ሱዳን፡ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ሓሙሽተ ውድባት ጾመ-ረመዳን ቅድሚ ምእታው ግጭት ደው ክብል ጸዊዖም

ብዙሓት ሰባት ብሓባር ኰይኖም እናፍጠሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ሓሙሽተ ዓለምለኻውያን፡ ኣህጉራውያን ዞባውያንን ውድባት ዘጣመረ ጕጅለ፡ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብ ሱዳን ዝኣቱ ዘሎ ኣጽዋርን ተዋጋእትን ንእለቱ ደው ንኽብል፡ ካብ ግጭት ንምሕያብን ሰላማውያን ሰባት ንምክልኻልን ቅድሚ ጾመ-ረመዳን ምእታዉ ዝተወሃሃደ ስጕምቲ ክውሰድ ጸዊዖም።

እቲ ንሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ሊግ ሃገራት ዓረብ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ዘጣመረ ጕጅለ፡ እቶም ንተዋጋእቲ ጕጅለታት ከስምዑ ዝኽእሉ ኣካላት፡ "ቀረብ ኣጽዋር፡ ተዋጋእትን ካልእን ደው ብምባል፡ ንሱዳን ካብቲ ዝቕጽልን ዝብትናን ዘሎ ግጭት ንምድሓን ኣበርክቶ ንምግባር፡" ተራኦም ክጻወቱ ኣለዎም ኢሉ።

እቲ ጕጅለ፡ እቲ ግጭት እናዓረገ ብምኻዱ ዝተሰምዖ ዓቢይ ስክፍታ ብምግላጽ፡ ተወሳኺ ምንሃር ናይቲ ኵነታት፡ እንተላይ ምጥቃም ኣዕናዊ ኣጽዋር ውግእ ብቕጽበት ደው ክብል ጸዊዑ። ሰለማውያን ሰባት ንጾር ናይቲ ኲናት ይስከሙዎ ከም ዘለዉ እውን ኣጠንቂቑ።

እቲ ኣብ ምያዝያ 2023 ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ዝተወልዐ ኲናት ሳልሳይ ዓመቱ ክተምም ተቓሪቡ ኣሎ።

ከም ሳዕቤኑ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቕጸሩ ሰባት ከም ዝተቐትሉ እኳ እንተ ተገልጸ፡ ገለ ትካላትን ናጻ ተንተንትን ግን እቲ ሓቀኛ ቍጽሪ ብኣማኢት ኣሽሓት ክኸውን ከም ዝኽእል እዮም ዝሕብሩ።

እቲ ሕቡራት ሃገራት "ሓደ ካብ ዝበኣሱ ሰብኣዊ ቅልውላት ዓለምና፡" ኢሉ ዝገለጾ ግጭት ሱዳን፡ ንልዕሊ 33 ሚልዮን ሰባት ኣብ ትጽቢት ሰብኣዊ ሕገዝ ከውድቖም እንከሎ፡ ልዕሊ 13.6 ሚልዮን ድማ ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ኣገዲዱ።

እቲ ብዓለምለኻውያን፡ ኣህጉራውያንን ዞባውያን ውድባት ዝተጣየሰ ጕጅለ፡ ብሕልፊ ኣብ ዞባ ኮርዶፋንን ኣል-ባሕር ኣል-ኣዝራቕን ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ኣዝዩ ዘሰክፍ ምዃኑ ገሊጹ።

መጥቃዕቲ ድሮናት፡ ህዝቢ ብብዝሒ ንዝቕመጠለን ከባቢታት ምኽርዳን፡ ኣብ ከም ሆስፒታላት፡ ኣብያተ ትምህርትን ማእከላት ረድኤትን ዝኣመሰለ መሰረተ-ልምዓታት መጥቃዕትታት ይፍጸም ከም ዘሎ ወሲኹ የብርህ።

ኣብ ኣል-ፋሽር ዝተራእየ "ዘሰቅቕ" ኵነታትን ኣቐዲሙ ዝተዋህበ መጠንቀቕታታት ሰማዒ ምስኣኑን ብምዝኽኻር፡ "ድሕሪ ደጊም ሰላማውያን ሰባት ተሰከምቲ ናይቲ ኣደራዕ ክዀኑ የብሎምን፡" ኢሉ።

"ሰላማውያን ሰባትን ስቪላዊ መሰረተ-ልምዓታትን ከለላ ክረኽቡ ኣለዎም፣ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ክኽበር ኣለዎ፣ ውሑስ፡ ስሉጥን ዘይተዓናቐፍን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ኵሎም ዘድልዮም ከባቢታት ክበጽሕ ኣለዎ፡" ክብል ተማሕጺኑ።

"ከቢድ ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ኣፍልጦ ከይረኸበ ክበኵር ኣይክእልን፡" ድሕሪ ምባል ድማ ገበነኛታት ክሕተቱ ኣለዎም ኢሉ።

ጾመ-ረመዳን ክጅምር ሓደ ሰሙን ጥራይ ተሪፉዎ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኵሎም ወገናት ተወሳኺ ክሳራ ህይወት ከየጋጥም ንምክልኻል፡ ሓገዛት ናብ ጽጉማት ምእንቲ ብስሉጥ ክበጽሕ፡ ብመንገዲ መንጎኛታት ብግዝያዊ ምቍራጽ ተጻብኦ ጀሚሩ ናብ ቀዋሚ ክሰጋገር ኣተሓሳሲቡ።

እተን ውድባት፡ ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ሱዳንን ዘለወን ተወፋይነት ብምርግጋጽ፡ ንዅሉ ዝሓቍፍ ፖለቲካዊ ልዝብ ንምውዳድ፡ እቲ ኲናት ሰለማዊ መዓልቦ ክረክብን ንሰለማዊ ፖለቲካውን ስግግር መንገዲ ክጸርግን ካብኦም ዘድሊ ክገብሩ ድልዋት ምዃኖም ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ሙሕየዲን ሳልም እገዳ ሃገሩ ካብ ኣባልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክለዓለላ ጸዊዑ።

ምኒስተር ሳልም ነዚ ዝገለጸ፡ ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዋና ቤትጽሕፈቱ - ኣዲስ ኣበባ - ኣብ ዘካየዶ ዘይወግዓዊ ናይ ምምኽኻር ኣኼባ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ግዳማዊ ምትእትታዋትን ዞባዊ ኣጀንዳታትን ነቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ነዳዲ ይውስኸሉ ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ንሱዳን ካብ ኣባልነት ሓድነት ኣፍሪቃ ዝኣገዳ ብ27 ጥቅምቲ 2021 ኰይኑ፡ ብኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ንቐዳማይ ምኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ካብ ስልጣኑ ብዕልዋ ድሕሪ ምእላዩ እዩ።

ብተመሳሳሊ ዜና፡ ኣባልነታ ስሒባ ዝጸንሐት ሱዳን ናብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ከም ዝተመለሰት ኣፍሊጣ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ውድብን ፈጻሚ ሰክረታርያን ብዝወሰድዎ ተበግሶታት ሃገሩ ነቲ ስጕምቲ ከም ዝወሰደት ገሊጹ።

"ሓደ ካብኡ ንልዑላውነት ሱዳን፡ ሓድነት መሬታን ህዝባን፡ ከምኡ'ውን ንዝጸንሑ ሃገራዊ ትካላታን ምሉእ ኣፍልጦ ብምሃቡ፡ መንግስቲ ሪፓብሊክ ሱዳን ኣብቲ ውድብ ዘለዎ ምሉእ ንጥፈታት ኣባልነት ዳግማይ ከካይድ እዩ፡" ኢሉ።

ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ 2024 እዩ ካብቲ ውድብ ክስሕብ ወሲኑ ነይሩ።