ብሓቂ ንኢንተርነት ዝመሃዘ ሰብ መን’ዩ?

ብሓቂ ንኢንተርነት ዝመሃዘ ሰብ መን’ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብሓቂ ንኢንተርነት ዝመሃዘ ሰብ መን እዩ? ከምቲ ኣብ ብዙሓት ምህዞታት ዘጋጥም፡ ምህዞ ኢንተርነት ምስ ሓደ ሰብ ጥራይ ዝተኣሳሰር ኣይኰነን።

ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣምፑል፡ ተሌፎንን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ዝነበረ፡ ኣብ ምህዞ ኢንተርነት እውን ኣገዳሲ ተራ ዝተጻወቱ ብርክት ዝበሉ ሳይንቲስትን መሃዝትን ምጥቃስ ይከኣል።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ህይወትና ብምቕላሉ እንፈትዎን ሓሓሊፉ ድማ እንፈርሖን መሳርሒ ዝዀነ ኢንተርነት ኣብ ምምዕባል ብዙሓት ዝተፈላለዩ ሰባት ኢድ ነይርዎም።

ገለ ካብኣቶም ቲም በርነርስ-ሊ፡ ፖል ባራን፡ ሎውረንስ ሮበርትስ፡ ጄሲኣር ሊክሊደር፡ ሊዮናርድ ክላይንሮክ፡ ቪንተን ሰርፍን ሮበርት ካንን ካልኦትን ይርከብዎም።

ንኢንተርነት ዝመሃዘ መን እዩ?

ቀንዲ ክፋል ናይቲ ኣብዚ እዋን እንጥቀመሉ ኢንተርነት ዝዀነ ‘ዎርልድ ዋይድ ወብ’ ወይ ድማ ዓለምለኻዊ መርበብ ሓበሬታ ብብሪጣንያዊ ተመራማሪ ኮምፒዩተር ቲም በርነርስ-ሊ እዩ ተማሂዙ።

በርነርስ-ሊ፡ ኣብ ውድብ ኒዩክለራዊ ምርምር ኣውሮጳ እናሰርሐ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ መጋቢት 1989 ነዚ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ዓለምለኻዊ መርበብ ሓበሬታ ብከም ‘ሃይፐርቴክስት ማርክኣፕ ላንግዌጅ’ (HTML) ዝኣመሰሉ ክሳብ ሎሚ ኣብ ጥቕሚ እናወዓሉ ዝርከቡ ስርዓታትን ኮዲንን ዝተሃንጸ እዩ፤ በዚ ምኽንያት’ዩ ‘www’ መጀመሪ ኣድራሻ ኵሎም መርበብ ሓበሬታታት ኰይኑ።

ይዅን’ምበር፡ ዓለምለኻዊ መርበብ ሓበሬታ ንገዛእ ርእሱ ክኢሉ ኢንተርነት ዘይኰነስ፡ ከም ስርዓት ምሕደራ ሓበሬታ እዩ ተማሂዙ፤ ብኸምዚ ድማ ንሃይፐርቴክስትን ከምኡ’ውን ነቲ ቅድሚኡ ዝነበሩ መልክዓት ኢንተርነትን ስግረ-መርበባትን ብሓደ ከጣምር ክኢሉ።

ከም መርበብ ሓበሬታ ኦንላይን ኰይኑ ክሰርሕ ዝተዳለወ ኰይኑ፡ ብፍጥረት ከም ኤችቲኤምኤል፡ ኤችቲቲፒ፡ ዩኣርኤልን መዳህሰሲ መርበብ ሓበሬታ ዝኣመሰሉ መስርዕ ሃይፐርሊንክታት ይጥቀም።

ብርግጽ በርነርስ-ሊ ‘info.cern.ch’ ዝብል ኣድራሻ ዘለዎ ኣብ ዓለምና ናይ መጀመርታ መርበብ ሓበሬታ ብዕለት 20 ታሕሳስ 1990 ምሂዙ፤ እዚ መርበብ ሓበሬታ ንውድብ ኒዩክለራዊ ምርምር ኣውሮጳ የገልግል ነይሩ።

‘ዎርልድ ዋይድ ዌብ’ ወይ ድማ ዓለምለኻዊ መርበብ ሓበሬታ ብብሪጣንያዊ ተመራማሪ ኮምፒዩተር ቲም በርነርስ-ሊ’ዩ ተማሂዙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ‘ዎርልድ ዋይድ ወብ’ ወይ ዓለምለኻዊ መርበብ ሓበሬታ ብብሪጣንያዊ ተመራማሪ ኮምፒዩተር ቲም በርነርስ-ሊ’ዩ ተማሂዙ

ዓለምለኻዊ መርበብ ሓበሬታ ኣብ 1991 ህዝባዊ ኣገልግሎት ክህብ ጀሚሩ፤ ካብ 30 ሚያዝያ 1993 ጀሚሩ ድማ ሓፈሻዊ ህዝቢ ብሰፊሑ እናተጠቐመሉ ይርከብ።

በርነርስ-ሊ፡ “ከም ሃይፐርቴክስት፡ ኢንተርነት፡ ብዙሕ ቅርጸ-ጽሑፋት ዝኣመሰሉ መብዛሕትኡ ምስቲ መርበብ ሓበሬታ ምትእስሳር ዘለዎም ቴክኖሎጂታት ኵሎም ተነዲፎም” ከምዝነበሩን ንሱ ግን ብሓደ ከምዘተኣኻኸቦምን ይገልጽ።

ንሱ፡ እቲ ምህዞኡ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኰይኑ ከምዘሎ ኣብ 2021 ገሊጹ ነይሩ።

"ኣብ ከባቢ 2016 [ከባቢ ዕንደራ ዳታ ፌስቡክ-ካምብሪጅ ኣናሊቲካ]፡ ዝፈልጦም ሰባት ዘተኣማምንን ሳይንሳዊ መሰረት ዘለዎን ሓበሬታ ንኽህልዎም፡ መዕለቢኦም (bookmarks) የሐይልዎ ከምዘለዉ ኣዝዩ ተረዲኡኒ፤ ግን ኣዝዩ ዝተፈላለየ መዕለቢ ዘለዎም ብዙሓት ዘይፈልጦም ሰባት ኣለዉ።"

እዞም ዝስዕቡ ክኢላታት እውን ናብ ምህዞ ቲም በርነርስ-ሊ ዝመርሑ ኣገደስቲ ስጕምትታትን ምዕባለታትን ኣበርኪቶም እዮም።

ጄሲኣር ሊክሊደር

ኣመሪካዊ ክኢላ ስነ-ኣእምሮን ሳይንቲስት ኮምፕዩተርን ሊክሊደር፡ ኣብ ነሓሰ 1962 እቲ 'ጋላክቲክ ኔትወርክ' ዝበሎ ኣምር ኣብ ተኸታታሊ መዘኻኸሪታት ገሊጽዎ ነይሩ። እዚ ድማ ዝዀነ ሰብ ካብ ዝተፈላለዩ መርበባት ሓበሬታን ፕሮግራማትን ክበጽሖ ዝኽእል ብደረጃ ዓለም ንሓድሕደን ዝተኣሳሰራ ኮምፒዩተራት ዝምልከት ራእይ እዩ።

ኣብ ምዕቡል ፕሮጀክትታት ምርምር ኤጀንሲ ዝተበሃለ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ እናሰርሐ እንከሎ፡ ተካእቱ ኣብዚ ናቱ ኣምር ምስራሕ ንኽቕጽሉ ኣእሚኑዎም’ዩ።

ሊዮናርድ ክላይንሮክ

ሊዮናርድ ክላይንሮክ ኣብ ጎኒ እቲ ናይ መጀመርታ መልእኽቲ ኢንተርነት ዝተላእኸሉ ኢንተርፌስ መሰጅ ፕሮሰሰር (IMP) ይርአ

ምንጪ ስእሊ, Robyn Beck/AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሊዮናርድ ክላይንሮክ ኣብ ጎኒ እቲ ናይ መጀመርታ መልእኽቲ ኢንተርነት ዝተላእኸሉ ኢንተርፌስ መሰጅ ፕሮሰሰር (IMP) ይርአ

ኣመሪካዊ ሳይንቲስት ኮምፕዩተር ሊዮናርድ ክላይንሮክ ፡ ኣብ ሓምለ 1961 ብዛዕባ ንኣሽቱ ዳታታት ኣብ ዝተፈላለዩ መርበባት ምትሕልላፍ ዝምልከት ክልሰ-ሓሳብ መጽናዕቲ ኣሕቲሙ’ዩ።

እዚ ክልሰ-ሓሳብ ኣብ 1964 ብመጽሓፍ መልክዕ ተሓቲሙ። ሊዮናርድ፡ ኣብዚ ክልሰ-ሓሳቡ፡ ኮምዩተራት ኣብ ክንዲ ብዑደት ኤለክትሪክ ብ'ፓኬት' ሓበሬታ ኣቢሎም ዝረዳድኣሉ ናይ ኦንላይን መርበብ ክፍጠር ከምዝኽእል ኣመልኪቱ።

እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማሳቹሰትስ (MIT) ቤተ ፈተነ ዝርከባ ክልተ ኮምዩተራት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1965 ነንሕድሕደን ርክብ ክህልወን ኣኽኢሉ’ዩ።

ፖል ባራን

ማእከላዊ ትእዛዝ ዘየድልዮ መርበብ መራኸቢታት ክህሉ ሓሳብ ዘቕረበ ድማ ፖላንዳዊ-ኣሜሪካዊ መሃንድስ ፖል ባራን እዩ።

ንሱ ኣብ 1960ታት ኣብ ራንድ ምስ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን፡ መርበባት ቀንዲ መርበብ ከየድለየ ተበጻሕነት መርበብ (network access points) ክህሉን ኣብ ነንሕድሕዶም ርክብ ክህልዎም ዘኽእል ኣገባብ ኣማዕቢሉ።

እዚ ድማ ሓደ መርበብ እንተተደምሲሱ፡ ተበጻሕነት ናይቶም ካልኦት ንኸይቋረጽ ኣኽኢሉ ማለት እዩ።

ሎውረንስ ሮበርትስ

ሎውረንስ ሮበርትስ ኣብ ምዕቡል ፕሮጀክትታት ምርምር ኤጀንሲ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ዋና ሳይንቲስት እዩ ነይሩ።

ንሱ፡ ኣብ ሓሳባት ፖል ባራንን ሊዩናርድ ክላይንሮክን ተመርኲሱ ብምስራሕ ዝርጋሐ ዘለዎ መርበብ ኣማዕቢሉ።

ኣብ 1967 ኮምፕዩተር ኔትወርክ ዘጠቓልል ሓሳባቱ ኣብ ‘ኣድቫንስድ ሪሰርች ፕሮጀክትስ ኤጀንሲ ኔትወርክ’ (ARPANET) ኣሕቲሙ። እቲ ናይ መጀመርታ መልእኽቲ

ከም ውጽኢቱ ድማ ካብ ሓደ መጽናዕታዊ ትካል ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ሎስ ኣንጀለስ (UCLA) ናብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ዝርከብ ካልእ መጽናዕታዊ ትካል እቲ ናይ መጀመርታ መልእኽቲ ተላኢኹ። እዚ ብዕለት 29 ጥቅምቲ 1969 እዩ ነይሩ።

ሎውረንስ ሮበርትስ (ርሑቕ ጸጋም) ምስ ፈለምቲ መርበብ ቦብ ካን፡ ቪንት ሰርፍን ፈጣሪ መርበብ ሓበሬታ ሰር ቲም በርነርስ-ሊን

ምንጪ ስእሊ, Carlos Alvarez

መግለጺ ስእሊ, ሎውረንስ ሮበርትስ (ርሑቕ ጸጋም) ምስ ፈለምቲ መርበብ ቦብ ካን፡ ቪንት ሰርፍን ፈጣሪ መርበብ ሓበሬታ ሰር ቲም በርነርስ-ሊን

ቪንት ሰርፍን ሮበርት ካንን

ቪንት ሰርፍን ሮበርት ካንን፡ ኮምፒዩተራት ኣብ ዝተፈላለየ መርበባት ነንሕድሕደን ርክብ ክህልወን ዘኽእለን ‘Transmission Control Protocol and Internet Protocol’ (TCP/IP) ዝበሃል ኣገባብ ኣዳልዮም።

እዚ ኣገባብ ኣብ 1974 ንህዝቢ ዝቐረበ ኰይኑ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምክልኻልን ከምኡ’ውን ኣብ ኣድቫንስድ ሪሰርች ፕሮጀክትስ ኤጀንሲ ኔትወርክን ዝነበራ ኮምፕዩተራት ብወግዒ ናብዚ ኣገባብ ዝሰገሩላ መዓልቲ 1 ጥሪ 1983 ነይራ።

ብዙሓት ድማ እዛ መዓልቲ ከም ዕለት ልደት ኢንተርነት ይቘጽርዋ።

እዚ ኵሉ፡ ኣብ 1983 ድሮ ኣብ ዝተፈላለዩ መርበባት መስቀላዊ ርክባት ስለዝነበረ፡ ከም .com፡ .edu፡ .net፡ .org ወዘተ ዝኣመሰሉ ‘ዶመይን ኔም ሲስተም’ (DNS) ተጀሚሩ ማለት እዩ።