ኮፕ-26፡ ክሊማዊ ለውጢ ንምንካይ ዝሕግዙ ሸውዓተ መገዲታት

ካብ ኢንዳስትሪ ዝወጽእ ዘሎ ጸሊም ትኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ኣብ ግላስጎው ዝካየድ ዘሎ መበል 26 ኣኼባ ክሊማዊ ለውጢ፡ ዓለማዊ ዋዒ ብ1.5 ዲግሪ ሴልሽየስ ንምዕቃብ ዘኽእል ክኸውን ናይ መወዳእታ ዕድልን ተስፋን ተነቢሩሉ ኣሎ።

ግን ክኣ፡ ልዕሊ እቶም ካብቲ ኣኼባ ዝወጽኡ ዘለው ስምምዓት መራሕቲ ሃገራትን ምስልታትን፡ እቶም ቀንዲ ክሊማዊ ለውጢ ክንከላኸለሎም እንኽእል ኣገባባት እንታይ'ዮም?

Short presentational grey line

1. ነዳዲ ቅሪት [fossil fuels] ኣብ ትሕቲ መሬት ምዕቃብ

ከም ነዳዲ፣ ጋዝ ብፍላይ ድማ ፈሓም ዝበሉ ነገራት ናብ ከባቢ ኣየር ካርበን ዳይኦክሳይድ ስለ ዝሰዱ ሙቐትን ዓለማዊ ዋዒን ክውስኽ ምኽንያት ይኾኑ።

መጠን ዋዒ ኣብ 1.5 ዲግሪ ሴልሽየስ ክዕቀብ ዝድለ እንተኾይኑ፡ ኣየናይ ብደረጃ መንግስታት ቃልሲ የድልዮ ዝብል ኣካታዒ'ዩ።

ይኹን'ምበር፡ ከም ኣውትራልያ፣ ኣመሪካ፣ ቻይናን ህንድን ዝበላ ኣብ ፈሓም ጽግዕተኛ ዝኾና ሃገራት፡ ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርታት ዓመታት እዞም ምንጪታት ጽዓት ንምትካእ ኣብቲ ኣኼባ ዝቐረበ ስምምዕ ከይፈረማሉ ተሪፈን እየን።

2. ልቀት ሚተይን ምንካይ

ልቀት ሚተይን ምንካይ ኣዝዩ ጠቓሚ ከም ዝኾነ ኣብ ቀረባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ጸብጻብ ምዒዱ ነይሩ።

ልዑል መጠን ዘለዎ ልቀት ሚተይን ኣብ እዋን ምውጻእ ነዳዲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ብምቅጻል ዝፍጠር ስለ ዝኾነ ቴክኒካዊ ጽገናታት ብምግባር ጠጠው ክብል ዝኽእል እዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ጉሓፍ ዝእከበሎም ቦታታት ምንጪ ልዑል መጠን ሚተይን ስለ ዝኾኑ ዝሓሸ ኣተኣላልያ ጉሓፍ ክህሉ ምግባር ኣገዳሲ እዩ።

ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ኣኼባ ኮፕ26፡ ኣስታት 100 ሃገራት ልቀት ሚተይን ክንክያ ክሰማምዓ እንከለዋ፡ እዚ ብ30 ሚኢታዊት ዝነከየ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

3. ናብ ተሓዳሲ ጽዓት ምስግጋር

ካብ ካልእ ዓውዲ ቑጠባ ብዝለዓለ፡ ኤሌክትሪክን ሙቐት ዘመንጭዩ ነገራትን ኣብ ዓለማዊ ልቀት ካርበን ዓብዪ ግደ ኣለዎም።

ስለዚ፡ ዓለማዊ ስርዓት ጠለብ ጸዓት ካብ ነዳዲ ቅሪት ናብ ጽሩይ ቴክኖሎጂ - ዲካርበናይዜሽን - ክሰጋገር ምግባር እቶም ኣብ ክሊማ ክመጽኡ ዝድልዩ ሸቶታት ኣብ ምዕዋት ኣገዳሲ እዩ።

ሶላር

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ሃገራት፡ ባዶ ልቀት ካርበን ዝብል ከዐውታ እንተደልየን፡ ክሳብ 2050 ኣብ ዘሎ ግዜ ናይ ጽዓት ኣጠቓቕመአን ኣብ ንፋስን ጽሓይን ዝተሞርከዘ ክኸውን ኣለዎ።

እንተኾነ ጸገማት ኣለው። ንኣብነት፡ ንፋስ እንተውሒዱ፡ ዝተሓተ መጠን ኤሌክትሪክ'ዩ ክምንጪ።

ስለዚ፡ ብባትሪ ዝሰርሕ ቴክኖሎጂ ብምምሃዝ ትርፊ ጽዓት ተሓዳሲ ሓይሊ ብምኽዕባት ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ንዕኡ ምፍናው ዝብል ኣማራጺ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ።

4. ቤንዚንን ናፍምግዳፍ

ኩላትና፡ ኣብ መሬት፣ ሰማይን ባሕርን እንጥቀሞም ናይ መጓዓዝያ ኣማራጺታት ዝጥቀሙዎ ሓይሊ ክንልውጦ ይግባእ።

ነዚ ድማ እተን ብቤንዚንን ናፍታን ዝሰርሓ መካይንና ኣሊና ብኤሌክትሪክ ብዝሰርሓ ክንትክአን ኣገዳሲ ይኸውን።

ኣውቶብሳትን ናይ ጽዕነት መካይንን'ውን ካብ ተሓዳሲ ጽዓት ብዝፈሪ ናይ ሃይድሮጅን ነዳዲ ዝወስዳ ክኾና ይኽእላ።

ተመራመርቲ ድማ፡ ንነፈርቲ ዝኸውን ሓድሽን ጽሩይን ነዳዲ ኣብ ምምሃዝ ይሰርሑ ኣለው።

ተሓለቕቲ ስነ ከባቢ ክኣ፡ ቑጽሪ መዓልታዊ ዝግበሩ በረራታት ምንካይ ከም ኣማራጹ የቕርቡ።

5. ምግራብ

ብ2018 ዝወጽአ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መጠን ወሰኽ ዋዒ ትሕቲ 1.5 ዲግሪ ሴልሽየስ ክዕቀብ እንተኾይኑ ካርበን ዳይኦክሳይድ ካብ ኣየር ክውገድ ኣለዎ።

ነዚ፡ ኣግራብ ዓብዪ ግደ ኣለዎም። ስለ ዝኾነ ድማ ብርሰት ኣግራብ ክንኪ ኣለዎ።

ብተወሳኺ ልቀት ካርበን ዳይኦክሳይድ ንምንካይ ብዝሒ ዘለዎም ኣግራብ ምትካል ኣገዳሲ'ዩ።

6. ግሪንሃውስ ካብ ኣየር ምውጋድ

ካርበንዳይ ኦክሳይድ ካብ ከባቢ ኣየር ንምውጋድ ዝመጽኡ ዘለው ሰብ ዝሰርሖ ቴክኖሎጂታት ወይ እቲ ልቀት ጠጠው ዘብሉ ውጽኢታት ግሪን ሃውስ ኣብ ምውጋድ ዓብዪ ተራ ክህልዎም ይኽእል።

ክሳብ ሕጂ ብቐጥታ ኣየር ዝሕዙ ኣማራጺታት ማዕቢሎም'ዮም። እዚኦም ኣብ ከም ቴክሳስ ዝርከብ ካርበን ኢንጅነሪንግን ኣብ ስዊዘርላንድን ዘሎ ክላይምዎርክስን ዝበሉ ፋብሪካታት ምጥቃስ ይክኣል።

እዚኦም፡ ኣየር ንምድፋእ ዝሕግዙ ካርበን ዳይኦክሳይድ መጢጦም ዝሕዙ ናይ ኬሚካል መጻረዪ ዓበይቲ መንበድበዲ [fans] ይጥቀሙ።

ክላይምወርክስ፡ ብ2017 ዝተኸፍተ ኮይኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላዕ ዓለም 15 ማሽናት ኣብ ስራሕ ክውዕላ ገይሩ ኣሎ።

ጫካ ኣማዞን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

7. ንድኻ ሃገራት ፋይናንሳዊ ሓገዝ ምግባር

ብ2009 ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኮፐንሃገን፡ ሃብታማት ሃገራት ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት 100 ቢሊየን ዶላር ሓገዝ ከም ዝገብራ ቃል ኣትየን ነይረን።

እዚ እተን ድኻ ሃገራት ንክሊማዊ ለውጢ ክቃለሳን ንዕኡ ዝሕግዝ ሜላታት ከተኣታትዋን ብዝብል እዩ ነይሩ።

እንተኾነ፡ እዚ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈጸመን። መንግስቲ ብሪጣኒያ [ፕሬዝደንትነት ኮፕ ሒዛ ብምህላዋ] እቲ ሓገዝ ገንዘብ ኣብ 2023 ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።

ብዙሓት ኣብ ፍሓም ጽግዕተኛ ዝኾና ሃገራት ከቢድ ሕጽረት ጽዓት ከጋጥም እንከሎ፡ ኮሮናቫይረስ ካብ ዘሕደሮ ጽልዋ ንክወጽኣ ዓብዪ ፈተና ኮይኑወን ይርከብ።

ከም ኣብ ሰለማዊ ውቅያኖስ እትርከብ ኪሪባቲ ዝበላ ሃገራት ብዓለማዊ ዋዒ ኣዝየን ይጥቅዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ከም ኣብ ሰለማዊ ውቅያኖስ እትርከብ ኪሪባቲ ዝበላ ሃገራት ብዓለማዊ ዋዒ ኣዝየን ይጥቅዓ

ገለ ክኢላታት፡ ድኻ ሃገራት ናብ ተሓዳሲ ሓይሊ ንከዘምብላ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ከም ዘድልየን ይኣምኑ።

ንኣብነት ኣመሪካን ብሪጣኒያን ደቡብ ኣፍሪቃ ፈሓም ምጥቃም ጠጠው ንክተብል ናይ 8.5 ቢሊየን ዶላር ሓገዝ ገይረን።