ክሊማዊ ለውጢ፡ 190 ሃገራትን ትካላትን ፈሓም ንዘይምጥቃም ቃል ኣትየን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቀንዲ ተጠቀምቲ ፈሓም/ከሰል ዝኾና ሃገራት ፖላንድ፣ ቬትናምን ቺሊን፡ ኣብ ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኮፕ-26 ከም ፈሓም፣ ነዳድን ዝበሉ ምንጪ ፀዓት ንዘይምጥቃም ውዕሊ ከምዝኣተዋ፡ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣፍሊጡ።
ፈሓም ኣብ ለውጢ ከባቢ ኣየር (ክሊማዊ ለውጢ) ዓብይ ጽልዋ ኣለዎ።
ኣብ ዓለም ብቀዳምነት ፈሓም ዝጥቀማ ሃገራት ኣውስትራልያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ኣሜሪካን ግና፡ ቃል ካብ ምእታው ተቖጢበን።
በዚ ውዕሊ ዝተሰማምዓ ሃገራት፡ ብደረጃ ሃገር ኮነ ብደረጃ ዓለም፡ ሓድሽ ጸዓት ከሰል ንዘይምጥቃም ተመባጺዐን ኣለዋ።
ሓላፊ ንግድን ፀዓትን ዓባይ ብሪጣንያ ክዋሲ ክዋርቴንግ፡ “ፈሓም ምጥቃም ዘብቅዐሉ ግዘ ርሑቕ ከምዘይኾን ይረአ ኣሎ” ኢሉ።
“ዓለምና ብትኽክለኛ ኣንፈት ትኸይድ ኣላ። ዕጫ ፈሓም ንምዕፃው፣ ኣብ ቀፃሊ ተተካኢ ጸዓታት ዝንቀሳቐስ ከባብን ቁጠባዊ ረብሓን ንምቕባል ድልውቲ እያ” ኢሉ።
ነዚ ፈሓም ናይ ዘይምጥቃም ውዕል ልዕሊ 40 ሃገራት ክፍርማሉ እንከለዋ፡ ፖላንድ፣ ቬትናምን ቺሊን፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ጸዓት ፈሓም ገንዘባዊ ወጻኢ ንዘይምውፋር ካብ ሞንጎ ዝተሰማምዓ 18 ሃገራት እየን።
ጸሓፊ ‘ዩኬ ሻዶው’ ኤድ ሚሊባንድ፡ ከም ቻይና ዝበላ ልዑል ልቀ ት ካርቦን ዘለወን ( large emitters)፡ ፀዓት ከሰል ንዘይምጥቃም እንተድኣዘይወሲነን፡ “ክፍተታት” ከምዘለዉ ገሊፁ።
ከም ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ፖላንድን ህንድን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ዘለወን ጽላት ጽዓት፡ ተተካኢ ንምግባር ዓብይ ወፍሪ የድልየን።
ብደረጃ ዓለም ፈሓም ኣብ ምጥቃም ምንካይ እኳ እንተተርኣየ፡ ኣብ 2019 ዝተረኸበ 37 ሚእታዊት ሓይሊ ኤሌትሪክ ካብ ፈሓም ዝመንጨወ እዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







