ተዅሲ ጥይት ዝኣክል ድምጺ ዘስምዕ ደቂቕ ዓሳ ከምዘሎ ትፈልጡዶ?

ምንጪ ስእሊ, Ralf Britz/Senckenberg Dresden
ሓደ ንእሽቶን ዘብረቕርቕ ዓሳ፡ ተዅሲ ጥይት ዝምሕያሉ ድምጺ ከም ዘስምዕ ተመራመርቲ ረኺቦም።
ኣብ ቤተ-ፈተነኦም ካብ ዝነበሩ ታንከር ዓሳታት ዝወጽእ ተደጋጋሚ ድምጺ ምስ ሰምዑ እዮም፡ ነቲ ምርምር ከካይዱ ተለዓዒሎም።
እዚ ዳንዮኔላ ሴረብራም ዝበሃል ዓሳ፡ ኣብ ‘ስዊም ብላደር’ ኣብ ዝበሃል ኣካሉ ሓያል ድምጺ ከም ዝፈጥር እቶም ተመራመርቲ ረኺቦም።
እቲ ዓሳ ናብቲ ኣብ ቀረባኡ ዘሎ ማይ፡ 140 ደሲበል [ዝዓቐኑ] ይወቅዕ፡ እዚ ማለት ድማ ድምጺ ተዅሲ ጥይት ዝዓውታኡ ምዃኑ ይፍለጥ።
እቶም ተመራመርቲ፡ እዚ 12 ሚ.ሜ ዝንውሓቱ ደቂቕ ዓሳ፡ ክሳብ ሕጂ ብዓቐኑ ዝዓበየ ድምጺ ዝፈጥር ምዃኑ ኣረጋጊጾም።
እቲ ኣብ ከም ዝውቃዕ ከበሮ ዝዓይነቱ ካብቲ ዓሳ ዝፍጠር ድምጺ፡ ሓደ መገዲ ማሕበራዊ ርክብ [ኮሙኒኬሽን] ክኸውን ከምዝኽእል ይኣምኑ።
ኣብ መብዛሕትኡ እዋናት፡ እቲ እንስሳ ብዝዓበየ ቍጽሪ፡ መጠን ዝፈጥሮ ድምጺ ይዓቢ ነይሩ።
እዚ ኣብ ውሽጢ ማይ ዘሎ ተርእዮ ግን፡ ካብዚ ንቡር ነገር ዝቃረን ዛንታ'ዩ።
እዚ ዓሌት ባሕሪ ድማ፡ ሓደ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ዝተረኽቡ ዝሓየለ ድምጺ ዘስምዑ ንኣሽቱ ፍጥረታት እዩ።
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ካልኦት ፍጡራት፡ ንኻልኦት ዓይነታት እንስሳታት ክሃድኑ ከለዉ ኣዝዩ ዓው ዝበለ ድምጺ ክፈጥሩ ከም ዝኽእሉን፡ ክሳብ ኣስታት 200 ደሲበል ክበጽሕ ዝኽእል ድምጺ ከስምዑ ከምዝኽእሉን ይፈልጡ እዮም።
እዞም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ቤተ-ፈተነኦም ምስዞም ዓሳታት እናሰርሑ እንከለዉ ግን እዚ ፍሉይ ነገር ኣስተብሂሎም።
"ሰባት ነተን ታንከራት ዓሳታት ይሓልፉ ነይሮም፡ ነዚ ዓው ዝበለ ድምጺታት ድማ ክሰምዑ ክኢሎም፡ እዚ ድምጺ ካበይ ይስማዕ ከምዝነበረ ድማ ይሓስቡ ነይሮም" ትብል መራሒት ‘ቲ መጽናዕትን፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቻሪተ በርሊን ናይ ፒኤችዲ ተምሃሪትን ቨሪቲ ኩክ።
"ካብኡ ካብ ባዕሎም ካብቶም ዓሳታት ዝመጽእ ምዃኑ ኣረጋጊጽና፤ ፍሉይ'ዩ ድማ። ምኽንያቱ ኣዝዮም ደቀቕትን ዓው ዝብሉን እዮም።"
ኣባላት እቲ ጕጅለ መጽናዕቲ፡ ነዊሕ ከይጸንሑ፡ መሳርሒ ማይክሮፎናትን ቪድዮ ካመራታትን ብምጥቃም፡ እቲ ድምጺ ክሳብ ክንደይ ዓው ዝበለ ምዃኑ ክፈልጡ ክኢሎም።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ብዙሓት ዓይነት ዓሳታት ዓው ክብሉ ይኽእሉ እዮም፤ ኵሎም ግን ካብ ዳንዮኔላ ኣዝዮም ዝዓበዩ እዮም።
"ብመንጽር ናይ ርክብ ምልክታት፡ ክንድዚ ዓው ዝበለ ድምጺ ዘስምዕ ካልእ ክንድዚ ዝኣክል ንእሽቶ መጠን እንስሳ ክረክብ ኣይከኣልኩን" ክትብል ሚስ ኩክ ወሲኻ ገሊጻ።
እቶም ተመራመርቲ፡ እቲ ዓሳ ዝጥቀምሉ ኣገባብ ድምጺ ምውጻእ፡ ኣዝዩ ረቂቕ ምዃኑ ይምጕቱ።
እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ መጽሔት ፕሮሲዲንግስ ኦፍ ዘ ናሽናል ኣካዳሚ ኦፍ ሳይንስ ተሓቲሙ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







