ንኣድማስ ኒውዚላንድ ግርማ ዘልበሱ ብርሃናት ደቡብ

ምንጪ ስእሊ, THANH NGUYEN
ኣብ ሰሜናውን ደቡባውን ጫፋት ዓለም ካብ ዘለዉ ኣገረምቲ ክስተታት ጸጸኒሖም ዝቕልቀሉ ሕብራውያን ባናታት ብርሃን'ዮም።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት ንኣድማስ ሃገረ ኒውዝላንድ ዘጎልበቡ ብርሃናት ደቡብ ወይ 'ኣውሮራ ኣውስትራሊስ' ብፍላይ ኣብዚ ወቕቲ'ዚ ደሚቖም ተራእዮም ነይሮም።
ነዞም ተራእዮም ዘይጽገቡ፡ ንጸላም ብቀጠልያን ሮዛን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዘማዕርጉ ብርሃናት ተፈጥሮ ዘድንቑ ሃደንቲ ኣውሮራ፡ ዝጸበቐ ምስልታትን ስእልታትን ንምርካብ ምሉእ ለይቲ ከይደቀሱ ክሓድሩ ዘገድዱ'ዮም።
ንገለ ካብቶም ብተቛደስቲ ናይቲ ዘገርም ባህርያዊ ትርኢት ዝተሳእሉ ምስልታት ኣቕሪብናልኩም ኣለና።
ሓደ ካብ ኣድነቕቲ ናይቲ 'ብርሃን ትርኢት' ዝኾነ ሪቻርድ ዘንግ ምርኢት ብርሃናት ኣውሮራ ኣብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ዱነዲን ሰማያት ከቋምት ድሕሪ ምሕዳሩ፡ ዓስቢ ትጽቢቱ ረኺቡ። ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ከወዳድሮም እንከሎ፡ ባና ናይቶም ኣብዚ ውቕቲ'ዚ ዝተቐልቀሉ ብርሃናት ደቡብ "እናደመቐ እናደመቐ" ከምዝኸደ ይገልጽ።
"ንኸምዚ ዝበለ ትርኢት ኣብ እትዕዘበሉ እዋን፡ ብቕጽበት ንኹሉ ጭንቀትካ ኢኻ ትርስዖ። ሰብ ኣብ ቅድሚ ተፈጥሮ ዓቢ ነገር ዘይምዃኑ ኸኣ ተስተማስል" ክብል ዘንግ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, RICHARD ZHENG
ብርሃናት ዱቡብን ሰሜንን፡ ኣብ ክልቲኡ ማግነቲካዊ ዋልታታት ዓለም ዝኽሰቱ ኮይኖም፡ ኣብ ላዕለዋይ ክሊ ሰማያት ምድሪ (ኣትሞስፌር) ጸዓታዊ ጸጸራት ምስተዘርዉ ዝፍጠሩን ኣብቲ ማግነቲካዊ መስመር ዝጓዓዙን'ዮም።
እቶም ጸዓታዊ ጸጸራት (ኤለክትሮን) ምስቲ ኣብ ጠፈር ዘሎ ጋዛት ምስተጋጨዉ ኸኣ ብርሃን የመንጭዉ።
ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ዝኽሰቱ ብርሃናት ኣውሮራ ቦሪያሊስ ተባሂሎም ይጽውዑ። ኣብ ዱቡብ ከኣ ኣውሮራ ኣውስትራሊስ ይብሃሉ።

ምንጪ ስእሊ, LEN JINGCO
እዚ እዋን'ዚ ብርሃናት ኣውሮራ፡ ኣብ ኣውስትራልያን ደቡባዊ ክፋል ኒውዚላንድን ዝራኣይሉ ግዜ እዩ።
ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተራእዩ ብርሃናት ኣውሮራ ግን ዝደመቑ'ዮም ነይሮም።
ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ካብ ሰሜናዊ ክፋላት ኒውዚላንድ ከይተረፈ ተራእዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ደቡብ ኒውዚላንድ ካብ ዝግዕዝ ንድሓር፡ ዳን ዲርክስ ነቶም ብርሃናት ንምርኣይ ብዝነበሮ ሃረርታ ንትንበያታት ክስተት ኣውሮራ ብዕቱብ'ዩ ክከታተሎም ጸኒሑ።
ኣብ መወዳእታ ኸኣ ትምኒቱን ትጽቢቱን ሰሚሩሉ።
"ካሜራይ ንኣውሮራ ምስ ኩሉ ግርማኦም ሰኒዳ። ተልእኾ ተፈጺሙ" ብምባል ከኣ ሓጎሱ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, DAN DIRKS
ዋላ'ኳ ብርሃናት ኣውሮራ ኣብ ዝኾነ እዋን ክኽሰቱ ዝኽእሉ እንተኾኑ፡ ዝያዳ ግን ኣብ ወርሓት መጋቢትን መስከረምን'ዮም ዝቕልቀሉ።
ምኽንያቱ ድማ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ኣንፈት ፕላነት ምድሪ፡ ብመንጽር ጸሓይ፡ ምስ ጠፈራዊ ህቦብላታት ክራኸብ ዝለዓለ ዕድል ስለዝፍጠር'ዩ።
ሕብርታት ኣውሮራ ድማ ብትሕዝቶ ናይቲ ክሊ ሰማያት (ኣትሞስፌር) ዝውሰን'ዩ።
ብዙሕ ኦክስጅን ኣብ ዝህልወሉ፡ ቀጠልያን ብጫን ሕብሪታት ይፈጥር። ዝያዳ ናይትሮጅን ምስ ዝህሉ ድማ ድሙቕ ቀይሕ ወይ ሰማያዊ ሕብሪ ይኽሰት።

ምንጪ ስእሊ, KRISTIE KNIGHT/@KRILLKNIGHT
ኣብ ንጹርን ግሉህን ለይቲ፡ እቶም ባህርያዊ ብርሃናት ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ሰዓታት ክጸንሑ ይእኽእሉ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ክስተት ካብ ሰዓት 22፡00 ምሸት ክሳብ 02፡00 ይረኣዩ።
ሰኣልቲ ኣውሮራን ተመራመርቲን ከምዝብልዎ፡ ብዝግባእ ንምክትታል፡ ኣብ ሓደ ጸልማት ዝዓብለሎ ቦታ ብምዃን ንደቡባዊ ኣንፈት እንተ ኣቋሚትኩም ሃረርታኹም ክሰምረልኩም ዓቢ ዕድል ኣሎ።
ኣብ ኩርባን ገማግም ባሕርን ብምዃን'ውን ክራኣዩ ይኽእሉ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ናይ ሰሜን ብርሃናት ኣውሮራ፡ ኣብ ሰማያት ኣውሮጳ ተራእዮም ምንባሮም ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







