ጠገለ ዘይብሉ ዓለማዊ ኣጠቓቕማ ማይ ከቢድ ሕፅረት ከየስዕብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን ሃልክን ክሊማዊ ለውጢን፡ ኣብ ዓለም ከቢድ ቅልውላው ማይን "ዘይተርፍ ሓደጋ" ሕጽረትን ይቀላቐል ምህላዉ ኣጠንቂቑ።
ዓለም "ዓይኒ ዕሙተይ ኣካይዳ ትጓዓዝ ኣላ" ዝበለ እቲ ጸብጻብ ልዕሊ ዓቐን ዝዀነ ኣጠቓቕማ ማይ ይርአ ምህላዉ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ጸብጻብ ቅድሚ’ቲ ካብ 1977 ንደሓር ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዓቢ ዋዕላ ማይ ሕቡራት ሃገራት እዩ።
ኣብቲ ካብ ሎሚ ረቡዕ ዝጅምርን ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድን ናይ ሰለስተ መዓልታት ዋዕላ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ልኡኻት ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ "ደም ህይወት ወዲ ሰብ" ዝዀነ ማይ ብሰንኪ "ዘላቒ ዘይኰነ ኣጠቓቕማ፡ ብከላን ምውሳኽ ዋዒ ዓለምን" ይነጽፍ ከም ዘሎ ገሊጹ።
እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ማይን ዩኔስኮን ዝተሓትመ ጸብጻብ፡ ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን ሃልኪን ብከላን "ሕጽረት ርኡይ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ" ክብል ኣጠንቂቑ’ሎ።
ዋዒ ዓለም ኣብቲ ብዙሕ ማይ ዘለዎ ኮነ ድሮ ሕጽረት ዘጋጠሞ ከባቢታት ዘጋጥም ወቕታዊ ሕጽረት ማይ ክውስኽ ከም ዝኽእል’ውን ሓቢሩ።
መሪሕ ፀሓፊ ናይቲ ጸብጻብ ሪቻርድ ኮነር፡ ኣስታት 10 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም "ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ልዑል ወይ ኣዝዩ ሓደገኛ ሕጽረት ማይ ዘለዎ ከባቢታት ይነብር" ኢሉ።
"ኣብ ጸብጻብና ክሳብ 3.5 ቢልዮን ሰባት ኣብ ዓመት እንተወሓደ ሓደ ወርሒ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ሕጽረት ማይ ይነብሩ ክንብል ኣስፊርናለና" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ብመሰረት እቲ ትማሊ ሰኑይ ብፓነል ክኢላታት IPCC [Intergovernmental Panel on Climate Change] ዝተሓትመ ናይ ቀረባ እዋን ጸብጻብ ክሊማ ሕቡራት ሃገራት፡ "ኣብዚ እዋን'ዚ ብግምት ፍርቂ ህዝቢ ዓለም እንተወሓደ ንገለ ክፋል ናይዚ ዓመት ከቢድ ሕጽረት ማይ ኣጋጢምዎ’ሎ" ኢሉ።
ኮነር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ምስ ቀረብ ዓለማዊ ማይ "ዘይርጕጽነት ይውስኽ ኣሎ። ብኣጋ ክንፈትሖ እንተዘይክኢልና ድማ ብዘይጥርጥር ዓለማዊ ቅልውላው ክኸውን እዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
ኣተሓባባሪ እቲ ዋዕላ ማይ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነት ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኡሻ ራኦ ሞናሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ንቐጻሊ ሃብቲ ማይ ብዝያዳ ብጥንቃቐ ምጥቃም ከምዘድሊ ኣተሓሳሲባ።
"ካብቲ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ዝመሓደርናዮ ብዝሓሸን ኣድማዒ ብዝኾነን መንገዲ እንተ ኣመሓዲርናዮ ኣብዛ ምድሪ እኹል ማይ ኣሎ" ኢላ።
ቴክኖሎጅን ምህዞን ንሃብቲ ማይ ከመይ ጌርካ ከም እትመሓደር ኣብ ምሕጋዝ ኣዝዩ ዓብዪ ግደ ክፃወት ከምዝኽእል እውን ግምታ ኣቐሚጣ።
እቲ መንግስታት ታጃኪስታንን ሆላንድን ብሓባር ዘአንግድዎ ዋዕላ፡ 100 ሚኒስተራትን ብዙሓት መራሕቲ ሃገራትን መንግስትን ዝርከብዎም ኣስታት 6,500 ተሳተፍቲ ክዕደሙሉ ትጽቢት ይግበር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







