ኣስመራ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

ቀዳማይ ሚኒስተር "ኣብ ጸጥታዊ ዓውዲ" ብዛዕባ ክገብርዎ ዝደልዩ "ምትሕግጋዝ" ከምዝዝቲ'ውን የመልክት

ምንጪ ስእሊ, MOI Eritrea

ብቀዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

ሎሚ ሓሙስ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝኣተወ ዶ/ር ካሚል ኢድሪስ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምርኻብ ብዛዕባ ኲናት-ሓድሕድ ሱዳን ተዘራሪቡ።

ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ዞባዊን ክልተኣዊን ጉዳያት ከምዝተመያየጡ'ውን ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኤርትራ ሓቢረን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሃገሩ "ንሓድነትን ክብረትን ሱዳን ዘየወላውል ደገፍ" ከምእትህብ ምግላጹ'ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር "ኣብ ጸጥታዊ ዓውዲ" ብዛዕባ ክገብርዎ ዝደልዩ "ምትሕግጋዝ" ከምዝዝቲ'ውን የመልክት።

"ክልቲኦም ወገናት፡ ብዛዕባ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተራእዩ ዞባዊ ንዓለምለኻዊን ምዕባለታት ብምምይያጥ፡ ንሓባራዊ ብድሆታት ንምግጣም መርገጺታቶም ከወሃህዱን ምትሕግጋዞም ከጽዕቑን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣስሚሮምሉ። እዚ ድማ ንጸጥታን ርግኣትን እቲ ዞባ ዘሐይል እዩ" ይብል ብወገን ፖርት-ሱዳን ዝወጸ መግለጺ።

ሚኒስተር ካሚል ናብ ሃገሩ ድሕሪ ምምላሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ ንክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ዘወሃህዱ ሓባራዊ ኮሚቲታት ከምዝቖማ ጠቒሱ።

"ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ፕሮጀክትታት ንምክትታልን ንምትግባርን ዝጸንሓ ፖለቲካዊ ትርከበን ክልተኣዊ ኮሚተታት ንምብርባርን፡ ሓድሽ ቁጠባዊ ኮሚቲ ንምቛም ስምምዕ ተበጺሑ" ይብል መግለጺ ሱዳን።

ድሕሪ'ቲ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ናብ ጎደናታት ኣስመራ ብምውጻእ ብእግሮም ክዛወሩ ከምዝተራእዩ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም ኣለዉ።

ዶ/ር ካሚል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ድሕሪ ምምዛዙ ንፈለማ እዋን'ዩ ናብ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ።

እቲ ንክልተ መዓልቲ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ጉጅለ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሞሕየልዲን ሳልም፡ ከምኡ'ውን ሚኒስተር ባህሊ፡ ዜናን ቱሪዝምን ኻሊድ ዓሊ ኣል-ዓይሰር ዘጠቓለለ'ዩ።

እቲ ጉጅለ ምስ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ከምዝተራኸበ'ውን ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ ነይሩ።

ኣስመራ፡ ኣብቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት-ሓድሕድ ነቲ ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሃገራዊ ሰራዊት ከምእትድግፍ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ "ኣብቲ ጉዳይ ኣበርክቶ ክንገብር ዝገደደና ምኽንያት ንዅላትና ዝምልከት ስለ ዝዀነ እውን'ዩ" ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።

ከማል ኢድሪስ ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራ፡ 9 ጥቅምቲ 2025

ምንጪ ስእሊ, MOI Eritrea

ብኻልእ ወገን ኣብ ምዕራብ ሱዳን ኣብ ሓደ ሆስፒታል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 13 ሰባት ተቐቲሎም።

እቲ ኣብታ ኣብ ዳርፉር ሰራዊት መንግስቲ ዝቆጻጸራ እንኮ ከተማ ኢል-ፋሸር ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብዕጡቓት ኣል-ዳዕመ ኣል-ሰሪዕ ዝተፈጸመ'ዩ።

እቲ መጥቃዕቲ ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረግ ምዃኑ ሰብሞያ ጥዕና ከሲሶም ኣለዉ።

ነቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ብዞባዊ፡ ኣህጉራዊን ዓለምለኻዊን ውድባት፡ ከምኡ'ውን ጎረባብቲ ሃገራት ዝተፈተነ ተበግሶታት ዛጊት ኣይሰመረን።

ምትእትታው ዝተፈላለዩ ሓይልታት ወጻኢ'ውን ነቲ ኩነታት ዝያዳ ከምዝሓለለኾ ይግለጽ።

"ኲናት ሓድሕድ ክልተ ጀነራላት ዘይኰነስ፡ ወራር ናይ ደገ ሓይልታት እዩ፡" ብምባል'ዩ እቲ ኤርትራዊ መራሒ ዝገልጾ።