ኮፕ26፡ ዓለምና ክሳብ ሕጂ ክንደይ ኣግራብ በሪስዋ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መራሕቲ ሃገራት ዓለም ኣብ ግላስኮው ንክሊማዋዊ ለውጢ ኣመልኪቶም ኣኼባ የካይዱ ኣለዉ።
ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ እዋን ድማ ብርሰት ኣግራብ ደው ንኽብል ተሪር ምሕጽንታ ኣቕሪቦም ኣለዉ።
ኣግራብ ንምዕቓብ ካልእ ፈተነታት'ውን ተኻይዱ ነይሩ'ዩ፤ እንተኾነ ዓወት ኣመዝጊቡ'ዶ ይኸውን?

ብርሰት ኣግራብ ክሳብ ክንደይ'ዩ ሓደገኛ?
ኣግራብ ነቲ ንዓለማዊ ዋዒ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነ ካርቦን ዳይኦክሳይድ'ዩ ዝስሕብ። ስለዚ ምስ ክሊማዊ ለውጥን ምንካይ ዋዒ ዓለምን ቀጥታዊ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ዘማትእ ኣይኮነን።
ሕቡራት ሃገራት ብደረጃ ዓለም ካብ 1990 ክሳብ ሕጂ 420 ሚልዮን ሄክታር ዝሽፍን ኣግራብ ከም ዝበረሰ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።
እቲ ቀንዲ ምክንያት ኸኣ እቲ መሬት ንሕርሻ ክኸውን እናተባህለ እቲ ኣግራብ ከም ዝበርስ ይግለጽ።
ቅድሚ ሕጂ ኣግራብ ንምዕቃብ ዝተፈላለየ ፈተነታት ይካየድ ነይሩ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2014 ኣብ ዘውጽኦ ውጥን ኣብ 2020 ብርሰት ኣግራብ ብፍርቂ ክጎድልን ኣብ 2030 ጠቅሊሉ ደው ክብልን ንድፉ ኣቐሚጡ ነይሩ።
ኣብ 2017 ኣብ ዘውጽኦ ካልእ መደብ ኸኣ ክሳብ 2030 መጠን ሸፈነ ኣግራብ ብ3 ሚኢታዊት ክውስኽ ደንጊጉ።
ሕቡራት ሃገራት ንብርሰት ኣግራብን ንምግራብን ዝምልከት ተደጋጋሚ ውጥናት ድኣ የውጽእ'ምብር ኣብ ባይታ ብዙሕ ለውጢ ከርኢ ኣይክኣለን።
ኣብ ገለ ከባቢታት ዋላ'ኳ ሓዲሽ ምግራብ እንተተራኣየ እቲ ገረብ ዓብዩ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ዝስሕበሉ ደረጃ ንኽበጽሕ ግን ዓመታት ከድልዮ ይኽእል እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዓመታዊ 4.7 ሚልዮን ሄክታር ኣግራብ ይበርስ ኣሎ።
ብራዚል፣ ዲሞክራስያዊት ሪፓበንሊክ ኮንጎን ኢንዶንዥያን ኸኣ እተን ቀንዲ ኣግራብ ዝበረሰለን ሃገራት እየን።
ብራዚል፡ ዘይሕጋዊ ብርሰት ዓበይቲ ኣግራብ ይቅጽል ኣሎ
60 ሚኢታዎት ካብቲ ኣብ ኣማዞን ዝርከብ ኣግራብ ኣብ መሬት ብራዚል እዩ ዝርከብ።
እቲ ኣብ ኣማዞን ዘሎ ዕሙር ኣግራብ ኸኣ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ኣብ ምስሓብ ዓቢ እጃም እዩ ዘለዎ።
ክሳብ 2004 ኣብ ዝነበረ መጠን ብርሰት ኣግራብ ኣማዞን ጎዲሉ'ኳ እንተነበረ፡ ብድሕሪኡ ግን መጠን ብርሰት ኣግራብ ብናህሪ ክውስኽ ተራእዩ።
ኣብ 2020 ኣብ ኣማዞን ዝተራኣየ መጠን ብርሰት ኣግራብ ግን ኣብ ታሪኽ ብርሰት ኣግራብ ኣማዞን እቲ ዝኸፈአ ምንባሩ መዛግብቲ ይሕብሩ።
ፕረዚደንት ብራዚል ጀይር ቦልሶናሮ ንሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መጠን ብርሰት ኣግራብ ኣብ ብራዚል ምስ ናይ 2020 ምንጽጻር ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይዚ ዓመት ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ከም ዝርከብ ገሊጹ።
እንተኾን መጠን ብርሰት ኣግራብ ብራዚል ምስ 2019 ብምንጽጻር ኣብዛ ኣብ ምዛዝም በጺሓ ዘላ ዓመት'ውን ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ'ዩ ዘሎ።
ብዛዕባ ብርሰት ኣግራብ ኣማዞን መጽናዕቲ ዝገብሩ ተመራመርቲ'ውን ኣብዚ ዓመት መጠን ብርሰት ኣግራብ ኣማዞን ከም ዝጎደለ ዘርኢ ጸብጻብ ከም ዘየለ'ዮም ዝገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ብራዚል ጀይር ቦልሶናሮ ኣብ ኣማዞን ንሕርሻ ዝኸውን መሬት ብምፍቃድ መጠን ብርሰት ኣግራብ ኣተባቢዑ ተባሂሉ ይንቀፍ።
ብዘይካ እዚ ነቶም ንዕቃበ ኣግራብ ዝቃለሱ ትካላት ዝውሃቦም መጠን ምወላ ስለ ዝነከዮን ንዘይሕጋውያን ኣብረስቲ ኣግራብ ዝውሃብ ዝነበረ መቅጻዕቲ ብ20 ሚኢታዊት ስለ ዝነከዮን ብዘይቀጥታዊ ኣገባብ ብርሰት ኣግራብ ኣተባቢዑ ተባሂሉ ብዓቐብቲ ከባቢ ተሪር ነቐፌታ ገጢምዎ።
ዋላ'ኳ ጽጹይ ጸብጻብ እንተዘይሃለወ ካብቲ ኣብ ብራዚል ዝግበር ብርሰት ኣግራብ እቲ 94 ሚኢታዊት ብዘይሕጋውያን ሰባት ከም ዝካየድ እዩ ዝገልጽ።
እዚ ግን ብራዚል በይና ትሕመየሉ ጉዳይ ኣይኮነን፤ ቦሊቭያ ትርከበን ጎረባብታ ሃገራት'ውን ካብ ብራዚል ብዘይፍለ ሰፊሕ ቦታታት'የን ዘብርሳ ዘለዋ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ቦሊቭያ 300 ሽሕ ሄክታር ኣግራብ ኣብሪሳ። በዚ ቁጽሪ እዚ ኸኣ ኣብ ዓለም ኣብ ራብዓይ ደረጃ ትስራዕ።
ኮንጎ፡ ሕርሻን ዕደናን
ኣብ ከባቢ ጎንጎ ዝርከብ ጫካ ብደረጃ ዓለም ብስፍሓቱ ንኣማዞን ተኸቲሉ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይስራዕ።
ልዕሊ ፍርቂ ካብቲ ጫካ ኸኣ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ'ዩ ዝርከብ።
ግሪንፒስ ዝባህሃለ ትካል ተጣባቂ ስነ ኸባቢ፡ ኣብ ኮንጎ ንኣሽቱን ዓበይትን ትካላት ቀንዲ ጠንቂ ብርሰት ኣግራብ ይኾና ከም ዘለዋ'ዩ ዝገልጽ።
ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣመሪካን ካብ ኮንጎ ብዘይሕጋዊ ዝመጽእ ኣጉናድ ናብ መሬተን ከይኣቱ'ኳ እንተኣገዳ እቲ ኣጉናድ ግን ካብ ኮንጎ ተቖሪጹ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ምውጽኡ ኣይተረፎን።
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ኣብ ኮንጎ ዓመታዊ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሄክታር ኣግራብ ይበርስ ምህላዉ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ፍሊክስ ትሺስክዲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ንኹሎም እቶም ኣግራብ ክቖርጹ ፍቓድ ዝዋህሃቦም ትካላት ይኹኑ ውልቀሰባት ወረቐት ፍቓዶም ዳግማይ ክርኣ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
እቲ ተበግሶ ኸኣ ብብዙሓት ተጣበቕቲ ስነ ኸባቢ ናእዳ ረኺቡ ኣሎ።
ግሪንስፔስ ኣብ ጫካ ኮንጎ መጠን ምግራብ ብ8 ሚኢታዊት ክብ ንምባል መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ኢንዶንዥያ፡ ገረብ ዘይቲ ዱማ
ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ሃገረ ኢንዲንዥያ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሐ ብርሰት ኣገራብ ዝተኻየደለን ሓሙሽተ ሃገራት'ያ ኮይና።
ብመሰረት ካብ ግሎባል ፎረስት ዎች ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ኣብታሃገር ካብ 2002 ክሳብ 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ 9.75 ሚልዮን ሄክታር ኣግራብ በሪሱ ኣሎ።
ኢንዶኔዥያ ኣብ 20 ዓመታት 10 ሚሊየን ሄክታር ዝጽጋእ ኣግራብ እያ ስኢና።
ፕረዚደንት ኢንዶንዥያ ጆኮ ዊዶዶ ኣብ 2014 ነቲ ንገረብ ዘይቲ ዱማ ንምትካል ተባሂሉ ዝበርስ ተፈጥሮኣዊ ኣገራብ ደው ንኸብሎ ተሪር መደብ ሓንጺጹ ነይሩ።
ኣብ 2016 ኣብታ ሃገር 929 ሽሕ ሄክታር ኣግራብ በሪሱ። እንተኾነ ብድሕሪኡ መጠን ብርሰት ኣግራብ እናነከየ ስለ ዝመጽአ ቁሩብ ተስፋ ዘሪኡ ይርከብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢንዲንዥያ ኣብ ዓመተ 2020፡ 270,000 ሄክታር ኣግራብ በሪሱ።
ኣብ 2019 ፕረዚደንት ዊዶዶ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንዕ ኣብ 66 ሚልዮን ሄክታር ምቁራጽ ኣግራብ ዝእግድ ሕጊ ኣጽዲቑ።
እዚ ኸኣ ኣብቲ ቦታ ተስፋ ዝዘርእ ውሳነ ኮይኑ ተወሲዱ ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







