ሞትና መዓስን ከመይን ከምዝኸውን እንተንፈልጥ እንታይ ምገበርና?

ገለ ተመራመርቲ፡ ንሞት ዘለና ፍርሒ ንምክልኻል፡ ገለ እምነታት ኣጥቢቕና ከም እንሕዝ ይኣምኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ገለ ተመራመርቲ፡ ንሞት ዘለና ፍርሒ ንምክልኻል፡ ገለ እምነታት ኣጥቢቕና ከም እንሕዝ ይኣምኑ

ሞት ደስ ዝብል ኣርእስቲ ኣይኰነን። ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ሞቶም ክዛረቡ ወይ ክሓስቡ ኣይደልዩን።

እንተኾነ፡ ኣብዛ ዓለም ዘለና ግዜ ድሩት ምዃኑን ኣብ ሓደ እዋን ኵላትና ከም እንመውትን ንፈልጥ ኢና።

ናበይ ከም እንኸይድን መዓስ ከም እንኸይድ ግን ኣይንፈልጥን።

መዓስ ከም እትሞቱ እንተ ትፈልጡ፡ ብዛዕባ ኣነባብራኹም እንታይ ምቐየርኩም?

ዕለተ ሞትና ዘይምፍላጥና ጽቡቕ ነገር ድዩ? ወይስ እንተንፈልጥ ይሓይሽ? እንሞተሉ መዓልቲ ምፍላጥና ዝተረፈ ግዜና ዝያዳ ሕጕስ ንክኸውንን ዕግበት ዘለዎ ህይወት ንኽንመርሕን ምሓገዘና ዶ ነይሩ?

እዞም ዘይንፈልጦም ነገራት ምንጪ ብዙሕ ጭንቀት እዮም።

ክኢላታት ስነ-ልቦና ከምዝብልዎ፡ እዚ ዘይምቹእ ሓቂ ብቐጻሊ ኣብ ኣእምሮና ሰፊሩ ንዅሉ እንገብሮ ዝድርኽ’ዩ።

ዕለተ ሞትና ምፍላጥ ብዛዕባ ኣነባብራ፡ ጥዕና፡ ሃይማኖት፡ ፖለቲካ፡ ገንዘብ፡ ፍቕሪ ኮታስ ብዛዕባ ኵሉ ነገር ዘለና ኣረኣእያን ውሳነን ዝጸሉ እዩ።

ብርግጽ ኩልሳዕ ብዛዕባ ሞት ከምዘይንሓስብ ሓኪም ህጻናትን ስነ-ምግባርን ክሪስ ፊውድነር ይገልጽ።

“መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብዛዕባ ሞት ከይሓሰብና ኢና መዓልታትና እነሓልፎ” ይብል፡ እቲ ኣብ ሆስፒታል ህጻናት ፊላደልፍያን ዩኒቨርሲቲ ፐንሲልቫንያን ዝሰርሕ ሓኪም።

ንሱ፡ ኣብ ክንድኡ ዝያዳ ኣብ ቅድመና ኣብ ዘለዉ ነገራት ትዅረት ብምግባር ብዛዕባ ሞት ዘይምሕሳብ ከምእንመርጽ የረድእ።

ሃንደበት እንሞተሉ መዓልትን ኣገባብን እንተ ዝንገረናኸ?

እዚ ብርግጽ ዘይከኣል እኳ እንተዀነ፡ ነዚ ጽንሰ-ሓሳባዊ ኩነታት ብጥንቃቐ ምሕሳብ፡ ከም ውልቀሰባትን ሕብረተሰባትን ንዘለና ድርኺት ይገልጽ።

ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ሰባት ብታናቶፎብያ (ፍርሒ ሞት) ዝሳቐዩ'ኳ እንተዀኑ፡ መዓስ ከምዝሞቱ ምፍላጦም ግን ኣብ ህይወቶም ዝተፈላለየ ጽልዋ ከሕድር ይኽእል’ዩ።

ካልእ ይትረፍ፡ ኣብዛ ምድሪ ዘለዎም ውሱን ግዜ ብኸመይ ብዝበለጸ ከሕልፉ ከምዝኽእሉ ከመልክት ይኽእል።

ደቂ ሰባት፡ ካብ “ኣብ ዝዀነ እዋን ክመውት ዝኽእል ዘተንፍስ፡ ደገ ዝወጽእ፡ ርእሰ-ፍልጠት ዘለዎ ቍራጽ ስጋ” ዝሓለፈ ነገር ከምዘይኰንና ኣብ ኒውዮርክ ስኪድሞር ኮሌጅ ፕሮፌሰር ስነ-ልቦና ሸልደን ሰሎሞን ይዛረብ።

ኣብ 1980ታት፡ ክኢላታት ስነ-ኣእምሮ ካብቲ ሸልደን ዝብሎ ሓሊፉ ካልእ ነገር ከምዘይኰንና ክንርዳእ ከለና ዝፍጠር ጭንቀትን ፍርሕን ብኸመይ ከምእንጻወሮ ክፈልጡ ደልዮም።

ሰሎሞንን መሳርሕቱን፡ ርኽበታቶም ‘ክልሰ-ሓሳብ ምሕደራ ራዕዲ’ ይብልዎ።

ገለ ሰባት ምስ ሞት ካብ ምቅላስ ሕጉስ ኣብ ዝገብርዎም ነገራት ክነጥፉ ከሕልፉ ክውስኑ ይኽእሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ገለ ሰባት ምስ ሞት ካብ ምቅላስ ኣብ ዘሐጕስዎም ነገራት ክነጥፉ ክውስኑ ይኽእሉ

ክልሰ-ሓሳብ ምሕደራ ራዕዲ

ክልሰ-ሓሳብ ምሕደራ ራዕዲ፡ ደቂ ሰባት ብባህላዊ መገዲ ዝተሃንጹ እምነታት ከም ዝቕበሉ ይገልጽ፤ ንኣብነት ዓለም ትርጕም ከምዘለዋን ህይወቶም ድማ ክቡር ከምዝዀነን ይኣምኑ። እዚ ድማ ብሰንኪ ሓሳብ ሞት ዝመጸ ህላወኣዊ ምልማስ ክፈጥሮ ዝኽእል ራዕዲ ንምምካት ይሕግዞም።

ተመራመርቲ፡ ክንመውት ምዃንና ምስ እንዝክር፡ ኣብቶም ባህላዊ እምነታት ብዝያዳ ተጣቢቕና ንርእሰ-ዋጋ ዘለና ስምዒት ንምዕባይ ከምእንጽዕርን ረኺቦም። ብተወሳኺ ንእምነታትና ዝያዳ ተጣበቕቲ ንኸውን፤ ዝዀነ ንእምነታትና ዘስግእ እንብሎ ነገር ድማ ንጸልእ።

ዋላ’ውን ኣዝዩ ረቂቕ ናይ ሞት ዕላል ወይ ሞት ዝብል ቃል ምርኣይ ባዕሉ ናይ ባህሪ ለውጢ ከስዕብ እኹል እዩ።

ገለ ካብቲ ለውጥታት ግን እንታይ ይመስል? ብዛዕባ ሞት ክንዝክር ከለና፡ ነቶም ብመልክዕ፡ ብፖለቲካ፡ ብጂኦግራፍያዊ መበቆል፡ ብሃይማኖትን እምነትን ዝመሳሰሉና ዝያዳ ኣብሊጽና ንሓልየሎም።

ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይመስሉና ድማ ዝያዳ ንዕቀት ይስምዓና፡ ዓመጽቲ’ውን ንኸውን። ከምኡ’ውን ፍርሒ ወጻእተኛታት ዘለዓዕሉ መራሕቲ ንምምራጽ ዝያዳ ነዘንብል።

ሓሳብ ሞት ዝያዳ ሃገራውያን ንክንከውን ክገብረና ይኽእል፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ንወጻእተኛታት ዘለና ሓልዮት ይንክይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓሳብ ሞት ዝያዳ ሃገራውያን ንኽንከውን ክገብረና ይኽእል፤ ኣብ ርእሲኡ ንወጻእተኛታት ዘለና ሓልዮት ይንኪ

ብተወሳኺ ዝያዳ ኢምንትነታዊ ይስማዓና፤ ካብ መጠን ንላዕሊ ንሰቲ፡ ሽጋራ ነትክኽ፡ ሓሸሽቲ ንኸውን። ብዛዕባ ምሕብሓብ ከባቢ ውሑድ ስክፍታ ይህልወና።

ኵሉ ሰብ ሃንደበት፡ ዕለትን ኣገባብን ሞቱ እንተዝፈልጥ፡ ሕብረተሰብ ካብቲ ድሮ ዘለዎ ንላዕሊ ዓሌታዊ፡ ጸላኢ ወጻእተኛታት፡ ዓማጺ፡ ፈታዊ ኲናት፡ ንነብሱ ዝጐድእን ከባቢ ዘዕኑን ክኸውን ይኽእል’ዩ።

እዚ ግን ኣቐዲሙ ዝተተንበየ ኣይኰነን። ከም በዓል ሰሎሞን ዝኣመሰሉ ተመራመርቲ ኣብ መወዳእታ፡ ጭንቀት ሞት ዘስዕቦ ሰፊሕ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ብምፍላጥ፡ ክንምክቶም ንኽእል ንኸውን ዝብል ተስፋ ኣለዎም።

ኣስተንትኖ ሞት

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ነዚ ሓፈሻዊ ዝንባለታት ዝቃወሙ ሰባት ከምዘለዉ ዝሕብሩ ውሑዳት ኣብነታት ድሮ መዝጊቦም ኣለዉ።

ንኣብነት ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝርከቡ መነኮሳት ቡድሃ፡ ብዛዕባ ሞት ምስ ዝዝክሩ ከምዚ ዓይነት ምላሽ ኣይህቡን እዮም።

መነኮሳት ቡድሃ፡ ኣንጻር እቲ ‘ክልሰ-ሓሳብ ምሕደራ ራዕዲ’ ዝብል ትንበያታት፡ ብዛዕባ ሞት ክዝክሩ ከለዉ እቲ ልሙድ ግብረ-መልሲ ርእሰ-ምክልኻል ዝህቡ ኣይመስሉን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መነኮሳት ቡድሃ፡ ብዛዕባ ሞት ክዝክሩ ከለዉ እቲ ልሙድ ግብረ-መልሲ ርእሰ-ምክልኻል ዝህቡ ኣይመስሉን

“ኣስተንትኖ ሞት” ዝበሃል ቅዲ ኣተሓሳስባ ዝምርምሩ ተመራመርቲ’ውን፡ ሰባት ብዛዕባ ሞት ብሓፈሻውን ብረቂቕ መገዲን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብኸመይ ከምዝሞቱን ሞቶም ኣብ ስድራቤቶም እንታይ ጽልዋ ከም ዝህልዎን ብልክዕ ክሓስቡ ክሕተቱ ከለዉ፡ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ግብረ-መልሲ የርእዩ።

ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ሰባት ዝያዳ ንኻልኦት ዝሕግዙ ይዀኑ - ንኣብነት፡ ደም ንምልጋስ ፍቓደኛታት እዮም። ብተወሳኺ እወታዊን ኣሉታዊን ፍጻመታት ኣብ ምቕራጽ ህይወቶም ዝነበሮም ተራ ንምስትንታን ዝያዳ ድሉዋት እዮም።

ስለዚ፡ ዕለተ ሞትና ምፍላጥና፡ ዘይተሓስበ ግብረ-መልሲ ካብ ምሃብ፡ ኣብ ዕላማታት ህይወትን ማሕበራዊ ምትእስሳራትን ዝያዳ ከነተኵር ክመርሓና ይኽእል እዩ።

ብፍላይ፡ “ንሞት ከም ኣካል ህይወት ንኽንቅበሎን እዚ ድማ ኣብ መዓልታዊ ኣማራጺታትናን ባህርያትናን ንኽንወሃሃድ ዝሕግዙና ስልትታት እንተ ኣስፋሕፊሕና” እዚ ሓቂ’ዩ ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳልዝበርግ ፕሮፌሰር ስነ-ልቦና ኢቫ ጆናስ።

“ብዛዕባ ሕጽረት ህይወት ምፍላጥ፡ ኣብ ዋጋ ህይወት ዘሎ ኣረኣእያ ክውስኽ፡ ‘ኵላትና ኣብ ሓንቲ ጃልባ ኢና ዘለና’ ዝብል ስምዒት ክምዕብል፡ ምጽውዋርን ርህራሀን ክስፋሕፍሕን ናይ መከላኸሊ ግብረ-መልሲ ክንክን ይኽእል።”

ብዛዕባ ሞትና ብፍሉይን ግሉጽን መንገዲ ምሕሳብ፡ ከም ደም ምሃብ ዝኣመሰሉ ንኻልኦት ዝጠቅም ባህርያት ከተባብዕ ይኽእል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብዛዕባ ሞት ምሕሳብ፡ ከም ደም ምሃብ ዝኣመሰሉ ንኻልኦት ዝጠቅም ባህርያት ከተባብዕ ይኽእል

ዘይጥዑይ ስብእና

ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ሕማቕ ወይ ጽቡቕ መቐይሮ ምውሳዱ ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ ሞትና ምፍላጥ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ዘስዕቦ ግብረ-መልሲ ከከም ስብእናን ፍሉይነት ናይቲ ዓቢ ፍጻመን ይፈላለ።

“ዝያዳ ብቐሊሉ ዝስምዖን ጭኑቕን እናዀንካ እንተኼድካ፡ ኣቓልቦኻ ብሞት ተወጢጡ ኣብ ትርጕም ዘለዎ ለውጢ ህይወት ከተተኩር ኣይትኽእልን ኢኻ” ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኖቲንግሃም ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ስነ-ልቦና ላውራ ብላኪ።

“ብኻልእ ወገን፡ ኣብ 90 ዓመት ዕድመኻ ኣብ ድቃስካ ብሰላም ክትመውት ኢኻ እንተተባሂልካ’ውን፡ ኣብ ትርጕም ዘለዎ ለውጢ ክትዋፈር ክንድ’ዚ ድራኸ ዘይክህልወካ ተኽእሎ ኣሎ።”

ህይወት ኣብ መበል 13 ወይስ መበል 113 ዓመት’ያ ትዛዘም? ብዝብል ኣብ ልዕሊ ብሕማም ንሞት ዝተቓረቡ ሰባት እተገብረ መጽናዕቲ፡ ንሞት ዝወሃብ ልሙድ ምላሽ ብዝምልከት ብርሃን ክህብ ይኽእል’ዩ።

ገለ ሰባት ንነብሶም ናብ ዝዓበየ ፈጠራ ከበርኹ ይኽእሉ

ምንጪ ስእሊ, Nappy.co

መግለጺ ስእሊ, ገለ ሰባት ንነብሶም ናብ ዝዓበየ ፈጠራ ከበርኹ ይኽእሉ

ንሞት ዝተቓረቡ ሕሙማት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ክልተ ምዕራፋት ኣተሓሳስባ ከምዘጋጥሞም ፊውድነር ይዛረብ።

መጀመርያ፡ ሞት ብርግጽ ኣብ ቀረባ እዋን ዘይተርፍ ድዩ ወይስ ክንቃለሶ ንኽእል ኢና ብዝብል ውጽኢት መርመራኦም ኣብ ሕቶ የእትዉ።

ብድሕሪኡ ነቲ ዝተረፎም ግዜ ብኸመይ ብዝበለጸ ክጥቀሙሉ ከም ዝኽእሉ የስተንትኑ። መብዛሕትኦም ካብቶም ክልተ ምድባት ኣብ ሓደኡ ይወድቁ።

ገለኦም ምሉእ ጸዓቶምን ትዅረቶምን ነቲ ሕማም ንምስዓር ከውዕሉ ይውስኑ።

ገለኦም ድማ ብዛዕባ ህይወቶም ከስተንትኑን ብዝተኻእለ መጠን ምስ ዝፈትውዎም ሰባት ዘሓጕሶም ነገራት ክገብሩን ይመርጹ።

ዕለተ ሞትና ምፍላጥና፡ “... ንነብስና፡ ንስድራቤትናን ንማሕበረሰብናን ዝያዳ ክንገብር” ከለዓዕለና ከምዝኽእል ሰሎሞን ይገልጽ።

ከም መጥቃዕቲ ኦርላንዶ ዓይነት ስንባደ ዘሕለፉ ሰባት ዝያዳ ተጻዋርነት ከምዝረኸቡ ይሕብሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ከም መጥቃዕቲ ኦርላንዶ ዓይነት ስንባደ ዘሕለፉ ሰባት ዝያዳ ተጻዋርነት ከምዝረኸቡ ይሕብሩ

ብርግጽ፡ ካብ ስንባደ ዘጋጠሞም ሰባት ዝተረኽቡ መርትዖታት፡ ነቲ ዝተረፈና ውሱን ግዜ፡ ንነብስና ንምምሕያሽ ክድርኽ ከምዝኽእል ተስፋ ዝህብ እዩ።

እዞም ሰባት ድሕሪ እቲ በሰላ ስንባደ ዘስዓበ ፍጻመ፡ "ዝሓየሉ፡ ዝያዳ መንፈሳውያን፡ ዝያዳ እወታዊ ተኽእሎታት ከምዘለልዩን ንህይወት ዝያዳ ከምዘድንቝን ይዛረቡ" ትብል ብላኪ።

ብርግጽ፡ ንሞት ተቓሪቦም ዝደሓኑ ሰባት፡ ዝተረፈ ግዜኦም ተጠቒሞም ኣገደስቲ ጉዳያት ከምዝፈጸሙን እወታዊ ለውጢ ከምዘነቓቕሑ ዘመልክቱ ብዙሓት ኣብነታት ኣለዉ።

ትርጕም ኣልቦነት ዝፈጥሮ ስምዒት እውን ብዙሓት ሰባት ዝዀነ ጥዑይ ኣነባብራ ከይክተሉ ክገብሮም ይኽእል እዩ።

ዝመጸ እንተመጸ ብዘየገድስ ኣብ ዝተወሰነ እዋን ምማተይ ዘይተርፍ እንተዀይኑ፡ “ዝበላዕኹ እንተበላዕኹ ’ታይ ጸገም ኣለዎ፤ ከም ድሌተይ ዘይከውን” ዝብል ስምዒት ክፈጥር ተኽእሎ ኣሎ።

ከም ሽጋራ ምትካክ፡ መስተን ካልኦት ዝበሉ ኣሉታዊ ባህሪያት ከለዓዕል ይኽእል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ከም ሽጋራ ምትካክ፡ መስተን ካልኦት ዝበሉ ኣሉታዊ ባህሪያት ከለዓዕል ይኽእል

ሃይማኖታዊ ዝርገት

ኣበይ ከም እንነብር ብዘየገድስ፡ መዓስን ብኸመይን ከምንመውት እንተንፈልጥ፡ መዓልታዊ ህይወትና ብመሰረቱ ምተቐየረ።

ብዙሓት ሰባት ኣብ ፍወሳ ክሳተፉ፡ ምስ ሞት ዝተኣሳሰሩ ፍሉያት ዓውድታት ክምዕብሉ፡ ሓደስቲ ማሕበራዊ ስርዓታትን ልምድታትን ክቕልቀሉ ይኽእሉ።

ምናልባት’ውን ዕለተ ሞትና ከም ልደት ክነብዕል ምጀመርና።

ኣብ ዓለምና ዘለዉ ሃይማኖታት ድማ ካብ መሰረቶም ምተናወጹ ነይሮም።

ተመራመርቲ ስነ-ልቦና፡ ሃይማኖት ብሰንኪ ፍርሒ ሞት ከም ዝተወልደ ይምጕቱ። ብዙሓት ሰባት ድሕሪ ሞት እንታይ ከምዝገጥሞም ብዘይምፍላጦም ራዕዲ ይስምዖም፤ ንነብሶም ድማ ብናይ ሓደ ሓያል ኣምላኽ ሓለዋ ከጸናንዑ ይደልዩ።

ብዙሓት ሰባት፡ መወዳእታ ምድራዊ ህይወት፡ ምጅማር ህይወት ክንዮ መሬት እዩ ኢሎም ይኣምኑ።

ብሰንኪ እዚ’ዩ ድማ ካብ መንእሰያት ንላዕሊ፡ ብዙሓት ኣረጋውያን ሃይማኖታውያን ዝዀኑ። ብተወሳኺ ገለ ሰባት ዕድመኦም እናዓበየ ምስ ዝኸይድ ዝያዳ ሃይማኖታውያን ይዀኑ’ዮም።

ስለዚ ሰባት ዝሞትሉ መዓልቲ ምፍላጦም ዝያዳ ሃይማኖታውያን ክገብሮም ተኽእሎ ኣሎ።

ገለ ጽኑዕ ዝሓመሙ ክሞቱ ምዃኖም ምስ ዝፈልጡ፡ ሞቶም ትርጕም ምእንቲ ክህልዎ፡ ከም ኣብ ንሞት ዝዳለውሉ እዋን ኣብ ሃይማኖቶም ክምርኮሱ ዝኣመሰሉ መንፈሳዊ ድሌታት ከም ዘለዎም መጽናዕትታተት የመልክቱ።

ሃይማኖታት ክሳብ ሕመረት ምተናወጹ

ምንጪ ስእሊ, Nappy.co

መግለጺ ስእሊ, ሃይማኖታት ክሳብ ሕመረት ምተናወጹ

ብኻልእ ሸነኽ ግን፡ ሓደ ሰብ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ነገራት እንተገይሩ፡ ብዙሕ ተመኵሮታት እንተሃልይዎ ግዜኡ ከምዘይባኸነ ስለዝስምዖ ብዝሓሸ መገዲ ንሞቱ ክቕበሎ ይኽእል እዩ ዝብሉ’ውን ኣለዉ።

እዚ ዕድል ኣይረኸብናን ዝብሉ ሰባት ድማ ዕለተ ሞቶም ምፍላጦም ትርጕም ኣልቦነት ክስምዖምን ሃይማኖቶም ክሓድጉን ክገብሮም ይኽእል።

ብተወሳኺ፡ ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ ንቕሓት ኣምልኾታት ክጅመሩ ይኽእሉ።

“ነቲ መዓስ ከም እንመውት ዝነግረና ስርዓት ከነምልኾ ንጅምር ዲና? ነቲ ስርዓት መስዋእቲ ክነቕርብ ዲና? ሃይማኖታዊ እምነት ፍጹም ምተዘረገ” ትብል ኣላይት ሬሳ ካይትሊን ዳውቲ።

ኣነባብራና ብኸመይ ምተጸልወ?

ግዜን ኣገባብን ውልቃዊ ሞትና እንተፈሊጥና፡ ኣነባብራናን ዝምድናታትን ኣዝዩ ምተቐየረ።

ንኣብነት ኣብ ሓዳር፡ ንብዙሓት ሰባት ምስ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝቀራረብ ዕለተ ሞት ዘለዎም መጻምድቲ ምርካብ ግዴታዊ ረቛሒ ምዀነ።

"ሓደ ካብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ንሞት ዝያዳ ክፈርሕዎ ዝገብሮም ነገራት ሞት ናይ ዝፈትውዎም ሰባት'ዩ" ትብል ዶውቲ።

“ኣብ 89 ዓመት ክመውት እንተዀይነ ንምንታይ ምስ ሓደ ኣብ 40 ዓመት ክመውት ዝደሊ ሰብ ክጸንሕ ይደሊ?”

ብዙሓት ሰባት፡ ምስ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝቀራረብ ዕለተ ሞት ዘለዎም መጻምድቲ ምመረጹ

ምንጪ ስእሊ, Nappy.co

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ሰባት፡ ምስ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝቀራረብ ዕለተ ሞት ዘለዎም መጻምድቲ ምመረጹ

ብተመሳሳሊ፡ ካብ ስነ-ህይወታዊ ቅምሶታት ዕለተ ሞት ምፍላጥ እንተ ዝከኣል፡ ገሊኦም ወለዲ፡ ውላዶም ምስኣን ዝስዕቦ ቃንዛ ንምውጋድ ዕሸላቶም ኣብ እዋን ጥንሲ ንምንጻል ክውስኑ ይኽእሉ እዮም።

ካልኦት ድማ ንባዕሎም ካብ ዝተወሰነ ዕድመ ሓሊፎም ከም ዘይነብሩ ምስ ፈለጡ፡ ፈጺሞም ቈልዑ ከይወልዱ ክመርጹ ይኽእሉ፡ ወይ ድማ ብኣንጻሩ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ብዙሓት ቈልዑ ክወልዱ ይኽእሉ።

ኣብታ ዓባይ መዓልቲ ንባዕላ፡ ገለ ሰባት ብጥንቃቐ ዝተዳለዉ ድግሳት ክድግሱ ይኽእሉ።

ኣብ ንሞት ዘብቅዕ ሕማማት ዘለዎም ሰባትን ንሞት ዝተፈርዱ እሱራትን ዝተገብሩ ተኸታታሊ መጽናዕትታት፡ እቶም ሞቶም ከምዝቐረበ ዝፈልጡ፡ ስድራቤቶምን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽቶምን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዕድመኦም ዘዋህለልዎ ሕጕስ ተዘክሮታት ኣድኒቘም።

ስለዚ ሰባት ብሓቂ ውሑድ ግዜ ከም ዝተረፈና ምስ እንፈልጥ፡ እቶም ኣዝዮም ዘገድሱና ነገራት ምፈጸምና።

ዕለተ ሞትና ቀሪቡ ብዛዕባ ህይወት ከስተንትን ከለና ግዜና ብኣድማዒ መገዲ ክንጥቀመሉ ንደሊ እንተዄንና፡ እቲ ምስትንታን ኣብ ምሉእ ህይወትና እንተገበርናዮኸ?

እዛ ዓለምና ኣዝያ ምተቐየረት።