ግብፂ ናብ ዘእንገደቶ ዋዕላ ክሊማ 'ኮፕ27' ክንደይ ናይ ውልቀ ጀታት በሪረን?

ኣማኢት ተጣበቕቲ ኣከባቢ፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ሽፎል ኣምስተርዳም ዝለዓላ ናይ ብሕቲ ጀታት፡ ደው ክብላ ገይሮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣማኢት ተጣበቕቲ ኣከባቢ፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ሽፎል ኣምስተርዳም ዝለዓላ ናይ ብሕቲ ጀታት፡ ደው ክብላ ገይሮም

መራሕቲ ሃገራት ዓለም ኣብ መበል 27 ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ (ኮፕ27) ንምስታፍ ኣብ ኣብ ሻርም ኤልሸኽ ግብጺ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነቐፌታታት ይቐርብ ኣሎ።

እቲ ዋዕላ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣማኢት ተጣበቕቲ ክሊማ፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ሽፎል ኣምስተርዳም ዝለዓላ ናይ ብሕቲ ጀታት፡ ኣብ ቅድሚ ጎምአን ኮፍ ብምባልን ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብሽክለታ ብምዝዋርን ደው ክብላ ገይሮም።

ክንደይ ናይ ብሕቲ ነፈርቲ ናብ ሻርም ኤል ሸኽ ከይደን?

ኣብ ምጅማር እቲ ዋዕላ፡ ካብ 4 ክሳብ 6 ሕዳር ጥራይ 36 ናይ ብሕቲ ጀት ኣብ ሻርም ኤል ሸኽ ከምዝዓለባ ካብ ፍላይትራዳር24 ዝተረኽበ መረዳእታ የመልክት።

ብተወሳኺ 64 ጀታት ናብ ካይሮ ዝነፈራ ኮይነን፡ ካብዚአን እተን 24 ካብ ሻርም ኤል ሸኽ ዝመጻ እየን።

መርበብ ሓበሬታ ኮፕ27፡ ልኡኻት ንክልቲኡ መዓርፎ ነፈርቲ ክጥቀሙ ከምዘለዎም ይገልጽ።

ካብቲ በረራታት እተን ትሽዓተ ካብ ብሪጣንያ ክኾና እንከለዋ፡ ካልኦት ካብ ጣልያን፣ ፈረንሳን ሆላንድን ሓዊሱ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ከምዝመፅኣ ተፈሊጡ።

ክልተ ጄታት ድማ ካብ ኣሜሪካ ናብ ካይሮ ኣትየን።

ፍላይትራዳር24 ኣብቲ ከባቢ ድሩት ሽፋን ስለዝነበሮ ክከታተሎም እንተዘይከኣለ'ኳ፡ ግን ድማ ዝያዳ ናይ ብሕቲ በረራታት ተገይሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይገልጽ።

ካብቲ ኣብ 2021 ኣብ ግላስኮ ዝተኻየደ ዋዕላ ኮፕ26 ዝውሕዳ ናይብሕቲ ጀታት ናብ ኮፕ27 ዝበርራ ይመስል። ኣብቲ እዋን ቢቢሲ ሪያሊቲ ቼክ ኣጠቓቕማአን መርሚሩ ነይሩ።

ሓደ ካብቶም ምኽንያታት ክኸውን ዝኽእል፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዋዕላ ሻርም ኤል ሸኽ ዝተሳተፉ መራሕቲ ዓለም ውሑዳት ክኾኑ ምኽኣሎም እዩ።

ኣሰር ካርቦን ጉዕዞ ናይ ብሕቲ ጀታት እንታይ እዩ?

በረራታት ብቐንዱ ከም ካርቦንዳይኦክሳይድ (CO2) ዝኣመሰሉ ‘ግሪንሃውስ ጋዝስ’ ተባሂሎም ዝጽውዑ በከልቲ ጋዛት የመንጭዉ። እዚኦም ድማ ዋዒ ዓለም ንክውስኽ ኣበርክቶ ይገብሩ።

ኣብ ሓደ ኪሎሜተር ጉዕዞ ጄት ዝፍኖ ልቀት ካብ ልቀት ዝኾነ ዓይነት መጓዓዝያ ኣዝዩ ዝዛይድ እዩ።

እዚ ድማ ከከምኩነታቱ ከምዚ ዝስዕብ ኣዝዩ ይፈላለ፡

  • ዓቐን ናይታ ነፋሪት፡
  • ሞተራት እታ ጄት ክሳብ ክንደይ ውጽኢታዊ ምዃኖም፡
  • ብዝሒ ተሳፈርቲ፡

ብሓፈሻ ግን ናይ ብሕቲ ጄታት ካብ ንግዳዊ በረራታት ንላዕሊ ብመንጽር ሓደ ተሳፋራይ ኣዝዩ ዝበዝሐ ልቀት የፍርያ።

ብዙሓት ዝተፈላለዩ ሞዴላት ዘለወን ናይ ብሕቲ ጀት ዘለዋ እኳ እንተኾና፡ ብብዝሒ ናብ ግብጺ - ኮፕ27 ዝነፈረት ግን ጋልፍስትሪም G650 ዝዓይነታ እያ። እዛ ነፋሪት፡ ኣብ ሰዓት ኣስታት 1,893 ሊትሮ ነዳዲ ትጥቀም።

ናይ ብሕቲ ጀት ካብ ኣምስተርዳም እንተተበጊሳ ኣስታት 9,465 ሊትሮ ነዳዲ ተጠቒማ ናብ ሻርም ኤል-ሸኽ ክትበጽሕ ኣስታት ሓሙሽተ ሰዓታት ይወስደላ።

ክፍሊ ቢዝነስ፡ ጸዓትን ኢንዱስትርያዊ ስትራተጂን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝተቓጸለ ነዳዲ ተርባይን ኣቬሽን፡ 2.5 ኪሎ ግራም ካርቦንዳይኦክሳይድ ከምዝፍኖ ይሕብር። ስለዚ እዚ በረራ፡ 23,900 ኪሎ ግራም ካርቦንዳይኦክሳይድ የፍርይ ኣሎ ማለት እዩ።

ናይ በረራታት "ዝለዓለ ጽልዋ ክሊማ ንምርካብ" ግን፡ ክፍሊ ቢዝነስ፡ ጸዓትን ኢንዱስትርያዊ ስትራተጂን፡ ኣብ ልዑል ብራኸ ዘለዋ ነፈርቲ ዝለቅቕኦን ዋዒ ዓለም ክብርኽ ዝገብርን ካርቦንዳይኦክሳይድ ዘይኮነ ልቀት ንምንጽብራቕ ኣሃዛት ልቀት ካርቦንዳይኦክሳይድ ብ1.9 ክባዛሕ ከምዘለዎ ይመክር።

ስለዚ፡ ጠቕላላ ልቀት ናይዚ በረራ ማዕረ 45,300 ኪሎ ግራም ካርቦንዳይኦክሳይድ ይኸውን ኣሎ። እቲ ዝለዓለ ዓቕሚ 15 ተሳፈርቲ እንተነይሮም ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ተሳፋራይ ኣብ ጉዕዞኡ ኣስታት ንኣስታት 3000 ኪሎግራም ልቀት ሓላፍነት ይወስድ ማለት ይኽውን።

እዞም ኣሃዛት ልቀት ንጭቡጥ ጉዕዞታት ዝምልከት ግምታት እዮም፤ ኣብ መጀመርታ ምስ ምስራሕ እተን ናይ ብሕቲ ጀት ዝተኣሳሰር ልቀት ኣየጠቓልልን።

"ናይ ኮፕ27 ልኡኻትና ካብ ኣምስተርዳም ናብ ግብጺ ንግዳዊ በረራ እንተዝመርጹ ነይሮም፡ ፕሪምየም ደረጃ ክመርጹ እዮም ኢልካ ብምግማት፡ ልቀት ነፍሲ ወከፎም ኣስታት 500 ኪሎግራም ምኾነ" ይብል ካልኩሌተር ኣህጉራዊ ውድብ ሲቪል ኣቬሽን።

ዋላ እኳ ንግዳዊ በረራ ኣብ ሰዓት ዝያዳ ነዳዲ እንተተጠቐመት፡ ካብ ናይ ብሕቲ ጀት ኣዝዮም ዝበዝሑ ተሳፈርቲ ሒዛ ክትበርር ስለ እትኽእል፡ ብመንጽር ሓደ ሰብ ዝወሓደ ልቀት ትኪ እያ ተፍሪ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢን መንግስቲ ብዝተኻረያ ኤርባስ ኤ321-253ኤንኤክስ ዝዓይነታ ነፋሪት እዮም ናብ ግብጺ ኣትዮም።

ነፈርቲ ከይለዓላ ንምግባር ዝተኻየደ ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ነፈርቲ ከይለዓላ ንምግባር ዝተኻየደ ሰልፊ

እዚ ድማ ከም መጠን ጽዕነትን ብራኸን ዝኣመሰሉ ረቛሒታት ኣብ ሰዓት ኣስታት 2,600 ኪሎግራም ነዳዲ ይጥቀም።

እዚ ማለት እቲ ናብ ሻርም ኤል ሸኽ ዝተግበረ በረራ ኣስታት 41,000 ኪሎግራም ካርቦንዳይኦክሳይድ ፈንዩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብመሰረት መባዝሒ ክፍሊ ቢዝነስ፡ ጸዓትን ኢንዱስትርያዊ ስትራተጂን ድማ፡ እዚ ናብ ማዕረ 78,600 ኪሎግራም ካርቦንዳይኦክሳይድ ይበጽሕ።

ቢቢሲ ኒውስ ንዳውኒንግ ስትሪት ኣብታ ናብ ሻርም ኤል ሸኽ እትኸይድ ነፋሪት ካልኦት ክንደይ ተጓዓዝቲ ከምዘለዉ ሓቲቱ እኳ እንተነበረ ንጹር ቁጽሪ ዝጠቅስ ምላሽ ግን ኣይረኸበን።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ፡ "እዚ ልኡኽ ካብተን ኣብ ዓለም ተመሳሳሊ ዓቐን ዘለወን ዝወሓደ ካርቦን ዝጥቀማ ነፈርቲ ሓንቲ ተጠቒሙ እዩ ተጓዒዙ፡ ካብዘን በረራታት ዝፍኖ ልቀት ካርቦን ድማ ተመጣጣኒ እዩ" ኢሉ።

ኣህጉራዊ መሪሕነት ኣሃዱ ሓበሬታ ጸዓትን ክሊማንንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ መራሕቲ ዓለምናይ ብሕቲ ጀት ተጠቒሞም ናብ ኮፕ27 ምኻዶም ምትኳር "ካብቲ ቁምነገር ዝስሕት" ከምዝኾነ ገሊጹ።

"እቲ ልቀት ምስቲ ኣብዞም ዋዕላታት ዝግበር ውሳነታትን ቃልኪዳንን ክነጻጸር እንከሎ ዘስዕቦ ጽልዋ ንእሽቶ'ዩ" ኢሉ።

"ልቀት ትኪ ክወርድ እንተደሊኹም፡ መራሕቲ፡ መራኸቢ ብዙሃን፡ ሳይንቲስታትን ግዱሳትን ኣገደስቲ ሕቶታት ክሓቱ የደሊ።"