ኣብ ኤርትራ ስለምንታይ ብቝዕ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክኣቱ ዘይተደልየ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓለማዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ 2022፡ "ጋዜጠኝነት ኣብ ትሕቲ ዲጂታዊ ከበባ" ብዝብል ቴማ፡ ትካል ትምህርትን ሳይንስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ዩኔስኮ] ካብ 2-5 ግንቦት ብደረጃ ዓለም ዘዳለዎ ዋዕላ፡ ብቐንዱ ኣብ ዲጂታዊ ቴክኖሎጂ ዘድሃበ ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣብዚ ዲጂታዊ መዋእል፡ መገዲ ኢንተርነት ኣብ ዝፍጠር መርበብ፡ ሰባት ብናጻ ሓሳባቶም ክገልጹ፡ ተቐበልቲ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣፍረይቲን ኣሰጋገርትን ሓበሬታ ክዀኑ'ውን ዕድል ዝፈጥረሎም እዩ።
እዚ ንብዙሕ ዝተሰንዐን ብዘይቅጥዒ ዝፍኖን ቤላቤለዋት ዘቃልዕ ይዅን እምበር፡ እቲ በዚ ምዕባለ'ዚ ዝርከብ መኽሰብ ኣመና ከም ዝዓቢ፡ ብዛዕባ ኵነታት ዲጂታዊ ርክባት ኢንተርነት ኣብ ኤርትራ ኣመልኪቶም ንቢቢሲ ርእይቶኦም ዝሃቡ ኤርትራውያን ምህራት ገሊጾም።
ኢንተርነት፡ ንደቂ ሰብ ሓድሽ ዓለም እዩ ኣግሂዱ፤ ንዅሉ ሸነኻት ናብራ ወዲ ሰብ ይንትክፎ፡ ይጸልዎን የመሓይሾን ኣሎ።
ደረት ዘይብሉ፡ ተኽእሎታትን ዕድላትን ብምፍጣር ድማ ሰባት ዝሓረይዎ ከልዕሉ ናጽነት ዝህብ እዩ።
እዚ ሰባት፡ ባዕሎም ብዝፈጠርዎ ምዕባለ ንዘስፍሕዎ ኣድማስ ናጽነቶም ግን፡ ብጨቈንቲ ስርዓታት ብጽቡቕ ከም ዘይርአን፣ እቲ ናጽነት'ቲ ንምድራት ብኻልእ ብሰባት ብዝተማህዘ መሳርሒታት ምክትታልን ምጽንጻን'ውን ክግበረሉ ይርአ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኵነታት መርኣያ ናይዚ ምዃኑ 'ቶም ምሁራት ይገልጹ።
ዝርጋሓ ኢንተርነት
- ብመሰረት ዓለማዊ ስታትስቲክስ ዝርግሐ ኢንተርነት፡ ኣብ 2021 ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 100 ሽሕ ተጠቀመቲ ኢንተርነት ኣለው፤ እዚ 1.3 ሚእታዊት ናይ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።
- ኤርትራ ካብተን ኣብ ዓለምና እቲ ዝተሓተ ዝርግሐ ኢንተርነት ዘለዋ ኮይና፡ እቲ ዝርግሐ 1.2 ሚእታዊት ጥራይ ዝሽፍን'ዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ኤርትራ ኣገልግሎት ኢንተርነት ሞባይል ቴሌፎን (ዳታ) ክሳብ ሕጂ የለን።
- ኤርትራ ካብ ዓለም ዝኸበረ ክፍሊት ኣገልግሎት ብሮድባንድ ኢንተርነት ዘለዋ ሃገር ምዃና'ውን ኬብል ዩኬ ዝተብሃለ ትካል ምርምር ተጠቀምቲ ቴለኮም ዝዘርግሖ ጸብጻብ ይሕብር። ኣብ ኤርትራ፡ ወርሓዊ ዋጋ ብማእከላይ ገምጋም 2,666.24 ዶላር (39,997.64 ናቕፋ) ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣብ ኤርትራ
ኣቶ ዮሃንስ ሃይለ፡ ደቂ ሰባት፡ ኢንተርነት ብዝፈጥሮ መርበብ፡ ሓበሬታ ክለዋወጡ፡ ርክባት ክፈጥሩ፡ ንግዲ ከካይዱ፡ ገንዘብ ከቐምጡን ከሰጋግሩን፡ ክመሃሩ፡ ክዘናግዑ፡ ክሕከሙን ዳርጋ ዝበዝሕ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ከካይዱ ከምዝኽእሉ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕድል ስለዘየሎ፡ እቲ ተግባር ካብቲ ኣብ መስከረም 2001 ብመንግስቲ ዝተገብረ ዓፈና ፕረስ ነጺሉ ከም ዘይርእዮ ይዛረብ።
ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክገልጽ እንከሎ ከኣ፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክህሉ ስለዘይተደልየ፡ እቲ ዝርካቡ ኣገልግሎት ኣመና ዝሑል ዋጋኡን ቢሮክራሲያዊ መስርሓቱን ከምዘይራኸብ ብምግላጽ፡ ኤርትራ ካብቲ ዓለም ትኸስቦ ዘላ ኣገልግሎት ኢንተርነት ሕርምቲ ምዃና ሓቢሩ።
"መንግስቲ ንዝጠርጠሮም ተጠቀምቲ ኢንተርነት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ስለዝድህልን ዝሃድንን ብዲጂታላዊ ኣገባብ ሓሳብካ ክትገልጽ ኣይከኣልን እዩ፡" ይብል።
ካልእ ኣብ ኣመሪካ ዝነብር፡ ስሙ ክዕቀበሉ ስለዝሓተተ፡ ኣብዚ ጽሑፍ'ዚ "ብርሃነ" ተባሂሉ ዝጥቀስ ዘሎ ናይ ስርዓተ ዲጂታል ምሁር፡ ዘተኣማምን መስመር ኢንተርነት 'ፋይበር-ኦፕቲክ' ዘይትጥቀም እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ኤርትራ ጥራይ ምዃና የረድእ።
ፕሮፌሰር ቪክቶርያ በርናል፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ፡ ብዛዕባ ዲጂታዊ ርክብ ኣብ ኤርትራ ኣመልኪታ ኣብ ዘዳለወቶ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ኣብ ኤርትራ ዋጋ ኢንተርነት ኣዝዩ ክቡር ስለዝኾነ፡ ሰባት ኣብ ቤቶም ብውልቂ ኢንተርነት ከእትው ከምዘይክእሉ፡ ስለዝኾነ መብዛሕትኦም ተጠቀምቲ ናብቲ ንሓደጋ ተጸናጸንቲ ዘቃልዕን ምሉእ ብሕትውናን ዘይብሉ ካፈታት ኢንተርነት ብምኻድ፡ ኢንተርነት ከም ክጥቀም ትሕብር።
ኤርትራዊ ምሁር ኣቶ ብርሃነ ካብ ኣሜሪካ፡ ኢንተርነት፡ ስደተኛታት [ኣፍሪቃውያንን ኤስያውያንን ብፍላይ]፡ ኣብ ዓዲ ምስ ዝርከቡ ኣባላት ስድራ ቤቶም ብቪድዮን ድምጽን ክሳብ ብኣካል ከም ዘለው ኰይኑ ዝስምዖም ብቐሊሉ ክራኸቡን ናፍቘቶም ከውጽኡ ዘኽእል ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብ ምጣነ-ሃብታዊ ምዕባለ ሃገራት እውን ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከምዝገብር የረድእ።
በርናል ኣብ 2016 ኣብ ዘዳለወቶ መጽናዕታዊ ጽሑፋ፡ ኣብ ኤርትራ ብስማርት-ፎን ኢንተርነት ምጥቃም ኣዝዩ ክቡር ብምዃኑ ኤርትራውያን ኣብ ካፈታት እናኸዱ ኢንተርነት ከምዝቀሙን ነቲ ብመንግስቲ ዝግበር ዕጽዋን ምቍጽጻርን ንምስጋር ዝበዝሕ ግዜ፡ 'VPN' ክጥቀሙ ከምዝግደዱ ትሕብር።
ቪፒኤን፡ ሓበሬታኻ ንምሕላው፣ ኢንተርነታዊ ኣድራሻ ናይቲ ትጥቀመሉ ዘለኻ ኢንተርነትን ዳታን፡ ካብ 'ሰርቨር' ሃገራት ወይ መንግስታት ተኸሊልካ፡ ንኽትራኸብ ዘኽእል፣ ወይ'ውን እቶም ዝውቱራት መተግበሪ፡ ከም መሰንጀር፡ ኢሞ፡ ዋትስኣፕ፡ ቫይበር ዝኣመሰሉ፡ ሰባት ንኸይጥቀሙሎም ኣብ ሰርቨር ምስ ዝዕጸው፣ ሰቢርካ ብምሕላፍ ክትጥቀም ዘኽእል ሶፍትዌር እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መረረ ኤርትራውያን ኣብ ኣቕርቦት ኢንተርነት
ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከር ስደተኛታትን፡ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ንዓዲ ደዊሎም ምስ ስድራ ቤቶምን ኣዝማዶምን ክራኸቡ ስለዝኸብሮም፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ከኣ ስለዘየለ ኣዝዮም እዮም ዘማርሩ።
ኣብ መዓስከራት ሊብያ ዝርከብ መርሃዊ ዝተባህለ ኤርትራዊ ምስ ኣርባዕተ ደቃ ኣብ ዓዲ ትነብር ዘላ በዓልቲ ቤቱ ብኢንተርነት ክረኽባ ከም ዝሽገር ኣምሪሩ ይዛረብ። እቲ ኣብ ውሱን ከተማታት፡ ኣብ ካፈታት ብኽቡር ዋጋ ዝርከብ ኣገልግሎት ኢንተርነት'ውን ድኹም እዩ።
"ኣብቲ ሰበይተይ እትቕመጠሉ ንእሽቶ ከተማ ኣገልግሎት ኢንተርነት ስለዘየለ፡ ናብ ኣስመራ እናመጽአት እያ ትረኽበኒ። እዚ እውን በቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጡ ኣዝማድ ኣቢልካ ቈጸራ ሒዝካ እዩ፡" ክብል በቲ ብጽሑፍ ጥራይ ዝግበር ናይ ርኽክብ ሽግር የማርር።
ነዊሕ መገዲ ተጓዒዛ ንኣስመራ ዝመጽአት በዓልቲ ቤቱ፡ ኣብታ ከተማ መብራህቲ እንተዘይጸኒሑ ወይ እውን ከም ገለ 'ቲ ኢንተርነት እንተ ዝሒሉ ቈልዑ ገዲፋ፡ ኣብ እንዳ ቤተሰብ ክትሓድር ትግደደሉ እዋናት ከም ዘሎ ይዛረብ።
ኣቶ ዮሃንስ ብወገኑ እቲ ኣብ ኵለን ጐረባብቲ ኤርትራ ዘሎ ስሉጥ ኣገልግሎት ኢንተርነት፡ ኣብ ኤርትራ ዘይምህላው ብስእነትን ሕጽረትን ዘይኮነ፡ ህዝባዊ መድረኽ ልዝብ ንኸይምዕብል፡ ክትዕን ሓሳብ ምልውዋጥን ንምቍጽጻር ብፍላጥ ከምዝተገብረ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዝርከብ ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ዝተጻሕፋ ሃገረይ ዘርእስተን ክልተ መጻሕፍቲ ንዘሎ ምስክርነት ብምጥቃስ ይምጕት።
ኵነታት ፕረስን መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ኣብ ኤርትራ
ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ፡ ብዘይ ዝዀነ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊን ቁጠባውን ለውጢ ንዓመታት ስልጣን ገቢቱ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንመብጽዓታት ሓርነታዊ ቃልሲ ጠሊሙ፡ ሃገራዊ ትካላት ኣዕንዩ፡ ብሕታዊ ጽላት ኣልሚሱ፡ ጋዜጣታት ብሕቲ፡ ሲቪላውን ፖለቲካውን ማሕበራት ከምዝኣገደን ጋዜጠኛታት ዝርከቡዎም ኣሽሓት ሰባት ከምዝሓየረን ይዛረብ።
ብተወሳኺ ፕሮፌሰር ጋይም፡ ኤርትራ፡ ነቲ ድሕሪ 30 ዓመታት ቃልሲ ኣብ 1991 ዝረኸበቶ ናጽነታ ብዝግባእ ከየስተማቐረት፡ ኣብ 1998-2000 ምስ ኢትዮጲያ ብዝኣተወቶ ኲናት ዶባትን ንዕስራ ዓመታት ዝሰዓበ 'ኵነተ-ኲናትን' [State of War] ከምዝተደወነ፡ እቲ ስርዓት ኣብ 2001 ንዝተቓወምዎ ብምእሳርን ጋዜጣታት ብሕቲ ብምዕጻውን ኤርትራ ካብ መላእ ኣፍሪቃ ናጻ ፕረስ ዘይብላ ብሕታዊት ሃገር ከም ዝገበራ የረድእ።
ኣህጉራዊ ትካል ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት፡ ሲፒጀይ፡ ዓመታዊ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻባቱ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን ናጻ ክትዕን ከምዘየፍቅድ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝተኣስሩ ብውሑዱ 16 ጋዜጠኛታት ከም ዘለው ኣብ 2019 ኣብ ዝወጽኦ ጸብጻቡ ይጠቅስ።
ኤርትራ፡ ስለምንታይ'ያ ንኢንተርነት ኣጽኒዓ ትሕዞ?
ኣብ ኤርትራ፡ ድሕሪ ምዕጻው ጋዜጣታት ብሕቲ፡ ነቲ ዝተፈላለየ መተግበሪታት - ኣፕሊኬሽናት - ተጠቒምካ ዝግበር ምልውዋጥ ሓበሬታ ኢንተርነት ብጽኑዕ ከም ዝሕሎ ዝገልጽ ኣቶ ዮሃንስ፡ ዲጂታላዊ ቴክኖሎጂ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ለውጥታት ዝድርኽ ድምጽታት ንኽስማዕ ኣማራጺ መድረኽ ስለዝፈጠረ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ካልእ ጽድያ ዓረብ ክርኢ ስለዘይደሊ እዩ ይብል።
እቲ ኣብ 2011 ዝነቶገ 'ብጽድያ ዓረብ' ዝፍለጥ ኣብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝተራእየ ናዕብን ለውጥን ሓደ ኣብነት ናይ ምዕባለ ዲጂታላዊ ርክባት እዩ።
ስለዝኾነ እተን ብሕሱማት ጸቐጥቲ ስርዓታት ዝመሓደራ ሃገራት፡ ዜጋታተን ብመገዲ ኢንተርነት ሓሳብ ሓድሕድ ክካፈሉ፡ ድምጾም ከስምዑ፡ ካብኡ ሓሊፎም'ውን ክውደቡን ክንቀሳቐሱን ዕድል ስለዝህብ ተጠንቂቖም ከም ዝርእዩዎ ኣቶ ዮሃንስ ሃይለ ይውስኽ።
ኣቶ ብርሃነ ብወገኑ: ነቲ ዘይነብ ቱፈኪ ዝተባህለት ጸሓፊት፡ ዲጂታላዊ ቴክኖሎጂ ነቲ ኣንጻር መንግስታት ዝግበር ተቓውሞ ብመገዲ ኢንተርነት ናብ ዝግበር ምትእስሳር መርበባት ከምዘግዓዞ ዝገልጽ፡ ኣብ 2017 ዘሕተመቶ Twitter & Tear Gas ዝብል መጽሓፋ ብምጥቃስ፡ መንግስታት፡ ኣብ እዋን ጽድያ ዓረብ፡ በቲ ልሙድ ኣገባባተን ንምንቅስቓስ ዜጋታተን ክዕፍና ፈቲነን ስለዘይተዓወታ እቶም ለውጢ ዝሰግኡ ስርዓታት ከምዘየቕሰኖም ይዛረብ።
ኣቶ ዮሃንስ እውን ኤርትራ፡ ምስቶም ቀውዒ ጽድያ ሰውራ ኢንተርነት ዝተኻየደለን ሓደ ሓደ ሃገራት ዓረብ ብዙሕ ዘመሳስል ነገራት ከምዘለዋ፡ ብውሕዱ ንዓመታት ስልጣን ብዝበሓተ ሓደ ሰልፍን ውልቀሰብን ትግዛእ ምህላዋ ብምምልካት፡ እቲ ብመንግስቲ ዝካየድ ዓፈና ፕረስ ካብዚ ስግኣት እዚ ከምዝነቅል ምዃኑ የረድእ።
እቶም ምሁራት ኣቶ ብርሃነን ኣቶ ዮሃንስን፡ 'ነቲ ብእዋናዊ ዲጂታዊ ቴክኖሎጂ እናተሓገዘ፡ ክኽፈት ዝኽእል መድረኽ ብምህሃልን ምልውዋጥ ሓሳባትን፡ 'ፓብሊክ ስፈር' ከም ዘይህሉ ንምግባር፣ ብፍላይ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ዜጋታት፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ከም ዘይራኸቡ፣ ከም ዘይሰምሩን ንምግባርን ዘኽእል ኵነታት ንምፋጥር፡ ኰነ ኢሉ መንግስቲ ዝዓጸዎ እዩ፡" ብምባል፡ ዘይሩ ዘይሩ፡ እቲ ኻልእ ገጽ ዕጽዋ ምግላጽ ሓሳባት ምዃኑ የስምሩሉ።

ምንጪ ስእሊ, AP/Andrew England
ቁጠባዊ ኣገዳስነት ኢንተርነት
ማርታ ጉሬሮ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ በርሚንግሃም፡ ኢንተርነት፡ ገዚፍ ዕብየትን፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ልምዓትን ኣብ ምምጻእ ዝፈጥሮ ተኽእሎን ትገልጽ።
ንሳ፡ ኢንተርነት፡ ኣፍራይነት ብምዕባይ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት ኣስተዋጽኦ ምግባር ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ዝተረሓሓቐ ቦታ ዝነብሩ ሰባት ተቐራሪቦም [ብመገዲ ኢንተርነት] ዕዳጋ ክፈጥሩ፣ ዜጋታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ፣ ዕድላት ትምህርቲ ንምስፋሕ፣ ሓደስቲ ምህዞታት ዘኽእል ባይታ ንምፍጣር፣ ዜጋታት ብቐሊሉን ብናጽነትን መንግስታዊ ኣገልግሎታት ክረኽቡን ከም ምኽፋል ኣታዊ ግብሪ ዝኣመሰሉ ግቡኣቶም'ውን ብቐሊሉ ከከናውኑን፣ ብመገዲ ሞባይል ባንክ፡ ገንዘቦም ከመሓድሩ ተኽእሎ ከም ዝፈጥር ትገልጽ።
መጽናዕትታት ዓለማዊ ባንክ'ውን፡ ኢንተርነትን ቁጠባዊ ምዕባለ ሃገራትን ቀጥታዊ ምትሕሓዝ ከምዘለዎ ዘረጋግጽ እዩ።
ዝርግሐ ኢንተርነት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ፡ ቁጠባዊ ዕብየት ማዕረኡ እናዓበየ ይኸይድ፤ ቁጠባዊ ትሕዝቶ ውልቀሰባት'ውን ብደረጃ ተጠቃምነት ኢንተርነት እናዛየደ ይኸይድ።
ብተመሳሳሊ ኣገባብ መጽናዕቲ፡ ሰፊሕ ተጠቃምነት ኢንተርነት ዘለወን ሃገራት፡ መጠን ድኽነተን እናወሓደ ይኸይድ፣ ብኣንጻሩ ጸቢብ ዝርግሐ ኢንተርነት ዘለወን ሃገራት፡ መጠነ-ድኽነተን ዓቢይ ምዃኑ፡ መጽናዕቲ ባንክ ዓለም የረጋግጽ።
ኣብ ቍጠባዊ ዕብየት ኣብ ሐደ ሕብረተሰብ ኣገዳሲ ዝዀነ፡ መሰረታዊ ፍልጠታት፡ ሰባት ብዛዕባ ነብሶም፡ ጥዕናኦም፡ ታሪኾም፡ ከባቢኦምን ዓለምን ብንቕሓት ክፈልጡን፡ ኣብኡ ብከመይ ኣትዮም ክዋስኡ ይኽእሉን፣ ኢንተርነት ዕድል ከም ዝኸፍት፡ ማርታ፡ ኣብቲ 'The impact of Internet connectivity on economic development in Sub-Saharan Africa' [ኢንተርነትን ጽልዋኡ ኣብ ቍጠባዊ ምዕባለ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ] ዝብል መጽናዕታዊ ጽሑፋ ኣቕሪባቶ ከም ዘላ፣ ኣብ ለንደን ዝምቕማጡ ብዮሃንስ ሃይለ ክጽዋዕ ዝመረጸ ኤርትራዊ ምሁር የመልክት።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







