ብትሕቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፉ ኣገደስቲ ገመዳት ኢንተርኔት ከም ዝተቘራረጹ ተሓቢሩ

ሓያለ ገመዳት ኢንተርኔት ብትሕቲ ቀይሕ ባሕሪ'ዩ ዝሓልፍ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓያለ ገመዳት ኢንተርኔት ብትሕቲ ቀይሕ ባሕሪ'ዩ ዝሓልፍ

ብትሕቲ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝሓልፍ ንኤስያን ንኣውሮጳን ዘራኽብ ገመዳት ኢንተርኔት እቲ 25 ሚኢታዊት ከም ዝተቘራረጸ ሰብ መዚ ኣመሪካን ትካላት ቴሌኮምን ገሊጾም።

ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝመደብሩ ኤችጂሲ ዝተባህለ ትካል ቴሌኮም ካብቶም ብትሕቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፉ 15 መስመራት ቴሊኮም እቶም ኣርባዕተ ብኸቢድ ከም ዝቘራረጹ ብምሕባር ንምጽጋኖም ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ጠንቂ ምብትታኽ እቲ ገመዳት ኢንተርኔት ክሳብ ሕጂ ኣይተፈለጠን።

ሰብ መዚ ኣመሪካ እቲ መስመር ኢንተርኔት ኰነ ኢልካ ድዩ ተቆሪጹ ዋላ መልሕቅ ዝደርበያ መራኽብየን ብመልሕቐን በቲኸንኦ ንምፍላጥ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስቲ የመን እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ካብቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዘካይድዎ ዘለዉ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታታት ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ እቲ ብትሕቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፍ ገመዳት ኢንተርኔትን ቴሌኮሚዩኒኬሽንን ዕንወት ከውርዱ ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቑ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

እቶም ንዝበዝሐ ምዕራብ የመንን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ የመንን ተቆጻጺሮም ዘለዉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ሑቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ብትሕቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፍ ገመዳት ኢንተርኔት ንምጥቃዕ ፈቲኖም ዝብል ክሲ ብምንጻግ ኣብ ልዕሊ እቲ መስመር ኢንተርኔት ዝዀነ ዓይነት ዕንወት እንተወሪዱ፤ ኣመሪካን ብሪጣንያን ተሓተትቲ ምዃንን ገሊጾም ነይሮም።

ሑቲ ኣብ ልዕሊ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ ናይ ንግዲ መራኽብ ተደጋጋሚ ናይ ድሮንን ሚሳኤልን ምጥቃዕትታት ክፍጽሙ ምስ ጀመሩ፡ ከም ግብረ መልሲ ኣመሪካን ብሪጣንያን ንመኽዘን ኣጽዋርን ኣጽዋራትን ሑቲ ዕላማ ዝገበረ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ከም ዘካየዳ ዝዝከር’ዩ።

ሑቲ እቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዘካይድዎ መጥቃዕትታት ንፍሊስጤምን ንሓማስን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ከም ዝዀነ’ዮም ዝገልጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኤችጂሲ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣርባዕተ ሓደጋ ምብትታኽ ኣጋጢምዎ ዘሎ ገመዳት ኢንተርኔት ሲኮም፡ ቲጂኤን ጉልፍ፡ ኤስያ ኣፍሪካ ኣውሮጳ 1 ከምኡ ከኣ ኣውሮጳ ኢንድያን ዝተባህል መስመራት ከም ዝዀነ ሓቢሩ።

ብሰንኪ እዚ ምብትታኽ እዚ መስመራት 25 ሚኢታዊት ናይቲ ብትሕቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፍ መስመራት ኢንተርኔት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞ’ዩ ጸብጻብ ኤችጂሲ ዝገልጽ።

ካብቲ ንኣውሮፓን ንኤስያን ዘራኽብ ገመዳት ኢንተርኔት እቲ 80 ሚኢታዊት ብትሕቲ ቀይሕ ባሕሪ ከም ዝሓልፍ ኤችጂሲ ይሕብር።

ኤችጂሲ እቲ ብትሕቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፍ ገመዳት ኢንተርኔት ክሳብ ዝጽገን ንዓማዊሉ ካብቲ ካብ ኣውሮጳ ብቻይናን ብትሕቲ ሰለማዊ ውቅያኖስን ዝሓልፍ ገመዳት ኢንተርኔት ከም ዝጥቀሙ ገይሩ ከም ዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ገመዳት ኢንተርኔት ዘመሓድር ቴሌኮም ንኤፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ብዝገበርናዮ ዳህሳስ እቲ ሃስያ ኣጋጢምዎ ዘሎ ገመዳት ኢንተርኔት እቲ ብትሕቲ ቀይሕ ባሕሪ የመንን ብደቡባዊ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፍ ገመዳት’ዩ” ኢሉ።

ሓደ በዓል መዚ ፔንታጎን ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ብትሕቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፍ ገመዳት ኢንተርኔት ሓደጋ ምብትታክ ኣጋጢምዎ ከም ዘሎ ተኣሚኑ።

እቲ በዓል መዚ ኣሜሪካ እቲ ብምታኽ ገመዳት ኢንተርኔት ኰነ ኢልካ ድዩ ናይ ብኣጋጣሚ ዝተፈጸመ’ዩ ኣሜሪካ ተጻርዮ ከም ዘላ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ካብ ጅዳ ናብ ጅቡቲ ዘራኽብ ብትሕቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፍ ገመድ ኢንተርኔተት ከም ዝተበተኸ ዝዝከር ኰይኑ፡ መርትዖ’ኳ እንተዘይቀረበ ተሓተትቲ ናይቲ ዕንወት ዕጡቓት ሑቲ ምዃኖም ተሓቢሩ ነይሩ።

ሚኒስተር ቴሌኮሚዩኒኬሽን ሑቲ ነቲ ንገመዳት ኢንተርኔት ዕጡቓት ሑቲ’ዮም ዝበታትኽዎ ዘለዉ ዝብል ጸብጻብ ነጺግዎ ነይሩ።

መራሒ ዕጡቓት ሑቲ ዓብዱል ማሊክ ኣል ሑቲ’ውን ሰራዊቱ ኣብ ልዕሊ ገመዳት ኢንተርኔት ዕንወት ንምፍጻም ሃቐነ ከም ዘይብሉ’ዩ ሓቢሩ።

ዕጡቃት ሑቲ ተቆጻጺረሞ ዘለዉ ክፋል የመን ዘርኢ ካርታ
መግለጺ ስእሊ, ዕጡቃት ሑቲ ተቆጻጺረሞ ዘለዉ ክፋል የመን ዘርኢ ካርታ