕከም።
እቲ ኣገባብ መጥባሕቲ ግን ንቀለቤታዊ ጭዋዳታት መሃንቱስ ከይትንከፍ ብጥንቃቐ እዩ ዝግበር። ቀሌቤታዊ ጭዋዳታት መሃንቱስ ምስ ዝትንከፍ እቲ ግዳይ ቀልቀሉ ክቆጻጸሮ ኣይክእልን እዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ሕማም ፌስቱላ ኣዝዩ ዓሚቑ ምስ ዝኸውን፡ እቲ ሕሙም ድሕሪ መጥባሕቲ ንኣስታት 6 ሳምንታት ዝጸንሕ መውጽኢ ቀልቀል ክግጠመሉ ይኽእል እዩ።
ኣገባብ ምክልኻል ፌሰቱላ ደቂ ተባዕትዮ
- ጽሕጎ ዝበዝሖ መግቢ ምዝውታር (ኣሕምልቲ፡ ፍሩታ፡ ስርናይ፡ ስገም፤ ዓተር፡ ዓደስ ወዘተ)
- ከባቢ መሃንቱስ ብጽሬት ምሓዝ
- ኣብ እዋን ቀልቀል ምሒር ዒሕ ዘይምባል
- ስሩዕ ምንቅስቃስ ኣካላት




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







