ኤርትራ እትርከበን ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ተሳቲፈን ዘይፈልጣ 10 ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መበል 35 ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2025 ኣብ ሃገረ ሞሮኮ ካብ 21 ታሕሳስ ጀሚሩ ይካየድ ኣሎ።
እዚ ኣፍኮን ብዝብል ዝፍለጥ ውድድር፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ውድድር ኩዕሶ እግሪ እዩ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ድማ 24 ሃገራት ይሳተፋ ኣለዋ።
ኣፍኮን ኣብ 1957 እዩ ብወግዒ ተጀሚሩ።ኣብቲ እዋን ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፋ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ጥራይ እየን።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ 44 ሃገራት እንተወሓደ ሓደ ግዜ ኣብቲ ውድድር ተሳቲፈን ኣለዋ።
ግብጺ፡ ናይጀርያ፡ ካሜሩንን ጋናን ገለ ካብተን ኣብዚ ውድድር ዝያዳ ዝፍለጣ ሃገራውያን ጋንታታት እየን።
ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ጀሚሩ እቲ ውድድር እናሰፍሐን ቍጽሪ ተሳተፍቲ ሃገራት እናወሰኸን እዩ መጺኡ።
እንተዀነ፡ ሕጂ'ውን ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ተሳቲፈን ዘይፈልጣ ሃገራት ኣለዋ።
እዘን ኤርትራ ትርከበን 10 ሃገራት ብዓል መን እየን? ካብ ኤርትራ ክንጅምር።
ኤርትራ
ምስ ስፖርት ኩዕሶ እግሪ ተኣሳሲሩ፡ ብዘፍረየቶም ስሙያትን፡ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዕዙዝ ተራ ብዝነበሮም ተጻወትቲን እትፍለጥ ኤርትራ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ውድድራት ክትሳተፍ ኣይትርኣይን።
ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ድማ ካብ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ እናረሓቐት መጺኣ እያ።
ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ካብ ውድድራት ክትስሕብ ወይ ርእሳ ከተግልል ተራእያ።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ምዕባለ ኩዕሶ እግሪ ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድር ከምዘሎ ድማ ይንገር።
ብተወሳኺ ኣብ ወግዓዊ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ስለዘይትሳተፍ፡ ኣብ ደረጃ ኩዕሶ እግሪ ፊፋ ከይተረፈ ኣይተሰርዐትን።
ጅቡቲ
እዛ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ስማ ምስ ኩዕሶ እግሪ ተኣሳሲሩ ክጽዋዕ ልሙድ ኣይኰነን።
ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ጅቡቲ ኣብ 1979 እዩ ተመስሪቱ። ኣብ 1986 ድማ ናብ ኣመሓዳሪ ኣካል ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ካፍ ተጸንቢራ። ኣብ 1994 ከኣ ኣባል ፊፋ ኰይና።
ሃገራዊት ጋንታ ጅቡቲ ኣብ 1947 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንፈለማ ግዚኣ ጸወታ ኣካይዳ።
ምዕባለ ኩዕሶ እግሪ ጅቡቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምምሕያሽ'ኳ እንተኣርኣየ፡ ኣብታ ሃገር ንሕንሕ ዘለዎ ውድድራትን እኹል ትሕተ ቅርጺን ዘይምህላዉ ግን ዕንቅፋት ኰይኑ ይርከብ።
ሶማልያ
ኣብ ሶማልያ ዝዀነ ስፖርታዊ ምዕባለ ንኸይህሉ ዝደረኸ ብቐንዱ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ እታ ሃገር'ዩ።
እታ 'ከዋኽብቲ ውቅያኖስ' ብዝብል እትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ፡ ካብ 1986 ጀሚሩ ኣብ ሜዳኣ ተጻዊታ ኣይትፈልጥን።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዓለም ብደረጃ ኩዕሶ እግሪ ኣብ መበል 200 ትስራዕ።
ሶማልያ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ንምስታፍ እናተቓለሳ ካብ ዝርከባ ሃገራት ሓንቲ እያ።
ደቡብ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Fédération Sud-Soudanaise de Football
ኣብ ዓለም ዝነኣሰ ዕድመ ዘለዋ ሃገር እትብሃል ደቡብ ሱዳን፡ ንኩዕሶ እግሪ ካብ ባዶ ተበጊሳ ክትሃንጽ ኣብ ምጽዓር ትርከብ።
ምስ ድኹም ትሕተ-ቅርጺ፡ ፋይናንሳውን ፖለቲካውን ጸገማት እያ ትቃለስ ዘላ።
ደቡብ ሱዳን፡ ብኩዕሶ እግሪ ኣብ ኣፍሪቃ መበል 47፡ ኣብ ዓለም ድማ መበል 169 ደረጃ ሒዛ ትርከብ።
ዛጊት ኣብ ኣፍኮን ካብ ዘይተሳተፋ ሃገራት ሓንቲ እያ።
ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣፍኮን ዘይምስታፋ ንምእማን ዝጽገሙ ገለ ሰባት ኣለዉ።
እታ ሃገር ሕጽረት ብቕዓት ዘለዎም ተጻወትቲ የብላን። ኣብ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ኣብ ዝርከባ ክለባት ዝጻወቱ ብዙሓት ተጻወትቲ ኣለዉዋ።
ከም ሃገራዊት ጋንታ ግን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝግብኣ ውሁድ ዓቕሚ ከተማዕብል ኣይከኣለትን።
ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ቀጻሊ ሰላም ዘይምህላዉ ምዕባለ ኩዕሶ እግሪ ክድስክል ደሪኹ'ሎ።
ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ በተደጋጋሚ ንዋንጫ ኣፍሪቃ ክትሓልፍ እያ ዝብል ትጸቢታት እኳ እንተነበረ፡ እዛ ሃገር ግን ዛጊት እቲ ትጽቢት ከተግህድ ኣይከኣለትን።
ኢስዋቲኒ

ምንጪ ስእሊ, CAF
ቅድሚ ሕጂ ስዋዚላንድ ብዝብል እትፍለጥ ዝነበረት ሃገር ንዓመታት ኣብ ትሕቲ ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣጽሊላ እያ ጸኒሓ።
ኢስዋቲኒ ኣብ 2010 ኣብ ካልኣይ ዙርያ መጻረዪ ጸወታ ኣፍኮን ብምብጻሓ እቲ ዝዓበየ ዓወታ እዩ። ኣብቲ እዋን ኣብ ናይ ምድብ መጻርዪ ጸወታ ተሳዒራ።
ኣብ መጻረዪ ጸወታ ኣፍኮን 2025 ኢስዋቲኒ ምስ ጊኒ ቢሳው ማዕረ ክትወጽእ እንከላ ኣንጻር ዚምባብወ ድማ ተዓዊታ። እዚ፡ ዋላ'ኳ ዓቢ ውጽኢት እንተነበረ፡ ንኣፍኮን ንክትሓልፍ ግን ኣየብቀዓን።
ኢስዋቲኒ ኣብዚ እዋን ኣብ ደረጃ ፊፋ ኣብ ኣፍሪቃ መበል 44፡ ኣብ ዓለም ድማ መበል 148 ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።
ለሴቶ
እዛ ምሉእ ንምሉእ ብደቡባዊ ኣፍሪቃ ተኸቢባ እትርከብ ንእሽቶ መሬት ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር፡ ንዓመታት ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ስማ ክተጸውዕ ክትጽዕር ጸኒሓ እያ።
ካብ 1992 ጀሚራ ኣባል ፊፋ ዝኾነት ለሴቶ፡ ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ተሳቲፋ ኣይትፈልጥን።
ሕጽረት ባጀት፡ ተደጋጋሚ ቅልጡፍ ምቅይያር ኣሰልጠንቲን ብቑዕ ምሕዝነታዊ ጸወታታት ዘይምግባርን ተደማሚሮም እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ልዑል ደረጃ ከይትበጽሕ ምኽንያት ኰይኖም ይጥቀሱ።
ናይ ነዊሕ እዋን መደብ ዘይምሕንጻጻ እውን ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ከይምዕብል ዕንቅፋት ኰይኑ ዝብሉ ኣለው።
ጫድ

ምንጪ ስእሊ, CAF ONLINE
ጫድ ኣብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ይኹን ኣብ ዋንጫ ዓለም ተሳቲፋ ኣይትፈልጥን።
ካብ መጻረዪ ጸወታታት እውን ሰጊራ ኣይትፈልጥን። ካፍ ብዘሕለፎ መቕጻዕቲ ካብ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2019ን 2021ን ተኣጊዳ እያ።
ኣብ ሰሌዳ ደረጃታት ፊፋ ኣብ ታሕቲ ካብ ዝርከባ ሃገራት እትምደብ ጫድ ካብ ቀረባ ግዜያት ኣትሒዛ ኩዕሶ እግሪ ንምብርባር ትጽዕር ኣላ።
ሳኦ ቶሜን ፕሪንቺፐ
ሳኦ ቶሜን ፕሪንቺፐን ንእሽቶ ደሴታዊት ሃገር እያ።
ብሰንኪ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣኣን ቍጠባዊ ኵነታታን ጉዕዞ ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ከምቲ ዝግበኦ ክስጉም ኣይክኣለን።
እዛ ትሕቲ 200 ሽሕ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ብተዛማዲ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዘለዋ ስም ድኹም እዩ።
እዚ ግን ኣብ መጻረዪ ጸወታታት ካፍን ፊፋን ካብ ምስታፍ ኣይዓገታን።
እንተኾነ ናብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ምሕላፍ ብድሆ ኮይኑዋ ኣሎ።
ሲሸልስ
ቍጠባ ሲሸልስ ኣብ ቱሪዝም ዝተመርኮሰ እዩ።
እትፍለጠሉ ዝኾን ስፖርታዊ ውድድር የለን።
ኣብ መንጎ ኩዕሶ እግሪ ሲሸልስን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዘሎ ፍልልይ ድማ ልዑል እዩ።
ሲሸልስ ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ተሳቲፋ ኣይትፈልጥን። ኣብ መጻረዪ ጸወታታት እውን ናይ መወዳእታ ደረጃ ሒዛ እያ ትዛዝም።
ብሰፊሕ ፍልልይ ሸቶ ክትስዓር ምርኣይ ድማ ዘይተለምደ ኣይኮነን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







