ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ 2028 ጀሚሩ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ክካየድ ተወሲኑ

ተጻወትቲ ኣይቮሪኮስት ኣብ 2023 ተዓወትቲ ዋንጫ ኣፍሪቃ ምስ ኮኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ (ኣፍኮን) ካብ 2028 ጀሚሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ከምዝካየድ ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ፓትሪስ ሞትሰፕ ኣፍሊጡ።

እቲ ውድድር ካብ 1968 ጀሚሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት'ዩ ክካየድ ጸኒሑ።

ኰይኑ ግብ ኣብ 2027 ዝካየድ ውድድርን ስዒቡ ድሕሪ 2028፡ እቲ ውድድር በብኣርባዕተ ዓመት ክካየድ ተወሲኑ ኣሎ።

ብድሕሪ እቲ ኣብ 2028 ዝካየድ ውድድር፡ ካብ 2029 ጀሚሩ ዓመታዊ ዝካየድ ሊግ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝጅመር ሞትሰፐ ኣፍሊጡ።

"ንኹዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ዘሐጉስ ሓድሽ መሓውር ክንጅምር ኢና" ኢሉ።

"ንረብሓ ኣፍሪቃ ዝጠቅም እየ ዝገብር ዘለኹ። ዓለማዊ ኣቆጻጽራ ዝያዳ ክሰማማዕን ክተኣሳሰርን ኣለዎ።"

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካፍ ንዓወት ኣፍኮን ዝወሃብ ገንዘባዊ ሽልማት ካብ 7 ሚልዮን ዶላር ናብ 10 ሚልዮን ዶላር ክብ ከምዝብል ገይሩ ኣሎ።

እዚ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ኣፍኮን ዝምልከት ሃንደበታዊ መግለጺ፡ ሞትሰፕ፡ ቅድሚ እቲ ሎሚ ሰንበት ኣብ ራባት ዝካየድ ውድድር 2025 ምጅማሩ፡ ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ፈጻሚት ሽማግለ ካፍ እዩ ተሓቢሩ።

በብክልተ ዓመት ክካየድ ዝጸንሐ ኣፍኮን ኣብ ዓመታዊ ስፖርት ኩዕሶ እግሪ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ጸገም ፈጢሩ ጸኒሑ'ዩ።

መብዛሕትኡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየዱ ውድድራት ድማ ኣብ መፋርቕ ዓመተ ስፖርት ክለባት ኤውሮጳ'ዩ ዝካየድ።

ይኹን እምበር ካፍ ነዚ ውድድር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ክካየድ ዝወሰነሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ጸወታ ንምዕዛብ ካብ ዝሽየጥ ትኬታት ዝርከብ ኣታዊ ኣብ ምምዕባል ኵዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ንምውዓል'ዩ።

ካፍ፡ ካብ 2019 ጀሚሩ ኣፍኮን ኣብ ሰነን ሓምለን ካካየድ ወሲኑ ነይሩ'ዩ፡ እንተኾነ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ 19 ከምኡ እውን ኣብ ሃገራት ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ኩነታት ኣየር ነዚ ዘፍቕድ ስለዘይነበረ ዝተለሞ ከካውን ኣይክኣለን።

ኣብ 2021 ከምኡ ከኣ 2023 ጀኣ ኣብ ካሜሮንን ኣይቮሪ ኮስትን ዝተኣንገደ ዋንጫ ኣፍሪቃ ከኣ ኣብ ጥርን ለካቲትን ከምዝካየድ ኮይኑ።

32 ሃገራት ዝሳተፈኦ ዋንጫ ዓለም 2026፡ ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን'ዩ ክካየድ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ናይ ሎሚ ዓመት ኣብ ሞሮኮ ዝካየድ ኣፍኮን ንመጀመርታ ግዜ ኣብ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ክካየድ እዩ። ናይ መወዳእታ ናይ ዋንጫ ጸወታ ድማ 18 ጥሪ እዩ ክካየድ።

ሊግ ሃገራት ኣፍሪቃ 2029

ካብ 2029 ጀሚሩ ኵለን 54 ኣባላት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ተመቓቒለን ምጽራይ ሊግ ኣፍሪቃ ከካይዳ'የን።

ሽዱሽተ ሃገራት ኣብ ዞባ ሰሜን፡ 16 ሃገራት ድማ ኣብ ዞባታት ምብራቓዊ፡ ምዕራብን ማእከላይን ደቡብን ክምደባ እየን።

ጸወታታት ኣብ ወርሒ መስከረምን ጥቅምትን ክካየድ እዩ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ዝመጻ ሻምፕዮናት ድማ ኣብ ወርሒ ሕዳር ንሓድሕደን ተጋጢመን መን ሓፈሻዊ ተዓዋቲ ኮይና ክውስን እዩ።

እቲ ሓድሽ ውድድር "በብዓመቱ ምስ ዝካየድ ኣፍኮን ማዕረ" ከምዝኸውን ዝገልጸ ሞትሰፕ፡ ላዕለዎት መወልቲ ንምስሓብ ምስ ፊፋ ብምትሕብባር ከምዝካየድ ሓቢሩ።

"ዓመታዊ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝጻወቱ ብሉጻት ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ኣብታ ኣህጉር ምሳና ክሳተፉ እዮም" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

"ዓመታዊ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ክወዳደራ እየን፤ ኩሎም ብሉጻት ተጻወትቲ ድማ ኣብዚ ውድድር መጺኦም ክጻወቱ'ዮም።"

"ዓመት ዓመት ዓለምለኻዊ ደረጃ ዘለዎ ውድድር ክንገብር ኢና" ኢሉ።