ዓሳታት ኣብ 8 ኪሎሜተር ትሕቲ ጽፍሒ ባሕሪ ከመይ ኢሎም’ዮም ዝነብሩ?

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ተመራመርቲ፡ ብካሜራ ኣብ ዝገበርዎ ዳህሳስ፡ ቅድሚ ሕጂ ተበጺሑ ኣብ ዘይፈልጥ ዕምቈት ዝንቀሳቐስ ዓሳ ረኺቦም።
ንምዃኑ ዓሳታት ኣብቲ ክሳብ 8 ኪሎሜተር ዕምቈት ዘለዎ ባሕሪ ወይ ውቅያኖስ ከመይ ኢሎም’ዮም ክነብሩ ዝኽእሉ?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቶም ተመራመርቲ፡ ካብ ርሑቕ ብእትቆጻጸራ ካሜራ ኣብቲ 8 ኪሎሜተር ዕምቈት ዘለዎ ማይ ብህይወቱ ዝንቀሳቐስ ዓሳ ረኺቦም።
እዚ እንታይ ዓይነት ምዃኑ ዘይተላለየ ዓሳ፡ ኣብ ከባቢ ደቡባዊ ምብረቕ ጃፓን ኣብ 8336 ሜትሮ ዕምቈት’ዮም ረኺበሞ። እዚ ኸኣ ደቂ ሰባት ካብ ዝሰነድዎ እቲ ኣብ ዝዓሞቐ ማያዊ ኣካል ዝተረኸበ ዓሳ ኰይኑ ክብረ ወሰን ሒዙ ኣሎ።
ቅደሚ ሕጂ ክብረ ወሰን ሒዙ ዝጸነሐ ዓሳ፡ ኣብ 8178 ሜትሮ ዝተረኸበ ኰይኑ፡ ኣብ መንጐ ጃፓንን ፓፓዋ ኒው ጒኒን ኣብ ዝርከብ ባሕሪ’ዩ ተረኺቡ።
እቲ ዝዓሞቐ ክፋል ውቅያኖስ ‘ሃዳል ዞን’ ተባሂሉ’ዩ ዝጽዋዕ።
ሃዳል ኣብ ጥንታዊ እምነት ግሪክ፡ ንኣምላኽ ትሕተ ምድሪ ዝተወሃበ ስም’ዩ።
ብሓፈሻ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ካብ 6 ክሳብ 11 ኪሎሜተር ዘሎ ዕምቈት ሃዳል ዞን ተባሂሉ’ዩ ዝጽዋዕ።
እዚ ዕምቈት’ዚ ፍጹም ጸልማት፡ ብርቱዕ ጸቕጢ፡ ናብ ጥቓ ዜሮ ዲግሪ ሴንትግረድ ዝቐራረብ ዛሕልን ውሑድ ኦክስጅንን ስለዘለዎ ህይወታውያን ክነብርሉ ኣይክእሉን’ዮም።
ብሰንኪ’ዚ ተመራመርቲ ኣብዚ ዕምቈት’ዚ ህይወታውያን የለውን ዝብል ሓሳብ ንነዊሕ ዓመታት ርዒመሞ ጸኒሖም’ዮም።
እንተዀነ ኣብ 1977 ኣሜሪካውያን ተመራመርቲ ናብ መዓሙቕ ውቅያኖስ ተሪር ድርዒ ኣብ ዘለዋ ንእሽተይ ተሽከርካሪት ዝተገጠመት ካሜራ ምስ ሰደዱ፡ ኣብ 2440 ሜትሮ ዝንቀሳቐሱ ዓሳታት ምስ ርኣዩ፡ ክንዮኡ ኣብ ዘሎ ዕምቀት’ውን ክህልዉ ይኽእሉ’ዮም ብምባል ካልኦት ተመራመርቲ ተሓዊሰሞም ምርምራት ከካይዱ ጀሚሮም።
እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ኣዝዩ ዓሚቝ ባሕሪ ወይ ውቅያኖስ ህይወታውያን የለውን ዝብል ኣመለኻኽታ ጌጋ ምንባሩ መደምደምታ ተገይርሉ።
ካብ 1977 ጀሚሮም፡ ተመራመርቲ ልዕሊ 600 ዝዀኑ ቅድሚኡ ተራእዮም ዘይፈልጡ ዓሌታት ዓሳ ኣብ መዓሙቕ ውቅያኖሳት ክረኽቡ ክኢሎም።
ካብዚ ምዕራፍ’ዚ ብምስጋር ከኣ ኣብቲ ሃዳል ዞን ከመይ ኢሎም’ዮም እዞም ዓሳታት ነቲ ፍጹም ጸልማት፡ ብርቱዕ ጸቕጢ፡ ናብ ጥቓ ዜሮ ዲግሪ ሴንትግረድ ዝቐራረብ ዛሕልን ውሑድ ኦክስጅንን ተጻዊሮም ክነብሩ ክኢሎም ናብ ዝብል ምርምር ተሰጋጊሮም።
ኣብቲ ሃዳል ዞን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዕምቈት ባሕሪ ወይ ውቅያኖስ ክሳብ 1086 ባርስ ዝብጽሕ ጸቕጢ’ዩ ዘሎ።
ነዚ ብቕልል ዝበለ መንገዲ ንምርድኡ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሎንዶን ተመራማሪ ዝዀነ ኣቢ ቻፕማን “እቲ ጸቕጢ ልክዕ 100 ሓራምዝ ኣብ ርእስኻ ከምዝተሰቐሉ’ዩ” ብምባል ይገልጾ።
እሞ እዞም ፍጡራት ደኣ ከመይ ኣቢሎም’ዮም ነዚ ክንድዚ ዝኣክል ጸቕጢ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ኣማዕቢሎም?
ተመራመርቲ፡ እቶም ኣብ ሃዳል ዞን ዝነብሩ ዓሳታት ነቲ ኣብቲ ዘሎ ኵሉ መዳያዊ ናይ ባህሪ ተጻብኦ ንምብዳህ ምስ ግዜ ስርዓተ ዋህዮታቶም ከምዝቐየሩ’ዮም ዝገልጹ።
ንኣብነት እቶም ማፊዶስ ክሩስታስያንን ማርያና ስነይልፊሽ ዝተበሃሉ ኣብ መዓሙቕ ውቅያኖስ ዝነበሩ ዓሳታት ንሓድሕዶም ኣዝዮም ዝተላገቡ ‘ፒዞላይት’ ዝተበሃሉ ሞሎኵል ከምዘለዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እዚ ፒዞላይት፡ ውሽጣዊ ክፋል እቶም ዓሳታት ብደገ ብዝመጽኦም ጸቕጢ ንኸይጭበጥን ድርዒ ኰይኑ ይከላኸል።
ኣብ ማሳቹሰትስ ተመራመራ ስነተፈጥሮ ቲም ሳንክ፡ “እዚ ንውሽጣዊ ኣካላትን ነቲ ፕሮቲናት ዓሳታትን ልክዕ ኣብ ትሕቲ ቴንዳ ከም ዝተዓቀበ ኣቕሓ’ዩ ዝከላኸለሎም” ይብል።
እቶም ተመራመርቲ እቲ ዓቕን ‘ፒዞላይት’ ምስ ዕምቈት ናይቲ እቶም ዓሳታት ዝንቐሳቐስዎ ከምዝቐያየር’ዮም ዝሕብሩ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ሊድስ ዝርከቡ ተመራመርቲ ኣብ 2022 ኣብ ዝገበርዎ ዓሚቝ ምርምር፡ “እቲ ዓቐን ‘ፒዞላይት’ ምስቲ ኣብ ማይ ዘሎ ሃይድሮጅን ብርቱዕ ምትእስሳር [ቦንድ] ብምፍጣር ነቲ ኣብ መዓሙቕ ውቅያኖስ ዘሎ ጸቕጢ መልሕቕ ኰይኑ’ዩ ዝከላኸለሎም” ኢሎም።
እቶም ኣብ ዝዓሞቐ ባሕሪ ወይ ውቅያኖስ ዝነበሩ ዓሳታት፡ ብጋዝ ዝተመልአ ፍሕኛ ኣለዎም፤ እዚ ኸኣ ብሓይሊ ‘ቦያንት’ ንላዕሊ ከይድፍኡ ይሕግዞም።
እዚ ጋዝ፡ ናብ ውሽጢ ዝያዳ እናኣተዉ ክኸዱ እንከለዉ የፍኩስዎ፡ ካብቲ ዘለዉዎ ገለ ኪሎሜተራት ናብ ላዕሊ ክወጽኡ ምስ ዝደልዩ ኸኣ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ማይ ዘሎ ሃይድሮጅን ይምልእዎ።
ኣብ ውሽጢ መዓሙቕ ውቅያኖስ ቀጥታዊ ብርሃን ጸሓይ የለን፤ ስለዚ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዘለዉ ፍጡራት ንጸዓት ብርሃን ጸሓይ ብመንገዲ ‘ፎቶሲንተሲስ’ ናብ ሽኮር ክቕይርዎ ኣይክእሉን’ዮም።
ኣክንድኡ ‘ኬሞሲንተሲስ’ ብዝበሃል መስርሕ’ዮም ካብ ‘ከሚካለዊ ሪክኣሸን’ ንነብሶም ዝኸውን ሽኮር ዝፈጥሩ ይብል ተመራማሪ ሻንክ።
ብዘይካ’ዚ እዞም ዓሳታት ውሑድ ኦክስጅን ኣብ ዘለዎ ቦታ ናይ ምንባር ዓቕሚ ኣለዎም።
ንኣብነት ‘ሜክሲካን ኬቭፊሽ’ ዝተበሃለ ዓሳ፡ ዝያዳ ሂሞግሎቢን ዝፈጥሩ ኣዝዮም ብዙሓት ቀያሕቲ ወህዮታት ደም ኣለዉዎ። እዚ ኸኣ ውሑድ ኦክስጅን ኣብ ዘለዎ ንኽነብር ከምዝሕግዞ ኣብ 2022 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር።
እዚ ዅሉ ተደማሚሩ’ዩ እዞም ዓሳታት ኣብቲ ፍጹም ጸልማት፡ ብርቱዕ ጸቕጢ፡ ናብ ጥቓ ዜሮ ዲግሪ ሴንትግረድ ዝቐራረብ ዛሕልን ውሑድ ኦክስጅንን ዘለዎ መዓሙቓት ውቅያኖስ ንኽነብሩ ኣኽኢልዎም ዘሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







