ኣብ ህንዲ ቁጥዐ ዘስዓበ ዑደት ሊዮነል ሜሲ

ደገፍቲ ቁጥዐኦም ብዕንወት ይገልጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሜሲ ካብ ሜዳ ክውሰድ እንከሎ፡ እቲ ኵነታት ናብ ሓያል ቁጥዐ ከምዝተቐየረ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ሓቢረን

ሊዮነል ሜሲ ናይ 'ኣብ ዝዀነ እዋን ብሉጽ ተጻዋታይ ወይ 'GOAT [greatest of all time]' ዑደት እናካየደ ይርከብ።

ብምስ እዚ ብዝተኣሳሰር ድማ ኣብ ግዝኣት ኮልካታ፡ ሃይደርኣባድ፡ ሙምባይን ደልሂን ዝካየድ ተኸታታሊ ናይ ምልላይ መደባት ከካይድ ኣብ ህንዲ ተረኺቡ።

ኣብ ኮልካታ ኣብ ዝርከብ ስታድዩም ሶልት ሌክ ድሕሪ ምቕራቡ ግን ብዙሓት ዘይተጸበይዎ ነገር ኣጋጢሙ።

ኣብቲ መደብ ክሳተፉ ዝተረኸቡ ደገፍቲ ተቖጢዖም። መናብር ሰይሮም፤ ዝተፈላለዩ ነገራት ድማ ናብ ሜዳ ደርብዮም።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቲ ነቲ ኮኾብ ኩዕሶ እግሪ ንምርኣይ ክሳብ 12 ሽሕ ሩፒ (133 ዶላር) ከፊሎም እዮም ኣብቲ ሜዳ ተረኺቦም።

ሜሲ ናብቲ ሜዳ ክቕልቐል እንከሎ ግን ብብዙሓት ሰበስልጣንን ፍሉጣት ሰባትን ተኸቢቡ ምርኣዮም ተስፋ ቆሪጾም ተሪፎም።

እዚ ኣጥቃዓይ ኣርጀንቲናን ኢንተር ሚያሚን፡ ድሕሪ ኣስታት 20 ደቓይቕ ብኣግኡ ብሓለውቲ ጸጥታ ክእለይ እንከሎ ድማ፡ ተዓዘብቲ ቁጥዖም ክገልጹ ጀሚሮም።

ርእሰ ምምሕዳር ምዕራብ ቤንጋል ማማታ ባነርጂ፡ በቲ ፍጻመታት "ኣዝያ ከምዝተረበሸትን ከምዝተሰናበደትን" ገሊጻ።

ማማታ ባነርጂ፡ መርመራ ከምዝካየድ እውን ሓቢራ'ላ። ብተወሳኺ በቲ ኣብቲ ሜዳ ዘጋጠመ ፍጻመ ንሜሲን "ኣፍቀርቲ ስፖርትን" ይቕሬታ ሓቲታ።

"እቲ [መርማሪ] ኮሚቴ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝርዝር መርመራ ከካይድ'ዩ፡ ተሓተትቲ ከፍልጥ'ዩ፡ ኣብ መጻኢ ድማ ከምዚ ዓይነት ፍጻመታት ንምክልኻል ዝሕግዙ ስጉምትታት ክመክር'ዩ" ክትብል ኣብ ኤክስ ገሊጻ።

ወሃቢ ቃል እቲ ኮኸብ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተሰማምዓሉ መጠን ግዜ ከም ዝፈጸመ ገሊጹ። ብመንጽር ኣወዳድባ ናይቲ መደብ እውን ቢቢሲ እታ ኣማሓዳሪት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርገሓቶ ይቕሬታ ክምልከት ሓቲቱ።

ሓደ በዓል ስልጣን ፖሊስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ዋና ኣዳላዊ" ናይቲ መደብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ከምዝሓበረን ዝኾነ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘይሃበን ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

ሰብመዚ፡ እቶም ኣዳለውቲ ነቶም ትኬት ዝገዝኡ ሰባት ብኸመይ ገንዘብ ክመልስሎም ከምዝኽእሉ ክምርምሩ እዮም ክብል እቲ በዓል ስልጣን ወሲኹ ሓቢሩ።

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ መላእ ህንዲ፡ ኣብቲ "ናይ ብሕቲ ፍጻመ" ዝበሎ ዑደት ተሳትፎ ከምዘይነበሮ እዩ ዝገልጽ።

ሜሲ ኣብ ኮልካታ ዑደቱ ኣብ ውሽጢ 27 መዓልታት ብ45 ሰራሕተኛታት ብዝተሰርሐ 21 ሜትሮ ዝቑመቱ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓወልቲ ብምምራቕ እዩ ጀሚሩ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቲ ነቲ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ብኣካል ክርእዩ ድማ ናብቲ ሜዳ ኣቕኒዖም።

"ንሜሲ እፈቱ" ዝብል ጭርሖታት ሒዞም እናዘመሩ ማልያ ክገዝኡ ተራእዮም።

ደገፍቲ ቁጥዐ ይገልጹ

ምንጪ ስእሊ, Piyal Adhikary/EPA

ሜሲ ፈለማ ኢዱ ናብ ደገፍቱ ገጽ እናወዛወዘ ናብቲ ሜዳ ኣትዩ። እቲ ምርኢቱ ብሃንደበት ምስ ተዛዘመ ግን፡ ገለ ተስፋ ዝቖረጹ ደገፍቲ ቁጥዐኦም ብዕንወት ክገልጹ ጀሚሮም።

እዚ ተዓዋቲ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣብቲ ሜዳ ሓጺር ናይ ምርኢት ጸወታ ክጻወት ትጽቢት ከምዝነበረ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

"መራሕቲን ተዋሳእትን ጥራይ እዮም ንሜሲ ከቢቦምዎ ነይሮም... ንምንታይ ተዓዲምና ደኣ? እዚ ዅሉ ገንዘብ ከፊልና ገጹ እኳ ክንርኢ ኣይከኣልናን" ክብል ሓደ ደጋፊ ንማዕከን ዜና ህንዲ ኤኤንኣይ ተዛሪቡ።

ሰባት ነዚ ሸሞንተ ግዜ ባሎን ዲ ኦር ዝተዓወተ ተጻዋታይ ንምርኣይ ዳርጋ ናይ ሓደ ወርሒ ደሞዞም ከም ዝኸፈሉ ካልእ ዝተቖጥዐ ደጋፊ ንማዕከን ዜና ፕረስ ትራስት ኦቭ ኢንዲያ ሓቢሩ፡

"ፖሊስን ወተሃደራትን ምስ ሜሲ ይሰኣሉ ነይሮም፡ እቲ ምሕደራ ተሓታቲ'ዩ።"

ኣብቲ ዑደት፡ ሜሲ ብወዲ ጋንትኡ ልዊስ ስዋረዝ፡ ከምኡ'ውን ብኣርጀንቲናዊ ሮድሪጎ ዲ ፖል ተዓጂቡ ነይሩ።

ተዋሳኣይ ቦሊዉድ ሻህሩክ ካን እውን ኣቐዲሙ ምስ ሜሲ ከምዝተራኸበ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።