ዓለምና ኣብ ድርኩኺት ጃምላዊ ጽንተት ዶ በጺሓ ትኸውን?

ጽልዋ ሓደ ኣስተሮይድ (ኣብ ዙርያ ጸሓይ ዑደት ከውሒ) ቅድሚ 66 ሚልዮን ዓመታት ሞት ዳይኖሶራት ከም ዘስዓበ ይእመን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጽልዋ ሓደ ኣስተሮይድ (ኣብ ዙርያ ጸሓይ ዑደት ከውሒ) ቅድሚ 66 ሚልዮን ዓመታት ሞት ዳይኖሰራት ከም ዘስዓበ ይእመን

ኣብ ታሪኽ፡ ብሰንኪ ተጻራሪ ኵነታት መብዛሕትኡ ህይወት ዓለምና ሓሙሽተ ግዜ ጠፊኡ ነይሩ።

ሕጂ ድማ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ህይወት ኣብ ምድሪ መሊሱ ኣብ ጸገም ክወድቕ ከምዝኽእልን ሻድሻይ ጃምላዊ ምጽናት ከጋጥም ከምዝኽእል ይገልጹ።

ብሓቂ ግን ኣብ ምድሪ መብዛሕትኡ ህይወት ክጠፍእ ኣብ ዝኽእለሉ መንገዲ ዲና ንርከብ?

ብሰንኪ ደቂ ሰባት ዝመጽአ ለውጢ ክሊማ፡ ለውጢ ኣጠቓቕማ መሬትን ብከላን ነዛ ፕላነት ብቕልጡፍ ይቕይርዋ ስለዘለዉ፡ ዓሌታት እንስሳታት ንኽወሃሃዱን ብህይወት ንኽጸንሑን ይጽገሙ ኣለዉ።

ኣብቲ ንተፈጥሮ፡ "ናይ መወዳእታ ዕድል" ብዝብል ኣብ ካናዳ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠትን መራሕትን ንዓቐን ናይቲ ቅልውላው ንምግላጽ ይጽዕሩ ኣለዉ።

ሓደ ሚልዮን ዓይነታት እንስሳታት ሕጂ "ኣብ ኣፍደገ ምጽናት ይርከቡ" ኢሉ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ መኽፈቲ ዋዕላ ኮፕ-15።

"ኣብ መላእ ዓለም፡ ንኣማኢት ዓመታት፡ ብመሳርሒታት ጥፍኣት እናተጻወትና፡ ዘይተወሃሃደ ህውከት ፈጢርና ኢና" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ጃምላዊ ምጽናት እንታይ እዩ?

ጃምላዊ ምጽናት ኣብ ታሪኽ ምድሪ፡ ሰለስተ ርብዒ ወይ ልዕለኡ ዓሌታት እታ ፕላነት ብቕልጡፍ ዝጠፍኡ ክፍለ-ግዜ እዩ።

መዝገብ ቅሪተ-ኣካላት ዘጽንዑ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ኣብ ውሽጢ 540 ሚልዮን ዓመታት "ሓሙሽተ ዓበይቲ" ጃምላዊ ምጽናት ከምዘጋጠሙ ይጠቕሱ።

ኣብ ታሪኽ፡ ብሰንኪ ተጻራሪ ኵነታት መብዛሕትኡ ህይወት ዓለምና ሓሙሽተ ግዜ ጠፊኡ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ታሪኽ፡ ብሰንኪ ተጻራሪ ኩነታት መብዛሕትኡ ህይወት ዓለምና ሓሙሽተ ግዜ ጠፊኡ እዩ

እቲ ንመወዳእታ ግዜ ዘጋጠመ ድማ ዝያዳ ፍሉጥ እዩ - ቅድሚ 66 ሚልዮን ዓመታት ሓደ ኣስተሮይድ ናብቲ ሕጂ ሜክሲኮ ዝበሃል ዘሎ ቦታ ብምውዳቝ፡ ንምዕራባዊ ንፍቀ ክቢ ሓዊ ኣንዲዱ ነቶም ኣዕዋፍ ዘይኰኑ ዳይኖሶራት ኣጥፊኡ እዩ።

ካልእ ኣብነት ድማ፡ እቲ "ዓቢ ምማት" ብዝብል ዝፍለጥ ቅድሚ 250 ሚልዮን ዓመታት ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ኣብቲ እዋን ኣስታት 90 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ዓይነታት እንስሳታት ጠፊኦም እዮም።

ጠንቂ ናይቲ ኵሉ ጃምላዊ ጽንተት እንታይ ምዃኑ ብልክዕ ኣይፍለጥን፣ እንተዀነ ኣብ ክሊማ፡ ውቅያኖሳትን መሬትን ቅልጡፍን ድራማዊን ለውጢ ዘጠቓለለ እዩ።

ጠንቂ ሻድሻይ ጃምላዊ ጽንተት ንኸውን ኣለና ዲና?

ፍልቀት ካብ ዝፈጥሮም ንላዕሊ፡ ዓሌታት እንስሳታት ኣዝዩ ብቕልጡፍ ንስእን ከምዘለና ክኢላታት ይዛረቡ።

ገለ ክኢላታት ከምዝብልዎ፡ እዚ ዘርኢ ወዲ ሰብ ሓዊሱ መብዛሕትኡ ህይወት ናብ ዝጠፍኣሉ ሓድሽ ጃምላዊ ምጽናት ክምርሐና ይኽእል።

"መንገዲ ፍልቀት ንቕይሮ ኣለና" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዩናም፡ ሜክሲኮ፡ ክኢላ ስነ-ህይወት ዶክተር ጀራርዶ ሴባሎስ። "ዋላ'ውን ኣብ ጃምላዊ ምጽናት እንተዘይሃለና፡ እቲ ንገብሮ ዘለና፡ ነቲ ንኽንነብር ዘኽእለና ስርዓት ኣብ ሓደጋ ዘእትው'ዩ።"

መጠን ምጽናት ንምዕቃን ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያት'ዚ ድማ ሎሚ'ውን እንተዀነ፡ ብዛዕባ መብዛሕትኦም ዓይነታት እንስሳታትን ክሳብ ክንደይ ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ከም ዝኽእሉን ብዙሕ ዘይምፍላጥና እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 500 ዓመታት ዝነበሩ ውሱናት መዛግብቲ፡ ትሕቲ 1 ሚእታዊት ዓሌታት ከም ዝጸነቱ ይሕብሩ።

ብዙሓት ሳይንቲስት ግን እቲ ሓቀኛ ኣሃዝ ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ከም ዝኽእል ይኣምኑ፤ ምኽንያቱ መብዛሕትኦም እንፈልጦም ዓሌታት ክሳብ መፋርቕ 1800ታት ኣይተገልጹን እዮም።

ኣብ ልዕሊ ኣረነ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ብዛዕባ መጠን ምጥፋእ ስግኣት ኣልዒሉ’ሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ልዕሊ ኣረነ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ብዛዕባ መጠን ምጥፋእ ስግኣት ኣልዒሉ’ሎ

ኣብ 2015 ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ኣብ ቤተ-መዘክር ዝተኣከቡ፡ መዛግብትን ጸብጻባት ክኢላታትን ተጠቒሞም ኣብ 200 ዝፍለጡ ዓይነታት ኣረነ መጽናዕቲ ኣካይዶም። ካብ መጀመርታ ከም ሓደ ዓይነት እንስሳ ካብ ዝምደቡ ጀሚሮም መብዛሕትኦም ኣብ በረኻ ከምዘይተራእዩን ዓሰርተ ክፋል ካብኣቶም ድማ ድሮ ዝጸነቱ ክዀኑ ከምዝኽእሉን ተረዲኦም።

እዚ ማለት ድሮ ካብ 7.5-13 ሚእታዊት ካብ ኵሎም ዝፍለጡ ዓይነታት እንስሳታት ስኢንና ማለት ክኸውን ከምዝኽእል እቶም ተመራመርቲ ይግምቱ።

"ነቲ ሕጂ ዘሎ መረዳእታ ዘይውክል ኣዝዩ ዓቢ ክሳራ ዝሕብር ምልክት" ከምዝዀነ ኣብቲ መጽናዕቲ ዘይተሳተፈ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማንቸስተር ሜትሮፖሊታን ክኢላ ኣዕዋፍ ዶክተር ኣሌክሳንደር ሊስ ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብልክዕ ክንደይ ዓይነታት እንስሳታት ብኸመይ ከም ዝጠፍኡ'ኳ እንተዘይፈለጥና፡ ቍጽሪ እንስሳ ዘገዳም ግን ብቕልጡፍ ይቕንስ ኣሎ።

ዓለማዊ ብዝሒ እንስሳ ዘገዳም ኣብ ውሽጢ 50 ዓመታት ጥራይ ብማእከላይ ገምጋም ብ69 ሚእታዊ ከምዝነከየ ይግመት።

"መብዛሕትኦም እቶም ዓይነታት እንስሳታት ክጠፍኡ ናብ ዝኽእልሉ ደረጃ ንምብጻሕ ብዙሕ ናይ 50 ዓመት ፍልልይ ኣይወስድን'ዩ" ይብል ፕሮፌሰር ኣንቶኒ ባርኖስኪ ዝተባህለ ተመራማሪ ስነ ህይወት ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ፡ በርክሊ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓሌታት እንስሳታት ክሳብ ክንደይ ብቕልጡፍ ይጠፍኡ ከምዘለዉ ንምግማት፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ መዝገብ ቅሪተ-ኣካላት ተጠቒሞም ኣብቲ ጃምላዊ ምጽናት ዘጋጠመሉ እዋን ዝነበረ ማእከላይ "ድሕረ ባይታ ደረጃ" ምጽናት ቀሚሮም።

ቀጺሎም ነቲ ዝቀመርዎ መጠን ድሕረ ባይታ ምስቲ ካብ መዛግብቲ ዝተኣከበ ዘመናዊ መጠን ምጽናት ኣነጻጺሮም።

ካብዞም መጽናዕትታት ዝተረኽበ ግምታት፡ መጠን ምጽናት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ ይሕብሩ።

እቲ ሕጂ ዘሎ መጠን ምጽናት፡ ካብ 100 ክሳብ 1000 ዕጽፊ ዝለዓለ ምዃኑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋይ ክኢላ ስነ-ህይወት ዝዀነ ዶክተር ሮበርት ኮዊ ይገልጽ።

ገለ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ብዛዕባ ልክዕነት ናይዚ ርኽበታት ጥርጣረታት እኳ እንተሃለዎም፡ መብዛሕትኦም ክኢላታት ግን ኣብዚ እዋን’ዚ መጠን ምጽናት ካብ መብዛሕትኦም ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዘጋጠሙ ምጽናታት ዝለዓለ ምዃኑ ይሰማምዑ።

ተመራመርቲ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ምድሪ ንዝነበረ መጠን ምጽናት ንምግማት መዝገብ ቅሪተ-ኣካላት ይጥቀሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተመራመርቲ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ምድሪ ንዝነበረ መጠን ምጽናት ንምግማት መዝገብ ቅሪተ-ኣካላት ይጥቀሙ

እዚ ኵሉ ግን፡ ኣብ ጃምላዊ ጽንተት ዲና ንርከብ ወይስ ኣይኰነን ዝብል ዓሚቝ ክትዕ ዝፈጥር እዩ።

ዶክተር ሴባሎስ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት 2150 ምሉእ ብምሉእ ናብ ጃምላዊ ምጽናት ክንኣቱ ኢና ዝብል እምነት ከምዘለዎን፡ ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ ክልተ ዘመናት ድማ 70 ሚእታዊ ካብ ኵሎም ኣትክልትን እንስሳታትን ክንስእን ከምንኽእልን ይዛረብ።

ካልኦት ዝያዳ ዓቃባውያን ዝዀኑ ግን፡ ዓሌታት ብሓቂ ንኽጠፍኡ ክንደይ ግዜ ከም ዝወስድ ኣይንፈልጥን ኢና ይብሉ።

"ፍጻመ ጃምላዊ ጽንተት ኣይገጠመናን፡ እቲ ሕቶ ግን - ኣብዚ ሕጂ እዋን ከጋጥመና ይኽእል ድዩ?" ክብል ዶክተር ሊስ ይሓትት። "እዚ ድማ ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ምሉእ መስርዕ ምጽናት ክውን ንክኸውን ኣሽሓት ዓመታት ክወስድ ይኽእል'ዩ።"

ኣብ ጃምላዊ ምጽናት ዲና ንርከብ፡ ወይስ ናብኡ ንኸይድ ኣለና ኣብ ዝብል ሓሳብ ምጥሓል፡ ነቲ ቁም ነገር ምስሓት እዩ ዝብሉ ክኢላታት ኣለዉ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ የል ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ ፕሮፌሰር ፒንቸሊ ሃል፡ ደቂ ሰባት ኣብ ተፈጥሮ ዘለና ጽልዋ ንኽስምዖም ፍጻመ ጃምላዊ ምጽናት ከጋጥም ኣለዎ ማለት ኣይኰነን፡ ስለዚ ስጕምቲ ምውሳድ ከምዘድሊ ከም መዐቀኒ ክንጥቀመሉ የብልናን ትብል።

"ኣዝዩ ዝነኣሰ ምዝንባዕ ክሊማ ንመላእ ሕብረተሰባት ደምሲስዎም'ዩ።"

"ን20 ዓመታት ዝጸንሕ ሕሱም ድርቂ ንሓደ ምሉእ ስልጣነ ወዲ ሰብ ከፍርሶ ይኽእል'ዩ - ንዓና ዘገድሰና ሚዛን ድማ እዚ'ዩ" ክትብል ፕሮፌሰር ፒንቸሊ ትገልጽ።

መነባብሮ ብምዕቃብን ንእንስሳ ዘገዳም ዝኸውን ሃዋህው ብምፍጣርን ተፈጥሮ ንኽትላመድን ንክትሓዊን ክንሕግዝ ከምንኽእል ክኢላታት ይገልጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መነባብሮ ብምዕቃብን ንእንስሳ ዘገዳም ዝኸውን ሃዋህው ብምፍጣርን ተፈጥሮ ንኽትላመድን ንኽትሓዊን ክንሕግዝ ንኽእል

እንታይ ክንገብር ንኽእል?

መራሕቲ ዋዕላ ኮፕ-15 ንዝቕጽሉ ዓሰርተ ዓመታት ተፈጥሮ ንምሕላው ዘኽእሉ ሸቶታት ንኽውስኑ ኣብ ዝጽዕሩሉ ዘለዉ እዋን፡ ክኢላታት ኣከባቢ፡ ህዝቢ ዓለም ክሳብ 2030፡ 30 ሚእታዊ መሬትን ባሕርን ንምዕቃብ ቃል ክኣቱ ተስፋ ይገብሩ።

ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ኣብ 1.5 ሴልስየስ እንተገዲብናዮን ኣውራ መነባብሮታት እንተዓቂብናን፡ እንስሳ ዘገዳም ንኽሓውዩን ብዙሓት ዓይነታት እንስሳታት ካብ ምጽናት ንኽድሕኑን ክንሕግዞም ከም እንኽእል ተስፋ ኣሎ ይብሉ ክኢላታት።

ንውልቃዊ ዓሌታት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ስነ-ህይወት መርበባት ክዕቅቡ ዝኽእሉ መነባብሮታት፡ ተፈጥሮ ንኽሓዊ ዝሕግዝ ዝበለጸ መገዲ ይመስል ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቺካጐ ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ ፕሮፌሰር ዴቪድ ጃብሎንስኪ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዱክ ተመራማሪ ስነ-ህይወት ፕሮፌሰር ስቱዋርት ፒም ብወገኑ፡ "ክንዕቅቦም እንተዘይንፍትን ነይርና ድሮ ክጠፍኡ ዝኽእሉ ዝነበሩ ዓሌታት ኣለዉ" ይብል።

"ስጕምትታት ዕቃበ ንናህሪ ምጽናት ከምዘዝሕሎ ድሮ ፈሊጥና ኣለና። ብኻልእ ኣዘራርባ ጽልዋ ኣለና።"