መዓልታዊ ኣብ ኢንተርነት እንዝርግሖ ስእልን ቪድዮን ኣበይ ይኽዘን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መዓልቲ ክንደይ ግዜ ተሌፎንካ ትጥምት?
ኣብዚ ዓመት ዝተገብረ ሓደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ሓደ ሰብ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ 58 ግዜ ተሌፎኑ ይርኢ፤ ካብዚ 58 እቲ 30 ኣብ ቦታ ስራሕ እዩ።
እቲ መጽናዕቲ ኣብ 47 ሃገራት ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ሰባት መዓልታዊ ብገምጋም ሰለስተ ሰዓትን 15 ደቒቕን ኣብ ቴለፎኖም ከምዘሕልፉ ይሕብር።
እቲ ዝበዝሕ ኣብ ቴለፎንና ነሕልፎ ሰዓታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሃሰው ምባል፡ ስእልን ቪድዮን ምልዓልን እዩ።
ካልእ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት 45 ሽሕ ስእልታት፡ ኣብ ሰዓት 196 ሚልዮን ስእልታት፡ መዓልታዊ ድማ 4.7 ቢልዮን ስእልታት ከም ዝለዓል የመልክት።
እዚ ኵሉ ስእልታት ኣብቲ ዘይድህሰስ መዕቈር [Cloud - ክላውድ] ተዓቂቡ ይርከብ።
እዚ ክላውድ ስእልታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝዀነ ኣብ ተሌፎናትና እንቐድሖ ሓበሬታ’ውን እዩ ዝዕቅብ።
እዚ ኣብ 1960ታት ከም ዝተማህዘ ዝፍለጥ ክላውድ፡ ብቐንዱ ብኣፕል (ኣይ-ክላውድ)፡ ኣማዞን (ኣማዞን ዌብ)፡ ድሮፕቦክስን ጉግልን ዝቐርብ እዩ።
በዚ መሰረት፡ ካላውድ ንመኽዘን ሓበሬታ [ዳታ] ብኸመይ ቀይርዎ? ከመይ ይሰርሕ? ንዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ፡ ቢቢሲ ንክኢላ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) ዶክተር ዳኛቸው ብሩ ተወኪሱ’ሎ፤
'ክላውድ' እንታይ እዩ? እንታይ ከ ይጠቅም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብመሰረት ሓበሬታ ዶክተር ዳኛቸው፡ እቲ ክላውድ/ደበና ቅድሚ ምፍጣሩ፡ ኣብያተ ጽሕፈት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰን ማእከላይ መኽዘን ሓበሬታ፡ ዳታ በይዝ ሓበሬታአን ይዕቅባ ነይረን። እዚ ማለት ሓደ ስራሕ ተሰሪሑ ሓበሬታ ኣብ ማእከል/ቤት ጽሕፈት ኮምፒተር ትካል ይኽዘን ማለት እዩ።
ውልቀሰባት፡ ሓበሬታኦም ኣብ ተሌፎኖም ወይ ላፕቶፕ፡ ዋላ ኣብ ሃርድ-ዲስክ ይዕቅቡ።
እዞም ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒታት ድሕሪ ዝተወሰነ ክመልኡ ዝኽእሉን፤ ንስርቂ ዳታ እውን ቅሉዓት እዮም።
ከም ኣማዞን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ትካላት ከኣ ስራሓተን ቅማረ ዝደሊ እዩ።
ሰባት ብኢንተርነት ዝገዝእዎ ፍርያት ንምክትታል፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቀጻሊ’ኸ እንታይ ክገዝኡ ከም ዘለዎም ሓሳብ ንምቕራብ፡ ቅማረ ይደሊ እዩ።
". . . ንኢንተርነት ማርኬቲን ንኽጠቅም ከኣ ብዙሕ ማእከል ሓበሬታ [data center] ኣዳልዮም ብምክፍፋል ከማዕብልዎ ጀሚሮም። ድሕሪኡ ሓድሽ ሓሳብ ንግዲ ኣምጺኦም፡ እቲ ሰርቨር ንዓማዊሎም ክካርይዎ ጀሚሮም” ይብል እቲ ክኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅድሚ ሕጂ ናይ ክላውድ ሓሳብ’ኳ እንተነበረ፡ ኣማዞን ግን ዝያዳ ተፈላጢ ክኸውን ገይርዎ።
ውልቀሰባትን ትካላትን ከኣ ብቅማረ ክላውድ ኣቢሎም፡ ዓበይቲ ዳታ ንነዊሕ ግዜ ክዕቅቡ ይኽእሉ።
ዳታ፡ ብኢንተርነት ተጠቒምካ ኣብ ካልውድ ይኽዘን፤ እቲ ዝተኸዘነ ዳታ ድማ ካብ ዝዀነ ቦታ፡ ኣብ ዝዀነ ዓይነት መሳርሒ፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ኣውጺእካ ክትጥቀመሉ ይከኣል።
እታ ዳታ ዝተኸዘለነላ መሳርሒ እንተጠፍአት’ውን፡ እቲ ኣብ ክላውድ ዝተኸዘነ ሓበሬታ ብካልእ መሳርሒ ክርከብ ዝኽእል ምዃኑ፡ ሓደ ካብቲ ጥቕምታት እዩ።
ንኣብነት ቴለፎን ክንቅይር እንከለና፡ ካብታ ኣረጊት ተሌፎን ዝመጽእ ኣሳእል፡ ጽሑፋት፡ ቪድዮታት፡ ሓጸርቲ መልእኽቲ ጽሑፍ፡ ቁጽሪ ተሌፎናትን ካልኦት ኣገዳስቲ ሓበሬታታትን ናብ ሓዳስ ተሌፎን ክሰጋገር ይኽእል።
Google Drive, Dropbox, Box ካብቶም ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ብናጻ ዝህቡ እዮም። እቲ ዝዕቅብዎ መጠን ዳታ ኣዝዩ ዓቢ ኰይኑ፡ ብተወሳኺ ዳታ ካብ ስርቂ ተሓልዩ ብውሕስነት ንሓዋሩ ንክኽዘንን ይሕግዝ።
“እቲ ዳታ ብኣካል ኣበይ ከምዘሎ ስለዘይፍለጥ እዩ ‘ክላውድ’ ዝበሃል። እቲ ዳታ ኣብ ቴክሳስ ድዩ ኣብ ናይሮቢ ማእከል ሓበሬታ ተኸዚኑ ዘሎ ኣይፍለጥን፤ እቲ ሓበሬታ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ክኽዘን ይኽእል’ዩ" ይብል ዶ/ር ዳኛቸው።
ከም ማይክሮሶፍትን ጉግልን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ፡ ቪድዮ፡ ድምጺ፡ ሰነድን ካልእ ዳታን ኣብ ክላውድ ክኽዘን ይመኽሩ።
ዶክተር ዳኛቸው ከም ዝብሎ፡ ክላውድ ካብ መኽዘን ዳታ ወጻኢ፡ ንቕማረ እውን የገልግል እዩ።
"ሰብሰርሖ ብልሒ፡ ዓቕሚ ቅማረ ንምርካብ እዩ። ሞዴላት ንምትእትታውን ንምስልጣንን ዘድሊ ጸጋታት ኮምፒዩተር ኣዝዩ ዓቢ እዩ። ነዚ [እቲ ዳታ ንምብዛሕ] ዘድሊ ጸጋ ኣብ ክላውድ ስለዘሎ፡ ተኻሪኻ ምጥቃም ይከኣል እዩ።
"እቲ ዳታን ጸጋታት ኮምፒዩተርን ኣብ ክላውድ ኣሎ። ክላውድ ዝተዘርግሐ ነገር ኣይኮነን፤ ማእከላት ኣለውዎ። ስለዚ እቲ ቅመራ ኣብተን ማእከላት ብኢንተርነት ኣቢሉ እዩ ዝዕየ።”
ትካላት፡ ናይ ገዛእ ርእሰን ማእከላ ዳታ ንምቛምን ንምምሕዳርን ዝሕተት ወጻኢታት ንምቝጣብ ክላውድ ይካረያ።
ሓበሬታ ኣብ ሓደ መዕቈሪ ወይ ማእከል ጥራይ ኣይክዘንን እዩ። ኢንተርነት ክሳብ ዝሃለወ፡ ኣብ ዝዀነ እዋን፡ ካብ ብዙሓት መሳርሒታት ተጠቒምካ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።
ክላውድ፡ ንቕልጣፈን ስሉጥነትን ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ኣገልግሎት፡ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።
ዶክተር ዳኛቸው፡ ዩትዩብን ፈይስቡክን ዝተፈጥሩ፡ ካላውድ ስለዘሎ እዩ፡ ይብል።
እቲ ክኢላ ወሲኹ፡ ክላውድ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሓበሬታ ንምርካብን ቅልጣፈ ቴክኖሎጂ ንምዕባይ ከም ዝሓገዘ ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







