ሓለዋ ውቅያኖስ፡ ሃገራት ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ዓመት ዘተ ኣብ ታሪኻዊ ስምምዕ በጺሐን

ጎብየ ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ወነንቲ ማያዊ ኣካላት ዝዀና ሃገራት፡ ውቅያኖሳት ዓለም ንምሕላው ዓሊሙ ንዓሰርተ ዓመት ዘካየደኦ ዘተ ታሪኻዊ ኣብ ዝተባህለ ስምምዕ በጺሐን።

እቲ ውዕል፡ ተፈጥሮ ውሽጢ ባሕሪ ንምሕላውን ንምሕዋይን ክከኣል 30 ምኢታዊት ኣካል ባሕሪ ሓለዋ ናብ ዝግበረሉ ክፋል ክካለል ዝገብር እዩ።

እተን ሃገራት ብቐዳም ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ን 38 ሰዓታት ድሕሪ ዘካየደኦ ኣኼባ እየን ኣብ ስምምዕ በጺሐን።

እቲ ዘተ ብምኽንያት ኣብ ድጎማን መሰል ምግፋፍ ዓሳን ዝነበረ ዘይምስምማዕ ንነዊሕ ዓመታት ክሰልጥ ኣይከኣለን ጸኒሑ።

ንሓለዋ ባሕሪ ዝምልከት ንመወዳእታ ግዘ ዝተፈረመ ውዕል፡ እቲ ቅድሚ 40 ዓመት፡ ኣብ 1982 ዝተበጽሐ ውዕሊ ሕጊ ባሕሪ ሕቡራት ሃገራት እዩ።

እቲ ውዕሊ ካብ ናይ ዝኾነት ሃገር ቁጽጽር ወጻእ ዘሎ ‘ሃይ ሲይስ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ማያዊ ኣካል ዝተመስረተሉ ኰይኑ፡ ኩለን ሃገራት ኣብዚ ከባቢ ዓሳ ክገፋ፣ ክንቀሳቐሳን ጽንዓት ከካይዳን መሰል ዝሃበ እዩ።

እንተዀነ 1.2 ምኢታዊት ክፋል እቲ ከባቢ ጥራሕ እዩ ሓለዋ ዝግበረሉ።

ካብዚ ሓለዋ ዝግበረሉ ከባቢ ወጻኢ ዝርከብ ሃብቲ ማያዊ ህይወታውያን ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ፣ መጠን ዝሓለፎ ምግፋፍ ዓሳን ምንቅስቓስን ንሓደጋ ተቓሊዑ እዩ።

ንዕቀባ ሃብቲ ተፈጥሮ ዝሰርሕ ማሕበር (ኣይ ዩ ሲ ኤን) ኣብ ቀረባ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ 10 ምኢታዊት ካብ ዓሌታት ህይወታውያን ውሽጢ ባሕሪ ናይ ምጽናት ሓደጋ ኣንጸላልዩዎም ኣሎ።

ኣብቶም ብመሰረት እቲ ሓድሽ ውዕል ሓለዋ ክግበረሎም ዝተመረጹ ከባቢታት ዝግበር ምግፋፍ ዓሳ፣ ምንቅስቓስ መራኸብን ዕደና ውሽጢ ባሕርን ገደብ ክግበር እዩ።

ተጣበቕቲ ክሊማ፡ ዕደና ውሽጢ ማይ እንስሳት ዝራብሕሉ ከባቢ ክርብሽ፣ ብኽለት ድምጺ ከስዕብን ንህይወታውያን ማያዊ ኣካል ክምርዝን ከምዝኽእል ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ዳይረክተር ኣዩሲኤን ሚና ኢፕስ፡ ክፍፍል ናይቶም ኣብ ምግቢ፣ መድሓኒትን ኢንዳስትሪን ገዚፍ ጥቕሚ ዘለዎም ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ካብ ዝርከቡ ኣትክልትን እንስሳትን ዝምዝመዙ ንጥረ ነገራት (ማሪን ጀነቲክ ሪሶርስስ) ዝምልከት ዛዕባ፡ ቀንዲ ኣካታዒ ከም ዝነበረ ገሊጻ።

ኣብዚ እዋን ሃብታም ሃገራት ነቶም ሃብቲታት ካብ ዝርከቡሉ ዓሚዩቕ ትሕቲ ባሕሪ ንምውጻእ እኹል ገንዘብን ቴክኖሎጅን ዘለወን ኮይኑ ድኻ ሃገራት እዚ ጸጋታት ስለ ዘይብለን እቲ ረብሓታት ብማዕረ ክንካፈል ኣለና ይብላ።

ተመራማሪ ውቅያኖሳት ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ዝኾነ ዶ/ር ሮበርት ብላሲያክ፡ እቶም ሃብቲታት ውሽጢ ባሕሪ ብኽንደይ ዋጋ ከምዝግመቱ ስለዘይፍለጥ ብኸመይ ከምዝከፋፈለኦም ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ከም ዝዀነ ኣብሪሁ።

ሃገራት ፍልልያተን ገዲፈን ውቅያኖሳት ንምሕላውን ክሊማዊ ለውጢ ንምጽዋር ዘኽእል ዓቕሚ ንምፍጣርን ዘኽእል ስምምዕ ምግባረን ካብ ጎስጎስቲ ሓለዋ ከባቢ ናእዳ ይቐርበለን ኣሎ።

እተን ሃራት ነቲ ውዕል ብወግዒ ንምጽዳቕ ደጊመን ክራኸባ ኰይነን፡ ቅድሚ ግብራዊ ምዃኑ ብዙዕ ዝዕመም ከም ዘሎ ተገሊጹ።

እቲ ውዕሊ ኣብ ተግባር ንምውዓል ግዘ ከምዝወስድ እውን ጸብጻባት ይገልጹ።