እቲ ‘ንኹሉ ሕማማት ይፍውስ’ዩ’ ዝተባህለ ዓራት

ብዛዕባ እቲ ‘ንኹሉ ሕማማት ይፍውስ’ዩ’ ዝተብሃለ ኣብ ባይታ ዘየለ ቴክኖሎጂ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ብሓገዝ ‘ተኣምራታዊ’ ቴክኖሎጂ ንኹሉ ዓይነት ሕማማት ክፍውስ ይኽእል’ዩ ዝተባህለ ዓራት መሰል ‘መድቤድ’ ብዙሓት ትካላት ንዓማዊል ኣሽሓት ዶላራት እናኣኽፈላ ገንዘብ ክግሕጣ ጸኒሐን።

እንተዀነ እቲ ዝብልኦ ብተግባር ክረጋገጽ ኣይክኣለን። 

ኣብ ኣሜሪካ ጥቃ ፈለግ ሚሲሲፒ ኣብ እትርከብ ከተማ፡ ሓደ ሆቴል ዝነበረ ገዛ፡ኣብ ኣፍ ደጊኡ ‘ሓዲሽ ማዕበል ሳይንሳዊ ፍወሳ’ ዝብል ተጻሒፍዎ ይርአ።

እታ ኣብ ምብራቕ ከተማ ዱቡክ ትርከብ ገዛ ብሕሙማት ክትመልእ ግዜ ኣይወሰድን።

እታ ገዛ ኩሉ ናውቲ ሕክምናን እታ ተኣምራታዊት ዓራት መሰል መሳርሒትን’ውን ተገጢምላ።

ዋላ'ኳ ምስቲ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ዘፍሪ ትካል ርክብ እንተዘይሃለዎ እቲ ገዛ ‘ተስላ ላይፍ ሂሊንግ’ ዝብል ስም’ዩ ተዋሂብዎ።

ኣነ’ውን ናብቲ ተኣምራታዊ ዝተባህለ መፈወሲ ክበጽሕ ከይደ።

ኣብ ኣፍ ደገ ድሙቕ ሰላምታን ኣቐባብላን ምስ ተገበረለይ፡ ዶክተር ኣብ ኣብ ኣጻብዕተይ ሓደ ብሓጺን ዝተሰርሐ መሳርሒ ገይራ፡ ናይ ኣካላተይ ሓይሊ ክትዕቕነለይ ምዃና ሓቢራትኒ፡ ከምኡ’ውን ገይራ።

ብድሕሪ’ዚ ናብ ካልእ ክፍሊ ግዒዘ፤ ነታ ተኣምራታዊት መሳርሒት ነገር ንምዕዛብ ከኣ ብዓቕሊ ክጽበ ጀሚረ።

ዋላ እኳ ምስቲ ብኤለትሪክ ዝሰርሓ መካይን ዘፍሪ ትካል ርክብ እንተዘይሃለዎ እቲ ገዛ ‘ተስላ ላይፍ ሂሊንግ’ ዝብል ስም’ዩ ተዋሂብዎ
መግለጺ ስእሊ, ዋላ እኳ ምስቲ ብኤለትሪክ ዝሰርሓ መካይን ዘፍሪ ትካል ርክብ እንተዘይሃለዎ እቲ ገዛ ‘ተስላ ላይፍ ሂሊንግ’ ዝብል ስም’ዩ ተዋሂብዎ

 እቲ ‘መድቤድ’ ኣሕጽሮተ ቃል ናይ ‘መዲካል ቤድ’ ዝብል ኰይኑ፡ እዚ ሽም እዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብስእሊ ተሰንዩ ብዙሕ ሰብ ተቐባቢልሉ’ዩ።

ብዛዕባ ‘መድቤድ’ ከኣ ሰብ ዝተፈላለየ ሓሳባት ክህብ ጸኒሑ።

ገለ እቲ ቴክኖሎጂ ናይታ ዓራት ብምስጢር ዝተተሓዘ’ዩ።

ንዘልኣለም ክትመውት ከም ዘይትኽእል’ውን ክገብረካ ይኽእል’ዩ ክሳብ ምባል ዝበጽሑ ነይሮም’ዮም።

ካልእ ከኣ እቲ ‘ተኣማራታዊ ዓራት’ ኩሉ ሰብ ክርዮን ክድህስሶን ዝኽእል ክሳብ ዝዀነ፡ ዝተሓበአ ምስጢር የብሉን ይብሉ።

እንተዀነ እቲ ተስላ ባዮ ሂሊንግ ዝተባህለ ትካል ኣብ ብዙሕ ቦታታት ጨናፍራት ብምኽፋት ስርሑ ይቅጽል ኣሎ።

እቲ ትካል ነታ ተኣምራታዊት ዓራት ኣብ ገዛኻ ክተኽለልካ ክሳብ 20 ሽሕ ዶላር ክሓትት እንከሎ፡ ኣብ ትካሉ ኬድካ ኣገልግሎት ንኽትረክብ ንሰዓት 160 ዶላር’ዩ ዘኽፍል።

ብሓቂ ግን እቲ ተኣምራታዊ ዓራት ሕማማት ናይ ምፍዋስ ዓቕሚ ኣለዎ ድዩ?

ኣብ ማእከል ሊግ ጸረ-ጸለመ ክኢላ ምቅላዕ ዘይቕኑዕ ሓበሬታ ዝዀነት ሳራ ኣንያኖ ነዚ ኣምልኪታ ንቢቢሲ ክትገልጽ እንከላ “ብሓቂ ንምዝራብ ኣብ ዘየለ ነገር መግለጽን መብርህን ክትህብ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ” ትብል።

መርበብ ሓበሬታ ናይ ተስላ መድቤድ

ሳራ ኣንያኖ፡ ነቲ ብዛዕነባ ‘መድቤድ’ ኣመልኪቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክዝርብ ዝጸንሐ ብደቂቕ ክትከታተሎ ድሕሪ ምጽናሕ “እዚ ዝገብርዎ ዘለዉ ፈተነ ዋላ ሓንቲ ፍረ ዝህብ ኣይኰነን፡ ኣብ ዓራትና ደቂስና’ሞ ንሕሰብ እዚ ‘መድቤድ’ ዋላ ሓንቲ ጥቅሚ ከምዘይብሉ ክርድኣና’ዩ” ትብል።

እዛ ክኢላ ብምስዓብ፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ብካልኦት ትካላት ተመሳሳሊ ተግባባራት ተገይሩ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ ሕጂ ግን እተን ትካላት መርበብ ሓበሬተአን’ውን ዓጽየንኦ ከምዘለዋ ኣብነት ኣስንያ ትገልጽ።

እዘን ትካላት፡ በታ ‘ተኣምራታዊት ዓራት’ ክፍውስኦ ዝኽእል ሕማማት ብምዝርዛር፡ ቃለ ምስክርነት ዝህብወን ሰባት’ውን ከይትረፋ ከፊለን ከም ዘዛርባ ሳራ ትገልጽ።

ካብ ሕጋዊ ተሓታትነት ንምህዳም ከኣ ‘እዚ ንህቦ ኣገልግሎት መተካእታ ናይቲ ብወግዓውያን ዶኳትር ዝውሃብ ፍወሳ ከም ዘይኰነ ክንሕብር ንፈቱ’ ዝብል ጽሑፍ ከም ዝርከብ ሳራ ከም ነጥቢ ተልዕሎ።

ኣብ ላፕቶፓ እናኣርኣየት፡ ኣብታ ‘ተኣምራታዊ ዓራት’ ሓደ ሰዓት ምስ ገበርኩ ክሕይል ከምዝጀመረ ኣብታ ሒዛት ዝነበረት ላፕቶም እናኣመልከተት ከተርእየኒ ጀሚራ።
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ላፕቶፓ እናኣርኣየት፡ ኣብታ ‘ተኣምራታዊ ዓራት’ ሓደ ሰዓት ምስ ገበርኩ ክሕይል ከምዝጀመረ ኣብታ ሒዛት ዝነበረት ላፕቶም እናኣመልከተት ከተርእየኒ ጀሚራ።

ተስላ ባዮ ሂሊንግ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ተመሳሳሊ ጽሑፍ ኣስፊሩ ኣሎ።

ገለ ገለ ሰባት’ውን ነቲ ናይ ባዩ ሂሊንግ መድቤድ ምስ ፈተኑ ዋላ ሓንቲ ለውጢ ከም ዘየርኣዩ ዝገልጽ ርእይቶታት ጽሑፎም ኣለዉ።

ኣባላት ናይቲ ኣብ ከተማ ምብራቕ ከተማ ዱቡክ ዝርከብ ገዛ ግን ብዙሓት ዓማዊሎም ካብ ሕማሞም ተፈዊሶም ካብዚ ገዛ ከምዝወጽኡ’ዮም ብሓበን የዕሊሎሙኒ።

እንተዀነ ኣብታ ኣነ ዝነበርክዋ ክፍሊ፡ እንትርፎ ምጥርጣርን ወጥርን ካልእ ይስማዓኒ ኣይነበረን።

ናብታ ዶክተር ምስ ተመለስኩ፡ ደጊማ ሓይለይ በታ ኣብ ኣጻብዕተይ ዘላገበትለይ መሳርሒት ገይራ ክትዕቅነኒ ጀሚራ።

ኣብ ላፕቶፓ እናኣርኣየት፡ ኣብታ ‘ተኣምራታዊ ዓራት’ ሓደ ሰዓት ምስ ገበርኩ ክሕይል ከም ዝጀመረ ኣብታ ሒዛት ዝነበረት ላፕቶፕ እናኣመልከተት ከተርእየኒ ጀሚራ።

እንተዀነ እታ ዶክተር ትኹን ካልኦት ኣባላት እቲ ገዛ እታ ተኣምራታዊት ዓራት እንታይ ትሕዝቶ ከም ዘለዋ ክሕብሩኒ ኣይከኣሉን።

ገለ ከምዚ ከማይ ኣብ ውሽጢ እንታይ ኣሎ ንምፍላጥ ናብቲ ቦታ ይኸዱ’ዮም።

ኣብ ቲክቶክ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ሓደ ነቲ ተኣምራታዊት ዓራት ከፊቱ ኣብ ውሽጣ ብሰሜናቶ ዝተሰርሐ ዝመስል ነገር ዘርኢ ቪድዮ ዘርጊሑ ነይሩ።

ሳራ “ዝዀነ ነዛ መሳርሒት ክገዝኡ ዝደልዩ ሰባት እንተሃልዮም በጃኹም ገንዘብኩም ኣይተባኽኑ’የ ክብለኩም ዝደሊ” ትብል።

ነታ ተኣምራታዊት ዓራት ዝገልጽ መወዓውዒ

ባዮሂልንግ ከምኡ ከኣ ትካል 90.10 ዝተባህሉ ትካላት ንመርትዖታቶም ኣብ ዝሓተትናሉ፡ ናይ ኣሽሓት ዓማዊሎም ዕግበት ዝገልጽ ጽሑፍ’ዩ ኣርእዮሙና።

ላዕለዋይ ሓላፊ ትካል 90.10 ኦሊቨር ሻልክ “እዚ ሕክምናዊ ውጽኢት ኣይኰነን፤ ንኸምኡ ኢልና’ውን ኣይኰንናን ሰሪሕናዩ” ኢሉ እዩ መሊሱ።

ዶክተር ስቲቭ ባረት ጥሮታ ዝወጽእ ክኢላ ሕክምና ስነ ኣእምሮ’ዩ።

ንዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ተመሳሳሊ ተባራት ክርአ ምጽንሑ ብምግላጽ፡ ቀንዲ ተሓታቲ ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ምዃኑ ይጠቅስ።

“ዝዀነ ትካል ሕምናዊ ፍርያት ክሸይጥ እንተዀይኑ ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ፍቓድ ክህቦ ኣለዎ” ብምባል ከኣ ከም ድኻም ናይ ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ይገልጽ።

ተስላን ባዮሂልግን ካልኦት ትካላትን ፍርያተን ኣብ ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ከም ዝተመዝገበ’ኳ ኣብ መውዓዊታትን እንተገለጸ፡ ምምዝጋበን ግን እቲ መሳርሒ ቅኑዕ ድዩ ኣይቕኑዕን ዝሕብር ኣይኰነን ይብል ዶክትር ባረት።