ጸሊም ሞት ዝበሃል እንታይ ዓይነት ሕማም'ዩ?

ሰብ ሞያ ሕክምና ዝኽደንዎ ዝነበሩ ክዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ሰብ መዚ ቻይና ኣብታ ሃገር “ጸሊም ሞት” ዝተባህለ ተላጋቢ ሕማም ከምዝተራእየ ሓቢሮም።

በቲ ተላጋቢ ሕማም ክንደይ ሰባት ከምዝተለኽፉ እኳ እንተዘይተገልጸ፡ እታ ሃገር ግን ኣብ ተጠንቐቕ ክትጸንሕ ተሓቢሩ'ሎ።

እቲ ጸሊም ሞት ወይ (bubonic plague) ዝተባህለ ሕማም ኣብ ታሪኽ ደቂ-ሰባት እቲ ዝኸፍኣ ቅዝፈት ዘስዓበ ሕማም እዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ግን፡ ብቐሊሉ ክፍወስ ዝኽእል ሕማም እዩ።

ጸሊም ሞት ዝበሃል እንታይ ዓይነት ሕማም'ዩ?

ጸሊም ሞት፡ ኣብ 13 ክፍለ ዘመን ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ኣህጉር ኤውሮጳን ኤሽያን ዝተራእየ ሕማም ኮይኑ፡ ህይወት ኣእላፍ ኣህዛብ ዝቐዘፈ ተላጋቢ ሕማም እዩ።

ዝርጋሐ እቲ ሕማም ኣብ ኤውሮጳ ብቕልጡፍ ናህሪ ብምዝርጋሕ፡ በቲ ለበዳ ኣስታት 20 ሚልዮን ኤውሮጳውያን ከምዝቐተለ ይንገረሉ።

እቲ ሕማም ብመንገዲ ዝተለኽፉ ንግዳውያን ባሕረኛታት ናብ ኤውሮጳ ከምዝኣተወን፡ ብድሕሪኡ ድማ ንግዳዊ ንጥፈታት ምስ ዘካይዱ ዝነበሩ ናብ ካልእ ክፋል ዓለም ከምዘስፋሕፈሐ ይግለጽ።

እዚ ተላጋቢ ሕማም ፌራ ብባክተርያ ዝመሓላለፍ ኮይኑ ዝተፈላለየ ዓይነት ምልክታት እዩ ዘለዎ። በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ግዳያት ሰባት ልዑል ረስኒ ከምኡ ድማ ኣብ ከባቢ ትሽትሽን ሽምጥን ብሕበጥ ይሳቐዩ።

እቶም ሕሙማት ግቡእ መድሃኒት እንተዘይረኺቦም ልዕሊ 60 ሚእታዊት ናይ ሞት ዕጫ ከምዘጋጥሞም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ይሕብሩ።

ካብ 2010 ክሳብ 2015፡ ኣብ መላእ ዓለም 3,248 ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተለኽፉን፡ ካብኦም ድማ 584 ከምዝሞቱን ይግለጽ።

እዚ ጸሊም ሞት ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ ሕማም፡ ገዚፍ መጠነ ሞት ስለዘስዕብን ኣጻብዕቲ ኢድን እግርን እቶም ዝሞቱ ሰባት ስለዝጽልምን እዩ።

ብጸሊም ሞት ዝተለኽፈ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library

በዚ ሕማም ምስ ተታሐዝካ እንታይ ትኸውን

በዚ ሕማም ዝተለኽፈ ሰብ፡ ካብ ክልተ ክሳብ ሽዱሽተ መዓልቲ እዩ ዝሓምም።

እቲ ሰብ ረስኒ፡ ሕማም ርእሲ፡ ቁሪ፡ ቃንዛ ጭዋዳታት ከምኡ'ውን ሓያል ድኻም ይስምዖ።

እዚ ሕማም ተላገብ፡ ንሳንቡእ ከምዝጎድን፡ ሰዓል፡ ቃንዛ፡ ብርቱዕ ቃንዛ ኣፍ-ልቢን ከምኡ'ውን ሕጽረት ምስትንፋስን የስዕብ።

እቲ ባክተርያ ኣብ ደም እንተ ኣቲዩ ድማ፡ ንዋህዮታትን ውሽጣዊ ኣካላት ብምጉዳእ ናብ ሞት የምርሕ።

ብኸመይ ክንልከፍ ንኽእል?

  • ሰባት፡ ብዝተለበዱ እንስሳታት ከም ቁንጪ ዝኣመሰሉ እንተተነኺሶም
  • ሰባት ተሰከምምቲ እቲ ሕማም ዝኾና እንስሳታት ከም በዓል ኣንጭዋን ማንቲለን እንተተንኪፎም
  • ካብ ዝሐመሙ ሰባትን እንስሳታትን ብጥፍጣፍ ክመሓላለፍ ይኽእል።
  • ዜበታውያን እንስሳታት'ውን ከይተረፉ ብዝተለኽፈ ቁንጪ እንተተነኺሶም ወይ ሰባት በቲ ሕማም ናይ ዝሞተ እንስሳ ስጋ እንተበሊዖም ክልከፉ ይኽእሉ።
  • እቲ ሕማም ካብ ዝተለኽፉ እንስሳት ናብ ሰብ ብቑስሊ ኣቢሉ ናብ ኣካላት ሰብ ክኣቱ ይኽእል እዩ።
  • ኣብዚ እዋን ኣብ ቻይና እንስሳታት በረኻ ተሰከምቲ እቲ ሕማም ክኾና ስለዝኽእላ፡ ሃዲንካ መግቢ እንስሳታት ምምጋብ ተኣጊዱ'ዩ ዘሎ።

መድሃኒት ኣለዎ ድዩ?

ሊቃውንትን ናይ ስነፍልጠት ተመራመርትን መድሃኒት ጸሊም ሞት ጸረ-ረኽሲ ምዃኑ እዮም ዝሕብሩ። እቲ ሕማም ብግብእ ቆላሕታ እንተዘይገይሩሉ፡ ሓደገኛ ቀታሊ ምዃኑ የረድኡ።

ሓዲሽ ለበዳ ክህሉ ይኽእል'ዶ?

ተላገብቲ ሕማማት ኣብ ኩሉ ክፋላት ዓለም እዮም ዘለው። ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፖፕሊክ ኮንኮ ከምኡ'ውን ኣብ መዳጋስካር ተላባዕቲ ሕማማት ተራእዮም እዮም።

ዋላ እኳ እዞም ተላባዕቲ ሕማማት፡ ኣብ ማእከላይ ክፍለዘመን ዝያዳ ግኑናት እንተነበሩ፡ ኣብዚ እዋን ግን ብቕልጡፍ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣትው ይኽእሉ እዮም።

ናብ መላእ ዓለም ተላቢዑ ዝርከብ ኮሮናቫይረስ ኣበጋግስኡን ኣቀታትላኡን ምስ ለበዳ ጸሊም ሞት ዳርጋ ይመሳሰል እዩ።

ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ፡ ምስቅስቓስ ሰባትን ተሸከርከርትን፡ መዕርፎ ነፈርትን ተዓጽዩ፡ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ምትእኽኻባት ከይግበር፡ ሰባት ከም ዝለመድዎ ከይዛወሩን ንስድራ-ቤቶም ከይበጽሑን ተኣጊዶም ኣለው።

ጸሊም ሞት'ውን እንተኾነ፡ ኣብቲ እዋን ንቁጠባዊ፣ ፖለቲካውን፣ ማሕበራዊ ምትእኽኻብን ለዊጥዎ'ዩ ነይሩ።

ጸሊም ሞት፡ ካብ ኮሮናቫይረስ ፍልይ ዘብሎ፡ ብባክተርያ ዝመሓላለፍ ኮይኑ፡ ብጸረ-ረኽሲ መድሃኒት ብቐሊሉ ክፍወስ ስለዝኽእል እዩ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ግን፡ ብቫይረስ ዝመሓላለፍ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ መድሃኒት ኣይተረኽቦን ዘሎ።

ኮሮና