ንኣድማስ ኒውዚላንድ ግርማ ዘልበሱ ብርሃናት ደቡብ

ንጎቦታት ከተማ ኲንስታውን ግርማ ዝሰለመ ብርሃን ኣውሮራ

ምንጪ ስእሊ, THANH NGUYEN

መግለጺ ስእሊ, ንጎቦታት ከተማ ኲንስታውን ዘማዕረገ ብርሃን ኣውሮራ

ኣብ ሰሜናውን ደቡባውን ጫፋት ዓለም ካብ ዘለዉ ኣገረምቲ ክስተታት ጸጸኒሖም ዝቕልቀሉ ሕብራውያን ባናታት ብርሃን'ዮም።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ንኣድማስ ሃገረ ኒውዝላንድ ዘጎልበቡ ብርሃናት ደቡብ ወይ 'ኣውሮራ ኣውስትራሊስ' ብፍላይ ኣብዚ ወቕቲ'ዚ ደሚቖም ተራእዮም ነይሮም።

ነዞም ተራእዮም ዘይጽገቡ፡ ንጸላም ብቀጠልያን ሮዛን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዘማዕርጉ ብርሃናት ተፈጥሮ ዘድንቑ ሃደንቲ ኣውሮራ፡ ዝጸበቐ ምስልታትን ስእልታትን ንምርካብ ምሉእ ለይቲ ከይደቀሱ ክሓድሩ ዘገድዱ'ዮም።

ንገለ ካብቶም ብተቛደስቲ ናይቲ ዘገርም ባህርያዊ ትርኢት ዝተሳእሉ ምስልታት ኣቕሪብናልኩም ኣለና።

ሓደ ካብ ኣድነቕቲ ናይቲ 'ብርሃን ትርኢት' ዝኾነ ሪቻርድ ዘንግ ምርኢት ብርሃናት ኣውሮራ ኣብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ዱነዲን ሰማያት ከቋምት ድሕሪ ምሕዳሩ፡ ዓስቢ ትጽቢቱ ረኺቡ። ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ከወዳድሮም እንከሎ፡ ባና ናይቶም ኣብዚ ውቕቲ'ዚ ዝተቐልቀሉ ብርሃናት ደቡብ "እናደመቐ እናደመቐ" ከምዝኸደ ይገልጽ።

"ንኸምዚ ዝበለ ትርኢት ኣብ እትዕዘበሉ እዋን፡ ብቕጽበት ንኹሉ ጭንቀትካ ኢኻ ትርስዖ። ሰብ ኣብ ቅድሚ ተፈጥሮ ዓቢ ነገር ዘይምዃኑ ኸኣ ተስተማስል" ክብል ዘንግ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሪቻርድ ዘንግ ብ24 መጋቢት ኣብ ከተማ ዱነዲን ኣብ ዓይኒ ካሜራኡ ዘእተዎ ብርሃናት ደቡብ

ምንጪ ስእሊ, RICHARD ZHENG

መግለጺ ስእሊ, ሪቻርድ ዘንግ ብ24 መጋቢት ኣብ ከተማ ዱነዲን ኣብ ዓይኒ ካሜራኡ ዘእተዎ ብርሃናት ደቡብ

ብርሃናት ዱቡብን ሰሜንን፡ ኣብ ክልቲኡ ማግነቲካዊ ዋልታታት ዓለም ዝኽሰቱ ኮይኖም፡ ኣብ ላዕለዋይ ክሊ ሰማያት ምድሪ (ኣትሞስፌር) ጸዓታዊ ጸጸራት ምስተዘርዉ ዝፍጠሩን ኣብቲ ማግነቲካዊ መስመር ዝጓዓዙን'ዮም።

እቶም ጸዓታዊ ጸጸራት (ኤለክትሮን) ምስቲ ኣብ ጠፈር ዘሎ ጋዛት ምስተጋጨዉ ኸኣ ብርሃን የመንጭዉ።

ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ዝኽሰቱ ብርሃናት ኣውሮራ ቦሪያሊስ ተባሂሎም ይጽውዑ። ኣብ ዱቡብ ከኣ ኣውሮራ ኣውስትራሊስ ይብሃሉ።

ኣብ ከተማ ክራይስትቸርች ዝተራእዩ ብርሃናት ኣውሮራ

ምንጪ ስእሊ, LEN JINGCO

መግለጺ ስእሊ, ብሰሉስ 29 መጋቢት ኣብ ኣድማስ ከተማ ክራይስትቸርች ዝተራእየ ብጫን ኣራንሾኒን ብርሃናት

እዚ እዋን'ዚ ብርሃናት ኣውሮራ፡ ኣብ ኣውስትራልያን ደቡባዊ ክፋል ኒውዚላንድን ዝራኣይሉ ግዜ እዩ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተራእዩ ብርሃናት ኣውሮራ ግን ዝደመቑ'ዮም ነይሮም።

ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ካብ ሰሜናዊ ክፋላት ኒውዚላንድ ከይተረፈ ተራእዮም።

ኣብ ልዕሊ ቀላይ ሰልዊን (ኒውዚላንድ) ኤለክትሪካዊ ፒንክ ብርሃናት፡ 24 መጋቢት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ልዕሊ ቀላይ ሰልዊን (ኒውዚላንድ) ኤለክትሪካዊ ፒንክ ብርሃናት፡ 24 መጋቢት

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ደቡብ ኒውዚላንድ ካብ ዝግዕዝ ንድሓር፡ ዳን ዲርክስ ነቶም ብርሃናት ንምርኣይ ብዝነበሮ ሃረርታ ንትንበያታት ክስተት ኣውሮራ ብዕቱብ'ዩ ክከታተሎም ጸኒሑ።

ኣብ መወዳእታ ኸኣ ትምኒቱን ትጽቢቱን ሰሚሩሉ።

"ካሜራይ ንኣውሮራ ምስ ኩሉ ግርማኦም ሰኒዳ። ተልእኾ ተፈጺሙ" ብምባል ከኣ ሓጎሱ ገሊጹ።

ዳን ዲርክስ ብዓርቢ ኣብ ኒውዚላንድ ቀላይ ኤለስሚር ዝሰነዶ ትርኢት ብርሃናት ደቡብ

ምንጪ ስእሊ, DAN DIRKS

መግለጺ ስእሊ, ዳን ዲርክስ ብዓርቢ ኣብ ኒውዚላንድ ቀላይ ኤለስሚር ዝሰነዶ ትርኢት ብርሃናት ደቡብ

ዋላ'ኳ ብርሃናት ኣውሮራ ኣብ ዝኾነ እዋን ክኽሰቱ ዝኽእሉ እንተኾኑ፡ ዝያዳ ግን ኣብ ወርሓት መጋቢትን መስከረምን'ዮም ዝቕልቀሉ።

ምኽንያቱ ድማ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ኣንፈት ፕላነት ምድሪ፡ ብመንጽር ጸሓይ፡ ምስ ጠፈራዊ ህቦብላታት ክራኸብ ዝለዓለ ዕድል ስለዝፍጠር'ዩ።

ሕብርታት ኣውሮራ ድማ ብትሕዝቶ ናይቲ ክሊ ሰማያት (ኣትሞስፌር) ዝውሰን'ዩ።

ብዙሕ ኦክስጅን ኣብ ዝህልወሉ፡ ቀጠልያን ብጫን ሕብሪታት ይፈጥር። ዝያዳ ናይትሮጅን ምስ ዝህሉ ድማ ድሙቕ ቀይሕ ወይ ሰማያዊ ሕብሪ ይኽሰት።

ንጹር ሊላን ቀጠልያን ዝሕብሮም ብርሃናት ኣውሮራ ኣብ ሰማያት ኣውስትራልያዊት ከተማ ስትራትብሌን (ዞባ ታዝሜንያ)፡ 24 መጋቢት

ምንጪ ስእሊ, KRISTIE KNIGHT/@KRILLKNIGHT

መግለጺ ስእሊ, ንጹር ሊላን ቀጠልያን ዝሕብሮም ብርሃናት ኣውሮራ ኣብ ሰማያት ኣውስትራልያዊት ከተማ ስትራትብሌን (ዞባ ታዝሜንያ)፡ 24 መጋቢት

ኣብ ንጹርን ግሉህን ለይቲ፡ እቶም ባህርያዊ ብርሃናት ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ሰዓታት ክጸንሑ ይእኽእሉ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ክስተት ካብ ሰዓት 22፡00 ምሸት ክሳብ 02፡00 ይረኣዩ።

ሰኣልቲ ኣውሮራን ተመራመርቲን ከምዝብልዎ፡ ብዝግባእ ንምክትታል፡ ኣብ ሓደ ጸልማት ዝዓብለሎ ቦታ ብምዃን ንደቡባዊ ኣንፈት እንተ ኣቋሚትኩም ሃረርታኹም ክሰምረልኩም ዓቢ ዕድል ኣሎ።

ኣብ ኩርባን ገማግም ባሕርን ብምዃን'ውን ክራኣዩ ይኽእሉ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ናይ ሰሜን ብርሃናት ኣውሮራ፡ ኣብ ሰማያት ኣውሮጳ ተራእዮም ምንባሮም ይዝከር።