ክሊማዊ ለውጢ 'ኣብ ኣፍሪቃ ሕማማት የጋድድ ኣሎ' - ውድብ ጥዕና ዓለም

ብስንኪ ዝተበከለ ኣየር ምትንፋስ ዝተጸገመ ሹፈር

ምንጪ ስእሊ, AFP

ክሊማዊ ለውጢ እናበኣሰ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ዘይተላገብቲ-ሕማማት ማለት ብቐጥታ ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ሰብ ዘይመሓላለፉ ሕማማት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ይዓርጕ ብምህላዎም፡ ኣብዚ ዞባ ዓቢይ ጥዕናዊ ስግኣት ፈጢሩ ከም ዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቝ።

ሙቐት ዓለም እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ፡ ብጣንጡ ዝስዕብ ሕማማት መጠኑን ፍጥነቱን ስለዝውስኽ፡ ብኡ መንጽር ሳዕቤኑ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣሰካፊ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ዓለም፡ ብሕማም ዓሶ ካብ ዝስዕብ መጠነ-ሞት፡ እቲ ልዕሊ ፍርቂ ኣብ ኣፍሪቃ ዝወርድ እዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ነዚ ኣመልኪቱ፡ እቲ ብሰንኪ ቅራይ-ነዳዲ ንህዋ ዝልቀቑ ጐዳእቲ ባእታታት ዘስዕብዎ ሕማማትን ንምንካይ፡ ተጠቃምነት እዚ ነዳዲ ክጐድል ይጽውዕ።

"ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት [ዕቝድ] መብዛሕትኦም ምስ ጥዕና ዝተዛመዱ ኣጋጣሚታት፡ ምስ ኵነታት ኣየር ዝተኣሳሰሩ፣ ብቐጥታ ወይ ብማይ፣ ካብ እንስሳታት ናብ ሰባት ወይ ብባህሪያዊ ሓደጋታት ዝሰዓቡ እዮም ነይሮም፡" ይብል ኣህጉራዊ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ዶ/ር ማትሺዲዶ ሞቲ።

ብመሰረት ሓበሬታ ዶ/ር ሞቲ፡ ኣብ 2030 ብሰንኪ'ዞም ዘይተላገብቲ ሓማማት ዝስዕብ መጠነ-ሞት፡ ነቲ ዝጸንሐ መጠን ሞት ኣደታትን ዕሸላትን ከምኡ'ውን ብሰንኪ ዓጸቦ ዝስዕብ መጠን ሞት ክሓልፎ እዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም ዝተበከለ ኣየር እዩ ዘስተንፍስ ክብል የጠንቅቕ።

ብሰንኪ እስትንፋስ ዝስዕብ ሞት ከኣ፡ እቲ ካልኣይ ዝዓበየ ጠንቂ ሞት ኣብ ኣፍሪቃ እዩ።