‘ኮሮናቫይረስ ፈውሲ ኣለዎ’፡ ዶ/ር ስቴላ ኢማኑዌል እንታይ’ያ ኢላ?

ዶ/ር ስቴላ ኢማኑዌል

ምንጪ ስእሊ, DR STELLA IMMANUEL/TWITTER

ዘይተረጋገጸን ሓደገኛ ክኸውን ዝኽእልን ጸረ-ዓሶ ዝኾነ ምድሃኒት ንኮሮናቫይረስ ከምዝፍውስ ዝተዛረበት፡ ዶ/ር ስቴላ ኢማኑዌል፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ውዲታዊ ስነሓሳብ ከተሳሲ ተሰሚዓ’ያ።

ፈይስቡክን ትዊተርን፡ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንዝሃበቶ መግለጺ፡ ንቅጥዕታት ጭቡጥ ሓበሬታ ዘየማልእ ብምዃኑ ካብ ገጻቶም ከም ዝወርድ ገይሮም ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ከይወረደ እንከሎ፡ ድሮ ፕረዚደንት ትራፕምን ክልተ ደቁን ንዓለም ኣባጺሖሞ እዮም።

እቲ ነቲ ሓበሬታ ብምብጽሑ ዝተነቕፈ ፕረዚደንት፡ ስለምንታይ ከምኡ ከምዝገበረ ምስ ተሓተ፡ እታ ኣብ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ካሜሩን ዝተወልደትን ኣብ ክፍለሃገር ቴክሳስ፡ ከተማ ሂዩስተን እትነብርን ዶ/ር ስቴላ፡ “ተደንቕ’ያ” ክብል ገሊጹዋ።

“ኣብ ብዙሓት ሕሙማት ኣብ ዝገበረቶ ፈተነ፡ ዓቢ ዓወት ከም ዝተጓናጸፈት ገሊጻ’ያ፡ ኣነ ድማ ድምጻ ኣገዳሲ’ዩ ኢለ ሓሲበ። ብዛዕባኣ ግን ዋላሓደ ዝፈልጦ የለን” ክብል ተዛሪቡ።

እታ ክርስትያን ፓስተር ዝኾነት ዶ/ር ኢማኑዌል፡ ኣብ ርእሰከተማ ዋሽንግተን፡ ኣብ ፊት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኣመሪካ፡ ዝሃበቶ መግለጺ ብየማናውያን ማዕከናት ዜና ብቪድዮ ተቐዲሑ ተመሓላሊፉ።

ምስ ካልኦት ኣባላት እቲ ‘ቅድመ-ግንባር ሓካይም’ (America's Frontline Doctors) ተባሂሉ ዝፍለጥ ማሕበር፡ ተዓጂባ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣመሪካ ካብቲ ንኮቪድ-19 ዝፍውስ መድሃኒት ተሓሪማ ኣላ ክትብል ተዛሪባ።

“ዋላሓደ ሰብ ክሓምም የብሉን። እዚ ቫይረስ መድሃኒት ኣለዎ- ሃይድሮክሲክሎሮኪን ድማ ይብሃል። ንልዕሊ 350 ሕሙማት ሂበዮ ኣለኹ፡ ዋላሓደ ዝሞተ የለን” ብሃሊት’ያ ዶ/ር ኢማኑዌል።

ዋላ’ኳ እቲ መድሃኒት፡ ንኮቪድ-19 ክፍውስ ተስፋ ተገይሩሉ እንተነበረ፡ ድሒሩ ዝተኻየደ ሰፊሕ ፈተነን መጽናዕትን ግን፡ ኣድማዒ ከም ዘይኮነ’ዩ ተረጋጊጹ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ መድሃኒት ንመጠን ሞት ኮሮናቫይረስ ስለዘየጉድል፡ ኣብቲ መድሃኒት ዝገብሮ ዝነበረ ፈተነታት ደው ከምዘበሎ ኣፍሊጡ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ትካል መግብን መድሃኒትን ኣመሪካ (FDA)፡ ንሕሙማት ኮሮናቫይረስ ከይውሃብ ኣጠንቂቑ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ “ከቢድ ዝኾነ ናይ ልቢ ህርመት ጸገማት” ከምኡ’ውን ካልኦት ናይ ጥዕና ጸገማት ስለዘስዕብ።

ሓላፊ ምቁጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣመሪካ ዝኾነ ዶ/ር ኣንቶኒ ፋውቺ ብወገኑ፡ ተመሳሳሊ ርእይቶ’ዩ ክገልጽ ጸኒሑ።

“ኩሉ ዝተገብረ ዕቱብ መጽናዕቲ ከምዘርእዮ … ሃይድሮክሲክሎሮኪን ኣብ ኮቪድ-19 ኣድማዒ ኣይኮነን” ክብል ብረቡዕ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ዶ/ር ስቴላ ኢማኑዌል ግን፡ ሃይድሮክሲክሎሮኪን ጎዳኢ ከምዘይኮነ፡ ኣብታ ለበዳ ሕማም ዓሶ ዝራኣየላ ሃገራ ካሜሩን ብሰፊሑ ከም ዝወሃብ ተረጋጊጹ’ዩ እያ ትብል።

ዶ/ር ስቴላ ኢማኑዌል

ምንጪ ስእሊ, @STELLA_IMMANUEL

ጠንቆልትን ኣጋንትትን

ኣብ 1965 ዝተወልደት ዶ/ር ስቴላ፡ ካብቲ ኣብ ጎረቤት ሃገር ናይጀርያ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ካላባር ብሕክምና ተመሪቓ። ኣብ ኣመሪካ ድማ ሕጋዊ ናይ ሓኪም ወረቐት ከም ዘለዋ መርበብ ሓበሬታ ሜዲካል ቦርድ ቴክሳስ ይገልጽ።

ንሳ፡ መስራቲትን ፓስተርን ናይቲ ኣብ ሂዩስተን ዝርከብ ‘ፋየር ፓወር ሚኒስትሪስ' ዝተባህለ ናይ እምነት ጉጅለ’ያ። ነዚ ተጠቂማ ድማ ንሕክምና ዝምልከት ውዲታዊ መልእኽትታት ከተጋውሕ ጸኒሓ።፡

ስብከታታ ኣብቲ ኣብ 2009 ዝኸፈተቶ ናይ ዩቱብ ቻነል ክሳብ ሕጂ ኣሎ።

ቅድሚ 5 ዓመት፡ ዲ-ኤን-ኤ (DNA) ናይ ዘይተፈልጡ ፍጡራት (ኤልየንስ) መድሃኒት ንምስራሕ ይጥቀምሉ ኣለዉ ክትብል ተሰሚዓ። ሰባት ካብ እምነት ክርሕቁ ንምግባር፡ ተመራመርቲ ክታበት ይኽሽኑ ኣለዉ ክትብል’ው ንተዛሪባ ነይራ።

ገለ ካብቲ ትብሎ ዝነበረት ድማ፡ ንገለ ሕማማት ምስ ጠንቆልትን ኣጋንንትን ምትእእስሳር’ዩ። ንሳ ከምእትብሎ፡ እቶም ጠንቆልትን ኣጋንንትን ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ምስ ሰባት ጾታዊ ርክብ ይገብሩ ኣለዉ።

“ናብ ጓል ተቐይሮም ምስ ሰብኣይ ይድቅሱ፡ ደሓር ዘርኡ ምስ ወሰዱ ድማ ናብ ሰብኣይ ይምለሱ፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ምስ ሰብኣይ ደቂሶም ነቲ ዘርኢ የፍስሱ፡ ከምኦም ዝመሰሉ ድማ ይፈርዩ” ክትብል ኣብ ሓደ 2013 ዝገበረቶ ስብከት ተዛሪባ።

ብዛዕባ ሕደ ጾታውያን ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ’ውን፡ ንቆልዑ ክምርዓዉ ዘኽእሎም ብምዃኑ ከም እትቃወሞ’ያ ገሊጻ።

ብዕትብቲ ኣደ ኣቢሉ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ዝሰጋገር መርገም ንምውጻእ’ውን ከም እትጽሊ፡ ደይሊ ቢስት ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ሃይድሮክሎሮኪን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

የሱስ ንፈይስቡክ ክዓጽዎ’ዩ

ብሰሉስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርጋሓቶ ቪድዮ፡ ነቶም ካብ ኮቪድ-19 ኣሕውየዮም ትብሎም ሰባት ንቕድሚት ውጽኡ ክትብል ትስማዕ።

“እንተ ዘይተዛሪብኩም፡ ንጽረፍ ኢና ዘለና” እንዳበለት፡ ነቲ ቪድዮ ብውልቆም ክዝርግሕዎን ከባጽሕዎን ትምሕጸን።

ዛጊት ነቲ ዝለጠፈቶ መልእኽቲ ልዕሊ 27000 ሰባት ኣባጺሖሞ ኣለዉ።

ፈይስቡክ፡ ነቲ በቲ ንሳ እትርከቦ ማሕበር ሓካይም ዝወጸ ቪድዮ ምስ ኣውረዶ፡ ሓሳቦም እንተዘይ ቀይሮም የሱስ ክርስቶስ ንኩባንያ ፈይስቡክ ከዕንዎ ምዃኑ ኣጠንቂቓ።

ፈይስቡክ፡ ኣብ ዝህቦ ኣገልግሎት ጸገማት ከምዘለዎ ኣይሓበረን።

ማሕበር ‘ቅድመ-ግንባር ሓካይም’ መን’ዩ?

‘ቅድመ-ግንባር ሓካይም’ (America's Frontline Doctors)፡ ኣንጻር’ቲ ብዙሓት ተመራመርቲ ዝሰማምዕሉ ናይ ምክልኻል ሜላታትን መምርሒታትን ኮቪድ-19 ዝቖሙ’ዮም።

ንሳቶም፡ ነቲ ለበዳ ንምክልኻል ዝውሰድ ዘሎ ስጉምታት ብምቅዋም፡ መሸፈኒን ዕጽዋን ከምዘየድሊ’ዮም ዝዛረቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት፡ መስራቲ ናይቲ ጉጅለ፡ ዶ/ር ሲሞን ጎልድ፡ ዕጽዋ ከብቅዕ ዝጽውዕ ደብዳበ ንፕረዚደንት ትራምፕ ሰዲዱ ነይሩ።

እቲ ጉጅለ ብየማናውያን ማዕከናት ዜናን ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ከምዝድገፍ’ውን ይግለጽ።

ኣመሪካውያን ብዛዕባ መድሃኒት ሃይድሮክሲክሎሮኪን ተኸፋፊሎም ይርከቡ። እቲ ነቲ መድሃኒት ከምዝወሰዶ ዝዛረብ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ደገፍቱን ክቕበልዎ እንከለዉ፡ ሰብመዚ ጥዕናን ናይ ፖለቲካ ተቐናቐንቱን ግን፡ ነቲ ብተመራመርቲ ዝወሃብ ዘሎ ምኽሪ ዝድግፉ’ዮም።

ኮሮና
ኮሮና