ኢንተርነት፡ ንዅሉ ኣብ ከባቢና ዘሎ ነገራት እንተተኣሳሲርዎ ዓለም እንታይ ክትመስል እያ?

ስክሪን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ፍሪጅ ዘቐመጥክምዎ ጸባ ክውዳእ ከሎ እቲ ፍሪጅ እንተዝነግረኩም፣ ሓደ ሰራቒ ሓጹር ዘሊሉ ክኣቱ እንከሎ ኣብ ተሌፎንኩም መጠንቀቕታ እንተዝበጽሓኩም፣ ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ኵነታት ኣየር ኣብ ግምት ኣእትዩ ሙቐት ገዛኹም ዝውስን ወይ ድማ ኣብ መንገዲ መኪናኹም ዘሎ ትራፊክ ብምግንዛብ ኣየናይ ኣማራጺ መንገዲ እንተመረጽኩም እንተተመላኽት . . .

እዚ ኵሉ ሕልማዊ ኣይኰነን፣ ዕድመ ንቴክኖሎጂ - ክውን ዝዀነ እዩ።

እዞም ኣቝሑ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ርእየት ወይ ድምጺ ብምክትታል ስራሕ ከም ዘቕልሉ ተስፋ ተገይሩ ኣሎ።

‘ኢንተርነት ኦፍ ቲንግስ (IoT) እንታይ እዩ? እንታይ ይረብሕ፡ ከመይ ይሰርሕ ክንብል ንመስራትን ኣካያዲ ስራሕን ኣይኮግ ላብስ ጌትነት ኣሰፋ ሓቲትናዮ።

ኣብ ሰብሰርሖ ብልሒን ተዛመድቲ ዓውድታት ዝሰርሕ ትካል ዝመስረተ ጌትነት፡ ኣብ ከባቢና ዘለዉ ነገራት ሓበሬታ ከም ዝዀኑ ብምሕባር መብርሂኡ ይጅምር።

“ኵሉ እንርእዮ ነገር ሓበሬታ’ዩ። ነዚ ዳታ ናብ ማእከላይ ማእከል ኢንተርነት ከነምጽኦ እንተኽኢልና፡ ነቲ ዳታ ክንቈጻጸሮን ንጠቓሚ ዕላማ ክንጥቀመሉን ንኽእል ኢና" ይብል።

ፈለማ ዳህሰስቲ ምንቅስቓስ፡ ጂፒኤስ ወይ ካልእ ዳታ ኣከብቲ ዝእክቡ ምስቶም ኣቝሑ ምትእስሳር ክህልዎም ምግባር እዩ።

ቀጺሉ ካብኡ እንረኽቦ ሓበሬታ ዝተፈላለዩ ናይ ርክብ ሜላታት ተጠቒምና ናብ ኮምፒተርና ነሰጋግሮ።

ካብኡ ዝስዕብ ኣብቲ ዳታ ዝተምርኮሰ ውሳነ ምሃብ እዩ።

ጌትነት ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ብዝበለጸ ንምብራህ፡ ክልተ መዳያት ከም ኣብነት ይህብ፤ ሕርሻን መጓዓዝያን።

ብዘመናዊ ጸጋታት ቴክኖሎጂ ዝሰርሕ ከተማ ተሃኒጹ ንበል። ኣብታ ከተማ ዝርከቡ መካይን፡ መራሕቲ መካይን፡ ተሳፈርቲ፡ ኣምቡላንስ ወይ ፖሊስ ብኢንተርነት ሓበሬታ ክለዋወጡ ክንገብር ንኽእል ኢና።

እዚ ንምግባር፡ ክንደይ መካይን በቲ መንገዲ ሓሊፈ ኢሉ ዝቘጽር መሳርሒ ምትካል ይከኣል እዩ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መኪና ካሜራ ምግባር ወይ ጂፒኤስ ምትካል'ውን ይከኣል።

ቍልቁለትን ዓቐበትን ከምኡ’ውን ዝተበላሸወ ጽርግያታት ዘለሊ መሳርሒ ምትካል'ውን ካልእ ኣማራጺ እዩ።

". . . .በዞም ሰንሰራት ዝእከብ ዳታ ናብ ማእከላይ ዳታበይዝ ተላኢኾም ዝኽዘኑ እዮም። እዞም ደቀቕቲ ሃርድዌር፡ ኢንተርነት ኦፍ ቲንግስ ይበሃሉ። ነዚኦም ናብ ሓበሬታ ብምቕያርን ድሕሪኡ ኣብ ኮምፒተርና ኣእቲና ናብ ጠቓሚ ሓበሬታ ብምቕያርን ፍጻመታት ምቍጽጻር ይከኣል እዩ" ይብል ጌትነት።

ካልኣይ ኣብነት ሕርሻ እዩ።

ኣብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሰንሰራት ብምትካል መረዳእታ ምእካብ ይከኣል’ዩ። ምስሊ ንምፍራይ ሙቐት ዝጥቀም ካሜራ ብምትካል፡ ወይ ድማ ኣፍራይነት ዘራእቲ ዝምርምር መሳርሒ ብምትካል መረዳእታ ይእከብ።

ብተወሳኺ ኣብ መሬት ዝተቐብሩ ሰንሰራት ርስሓት ሓመድ ወይ ትሕዝቶ ማዕድናት ብምዕቃን ዳታ ናብ ኮምፒተር ይልእኩ።

"ብኣሽሓት፡ ሚልዮናትን ትሪልዮናትን ኤሌክትሮኒካዊ ሃርድዌር ዝተኣከበ ሓበሬታ ኣብ ሓንቲ ኮምፒተር ኣቐሚጥካ ናብ ጠቓሚ ሓበሬታ ምቕያር ማለት'ዩ" ይብል እቲ ክኢላ።

ስክሪን

ምንጪ ስእሊ, Empics

'ኢንተርነት ኦፍ ቲንግስ'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

‘ኢንተርነት ኦፍ ቲንግስ’ ከምቲ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ኣብነት ዝረኣናዮ፡ ትራፊክ ንምምሕዳርን ሕርሻ ንምምሕያሽን ክሕግዝ ይኽእል።

ብርግጽ ኣብ ካልኦት ዓውድታት እውን ይትግበር ኣሎ።

ኣብ ከባቢና እንርእዮ ኵሉ ምስ ኢንተርነት ዝተኣሳሰረሉ ዘመን ዝቐረበ ይመስል።

ሕጂ’ውን እንተዀነ፡ ዝበዝሕ ህዝቢ ዓለም (ብውሑዱ ኣብቲ ኢንተርነት ዘለዎ ከባቢታት) ዝበዝሕ ግዜኡ ኣብ ኤሌክትሮኒክስ እዩ ዘሕልፍ። ነዚ እዩ ድማ ዝዀነ ነገር ናብ ሓበሬታ ምቕያር ዘኽእል።

ኣብ ባዮሎጂን ኬሚስትሪን ዘለዉ እውን ከይተረፉ ናብ ሓበሬታ ይቕየሩ ከም ዘለዉ ጌትነት ይዛረብ።

“ኣተም፡ ማዕድናት፡ ዲኤንኤ፡ ኒውሮዳታን እንተላይ ሰባት ናብ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ተቐይሮም እዮም" ይብል።

ደቂ ሰባት ድምጺ፡ ምስልን ምንቅስቓስን ዝሕዙ ሰንሰራት ብምጥቃም ከባቢኦም ናብ መኽዘን ዳታ ክቕይሩ ትጽቢት ይግበር።

ሎሚ ከም መጋየጺ እንርእዮም ነገራት ኣብ መጻኢ ንብረት ኵሉ ሰብ ክዀኑ እዮም።

ክንዮ ኣቕሑ ምስ ሰባትን እንስሳታትን'ውን ክተሓሓዝ ይኽእል እዩ። ሕሙማት ልቢ ንጥዕናኦም ዝከታተል መሳርሒ ምስ ዝግጠሞም፡ እቲ መሳርሒ ምስ ካልኦት መሳርሒታት ክተሓሓዝ ይኽእል።

እንስሳታት ምንቅስቓሶም ዝከታተልን መረዳእታ ዝእክብን መሳርሒ ክዕጠቝ ይኽእሉ።

ፍሪጅ፡ መኪና፡ ማዕጾን ኵሉ ኣቝሑን ምስ ኢንተርነት ምትእስሳር ማለት ሰባትን ሓበሬታ ንዋትን ይተኣሳሰሩ ኣለዉ ማለት እዩ።

ብኣንጻሩ ብክኢላታት፡ ብዛዕባ ድሕነት ዳታ ዝሻቐሉ ነቐፌታ ክቐርቡ ጸኒሖም እዮም።

ነፍሲ ወከፍ መሳርሒ ምስ ኢንተርነት እንተተኣሳሲሩ፡ ኣሰራርሓ ሓደ መሳርሒ ንውጽኢታዊነት ካልእ መሳርሒ ኣገዳሲ እናዀነ ክኸይድ ስለዝኽእል ሓደ መሳርሒ እንተፈሺሉ ምሉእ ስርሒት ክዕንቀፍ እዩ ዝብል ስክፍታታት ኣሎ።

መዓስ ኢና ክንበጽሖ?

ኢትዮጵያ፡ ብሓፈሻ እዚ ከባቢ ይዅን ዝተረፈ ደቡባዊ ዓለም ብኢንተርነት፡ ነገራት ብማዕረ ምስ ካልእ ዓለም ክተኣሳሰር ድዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒልና።

"ኣፍሪቃ ኣየናይ ተመኵሮ ክኽተል ዝብል ብዙሕ ኣማራጺ ኣሎዋ" ይብል ጌትነት።

". . . ኣማኢት ዓመታት ዝወሰደሎም ጕዕዞ ኣብ ሓጺር ግዜ ክንበጽሖ ዘይንኽእለሉ ምኽንያት የለን። ንዕኡ ዘሊልና ናብ ካልእ ደረጃ ቍጠባ ክንበጽሕ ተኽእሎ ኣሎ" ክብል ይውስኽ።

ነዚ ኣንፈት ቴክኖሎጂ ከም መርትዖ ይጠቅስ።

ቴክኖሎጂ ኣብ ሃገራትን ኣህጉራትን ዝተመስረተ ዶባት ዝሰግር’ዩ።

“ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ክሪፕቶካረንሲን ካልኦት ፍርያት ቴክኖሎጂን ሃገር ዘይኰነስ ቦታ ዝጠልቡ ምዃኖም፡ ኣካላዊ ዶባት ንቴክኖሎጂ ከም ዘይሰርሕ ዘርኢ'ዩ" ይብል።