ጥዕና: ጠንቅን መፍትሕን ኣብ መንእሰያት ዝርአ ቃንዛ ሕቘ

ምንጪ ስእሊ, Dr. Theodros W. Gebriel
ኣብዚ እዋን ናይ ሕቘ ጸገማት ኣጋጢምዎም ናብ ትካላት ጥዕና ናይ ዝውሕዙ መንእሰያት ቁጽሪ ተበራኺቱ ኣሎ።
ብፍላይ ኣብ ምዕባይ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ብዝሒ ንቃንዛ ሕቘ ዝቃልዑ መንእሰያት እናወሰኸ ምምጽኡ መጽናዕትታት የመላኽቱ። ንምዃኑ ናይዚ ጠንቂ እንታይ እዩ? መፍትሒኡ 'ኸ?
ኣብዚ ጉዳይ ምስ ዋና ኣካያድን ሜዲካል ዳይሬተክርን ፖራጎን ናይ ፊዝዮተራፒን ስፖርትን ህክምና ስፔሻሊቲ ፍሉይ ክሊኒካት ዝኾነ ዶክተር ቴዎድሮስ ወልደገብርኤል ጻንሖት ጌርና ኣሎና።
ዶክተር ቴዎድሮስ ሰለስቲኡ ዲግሪታቱ ኣብ ኣሜሪካ ዝሰርሐን ብፊዝዮተራፒ ብፍላይ ብሕክምና ስፖርትን ሕክምና ኣዕጽምትን ጭዋዳታትን ዶክትሬት ኣለዎ።
ብሞይኡ ኣብ ኣሜሪካ ን10 ዓመታት ድሕሪ ምስራሕ ንዝሓለፈ 12 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምግልጋል ይርከብ።

መብዛሕትኡ እዋን መንእሰያት ንቃንዛ ሕቘ ዘቃልዖም ምኽንያት ኣይፈልጡን እዮም። ብሓፈሻ ሓንደበት ቃንዛ ጀሚሩኒ ክብሉ እዮም ዝስምዑ። ንምዃኑ ጠንቅታት ቃንዛ ሕቘ እንታይ እዮም?
ኣካላዊ ምንቅስቓስ፣ እንወድዮ ሳእንታት፣ እንድቅሰሉ ፍርናሽ፣ ስጋዊ ርክብ እንፍጽመሉ መገዲ (sex position)… ጠንቅታት ቃንዛ ሕቘ ክኾኑ ይኽእሉ ዶ?
ናብቲ ዝርዝር ቅድሚ ምእታውና ብዛዕባ ሕቘን ቃንዛ ሕቘን ገለ ክንብል።
ሕቘ መቐነትና ወይ ቁልፍና ዝዓርፈሉ ክፍሊ ኣካላትና ክኸውን እንከሎ ኣብኡ ዝኽሰት ሕማም ቃንዛ ሕቘ ይባሃል።
ቃንዛ ሕቘ ክበሃል ከሎ ሰፊሕ እኳ እንተኾነ ቅልል ብዝበለ መገዲ ክግለጽ ከሎ፡ ኣብ ከባቢ ሕቘ ዝርከቡ ጭዋዳታት፣ ሰራውር መትኒ፣ ኣዕጽምቲ ዓንድ ሕቘ፣ ናይ ጎድኒ ኣዕጽምትን ጅማውትን ዝበጽሕ መጉዳእቲ ኮይኑ ግዝያዊ ወይ'ውን ዘላቒ ክኸውን ይኽእል።
ቃንዛ ሕቘ ከከም ጠንቁ ዝተፈላለየ መጸውዒ ክወሃቦ ይኽእል። እቶም ቀንዲ ግና እዚኦም እዮም፦
- ናይ ዲስክ ምንሽርታትን መጉዳእትን
- ናይ ዓንዲ ሕቘ መገጣጠሚ (facet joints) ምቑሳልን ምንቃጽን
- ንነዊሕ እዋን ደው ወይ ኮፍ ምስ ምባል ዝፍጠር ናይ መትኒ ምጭፍላቕን ምስኡ ዝለዓል ቃንዛን
- ኣካላትና ንሕማማት ዝቃለሰሉ መስርሕ ብምዝብዑ ዝኽሰት ቃንዛ ሕቘ
እምበኣር ካብቲ ናይ መወዳእታ ንጀምር።
ኣካላትና ንሕማማት ዝቃለሰሉ መስርሕ ብምዝባዑ ዝስዕብ ቃንዛ ሕቘ፡ ሰብነትና ንሕማማት ዝከላኸሉ መስርሕ ንካልእ ክፋል ኣካላትና ምስ ዘጥቅዕ እዩ። እዚ ብእንግሊዝኛ Ankylosing spondylitis ይባሃል።
ኣብ ኣካላትና ውሽጣዊ ቁስሊ ብምፍጣር ንውሕ ንዝበለ ግዜ ዝጸንሕ ሕማም ከኣ እዩ።
ጠንቂ እዚ ሕማም እንታይ ከምዝኾነ ብንጹር ኣይፍለጥን። ብፍላይ ኣብ መገጣጠሚታትን ኣብ መገጣጠሚ ኣዕጽምቲ ዓንድ ሕቘን ቁስሊ የስዕብ።
እቲ ሕማም እናበርትዐ ምስ ዝኸይድ፡ ኣዕጽምቲ ዓንዲ ሕቘ፡ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ንኽንቀሳቐሱ ከም ሓዲድ ኣብ ዘገልግል ክፍሊ ኣካላትና ዝንቀሳቐሱ ንሓድሕዶም ክለጋገቡ ይገብር። በዚ ከኣ ምንቅስቓስ እቶም ኣዕጽምቲ ተሪፉ፡ ሓደ ኣካል ይኮኑ።
በዚ ሕማም ዝተጠቕዐ ሰብ ድንን ክብል፣ ንድሕሪት ኮነ ንጎድኒ ክንቀሳቐስ ኣይኽእልን።
ጠንቂ እቶም ካልኦት ሕማማት ሕቘ
ንቃንዛ ሕቘ ዘቃልዑና ጠንቅታት ብዙሓት እኳ እንተኾኑ፡ ዶክተር ቴዎድሮስ ኣብ 21 ዓመታት ናይ ሕክምና ተሞክሮኡ ዘስተውዓሎ ቀንዲ ዝበሎም ጠንቅታት ከምዚ ዝስዕብ የረድእ።
ከቢድ ነገር ምልዓል፡ ዝኾነ ሰብ ኣብ ዕለታዊ ተግባሩ ጥንቃቐ እንተዘይጌሩ፡ ሕቘኡ ክሓምም ይኽእል እዩ።
ከቢድ ነገር ኣንጠልጢልካ ደረጃታት ምድያብ፣ ክብደት ንዘለዎም ሰባት ካብ ዓራት ምልዓል ከምኡ'ውን ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝኾነ ክብደት ምልዓል ንቃንዛ ሕቘ ከቃልዕ ይኽእል።
ካብ መጠን ዝለዓለ ሚዛን ሰብነት፡ ብፍላይ ኣብ ሓጺር ግዜ ሚዛን ምውሳኽ፡ ሕማም ሕቘ ከምዘስዕብ ዶክተር ቴዎድሮስ የረድ።
"ኣብ እዋን ኮቪድ ብዙሕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይጠልብ ስራሕ ይዝውተር ብምንባሩ በዚ ዝስዕብ ሕማም ተበራኺቲ ነይሩ" ይብል።
ንውሕ ንዝበለ እዋን ደው ምባል፣ ኮፍ ምባል ወይ'ውን ደው ኢልካ ደኒንካ ምስራሕ፡ ብኸምዚ ኩነታት ኣብ ዝስርሑ ንጥፈታት ዝተዋፈሩ ሰባት ንሕማም ሕቘ ናይ ምቅላዕ ተኽእሎኦም ሰፊሕ እዩ።
ሓደ ሰብ ደው ኢሉ ግን ከኣ ደኒኑ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን ኣብ መንጎ ክልተ ኣዕጽምቲ ዓንድ ሕቘ 270 ኪግ ዝበጽሕ ምድፍፋእ ከም ዘሎ ዶክተር ቴዎድሮስ መጽናዕታት ብምጥቃስ የረድእ።
ነዚ መዓልታዊ ምግባር ከኣ ምስ ግዜ ዝኸፍአ ሳዕቤናት የምጽእ። ሓካይም መጥባሕቲ ብዙሕ ግዜ ነዚ ሕማም ከምዝቃልዑ ይግለጽ።
ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ዘለዎም ናይ ህንጻ ማሽነሪታት ምሽክርካር፡ ምቹእ ኣብ ዘይኮነ ጽርጊያ መኪና ምምራሕን ብዙሕ ሓጎጽጎጽ ዘለዎም ናይ ህንጻ ማሽነሪታት ምሽክርካርን ምስ ግዜ ናይ ሕቘ ሕማም የስዕብ እዩ።
ናይ ዝላን ጉያን ምንቅስቓሳት፡ ብፍላይ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣካላዊ ክብደት ዘለዎም ሰባት ጉያ ወይ ናይ ዝላ ምንቅስቓስ ምስ ዘዘውትሩ ሕቖኦም ክጉዳእ ይኽእል እዩ።
ከም ቅጥራን ኣብ ዝኣመሰለ ተሪር ኣብ ዝኾነ ስፍራ ዝጎዩ ሰባት'ውን ኣእጋሮም ኣብቲ ባይታ ብዘንበሩ መጠን እቲ ባይታ ዓጸፌታ ስለዝምለሰሎም ክጉድኡ ይኽእሉ እዮም።
ብዘይካ'ዚ ጥጡሕ ኣብ ዘይኮነ ሓባጥ ጎባጥ ኣብ ዝኾነ መሬት ዝጎዩ ሰባት ኣእጋሮም ኣብ ዝዓርፈሉ እዋን ሚዛኖም ማዕረ ስለዘይከውን ኣብ ሕቘ ጸቕጢ ይፈጥር እዩ።
ሰብነትካ ከየለማመድካ ከቢድ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምስራሕ፡ ኣብዚ እዋን መንእሰያት ኣብዚ መዳይ ዝሓሸ ኣፍልጦ ኣለዎም። ዝሰርሕዎ ኣካላዊ ምንቅስቓስ'ውን ኣብ ዩትዩብ ብምርኣይ ዝመርጹ ኣለው።
እንተኾነ ግ ናነቲ ዝሰርሕዎ ስፖርት ንምንታይ ከምዝመረጽዎ ዘይፈልጡ ብዙሓት እዮም። በዚ ተጎዲኦም ናብ ክሊኒክ ዝመጹ ከምዘለው ዶክተር ቴዎድሮስ ይገልጽ።
"እቲ ጸገም ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምግባር ዘይኮነ ሰብነትካ ከየለማመድካ ከቢድ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምስራሕ እዩ" ይብል።
"ኣብ ጂምናዝየም ንኣሰልጠንቲ መቑሽሽ ምሃብ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ" ዝብል ዶክተር ቴዎድሮስ፡ እቶም ኣሰልጠንቲ ነታ መቑሽሽ ንምርካብ ዓማዊሎም ዝደለይዎ ኣካላዊ ለውጢ ቀልጢፎም ንምምጻእ ጥራይ ኣብ ምትኳር ከምዝሰርሑ ይገልጽ።
እቶም ኣሰልጠንቲ ብዛዕባ እቲ ኣካላዊ ምንቅስቓስ እምበር ብዛዕባ ጥዕና ኣፍልጦኦም ድሩት ክኸውን ይኽእል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናይ ዲስክ ምንሽርታት፡ እዚ ብዙሕ ግዜ ሰሚዕናዮ ክንኸውን ንኽእል ኢና።
ዶክተር ቴዎድሮስ ግና እዚ ብዙሕ ግዜ ብጌጋ ከም ዝጥቀስ እዩ ዝገልጽ።
ናይ ዲስክ ጸገም ኣለኩም ተባሂሎም ናብቲ ንሱ ዝሰርሓሉ ክሊኒክ ካብ ዝመጹ 100 ሰባት እቶም 50 ጸገሞም ካልእ ከም ዝኾነ ከኣ ይነግር።
ብዙሕ ግዜ ሓካይም ንሕሙማን ናይ ዲስክ ምንሽርታት ከምዘጋጠሞም ዘለልዩሉ መገዲ ኣብ ውጽኢት መርመራ ኤምኣርኣይ ብምምርኳስ እዩ።
"ካብ መገዲ 10 ሰባት ብገምሪ ተወሲዶም ናይ ኤምኣርኣይ መርመራ እንተዝግበረሎም እንተወሓደ እቶም 7 ናይ ዲስክ ምንሽርታት ከምዘለዎም ከርእይ ይኽእል እዩ" ይብል ዶክተር ቴዎድሮስ።
እንተኾነ ግና እዞም ሰባት ሕማም ኣለዎም ክበሃል ከምዘይከኣል ከኣ የረድእ።
"ናይ ዲስክ ምንሽርታት ኣርእዮም ማለት ካብ ስፍርኡ ዝወጸ ዲስክ ኣለዎም ማለት እዩ፤ ግና እቲ ዲስክ ንመትኒ ጨፍሊቑ ሕማም ኣብ ዘስዕበሉ ደረጃ በጺሑ ማለት ኣይኮነን" ይብል።
ንምዃኑ ዲስክ እንታይ እዩ? ኣበይ ከ ይርከብ?
ዲስክ ኣብ መንጎ ኣዕጽምቲ ዓንድ ሕቘ ዝርከብ ኣብ ውሽጡ ፈሳሲ ዘለዎ ልስሉስ ዝኾነ ከም ጎሚኒ (ሾክ ኣብሶርበር) እንጥቀመሉ ክፍሊ ኣካላትና እዩ።
ሰብነትና ጸቕጢ ምስ ዝብርትዖ እቲ ኣብ ውሽጢ ዲስክ ዘሎ ፈሳሲ ክወጽእ ይኽእል ወይ'ውን እቲ ፈሳሲ ከይወጸ እቲ ዲስክ ካብ ሓደ ናብ ካልእ ኣመዚኑ ክንቀሳቐስ ይኽእል።
ዲስክ ዝርከበሉ ከባቢ ዝተጨናነቐ ብምዃኑ ቦሎኽ ኢሉ ኣብ ዝወጸሉ እዋን ካብ ርእስና ኣብ ዝወርድ ቀንዲ መትንን ጨናፍሩን ብምጽቃጥ ክጭፍልቕ ይኽእል።
ናይ ዲስክ ምንሽርታት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን መጥባሕቲ ንምግባር ካብ ምጉያይ እቲ ዲስክ እንታይ ኮይኑ? ናበይ ተንሸራቲቱ? ክንዲምንታይ'ዩ ተንሸራቲቱ? ነየናይ መትኒ እዩ ዝትንክፍ ዘሎ? ቃንዛ ከስዕብ ይኽእል ድዩ? ዝብሉ ኣገደስቲ ሕቶተት ምሕታት ከምዘድልይ ዶክተር ቴዎድሮስ ይመክር።

ብዝያዳ ንመንእሰያት ነዚ ሕማም ዘቃልዖም ዝተፈለየ ምኽንያታት ይህሉ ዶ?
ክቡራት ኣንበብቲ፡ ንመንእሰያት ነዚ ሕማም ዘቃልዖም ካልእ ምኽንያታት ዝድህስስ ካልኣይ ክፋል እዚ ጽሑፍ፡ ንቐዳም ክነቕርቦ ምዃንና ኣቐዲምና ንሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







