ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ካብ ህዝቢ ዓለም ከሳዓት’ዮም፤ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ግን ብኣንጻሩ’ዩ

ጥዕና ዘይብሎም መግቢታት ንክስዐ የቃልዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዓለም ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰባት ልዕሊ ንቡር ሚዛን ሰብነት ከም ዘለዎም ይግመት ክብል ሓደ መጽናዕቲ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ኣብ 2022 ዝተኣከበ መረዳእታ፡ ካብቶም ሓደ ቢልዮን ከሳዓት ኣስታት 800 ሚልዮን ኣባጽሕን 159 ሚልዮን ህጻናትን ከምዝዀኑ ኣብ መጽሄት ጥዕና ላንሴት ዝተሓትመ ሓበሬታ የመልክት።

ካብ 190 ሃገራት፡ ብሪጣንያ ብደቂ ተባዕትዮ መበል 55 ብደቂ ኣንስትዮ ድማ መበል 87 ደረጃ ሒዛ ትርከብ።

ጕጅለ ዓለምለኸ ተመራመርቲ፡ ልዕሊ ዓቐን ሚዛን ሰብነት ንምክልኻል ህጹጽ ለውጢታት ከም ዘድሊ የገንዝቡ።

ልዕሊ ዓቐን ሚዛን ሰብነት (ክስዐ) መንቀሊ ሕማም ልቢ፣ ሕማም ሽኮር ዓይነት 2፣ ገለ መንሽሮታት ዝበሉ ከበድቲ ጸገማት ጥዕና ክኸውን ይኽእል።

ዓለማዊ መጠን ክስዐ (ተመራመርቲ ኣብ ዕድመ ዘሎ ኣፈላላያት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብሚእታዊት ናይቶም ኣብ ልዕሊ ንቡር ሚዛን ሰብነት ዝምደቡ ህዝቢ) ከምዚ ዝስዕብ’ዩ ይብሉ፤

  • ኣመሪካ ብደቂ ተባዕትዮ ኣብ መበል 10ይ ደረጃ ፡ ብደቂ ኣንስትዮ ድማ መበል 36 ደረጃ
  • ህንዲ ብደቂ ኣንስትዮ ኣብ መበል 19፡ ብደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣብ መበል 21 ደረጃ
  • ቻይና ብደቂ ኣንስትዮ ኣብ መበል 11፡ ብደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣብ መበል 52 ደረጃ ትርከብ

ኣብ ኢምፔሪካል ኮሌጅ ለንደን ተመራማሪ ዝዀነ ፕሮፌሰር መጂድ ኢዛቲ፡ ኣብ ብዙሓት ካብዘን ደሴታት ሃገራት እቲ ጉዳይ ኣብ ቀረብ ጥዕና ዘለዎን ዘይብሉን መግቢ ዝምርኮስ ከም ዝዀነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ጥዕና ዘይብሉ መግብታት ዘተባብዕ ጽዑቕ ናይ ዕዳጋ ወፍሪታት ክካየድ እንከሎ፡ ኣብ ዋጋን ቀረብ ጥዕና ዘለዎ መግብን ዝያዳ ጸገም ክህልዎ ይኽእል'ዩ” ይብል።

ንዓመታት ኣብ ዓለማዊ መረዳእታ ክግምግም ዝጸንሐ ፕሮፌሰር ኢዛቲ፡ ፍጥነት እቲ ልዕሊ ዓቐን ሚዛን ሰብነት ዝተራእየ ለውጢ ከም ዘገረሞን ሕጂ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ቅልውላው ክስዐ ኣጋጢምወን ምህላውን ኣዝዩ ስክፍታ ዝፈጥር ዝነበረ ቍጽሪ ናይቶም ትሑት ክብደት ዘለዎም ሰባት ከም ዝነከየን ሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ 20 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዀኑ ብዙሓት ሰባት ሕጂ’ውን ትሕቲ ሚዛን ከም ዝዀኑ ሓበሬታ መጽሄት ላንሴት የመልክት።

በዚ መሰረት ኣብ ኤርትራ 33 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ 30 ሚኢታዊት ድማ ደቂ ተባዕትዮ ትሕቲ ሚዛን ክዀኑ እንከለው፡ ኣብ ኢትዮጵያ 22 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮን 26 ሚእታዊት ደቂ ተባዕትዮን ትሕቲ ሚዛን ምዃኖም ሓቢሩ።

ደረጃ ትሕቲ ሚዛን ሰብነት ዘለወን ሃገራት
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ካብ 1990 ክሳብ 2022 ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ መጠን ክስዐ ኣብ ህጻናትን መንእሰያትን ብኣርባዕተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ኣረጋጊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ኣባጽሕ፡ እቲ መጠን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ ዕጽፊ፡ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ዳርጋ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ።

ማዕረ ማዕሪኡ፡ ብዝሒ ናይቶም ከም ትሑት ክብደት ዝምደቡ ኣባጽሕ ብ50 ሚእታዊት ነክዩ'ኳ እንተነበረ፡ ተመራመርቲ ግን ክሳብ ሕጂ ብፍላይ ኣብቶም ዝደኸዩ ማሕበረሰባት ተኣፋፊ ጸገም ኰይኑ ከም ዘሎ የገንዝቡ።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ “እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ካብ ንእስነት ክሳብ ብጽሕና፡ ብኣመጋግባ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስን እኹል ክንክን ጥዕናን ልዕሊ ዓቐን ሚዛን ሰብነት ምክልኻል ኣገዳሲ ምዃኑ’ዩ ዘጉልሕ” ኢሉ።

እዚ ሓባራዊ ጻዕሪ መንግስታትን ሕብረተሰብን ከም ዝጠልብ ብምግላጽ፡ “ትካላት ብሕቲ ጥዕናዊ ጽልዋ ንዘለዎም ምህርታቶም ተሓተትቲ ክዀኑ ኣለዎም፤ እዚ ድማ ምትሕብባር ይጠልብ” ክብል ገሊጹ።

ተመራማሪት ፋውንዴሽን ምርምር ሕማም ሽኮር ማድራስ ዝዀነት ዶክተር ጉሃ ፕራዲፓ፡ ዓበይቲ ዓለማዊ ጉዳያት ብሰንኪ ክስዐን ትሑት ክብደትን ዝመጽእ ሕጽረት መግቢ ክጋደድ ምኽንያት ከም ዝዀኑ ትዛረብ።

“ጽልዋ ከም ለውጢ ክሊማ፡ ሳዕቤናት ለበዳ ኮቪድ-19ን ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ዝኣመሰሉ ጉዳያት፡ ድኽነትን ዋጋ ብመኣዛታት ዝሃብተሙ መግቢታትን ብምውሳኽ ልዕሊ ዓቐን ሚዛን ሰብነትን ትሕቲ ዓቐን ምዃንን ክውስኽ” ናይ ምግባር ተኽእሎ ከም ዘለዎም ትገልጽ።

“እዚ ዘስዕቦ ዓንኬል ኣብ ገለ ሃገራትን ስድራቤታትን እኹል መግቢ ከይህሉ፤ ኣብ ካልኦት ድማ ናብ ትሑት ጥዕና ዘለዎ መግቢታት ክሰጋገሩ ይገብር።”

እቲ ልዕሊ 1500 ተመራመርቲ ዝሓቘፈ ጕጅለ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ብምትሕብባር፡ ካብ ሓሙሽተ ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድመኦም ኣስታት 220 ሚልዮን ሰባት መለክዒ ቁመትን ክብደትን ተንቲኑ’ዩ ነዚ ውጽኢት ረኺቡ።